ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን

ኣገዳሲ ሓበረታ ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ።
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ኩሉ ግዜ እንዳማዕበለ ይሰጋገር ከምዘሎ ዝስሓት ኣይኰነን። ካብ ሃገር ፈረንሳ ብ2002 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ብሃገር ሱዳንን ጀርመንን ሰጊሩ፡ ብወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም.ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ሕጋዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ድሮ ተመስሪቱ ይርከብ ኣሎ።
ሕጂ ድማ ኣብ ዝተረፋ ሃገራት ኤውረጳ ንምምስራተን እነሆ መምርሒታት ንሰደልኩም። እዚ መምርሒታት እዚ ከኣ ንኹሎም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን፤
ማለት፤ ጾታኦምን፡ ፖለቲካዊ-መንነቶምን፤ ሃይማነቶምን፡ ዓሌቶምን፤ ብዘየገድስ፤ ዝምልከት ከምዝዀነ ነብርህ። ምኽያቱ ከኣ ዕላማ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ማሕበር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ማሕበር ከኣ ስለዘይኮነ። ንኹሉ ኤርትራዊ ፤ ህሩም ይኹን ዘይህሩም፤ ስንኩል ይኹን ዘይስንኩል ዝምልከት ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ብተፈጥሮ ይኹን ብሓደጋ ወይ ብውግእ ኣካለ-ጸገም ዝወረዶ ኤርትራዊ ዝሕለቕን ዝሕግዝን ዝረድእን ማሕበር ስለ ዝዀነ። ውሽጣዊ ሕግታቱ ምንባብ ከኣ ዝምረጽ ኢዩ።
እዚ ዝስዕብ ሓበሬታታት ከኣ ንኹሎም ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንሰድድ ኣሎና። ንሳተን ከኣ ንሆላንድ፤ ዓባይ-ብሪጣንያ፤ ሽወደን፤ ነርወይ፤ ደንማርክ፤ ስዊዘርላንድ፤ ዘጠቓለለ ይዀውን። 2 ደረጃታት ከኣ ኣለወን።
ቀዳማይ/ ኩሎም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩን ዝነብራን ፤ እሞ ኣባላት ማሕበር
ኮይኖም ክውደቡ ድልየት ዘለዎም ባእታታት ኤርትራውያን፤ ክምዝገቡ ይግባእ።
ማለት ምሉእ ኣስማቶምን፤ ኣድራሻኦምን፤ ቁጽሪ ስልክን ኢመይልን ብንጹር
ተመዝጊቡ ብቕልጡፍ ናብ ማእከላይ ምምሕዳር ማሕበር ክሰዱ የድሊ። እዚ ከኣ
ንኹሉ ዋላ ኣባል ማሕበር ኰይኑ ከገልግል ዝጸነሔን ዝጸንሔትን ብሓባር ዝምልከት
ምዃኑ ኢዩ።
እዚ ናይ ምምዝጋብ መድረኽ እዚ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ክድምደም
ኣለዎ።
ካልኣይ/ ማእከላይ ምምሕዳር ማሕበር ከኣ ነቲ ዝተመዝገብሉ ቕጥዒ ንዝምልከተን
ሃገራት ትሰድድ። በዚ መሰረት ከኣ እታ ሃገር፤ ግዜን ቦታን ናይ ጕባኤኣ ትትልምን
ተካይድን፤ ማሕበራ ከኣ ብዕሊ ትምስርትን ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ ቅድሚ መወዳእታ
ዓመት ናይ 2010 ክድምደም ኣለዎ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ኢዩ ምቛም ኣሰናዳዊት ሽማግለን፤ ምጽጻይ ሕገ-ማሕበርን ዝግበር። ስም ማሕበር ከኣ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ክፍሊ ሆላንድ፤ ክፍሊ ዓዲ-እንግሊዝ …ወዘተ ይበሃል ማለት ኢዩ። ብተወሳኺ ከኣ ምስቲ ሕጊ ማሕበርናን ናይቲ ሃገር ሕግታት ዝሰማማዕ ዓንቀጻትን ቃላትን ከምኣድላይነቱ ይቐርብ።
ምምሕዳር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ
ርኽክብ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ታሕቲ ተመልከት፤
TESFAY Teklezghi – ADE Chairman - 13, Square du Roi Arthur , 35000 Rennes – FRANCE Tel ( 00.33 ) 223.424.968 –
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መቐጸልታ ከመይን............ኔርና.....ኣሎናን.....ናበይን ? ጆርጅ ኦርወል ኣብቲ Animal Farm and 1984 ዝብል ጽሑፋቱ “” in times...
-
ስለምንታይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ወይ ከኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ከም’ቲ ገሊኦም...
-
ጸረ-ውግእ ይኹን ኣተሓሳስባና ኵናት ኣየድልየናን ነህዛብ ዘጥፍእ ፈውሲ ክርከብ ቅንዕና...
-
ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡...
-
2012 ዓ. ም. - ዓመት ምቅርራብን ርእዮተ-ዓለም ምቕያርን (Paradigm Shift) ብደስበ ካሕሳይ (ካብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ዝተተርጎአመ)...
-
ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ? እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ...
-
ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ ተመልከቶም ተዓዘቦም ...
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




