ዘይተጀልሐ ታሪኻዊ ሓቅታት ካብ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ኣሕመድ
ካብ 22 ክሳብ 23 ነሓሰ, 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፣ ካናዳ ዝተሰላሰለ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ.) ክሊ ሰሜን ኣመሪካ ድሕሪ ምፍጻም ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ኣብ ጉባኤን ኣኼባ ህዝብን ተረኺቡ መግለጺ ድሕሪ ምቕራብ ንዝቐረበሉ ሕቶታት’ውን መብርሂ ሂቡ። ናይ ጉባኤ ጸብጻባትን ደምዳሚ ኣዋጅን ብዜና ቤት ጽሕፈት ኣብ መርበብ ሓርነት.ኦርግ ተለጢፉ ኣሎ። ካብዚ ቀጺለ ዘቕርቦ ግን ንገለ ካብ ዝጠቐሶም ኣገደስቲ ታሪኻውን እዋናውን ጉዳያት እሞ ንዓይ ዝመሰጠኒ ኣምራት ኣልዒለ ንኣንበብቲ ንምክፋል ዝዓለመ እዩ።
ቀዳማይ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ክሊ ሰሜን ኣመሪካ፡
ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ዝሃቦ ቃል፡ ናብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ደረጃ ናይ ሰለስተ ውድባት ሓድነት ብኸመይ ከምዝበጻሕና ኣብቲ መስርሕ ስለዝነበርኩ ኣጸቢቐ እፈልጥ’የ፡ ኣባሉ ምዃነይ ድማ እሕበን’የ ብምባል ታሕጓሱ ገሊጹ። ንቕድሚት ብምጥማት ውሽጣዊ ሓድነትና ክድልድል፣ ብተጸዋዋርነት፣ ካብ ስምዒትን ጸቢብ ኣወዳድባን ርሒቕና፣ ብሃገር ደረጃ ብሓሳብን ግብርን ክንሰርሕ ይድለ። ሰልፍና ምስ ኵሎም ብዕላማ ሓደ ራእይ ምሳና ዘለዎም ኣዕሩኽ ተቓወምቲ ሓይልታት ክሰርሕ የድልዮ፡ ኣዕሩኽ ከምዘለዉና ድማ ኣነ እፈልጥ’የ ኢሉ።
ኣብ መዋእል ዝሑል ኲናት፣ ሰውራና ዝጸሉ ዝነበረ ናይ ዴሳውያን ስነ-ሓሳብ፣ ብምልኪ ሸቃላይን መንግስታዊ ቍጠባን (command economy) ዝፍለጥ ቅዋምን ተሞክሮን ፈሪሱ ተሪፉ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ኣምር’ቲ ካብ ዓለም ተነጺሉ ይቕጽል ኣሎ። ንህዝብና ድማ ኣብ ድኽነትን ሕሰምን ኣሳጢሑ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ሸሚሙዎ ይርከብ። ንሕና ለውጢ የድሊ ክንብል ከሎና ንኢሳያስ ምልጋስ ጥራይ ዘይኰነ እንተሎ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓት ማለትና እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዋ ደሞክራስያውያን ስርዓታት ዝምርሓሉ ስነ-ሓሳብ፣ ስርዓት “ሊበራላዊ ደሞክራሲ” ናይ ናጻ ዕዳጋ ቍጠባዊ ቅዋምን እዩ። ንሕና’ውን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ኣስፊርናዮ ስለ ዘሎና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኰንና ጋህዲ ንምግባሩ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ንጥለብ ብምባል ኣምባሳደር ቃሉ ደምዲሙ።
ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡
ቶሮንቶ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝቕመጥዎ ዓቢ ከተማ ስለዝኾነ ብዙሓት ኣብ ኣኼባ ተሳቲፎም፡ ብተዛማዲ ኣዘራርባ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንባህላውን ፖለቲካውን ብዙሕነት ኤርትራ ዘንጸባርቑ ኔሮም ክበሃል ይክኣል። ናብዚ ዕዉት ኣኼባ ዘብጽሐ ድማ በቲ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዘዳለወ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጨንፈር ቶሮንቶ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ዝገበሮ ጻዕርን ጎስጓስን ምዃኑ ክፍለጥ ዝግብኦ ሓቂ እዩ።
ኣኼባ ንምጅማር ኣቶ ያሲን ዑስማን ካብ ጨንፈር ቶሮንቶ፣ ኣቶ ገረዝጊሀር ተወልደ ኣባል መሰጋገሪ ባይቶ፣ ኣምባሳደር መሓመድ ኑርን ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለን ኣብ መድረኽ ደይቦም፤ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ሰላምታ ንኣኼበኛ ድሕሪ ምቕራብ፣ ኣብ ኣመጻጽኣ ሃገርነት ኤርትራን ታሪኽ ቃልስታት ህዝብናን ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ዘሎ ምዕብልናታት ብዝርዝር ገሊጹ። ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ ሰንሰለታዊ ገዛእቲ ብተሳትፎ ናይ ኵሎም ኣመንትን ብሄራትን ምንባሩ ኣስሚርሉ። ናጽነትና ንምርግጋጽ ዘካየድናዮ ቃልስን ስትራተጅን ናይ ሓባርና እዩ፡ ቅድሚ ብረታዊ ተጋድሎ ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት እንተሎ “ማሕበር ሸውዓተ” ናይ ውሱን ወይ ውሱናት ብሄራት ዘይኰነ ኵሎም ሃገራውያን ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ባዕለይ ዝነበርክዎን ዝምስክሮን እዩ። ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ስትራተጂ ሓደ ክነሱ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዝወለዶ ፍልልይ እዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ ንስርዓት ምልኪ ኣልጊስና ደሞክራስያውን ፍትሓውን ለውጢ ንምምጻእ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ’ውን ናይ ሓባርና እዩ ኢሉ።
ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ብናይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ጉጅለታት ውደባ ብሓደ ውሱን ብሄርን እምነትን ኣብ
ልዕሊ ካልኦት ብሄራትን እምነታትን ዝካየድ ዘሎ ወጽዓ ኣምሲልካ ዝግለጽ፤ ታሪኻውን ወድዓውን መንቀሊ ከምዘይብሉ ኣብሪሁ። መግለጺኡ ብምቕጻል፣ እቲ ብሄር እንብሎ ብሓደ ቛንቋ ዝዛረብ ማለት’ዩ፡ ኣብ ውሽጡ ኣቲና ምስ እንርእዮ ግን ብብዙሓት ዝተፈላለየ እንዳታት (ቀቢላታት) ዝቖመ፣ ብቐዳምነት ብዛዕባ እንድኡ’ምበር ብዛዕባ ብሄሩ ዘይግደስ’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ’ተን እንዳታት ናይ ሓደ ብሄር ግርጭታት ይርአ እዩ፡ ስለዚ ደረጃ ብሄር ዝበጽሓ ብሄራት ስለዘየብልና፣ ንዅለን እንዳታት ናይ ሓደ ብሄር ወኪሉ ዝንቀሳቐስ ብሄራዊ ውድብ የለን። ንኣብነት ዓፋር ብሽዱሽተ እንዳታት ዝቖመ ክነሱ፣ እታ ንብሔረ ዓፋር ይውክል’የ ኢላ ትንቀሳቐስ ኣባል ኪዳን ኮይና ዘላ ካብ ሓንቲ እንዳ ዝቖመት እያ። ብሄረ ሳሆ ኣሎ ክብሉና ዝፍትኑ ዘለዉ’ውን ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ እንዳታት ዘለዎ ቋንቋ ሳሆ ዝዛረብ’ድኣ እምበር ደረጃ ብሄር ዝበጽሐ ኣይኮነን። ንብሔር ኵናማ ምስ እንዕዘብ’ውን ከምኡ። እቶም ቋንቋ ትግረ ዝዛረቡ እተኾኑ’ውን ሓደ ብሄር ኣይኰኑን። ብሄረ ትግርኛ ክብሉ ዝፍትኑ ዘለዉ’ውን ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ማለቶም ድኣምበር፤ ናይ ገዛእርእሱ ፍልልያትን ግርጭታትን ዘለዎ ስለዝኾነ ሓደ ብሄር ኣይኮነን። እቲ ብብሔረ ትግርኛ ተወጺዕና ዝበሃል ክስታት’ውን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ፡ ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምልኪ መሪሩዎ ዝስደድ ዘሎ መን ምዃኑ ክትፈልጡ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከድኩም ርኣዩ፡ ካብ ጭቆና ህግደፍ ከምልጥ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ካብ ኩሉ ብሄር’ዩ፤ ብዝያዳ ግን ካብ ብሄረ ትግርኛ እዩ።
ኣመንቲ እምስልምና ተወጺዖም ብምባል ሃይማኖታዊ ውደባ ኣቚሞም ዝንቀሳቐሱ ኣሎዉ። እዚ መልክዕ ወደባ’ዚ’ውን እንተኾነ ንሃገራዊ ጕዳይና ዘገልግል ጥቕሚ የብሉን፤ እኳ’ድኣ ንሓድነት ህዝቢ ዘዘዳኽማ ኢዩ በሃላይ እየ። ናይ ሃይማኖት ምስልምና ወጽዓ ኣሎ ካብ ተባህለ ንምንታይ ብዙሓት ውድባዊ ጕጅለታት ክቖማ ኣድለየ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ እምነት ይኹን ብሄር ብዘየገድስ ንዅሉ እዩ ዝጭቍን ዘሎ፡ ኵልና ብሓባር ክነልግሶ ክንቃለስ ይግብኣና ክብል ኣምባሳደር መ .ኑር ኣገንዚቡ።
መድረኽ ሕቶታት፡
መግለጺ ሰልፍና ክሰምዑን ከተባብዑን ዝመጹ ፈተውቲ ሰልፍና፣ ከምኡ’ውን ኣባላት ወይ ተደናገጽቲ ናይ ካልኦት ተቓውሞ ውድባት ክብድሁና ዝመጹ’ውን ነይሮም። በዳሂ ዝበልዎ ሕቶታት፣ ገለን ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ገለ’ውን ዝተጠምዘዘ ብምንባሩ፤ ኣምባሳደር መሓመድ ኑርን ኣብ ጐኑ ዝነበሩ ብጾቱን ሓቅታት ንኸብርሁ ወርቃዊ ዕድል ዝሃበ ኣጋጣሚ ኔሩ።
ኣብ ሓምለ 2010 ዝተኻየደ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘይምስታፍና ዝቐረበ ሓያለ ሕቶታት ኣብዚ ዝስዕብ ዝጽሞቝ’ዩ፡- “ዋዕላ ምሉእ ዓወት ከረጋግጽ ናታትኩም ተሳትፎ ክህሉ ነይርዎ፣ ዘይምስታፍኩም ተጋጊኹም እየ ዝብል ኢሉ ሚዛኑ ብምቕዳም፤ ስለምንታይ ዘይተሳተፍኩም ዝብል ሕቶኡ የቕርብ”። ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ንሕቶታቶም ብኣኽብሮት ተቐቢሉ፤ ኣብ ዋዕላ ክትህልዉ ነይርኩም ዝደጋገም ሕቶታትኩም፣ ኣብ ሓድነት ዘሎኩም ተገዳስነት እዩ ዘመስክር። ንሕና ኣድላይነት ምግባር ዋዕላ ናትና ሓሳብን ተበግሶን እውን’ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ኪዳን ዘሎ መሪሕነት ንኻልኦት ይትረፍ ንኣባሉ ዝዀነ ውድብ ገዲፉ ክኸይድ ምምራጹ ኣብ ሓድነት ከምዘይግደስ’ዩ ዘመስክር። ምስ ሓድነት ዘይደሊ ሓድነት ክትገብር ኣይክኣልን ኰይኑ ረኺብናዮ። ንሕና ኣብ ጉባኤ ምጽንባር ናይ ሰለስተ ውድባት እንከሎና ሃታ-ሃታ ኢሎም፣ ወከልትና ኣብ ዘይብሉ ውሳኔታቶም ጌሮም ሽማግለኦም መሪጾም ወዲኦሞ። ንሕና ጌጋታት ክእረም’ውን ሓቲትናዮም ኢና፡ ክሰምዑና ኣይከኣሉን። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ብቑዕ ምድላውን ኣወኻኽላን ዘይብሉ ዋዕላ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ ኢልና ክንኣትዎ ዘይመረጽና። እዚ ዘቕረብኩሞ ሕቶ ኣብ ክንዲ ንዓና ናብ መሪሕነት ኪዳን ከተቕርብዎ ዝነበረኩም እዩ። እቲ ሕቶ ድማ “ንምንታይ ክሳብ ጉባኤኦም ወዲኦም ወከልቶም ክሳብ ዝሰዱልኩም ዘይተጸበኹሞም” ዝብል ክኸውን ይግብኦ። ብተወሳኺ ኣቶ ተስፋሚካአል ዮውሃንስ ኣቐዲምና ኣብ ባይቶ ኪዳን ዝተሰማማዕናሉ ማለት ሃገራዊ ዋዕላ ብዘይ ተሳትፎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላ ክንጽውዖ ኣይንኽእልን፣ ስለዚ “ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ኢና ንጽውዖ ኢልና ብስምምዕ ዘስፈርናዮ ጥሂሶም ሃገራዊ ጸዊዖሞ ክብል ኣብሪሁ።
ካልእ ሓታታይ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ውድብኩም ሰውራዊ ባይቶ ንህዝባዊ ግምባር ሓቲቱ ኣስመራ ክኣቱ ተቐሪቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ፤ እቲ ውድብ ኣይኣተወን፤ ንስኻ ግን ኣቲኻ ኔርካ ክብል ይሓትት፡፡ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር መጀመርያ ውድብና ናጽነት ተረጋጊጹ እዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቂዑ እዩ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ፍልልያትና ወጊንና ኣብ ህንጻ ሃገር ንጸምድ ኢልና ኣዊጅና። ምስ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ብዝገበርናዮ ርኽክብ መሰረት ድማ ብኣቦመንበር ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ንዘተ ክንራኸብ ብዝተሰማማዕናዮ መሰረት ናብ ቆጸራና ክንርከብ ኣብ ካርቱም መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጻሕና በቶም ወከልቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ሰመረ ርእሶምን ኣሕመድ ዒሳን ናብ ቤት ጽሕፈትና መጺኦም እቶም ክትረኽብዎም ዘለኩም ሓለፍቲ ስለዘየለዉ ኣይትኺዱ ምስ በሉና ካብ መዓረፎ ነፈርቲ ተመሊስና። ድሕሪ’ዚ ዝነበረኒ ናይ ፈጻሚት ሓላፍነት ኣረኪበ ኣነ ኣብ ኣስመራ ኣትየ ክቃለስየ ኢለ ካብ ብጾተይ ብሰላም ተሰናቢተ ኣትየ። ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተኹ ንኢሳያስ “ንዘተ ክንመጸኩም ተሰማሚዕና ንምንታይ ኣይትምጽኡ ኢልኩምና ኢለ ሓቲተዮ”። ኢሳያስ ኣፍልቡ እናሃረመ “ከበሮ እናወቓዕኩም ዲኹም ክትመጹ ደሊኹም” ኢሉ መሊሱለይ። ኢሳያስ ዘይፈተዎ ድሒሩ ዝበርሃለይ፣ ቅድሚ ምብጋስና ንራድዮ ዶቸቨለ ናይ ሓድነት ዘተ ክንገብር ኣስመራ ክንኣቱ ኢና ኢልና ሓቢርና ተቓሊሑ ስለዝነበረ ነቲ መደብ ሰሪዙዎ። ኣብ ኤርትራ ኣትየ ዝኽእሎ መደብ ተቐቢለ ትጽቢተይን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራን ጋህዲ ንምግባር ምስ ብዙሓት እናተራኸብኩ ተቓሊሰ እየ። ሓደ ካብኡ ምርጫ ክግበርን ቅዋም ክትግበርን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ምስቶም ኣሲሩዎም ዘሎ ብጾት ዘካየድናዮ ምንቅስቓስ ፈሪመ እየ። እቲ ጕዕዞ ጸረ ህዝቢ ዝዀነ ስርዓት ምልኪ ተጋሂዱ፤ እሞ ድሕሪ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ዘይተደላዪ ውግእ ባድመ ዘጥፍአ፣ ፍትሕን ቅዋምን ዘይትግበረሉ ስርዓትን እንታይ ዘጽንሕ ኣሎኒ ኢለ ምስ ተቓውሞ ኰይነ ቃልሰይ ክቕጽል መሪጸ እነኹ ክብል ዘይተጀልሐ ታሪኻዊ ሓቅታት ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣካፊሉ። ኣብዚ ኣኼባ ቶሮንቶ ተረኺቦም ዝነበሩ ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን ኣቶ ኤፍረም ታፈረን ኣብቲ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ዝገለጾ ኵነታት ከምዝነበሩ ብምዝካር ናታቶም ተወሳኺ ሓበሬታ ሂቦምሉ። ኣቶ ገረዝጊሀር ኣብቲ እዋን’ቲ ኣባል ፈጻሚትን ምስቲ ንዘተ ክኸይድ ተቐሪቡ ዝነበረ ኰይኑ፤ “መሓመድ ኑር ኣኼባ ፈጻሚት ጸዊዑ፣ እምበኣር ዘተና ካብ ሰረዝዎ፣ ኣነ ኣትየ ክርእዮ ክኸይድ’የ ስለዚ ምሳይ ዘሎ ሓላፍነት ተረኪብኩም ከተፋንዉኒ ምስ በለና፤ ተቐቢልናዮ፡ ንቕንዕንኡ ብምድናቕ በል ንጕዕዞኻ መሳርፍ እነሆ ኢልና’ውን ኣፋኒናዮ” ኢሉ። ድሕሪ ኣኼባ ኣቶ ኤፍረም ታፈረ ብወገኑ “ነቶም ንኣስመራ ንዘተ ዝኸዱ ሽማግለ ኣነ እየ ብማኪና ቤት ጽሕፈትና ጌረ ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዘብጽሖም ኔረ፤ ነቶም ፍርቆም ኣብጺሐ ነቶም ዝተረፉ ክወስድ ምስ ተመለስኩ፣ ዘተ ተሪፉ እዩ ኪድ ነቶም ዘብጻሕካዮም ምለሶም ተባሂለ” ክብል ሓቢሩ።
ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ንኣባላት ሰደህኤ ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ኣኼባ ቶሮንቶ ሓደ ዘይሕለል ገዲም ተቓላሳይን ማህደር ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ማእከሉ ተረኺቡ ክሕብሮን ክምህሮን ምብቅዑ ንንያቱ ሓፍ ዘበለን ተስፋ ናይ ለውጢ ዝሃበን ኣጋጣሚ ነይሩ። ድሕሪ ኣኼባ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ንብጾቱ “እዚ ኣኼባ ኣይጽዋዕን’ዩ መድረሳ እዩ ክብሃል ዘለዎ፤ ታሪኽና ምሂሮምና ኣፍሊጦምና” ብምባል ገሊጽዎ።
ተሳታፊ ጉባኤ
ፍስሃየ ሓጎስ
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መቐጸልታ ከመይን............ኔርና.....ኣሎናን.....ናበይን ? ጆርጅ ኦርወል ኣብቲ Animal Farm and 1984 ዝብል ጽሑፋቱ “” in times...
-
ስለምንታይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ወይ ከኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ከም’ቲ ገሊኦም...
-
ጸረ-ውግእ ይኹን ኣተሓሳስባና ኵናት ኣየድልየናን ነህዛብ ዘጥፍእ ፈውሲ ክርከብ ቅንዕና...
-
ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡...
-
2012 ዓ. ም. - ዓመት ምቅርራብን ርእዮተ-ዓለም ምቕያርን (Paradigm Shift) ብደስበ ካሕሳይ (ካብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ዝተተርጎአመ)...
-
ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ? እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ...
-
ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ ተመልከቶም ተዓዘቦም ...
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




