Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኸመይ ብመን ?

ቀዳማይ ክፋል

21 ነሓሰ 2010

ዛዕባታት

ሀ ጉዳይ ሃማኖታውን ብሄራውን ጉዳያት

ለ ሲቪካዊ ማሕበራት እንታ ይገብር ኣሎ ?

ሐ ተሓታትነት ኮሚሽን ዋዕላ ከመይ ክኸውን'ዩ ?

ብመጀመርያ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዎ ሕቶታት ከቕርብ እነከለኹ፡ ከም መእተዊ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን፡ ኣብ ዋዕላ ዘሎኒ ተርድኦን ከስፍር እደሊ። ኣብ'ዚ ኣርእስቲ ጉዳይ ዋዕላ ኣልዒለ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ብመጀመሪያ ክጠቕሶ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ዋዕላ ብመሰረቱ ሓደ ኣውንታዊ፡ ኣካቢ፡ ዘታዪ፡ ጸገም ፈታሒ እንተደኣኣ ኮይኑ ፈጺሙ ክንጸግን፡ ክኹነን፡ ክንቐፈን ዝግብኦ ኣይኮነን። ስም ዋዕላ ከኣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ብእኡ ስለ ንርድኦ፡ ሕቶ ዋዕላ ኣብ ዝስመየሉ እዋን ኩሉ ንዋዕላ ዘንቐለ ይኸውን። ልክዕ'ዩ ጉዳያትካን ጸገማትካን ትፈትሓሉ መጋባእያ ብኣወንታዊ ዓይኒ ክጥመት ግድነት'ዩ። ግን ከኣ፡ ኣብ'ዚ መዳይ ከነስትውዕለሎም ዝግባእ ኣሎ። ዋዕላስ ተቐበልናዮ፡ ዋዕላ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ ኢልና ክንሓትት ግን ልዕሊ ኩሉ ግቡእ እመስለኒ። ምእንት'ዚ እዚ ዋዕላ ንስማዊ ዋዕላ ዘይኮ'ነስ፡ ትሕዝቶ ዋዕላ እንታይ'ዩ ዝብል ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ብዛዕባ ዋዕላ ክንዛረብ ኣገዳስነት ዘለዎን ኩሉ ከኣ ርእይቶን ሓሳባትን ክህበሉን ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ እስማዓኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዝተወደአ ዝገልጽ፡ ኣዋጅን፡ ውሳኔታት ዋዕላን ብሰፊሕ ንህዝቢ ተዘርጊሑ። ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝሕለፎ ኣጠቓላሊ ክግምገም እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ኣውራ ውሳኔኡ፡ ዋዕላ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር እዩ ዝብል።

ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ዋዕላ ንድሕሪ ሓደ ዓመት ክግበር ዋዕላ ንዋዕላ ወሲኑ። እዋእ እዚ ዝተኻየደ ዋዕላ ደኣ ዋዕላ ዶ ኣይኮነን'ዩ ዝብል ሕቶ ከኣ የስዕብ። ብዝዀነ እዚ ንሓሳባት ንምስፋሕን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለ ኣገባብቱን ቅጥዑን ንዝምልከት፡ ብዝያዳ እቲ ሕቶ ንምንታይ ክምልስ ዝግባኦ ስለምንታይ ከም ዝተላዕለ ብውሕዱ ከብርሆ ዝኽእል መልሲ'ዩ።

ዋዕላ ንዋዕላ ወሲኑ ክበሃል እንከሎ፡ ሽማግለ ዋዕላ ካብ'ቲ ቅድም ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ መብርሂ፡ ሓበሬታን ዝወሰዶ ተበግሶን ኣይሰማማዕን'ዩ። ብዝዀነ ኮይኑ ዋዕላ ተገይሩ ተባሂሉ'ምበር ገና ዋዕላ ኣብ ቅድሚ ምስንዳእ ዋዕላ ከም ዘሎ ዘረድን ዘመልክቶን ገና ነቲ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝተባህለ ዝደግም ምህላዉ እዩ። ንኣብነት እዚ ኣብ ዋዕላ ተወሲኑ ዝባሃል ዘሎ ጉዳያት፡ ብሽማግለ ዋዕላ ዝቐረበ ግን ከኣ ዕለቱ ዘይጠቐሰ፡ ብግምተይ ግን ኣብ ከባቢ 4 ሓምለ 2010 ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሐ ኣብ ሰለስተ መደባት ዝተኽፍለ መጸዋዕታ ነይሩ። እቲ መጸዋዕታ ከኣ ብዛዕባ'ዚ ሕጂ ከም ውሳኔ ሓሊፉ ዝበሃል ዘሎ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ህዝቢ ሓሳቡ ክህበሉ ተባሂሉ ነይሩ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይ'ቲ መጸዋዕታ ብዛዕባ መሳጋገሪ መድረኽ ይጠቕስ። መሰጋገሪ መድረኽ ንዋዕላ ድዩስ ወይ ዋዕላ እንዳተሰጋገረ ክቅጽል'ውን ኣይገልጽን። ይኹን'ምበር ዋዕላ ስርሑ ኣይደምደመን ገና ይቅጽል ኣሎ።

ኣብ'ዚ ጉዳይ ዋዕላ ሓደ ሓድሽ ዝተፈጥረ ነገር ነይሩ ክበሃል እንተዀይኑ፡ እቲ ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም ተፈላልዩ ብዛዕባ ዋዕላ ዝዛረብ ዝነበረ ዜጋ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቡ ክራኸብ ምኽኣሉ ጥራሕ'ዩ እቲ ፍልልይ ዝነበሮ። ቅኑዕ ውሳኔ ይወሰን ኣይወስን ከኣ እቲ ምርኻቡ ሓደ ኣውንታዊ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ካልእ ክስዕብ ዝኽእል ሓሳብ እሞ ክራኸብ ጥራሕ ድዩ ኸይዱ ነይሩ ንዝብል  መልሱ ኣይኮነን እዩ። እሞ እንታይ ደኣ እቲ ኩነታት ዋዕላ ከም'ቲ ኣብ ቅድሚ ምስንዳእ ዋዕላ ዝነበሮ ኩነታት ክቅጽልን ተደልዩ ዝብል'ዩ እቲ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ። ግን ሽማግለ ዋዕላ ነቲ ሕቶ ክምልስ ስለ ዘይክእልን፡ ነዚ ሕጂ ተፈጺሙ ኣብ ውሳኔ በጺሑ ዘሎ ጉዳይ ክቕይሮ ስለ ዘይክእል፡ ዋዕላ ብዓወት ከም ዝተደምደመ ጥራሕ'ዩ መግለጺ ከውጽእ ዝኽእልን ዝግደድን። እቲ ኩነታት ከምኡ ክገብሩ'ዩ ከኣ ዝግድዶም። ኣብ'ዚ ከኣ ክርሳዕ ዘይብሉን ክለዓል ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፡ ዋዕላ ተዓዊቱ ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ዋዕላ ዝሰዓርዎ ክህሉ ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ዋዕላ ስምምዕ ጥሒሱ፡ ነቲ ዋዕላ ካብ ኣገባብ ወጺኡ፡ ነቲ ዋዕላ ቅድም ክሰማማዕን ጸገማቱን ፍልልይያቱን ክፈትሕ ኣለዎ ንዝበሉ ወገናት ከም ዝተሳዕሩ ገቢሮም ይጠቕስዎም። ስለ'ዚ እቲ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቃውሞ'ምበር ኣማዕዲዩ ዝጠመተ ዕላማ ከም ዘይነበሮ ዝሕብር'ዩ። እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና፡ ናይ ዝተዓወተን ዝተሳዕረን ድምጺ ንሱ'ዩ። ንስለ ሓቕን፡ ክብሪ ህዝብን፡ ሓድነት መሬትን ዝዛረብ ዋዕላ ኣይኮነን። እንተዀይኑ ከኣ ድሕሪ ነቲ ስዒረዮ ዝብሎ ሓይሊ ዘውጽኦ ዘረባን ፍረን እዩ።

ዋዕላ ካብ'ቲ ዝተዓወቶሎም ጉዳያት ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣውራ ካብ'ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕል ኩነታት ሃይማኖታትን ብሄራትን መሪጹ ንሰማዕን ንተጸባይን ምእዋጁ ዝገርም'ዩ። እቲ ጉዳይ ሃይማኖትን ብሄራትን ምንባሩ ንኩሉ ዘካትዕ ኣይነበረን። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ ዋዕላ ተረዳዲኡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣብ ሓደ መዕለቢ ከም ዝበጽሐ፡ ብኣዋጃቱን፡ ብመግለጺኡን፡ ከም'ውን ተሳተፍቲ ዋዕላ ናይ ጽሑፍ ይኹን ናይ ቃል ደገፍ ካብ'ቲ ዋዕላ ዝበሎ ኣይሓለፈን።

ጉዳይ ሕቶ ሃይማኖታትን ብሄራትን መን'ዩ ወሲንዎ፡ መን'ከ ይስርዞን ይቕይሮን ዝብል ሕቶ ቅድሚ'ቲ ስምምዕ ዋዕላ ክመጽእ እንተኽኢሉ ገገለ ጉዳያት ንጹር ክገብረልና ይኽእል። ሃይማኖታውን ብሄራውን ጉዳያት ኣብ ዋዕላ ስለ ዘይተሓንጸጸን ዘይተወሰነን፡ ኣብ ዋዕላ ክስረዝን ክቕየርን ኣይክእልን። ዋዕላ ነቶም ሃይማኖታውን ብሄራውን ሕቶ ኣልዒሎም ተሰሪዕም ክቃለሱ ዝጸንሑ ኣብ ቦታ ዋዕላ ንውሳኔታቶም ክስርዞን ከልዕሎን'ውን ኣይክእልን'ዩ። ከልዕሎን ክስርዞን ንስለ ዘይክእል ከኣ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ በጺሑ ተባሂሉ ክእውጅን ክግለጽን ሓቂ ዘለዎ ኣይመስልን።

ምርድዳድእ ተበጺሑ'ዩ ክበሃል ዘይክእል ኣይኮነን፡ ወይ'ውን ኣነ እምነት ዘይብለይ ወይ ዘይኣምኖን ስለ ዝዀንኩ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ኣገባብን ቅጥዕን ዘይሓለወ፡ ምትካልን ምፍራስን ከይኸውን'ዩ። እወ እቲ ኣበየ ጉባኤታቱ ወሲኑ ዕላማታቱ ተሓንጊጡ ክቃለስ ዝጸንሐ ሎሚ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ነገር ተወዲኡ ኣብቒዑዩ ክበሃል ኣይክእልን።

ስለምንታይ እዚ ተወዲኡ ክበሃል ኣይክእልን? እወ ድሮ እቲ ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ውሳኔታት መሰል ብሄርት ክሳብ ምፍንጫል ተባሂሉ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሒዞም ክቃለሱ ዝጸንሑ ባቡር ዋዕላ ከይተርፉ፡ ብዘራኣይዎ ተሳታፍነት ጥራሕ'ዩ ክብል እደፍር። ባቡር ዋዕላ ይነቕል ኣሎ ደጊም ንሕና ከይንተርፍ ብዝብል ኣዘራርባ ዝነቐለ ኣረዳድኣ እመስለኒ። እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ እቶም ንጉዳይ ብሄራውን ሃይማኖታውን ሕቶ ዝመርሑ ማዕረ ፖለቲካውን ብረታውን ተጋድሎና ተመኩሮ ዘለዎም ለባማትን ፈላጣን ስለ ዝኸኑ ኩሉ ጉዳይ ህዝብና ስለ ዘይስሕትዎ ናብ'ቲ ቅድሚ ዋዕላ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ተመሊስና እንተ ደኣ ታሪኽ ክንግንጽል ኮይና፡ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዚ ዝስዕብ ፍጻሜታት ምንባሩ'ዩ ዘብርሃልና። እስከ እቲ ዝተፈጸመ ጉባኤታት ብሄራት ንርአ፡።

ብ31 መጋቢት 2010፡ ምንቅስቓስ ቢለን ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ፡ ብዕለት 20 ሰነ 2010 ብሄርት ትግርኛ ኣውጁ፡  ቅድሚኡ'ውን ናይ ሳሆ ምንቕስቓስ ናቱ ኣዋጅ ኣውጺኡ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነባራት ዓፋር፡ ኵናማ ብሄራውያን ውድባት ህልው ኮይኑ፡ ንመላእ ናይ ሄራት ውድባት ጠርኒፉ ካብ 28-30 ሰነ 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ ግንባር ብሄራት ብ 30 ሰነ 2010 ኣብ ዘውጽኦ ደምዳሚ ኣዋጅ ጉባኤ መቐለ ኢትዮጵያ ዘመስክሮ ሓቒ'ዩ።

እሞ እዚ ተኣንገድ ተዓጠቕ ጉዳይ ብሄራዊ ሕቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ኣብ ኣኼባ ዋዕላ ንዲሞክራሲ ዋዕላ ሓቒቑን ጠፊኡን፡ ዋዕላ ብምሉእ ምርድዳእ ወጺኡ ይባሃል ኣሎ እንተደኣ ኮይኑ እዚ ዋዕላ ብሓቂ ሃገራዊ ዋዕላ ኮይኑ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዋዕላ ማለት'ዩ። እንተዀነ ግን ነዚ ጉዳይ መስርዑን ኣገባቡን ክሕዝ፡ እቲ ዋዕላ ናይ ኩልና ዋዕላ ክኸውን፡ ዋዕላ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብ ድሮ ዋዕላ ብሃማማኖታውን ብሄራውን ሕቶታት ኣልዒሎም ክጓየዩ ዝጸንሑ፡ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኣወጀ ውሳኔታት ከሰንዩ፡ ሓቕነቱ ከረጋግጹ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ነቲ ኣብየ ውድባቶም ዝኣወጅዎ፡ ናይ ዝሓለፈ ይጽንሓልና፡ ነዚ ናይ ትማሊ 31 ሓምለ ዝተኣወጀ ግንባር ብሄራት ኤርትራ ንምዝልከት ድምር ክስርዙን ብእዋጅን መግለጺታቶም ከልዕልዎም ምተገብአ። እዚ ክሳብ ዘይተገብረ ግን እቲ ጉዳይ ተጠጂኡ ንድሕሪ ከም ዝተርፍ ማንም ዘይስሕቶ ጉዳይ'ዩ።

ካልኣይ ክፋል

22 ነሓሰ 2010

ቅድሚ ናብ ካልኣይ ክፋል ምሕላፈይ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተላዕለ ኣርእስቲ ጉዳይ ሃይማኖትን ብሄራትን ኣብ ዋዕላ፡ ኣብ ምትካልን ምፍራስን ውሳኔታት ንጹር ስለ ዝዀነ ክህሉ ዝኽእል ምድንጋራት ብዙሕ ዘዛርብ ኣሎ ኣይብልን። ዋዕላ ኣብ ውሳኔ ክበጽሕ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብዝወሓደ ነቶም ኣብ ቅድሚ ዕለት 31 ሓምለ 2010 ተተኺሎም ዝጸንሑ ዓብይቲ ውድባዊ ውሳኔታትን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትን ክእርምን፡ ንምስራዞም ክዛተን ክዛረብን ዝነበሮ ክሰግሮ ዘይክእል ሓቒ'ዩ።

ኣብ ዋዕላ፡ ሃይማኖታውን፡ ብሄራውን ውድባት ጥራሕ ኣይኮናን መንገደን ከቕንዓን ክዕርያን ዘለወን። ኩልና ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ዝጸንሓና መርገንጽ ኣረእኣያን ከነተዓራርን፡ ነቲ ንኸዶ ዘሎና ዋዕላ ክንመስልን'ዩ ዝግባእ። እቲ እነመዓራርዮ ኣረኣእያን ከኣ ጸረ ዝዀነ ሓድነት ህዝብን መሬትን፡ ጸረ ዝዀነ ሃማይኖትን ብሄርን፡ ጸረ ዝዀነ ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንኸይፍጸም'ዩ።

ዋዕላ ተሰማሚዕና ጥራሕ'ዩ ኢሉ ዘሎ'ምበር፡ ውሕስነት ዝተሰማማዓሉ ሰነድ የብሉን። እቲ ሰነድ ናይ ቃል ሰነድ ውሕስነት ዘይብሉ ሰነድ'ዩ። ዋዕላ ተዛሪብሉን፡ ተራዲድእሉን ዘይጸንሐ ጉዳይ ከኣ ኣብ ፈላሚ ርክቡ ኩሉ ብስምምዕ ተጨርሹ'ዩ ክብል ሚዛን ሓቕነት ንኩሉ ደላይ ሰላም ፍትሕን ንፍርዲ እገድፎ።

ኣብ'ዚ እንነብረሉን ዘሎና ዘመናዊ ሕብረሰብ ዓለም ብዙሕ ስምምዓት'ዩ ዝግበርን ዝካየድን። እቲ ስምምዓት ከኣ ብዝተፈላልየ መልክዕ ከም ብጽሑፍ፡ ብቃል ብስእሊ ተሰኒዱ፡ ቅድሚ ዝዀነ መጻኢ ስምምዕ ዝቀርብ ራእይ ኣሎ። ብዘይኣፍልጦይ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኩለን እተን ብሃይማኖትን ብሄራትን ተወዲበን ክቃለሳ ዝጸንሓ፡ ነዚ መስርሕ ተኸቲሉን ምስ ሽማግለ ኣሰናዳኢ ዋዕላ ዝገበርኦ ፍሉይ ርክብን ስምምዓትን እንተነይሩ ኮይኑ ከኣ፡ ብእውጅ መልክዑ ክልተኣዊ ስምምዓት ንህዝቢ ክንጸር ዝግብኦ እመስለኒ።

ካብኡ ሓሊፉ ዋዕላ ካብ ሓደ ዝሕቱል መድረኽ ናብ ሓደ ንጥፉ መድረኽ ክሰጋገር ይደሊ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣዛሕትልዎን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተበታቲኾም ዝጸንሑ ዝምድናታት ክኣሳሰር፡ ሓድሽ ስልጡን፡ ግሉጽ ኣሰራርሓ ክገብር ስለ ዘለዎ፡ ንኩሉ ዜጋ ብዘተኣማምን ደረጃ ክስራሕ ዝነበሮ'ዩ። ከተኣማምን እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ድፍኢትን ተጽዕኖን፡ ጥራዓን ብዘይብሉ ንምእንቲ ህዝባን ሃገርን እዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ መስርሕ ክፍጸም ምተገብኤ እንዳበልኩ ኣብ ካልኣይ መደብ ክሓልፍ እደሊ።

ለ ሲቪካውያን ማሕበራት

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ቅድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ሕቶ ኣልዒለ ነይረ፡ ኣብ መርበብ ሓበሪታ ተዘርጊሑ፡ ኣብ'ቲ እዋን ካብ ምንቕስቃሳት ሲቪላዊ ማሕበራት ብዝርእዮ ዝነበርኩ ዝነበረኒ ኣረዳድኣን ዕግበትን ከኣ ኣስፊረ። ጥብቆ ርኤ።

ብዛዕባ ሲቪካዊ ማሕበራት ነቲ ጥብቆ ከም መወከሲ ወሲድኩም፡ ብዛዕብኡ ክዝረብ ዘለዎ ሓደ፡ ተራን ግደን፡ ስርሓት ሓላፍነት ዝምልከት'ውን ክትርድኡለይ እዩ እቲ ሓሳብ። ኣብ'ዚ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እንተሃይልዩ ኮይኑ፡ ኩሉ እቲ ዝካየድ ቃልሲ ብምርጫ ኮይኑ፡ ሓደ ባእታ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሊፉ ናይ'ቲ ኩሉ ባዕሉ ምስ ውድቡ ዝፍጽሞ ዕማም ቃልሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ ይኸውን። ካልእ'ውን ኣብ ሓደ ሲቪካዊ ማሕበር ተጠርኒፉ ስርሓት ዕማም ቃልሲ የካይድ። እቲ ስርሓት ግን ብመሰረቱ ኣብ ዝተፈላልየ ደረጃ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝነጥፍ'ዩ።

ሓደ ባእታ ብምርጭኡ ዝቃለሰሉ መንገዲ ካብ መረጸ፡ ጉዳያት ክሓዋውስ የብሉን። ሎሚ ከም ንእርእዮን ንዕዘቦን ግን እቲ ጉዳይ ካብ መስመሩ ዝወጸ ኮይኑ እስማዓኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ሲቪካዊ ማሕበር ንስም እምበር ብውሽጡ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ወይ ውድብ ስልጣን ክማራቓሕ ዝደሊ እዩ ክትብል ዘድፍረካ ተርኽቦ እንሆ ንዋዕላ ምስ ከዱ ንማሕበሮም ተንጢኖም ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ክሳተፉ ይርከቡ።

እቶም መብዛሕትኦም ኣብ ሲቪል ማሕበራት ዝነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካ ከም ዝደኸሙን፡ ዘይትግበር መብጽዓታት ከም ዝበዝሐን፡ ምፍንጫላት ከም ዝበዝሐ ጠቒሶም ካብ ፖለቲካ ነጻ ኮይኖም ኣብ ሲቪል ማሕበራት፡ ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክኽበረሉ ክቃለሱ፡ ፍትሒ ክመጽእ ክቃለሱ ከም ዝደልዩ ክሕብሩኻ ጸኒሖም ኣብ ገገለ ኣጋጣሚ ከም'ዚ ሕጂ ኣብ ዋዕላ ግልብጥ ኢሎም ካባ ፖለቲካ ተኸዲኖም፡ ንሲቪላዊ ማሕበሮም ብጎኒ ኣንጠልጢሎም ኣብ'ቲ ማእከል ጓይላ ስርሒት ፖለቲካ ይኣትዉ። እዞም ንመሰል ህዝቢ፡ ንረብሓ ህዝቢ ክንጣበቕ ዝብሉ ዝነበሩ ሲቪካውያን ማሕበራት ሎሚ ኣብ'ቲ ሓጋጊ ኣካል ተጸፍዮም ክስርሑ ትርእይ፡ እሞ ሓደ ሓደ ግዜ ኣነ ድየ ብዛዕባ ሲቪካዊ ማሕበር ዘሎኒ ተረድኦ ጌጋ ኮይኑስ ወይ ከኣ ሲቭካዊ ማሕበር ከም ነፋሒቶ ሓንሳብ ሲቪክ ሓንሳብ ከኣ ፖለቲካዊ ክሰርሕ ነገራት ዝሓዋውስ ኮይኑ ዝቃለስ'ዩ እቲ ትርጉሙ ኣብ ዘብል ደረጃ የብጽሃካ'ሞ። ኣብ ዝተወሰን ግዜ ሓላፍነት ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ሲቪካውያን ማሕበር ክንጸረሉ ዘይክእል ደረጃ ይበጽሕ። እተን ዝቀደማ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ደርጃ መወሰኒ ፖለቲካ መድረኽ ካብ ደየባ፡ ብድሕረኤን ተካእቲ ሓደሽቲ ማሕበራት ክምጻ ኣለወን ማለት'ዩ። ምኽንያቱ እቲ ንመሰልን ፍትሕን ዝጣበቕ ማሕበራት፡ ባዕሉ ናይ'ቲ ፖለቲካዊ ዓንኬል ኣባል ካብ ኮነ።

ሲቪካዊ ማሕበር ንኩሉ ውድባት ብማዕረ ዝጥምት እንተደኣ ነሩ ኮይኑ፡ ቅድም ቀዳም ኣብ ውሽጢ ኪዳን ክኻየድ ዝጸንሐ ምፍልላያት፡ ክጸብብ ጸቕጢ ክገብር ይግባእ እመሰለኒ። እንተዀነ ግን እዚ ሲቪካዊ ማሕበራት ዘይፍትሓዊ፡ ዘረሓሕቅ ውሳኔታት ክሓልፍ እንከሎ ኣጽቒጡ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን'ዩ።

እንሆ'ኳ ሎሚ ካብ'ተን ንዋዕላ ስምምዕ ዝፈረማ ውድባት ሎሚ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዋዕ ሰልፊ ብምንጻል ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤርትራዊ ፍትሓዊ ጉዳይ ዘለዎ ሚዛን እንታይ ምዃኑ ዘርድእን ዘመልክትን'ዩ። ሲቪካዊ ማሕበራት ብተጽዕኖ ኣብ ክንዲ ነገር ዘመዓራሪ ተሞዀልዩ ነቲ ፖለቲካዊ ለዓት ባዕሉ ክዕትዕቶ ዝግባእ ኣይመስለንን። ልክዕዩ ከም'ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ ሓደ ዜጋ ኣብ ሲቪል ማሕበር ጥራሕ ክነጥፍ ዝተፈርደ ወይ ዝተወሰነሉ የለን። እቲ ጉዳይ ናይ ውልቀ ምርጫ'ዩ። ሓደ ምርጫ ካብ መረጸ ከኣ ነቲ ጉዳይ ብኣገባቡ ክመርሕን ክነጥፍን ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብን ተርድኦን'ምበር፡ ምንፋግ ኣይኮነን። ሓደ ኣብ ሲቪላዊ ማሕበር ጸኒሑ፡ ምስ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ተጸምቢሩ ክሰርሕ ዘይከሓድ መሰሉ'ውን'ዩ። እንተዀነ ሲቪካዊ ኮይንካ ክትምክት ብምጽናሕ ዕድልን ኣጋጣምን ኣብ ዝተረኽበሉ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ቦታ ክትኸውን ብሓቂ ነቲ ነገር መሊሱ ዘጎብጦ'ምበር ዘዕርዮ ኣይኮነን። እምበር ሓደ ዓብይ እጃምን ሓላፍነትን ካብ ደምበ ተቃውሞ ዝተሰከመን ኣብ ደምበ ተቃውም ፋና ሓድነት ዘብርሀ ውድባቱ ኣፍሪሱ ካብ ዓንቐጻት ቻርተር ኪዳን ዘተግበረ ተባዕ ውድባዊ ስጉምቲ፡ ካብ ዋዕላ ንድሕሪት ክተርፍ ኣብ ቅድሚ ሲቪካዊ ማሕበራት ብምንታይ ሚዛን ከም ዝዕቀን ከም ሕቶ ምቕማጡ ኣገዳሲ እመስለኒ። እዚ ናብኡ ዝቐንዔ ጸርፍን ጸለመ ካልእ ክስታትን ከይተወሰዀ እየ ዝብለኩም። ሲቪካዊ ማሕበራትና ነዚ ዓብይ ፍጻሜ ዘይርእን ዝርስዕን'ዩ።

ብተመሳሳሊ እቶም ንመጻኢት ኤርትራ እንብህጎም፡ ሰብ ዝብህጎም ትጉሃት ጋዜጠኛታትና ከይተረፉ፡ ክውን ነገራት ኣልዒሎም፡ በቲ ክእለት ብርዖምን፡ ድርሰቶም ካልእ መሰራሒ እንተሃለወ፡ ነቶም ኣብ ፍልልይ ዘለዉ ዝብልዎም ኣብ መድረኽ ኣውጺኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንፍርድ ኣብጺሖም፡ ነቲ ዝደልይዎ መንገዲ ደገፍ ክንዲ ዝረኽብሉ፡ ብዕበጦ ዕበጦ ናይ ሓደ ወገን ጥሩምባ ብምንፋሕን፡ ዘይተገብረ ነገር ኣጋኒንካ ንህዝቢ ወረ ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽባሕ መሬት ትወልዶ ሓቂ ዝምስክሮ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ብናይ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝተላዕለ ክትዕ፡ ክንደይ ሰባት ከም'ዚ ሕጂ ኣብ ጸለመ ተዋፊሮም ዘለዉ፡ ንፖለቲካዊ እምነተይ ፡ ንሕጋዊ ጠለብ፡ ንግሉጽ ራእይ ህዝቢ ክዕወተሉ ዝብሎ ሓሳብ ብምቕራበይ ከም ጸረ ሓድነት ፡ ዘይተባህለን ዘይተጻሕፈን ኣይነበረን፡ ሎሚ ከኣ እንሆ ኣብ ትርብዒት ቁጽሪ ሓደ ተመሊሱ ታሪኽ ይደግም ኣሎ። እቲ ጸለምን ጸርፊ ከኣ ይደጋገም ኣሎ።

ሓደ ኪዳነ መሓሪ ዝተባህለ ካብ ኖርወይ ቅድሚ 5 ዓመት ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ከም'ዚ ክብል ጸሓፈለይ " ኣቶ ኣንቶንዮ፡ ንስኻ ኣብ ስልጣን ኮይንካ፡ ኣብ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክትቕመጥ ሲቪካውያን ማሕበራት ከኣ ብደገ ታቤላ ሒዞም ክወጣወጡ ዲኻ ደሊኻ በለ" …….

ዘሕዝን'ዩ፡ እቲ ነገር ናይ ዕግበትን ድሌትን'ዩ። እቲ ጉዳይ ናይ ነጻ ምርጫ'ዩ። ኣብ ሲቪል ማሕበር ክነጥፍ ዝደለየ መሰሉን ምርጭኡን'ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ዝመረጸ ከኣ ምርጭኡ'ዩ። እቲ ሕቶ ስለምንታይ ስርሓት ይተሓዋሰ ኣሎ፡ እቲ መዛረቢ ዝዀነ ሓላፍነት ይተሓዋወስ ኣሎ ዝብል'ዩ። ሓደ ባእታ ጉዳይ እንተሃለዎ ኣነጺሩ ክሰርሕ እንተንቂሉ ሓደ'ኳ ዝኽልኽሎ ዘሎ ኣይመስለንን። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብዛዕባ ውደባ ንገገለ ፍሉይ ቦታ ዝተሓዝኤ ክህሉ ንቃለስ ዘሎና ኣይመስለንን። ካብ'ቲ ሃገራዊ ቅዋምና ዝሕንጸጾ መሰል ፖለቲካዊ ተራ ንላዕሊ ምርጫ ኩሉ'ዩ። ስለ'ዚ ከም'ቲ ኪዳነ መሓሪ ዝበሎ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሰርሕ ዝደለየ ብምርጫን ዕግበቱን'ዩ። ታቤላ ሒዘ መሰል ህዝበይ ክሕሉ ዝበለ ኩሉ ብምርጫ'ዩ። ነቲ ዝሓዝካዮ ምርጫን ግን ብጽፈት ናይ ምስራሕ ሓለፍትነ'ዩ ዘዛርብ።

ጉዳይ ሲቪካዊ ማሕበር ከም'ዚ እንተደኣ ኮይኑ፡ ጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዳርጋ ትርጉም ዘይብሉ ዘረድእ ሞዴል ወይ ቅዲ ኣሰራርሓን ተርድኦን እንዳዓበየ እንተመጺኡ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘስግእን፡ ነቲ ምዕቡል ኣገባብ ከኣ ንድሕሪ ዝመልስ ክኸውን'ዩ። እቲ ናብ ስልጣን ዘብጽሕ ሲቪካዊ ማሕበር እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ብደረጃ ሲቪል ማሕበር ተጠርኒፍካን ኣዳህሊልካን ፖለቲካዊ ሓላፍነት ምምዛዕ'ዩ። ገደብ ሓላፍነት ፖለቲካውን ሲቪካውን ዘይፍለጠሉ ከኣ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን'ዩ ክጋሃድ ዝኽእል። ከም'ዚ ጉዳይ ምስ ሳዕረረ'ዩ ከኣ ገገለ ውድባት ፍጮ በርገሳዊ ማሕበር ፈጢረን ክንቀሳቐሳ ዝጀመራ። እዚ ቅንዕና እንተዘይብሉ ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ ኮይኑ'ዩ ዝተርፍ።

ቅዋም ሓንቲ ሃገር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ሲቪካዊ ንጥፈታትን መሰላትን ኣብ በበይኖም ዓንቐጻት ካብ ዘስፈረ፡ ነናቶም ሓላፍነትን ቦታ ዘቐመጠ'ውን'ዩ። ብኡ ከኣ ኩሉ ይምራሕ።ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ማሕበራት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኣትዮም ክመርጹን ክምረጹን ሰሚዔን ርእየን ኣይፈልጥን። ኣብ'ዚ ማሕበራት ዝነጥፉ ባእታት ከኣ ምስ ሰልፊ ወይ ፖለቲካው ውድብ ምትእስሳር ዘይብሎም ነጻ ተባሂሉም ዝእመነሎም እዮም። ንግጉይ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ጸረ ህዝቢ ዝዀነ ውሳኔ ግን ከቃልዑን ክነቕፉን ከም ዝኽእሉ እፈልጥ።

መደምደምታ

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሓሳብ ብዕሙት ንኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ኤርትራ ዘጠቓለለ ኣይኮነን። ገደብ ስርሓትን ሓላፍነተን ዝፈልጣ ማሕበራ፡ ንኩሉ ኣሳኒየን ክኸዳ ዝደልያ ማሕበራት ከም ዘለዋ'ውን ኣብ'ዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን።

ካብ'ዚ ሓሊፉ ግን ተራ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፋ፡ መቐራረብትን፡ መረዳድእን ኣይነበራን። ሲቪካዊ ማሕበር ካብ ኣኼባ ከይወጹ ከም ኩሉ ኣባል ዋዕላ፡ ኣካል ሃገራዊ ዋዕላን ተማጓቲ እዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ ናይ ጉጅለታት ተኻፊሎም ከኣ ዝተዛተዩ'ምበር፡ ኣብ ዋዕላ ሲቪካዊ ማሕበር ዝውንኖ ናይ ባዕሉ ዘተ ዘካየደን ዝመዘነን ኣይነበረን። ነቲ ዋዕላ ፍሉይ ዝገበሮ ከኣ እዚ ጉድ ሲቪካዊ ማሕበር'ዩ።

ከም ርእይቶይ ሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ዋዕላ'ኳ እንተተሳተፈ፡ ነቲ ዝኸይድ ዋዕላ ክውግን፡ ከቀራርብ፡ ፖለቲካዊ ተዓዛቢ ክኸውን ይግባእ በሃላይ'የ። እቲ ሓሳብ ናይ ምቕራብ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ኣብ ምውሳን ግን ነቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሕደግ ኮይኑ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት ምስ ሙሉእ ነጻነቱ ማዕረ ማዕረ እቲ ዋዕላ ሓሳቡ ከቕርብን ነቲ ዋዕላ ክቅልስ ይግባእ ነይሩ ዝብል ሓሳብ'ዩ ዘሎኒ። እዚ ኩሉ መሰል ሲቪካዊ ማሕበር ግን ቅድሚ ዋዕላ፡ ምስ'ቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተጸፍዩ ዝተመደበ ስለ ዝዀነ ካብኡ ተንከስ ዝብል ኣይነበረን። ሲቪካዊ ማሕበር ብነጻ ዘካይዶ ኣኼባ ኣብ ቦታ ዋዕላ ዘይምንባሩ ከኣ ዘሕዝን'ዩ። ሎሚ ከም ነጻ ሲቪካዊ ማሕበር ነይረ ዝብል እንተዀይኑ ከኣ፡ ሓሳብ ሂበ ዘይኮነ ከኣ ሲቪክ ከም ሲቪክ ማሕበር ብነጻ ዝገበሮ ዝርርብን ዝበጽሖ መደምደምታ ንህዝቢ ከም ታሪኻዊ ሰነድ ከቕርብ ይግባእ። ተስፋ እገብር ኣብ'ዚ ሓሳብ እንተተሰማሚዕና ግደ ሲቪካዊ ማሕበር ብነጻ ኣብ ባይቶ ሓሳቡ ከቅርብን፡ ናቱ ዋዕላ ክገብርን፡ ናይ'ቲ ኩሉ ዝኽየድ ሓሳብ ክመጽንን፡ ኣብ መወዳእታ ብስኒት ናይ ዝተደምደመ መስካሪ ሓላዊ ህዝቢ ኮይኑ ናቱ ኣዋጃት ከውጽእን ውሕስነት ህዝቢ ከረጋጽን።

ክንዕወት'ና

 

 

 

 

 

 

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form