Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

መምዘኒ ዑውት ናይ ተቓውሞ ዋዕላ እንታይ እዩ?

ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ናይ ደምበ ተቓውሞ ዋዕላ ዘካትዕ ነጥቢ ወይ እንፈላለየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ከም’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዝወጹ ክሳብ ሕጂ’ውን ክጸንሕ ኣይነበሮን። ዋዕላ ንክግበር ግዚኡ ስለዝሓለፎ ግን ዋዕላ ንስለ ምግባር ኣይኮነን ክግበር ዘሎዎ። ብተወሳኺ ዋዕላ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልክን ናይ ፍሉይ ፖለቲካዊ ዝንባሌታት ንምዕዋት ዝግበር መስርሕ እውን ክኸውን ኣይግባእን። ዋዕላ ብግሉጽ ነቲ ዋዕላ ብሓላፍነት (Responsibile host) ዘዳሉን ዝዕድምን ኣካል ንጹር ይኸውን። እቲ ብሓላፍነት ዝዕድም ዘሎ ኣካል እቲ ዋዕላ እንታይ ዓይነት ዋዕላ ምዃኑን ኣብ ዋዕላ ረብሓ ዘሎውም ተዓደምቲ (Stakeholders) ብግሉጽ ብምዕሩይን ዝሳተፈሉ መንገዲ (Participation) ኣቐዲሙ ከጻፍፍ ይግባእ። ብዓቢኡ ከኣ እቲ ዋዕላ ከመዝግቦ ዝተሃቀኑ ዕላማታት ብሩህ ኮይኑ መካትዒ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን እማመታትን ኣጀንዳታት ኣዳልዩ ናይ ህዝቢ ርእይቶታት ከመዝግብን ከዋህልልን ከስንቕን ምስተገብኣ። እቶም ተወኪሎም ኣብ ዋዕላ ዝሳተፉ እውን ናይ ዝወከሎም ርእይቶታት ሒዞም ክኸዱን ክሳተፉን እዩ እቲ ኣገባብ።

ስም ዋዕላ - ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ብቀዳምነት ብስም ሃገራዊ-ዋዕላ ምስያሙ ንባዕሉ ግጉይ ኣጸዋውዓን ነቲ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ መጻኢ ዋዕላታት ዘቆናጽብ ኣሰያይማ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። እዚ ዝተካየደ ዋዕላ ንመላእ ሃገርስ ይትረፍ ንደምበ ተቓዎሞ ይኹን ንኪዳን እውን ብሙሉኡ ዘይሓቖፈ ከፊላዊ ዋዕላ ምዃኑ ምእማን ንባዕሉ ኣብ ካልእ ነገራት ንክትእመን ይሕግዝ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ከም ኣካል ናይ ደምበ ተቕውሞ ብዛዕባ ሃገሮም ክመያየጡን ዋዕላ ከካይዱን መሰሎም ሕሉውን ክኽበርን ዘሎዎ ጉዳይ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ዕላማ ዋዕላ

ኣድላይነት ዋዕላን ዕላማ ዋዕላን ነቲ ዋዕላ የድሊ ኢሉ ከም ዓዳሚ ኪዳን ብንጹርን ክፉትን መንገዲ ኣብ ህዝቢ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጡ ክሰማማዓሉን ዝተሰማማዓሉ ከኣ ናብ ህዝቢ ከውርዶ ይግባእ። ንባዕሉ ኣብ  ውሽጡ ዘይበርሀን ዘይተሰማማዓሉ ጉዳያት ዝሰዓበ ይስዓበና ኢልካ ብሃታ ሃታ ዋዕላ ምግባር ተወሳኺ ጸገም ምውሳኽ ድኣምበር ንናይ ተቓውሞ ሓድነት ዘሕይል ከምዘይኮነ ነዊሕ ተዘሪብሉ ሕጂ ውጽኢቱ እውን ክንዕዘብ ንኽእል።

ኣሰታትፋ  ዋዕላ

እቲ ዋዕላ ናይ ደምበ ተቓውሞ ዋዕላ እንተኾይኑ ሙሉእ ደምበ ተቓውሞ ብቅኑዕ ኣሰታትፋን ደሞክራስያዊ ኣወኻኽላን ርእይቶኡ ብወከልቱ ነቲ ዋዕላ ክሳተፎ ምስዝበቅዕ ናይ ተቓውሞ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብግብሪ ደሞክራስያዊ ሱታፌ ዋዕላ ከረጋግጽ ይኽእል። እንተዘይኮይኑ ከም’ቲ ዝተኻየደ፡ እቶም ኣብ ኪዳን ናይ ምውሳን ቦታ ዘሎዎም ባእታታት ንፖሊቲካዊ ዝንባሌኦም ዓብላሊ ግደ ክህሉዎም መታን ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናቶም ጽልዋ ዘሎዋ ንክትከውን ይሰርሑን ሰሪሖምሉ ኢዮም ከኣ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብዝተሓተ ቁጽሪ መታን ክትውከል ተባሂሉ ህጹጽ ኣኼባ ናይ ማእከላይ ባይቶ ዝተኻየደን ብፈጻሚት እውን ብዘይሓጋዊ ክውስን ዝሃቀነ። ኣብ ልዕሊኡ፡ መን ኮን ምስ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ተባኢሱን ፖለቲካዊ ምቅዳው ዘይብሉ ብዝብል መዐቀንታት ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ንክኾኑ ተሰሪሕሉ። ከምእውን፡ ኣባላት ውድብን ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራት ዝኾኑ እውን እንዳተሓበሮም እንከሎ ንጌጋቶም እውን ክእርሙ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ብሰንኪ ናይ ብሩስለስን ቅድሚኡ ብዝጸንሐ ዘይምቅዳውን ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይደናገጹ ዝተባህላ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ይኹን ኣብ ዋዕላ ከይሳተፋ ተገይሩ። ንኣብነት ሓው በሽር ኢሳቕ ኣብ ሬድዮ ኣሰና ዝሃቦ መልሲ ንስድሪ እንተዓዲምና ምድሪ ዝበሃሉ ከኣ ዘይተዓደምና ክብሉና እዮም ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ዝዝከር እዩ።

ዋዕላን ህዝባዊ ደገፉን

እቲ ብተደጋጋሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክብሎ ዝጸንሐ ዋዕላ ንህዝብና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብሓድነት ዘዓስል ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ዘለዓዕል ናይ ህዝብና ትርግታ ፈሊጡ ህዝቢ ዝድግፎ ሓደ ንጹር ስትራተጂ ንምልኪ ዘልግስን ስጡም ዝኾነ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝሕመረቱ ደሞክራስያዊ ናብ ህዝባዊ ስርዓት ከሰጋግረና ዝኽእል ቅዲ ዕላማ ክቕይስ ዝዕላምኡ ክኸውን ርእይቶኡ ኣብ ህዝቢ ግሉጽ ገይሩ ክኸይድ ጸኒሑን ኣሎን። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ዘሎ ፖለቲካዊ ዝንባሌታት ነዚ ሕመረት ሓድነት ህዝብን ሃገርን ከም ማእከላይ ዕላማ ዝቃለስ ሰልፊ ከም ተጻይ ዕላምኦም ገይሮም ስለዝርኣይዎ ኣብ ህዝቢ ንክንጸል መታን ክሳብ ምስ ህግደፍ ኣዛሚድካ ናይ ጸለመ ወፈራታት ከካይዱ ጸኒሖምን የካይዱ ኣሎውን። ነቲ ብሰላማውን ደሞክራስያውን መንገዲ ዝብል ስትራተጂ ናይ ሰድህኤ ብምቁንጻብን ከም ናይ ጽገና ስትራተጂ ገይሮም ብምግላጽ ነቲ ሰልፊ ካብ ኪዳን ከግልልዎ ኣብ ዋዕላ ብዝተሓተ ጽልዋ ንክሳተፍ ክሰርሕሉ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ተግባራት እዚ ዝተዓዘበ ህዝብና ይኹን ዝበዝሓ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣሰናዳዊት ዋዕላ ኣኼባታት ክሳተፍ ዘይመረጸ።

ንኣብነት ኣብ ናይ ማእከላይ ምዕራብ ኣመሪካ (Midwest) ናይ ሓሙሽተ ክፍሊ ሃገራት (States) ኣብ እንድያናፖሊስ እንድያና ብኣሰናዳዊት ዋዕላ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ 13 ሰባት ምንባሮም ኣብ ኣትላንታ ከኣ 12 ምንባሮም ይፍለጥ። ካብ’ዞም 13 ሰባት ኣብ እንድያናፖሊስ ዝነበሩ እቶም 5 ጥራሕ እዮም ኣባላት ኪዳን ዘይነበሩ። ኣብ ኣትላንታ ዝገደደ ካብ ወጻኢ ናይ ኪዳን ኣባላት ዘይተሳተፍሉ ኣኼባ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ኣብነት እዚ ዘመስክሮ፡ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ንህዝቢ ይኹን ንደምበ ተቓውሞ ዘይውክል ከፊላዊ ዋዕላ ምንባሩ እዩ ዘረጋግጾ። እቶም ካብ ህዝቢ ዝተሳተፉ እውን እንተኾነ ኩሎም ናይ ዋዕላ ኣገዲስዎም እዮም ከይዶም ንምባል ዘየድፍር እዩ። እዚ ከኣ ብውክልና ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ ብመን ፍቓደኛ ይኸውን ኣብ ዝብል እዩ ወዲቑ። ስለዚ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣዝማዱ ወይ ኣዝማዳ ክበጽሕ/ክትበጽሕ ዝደለየ/ዝደለየት እውን እንተኾነ ነጻ ቲኬትን ወጻእን ስለዝሽፈን፡ ንግላዊ ጠቕሚ ሰብ ንክኸይድ ዘተባብዕ ሃዋህው እውን ነይርዎ። ስለዚ እዚ ብስም ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተጋብኣ 330 ሰብ ንህዝብን ደምበ ተቓውሞን ክውክል ከምዘይክእል ስለዝፈለጠ እዩ እውን ኣብ መደብ ዘይጸንሓ ንኣድላይነት ሰፊሕ ዋዕላ ኣብ ዓመት ክግበር ዝወሰነ። ነቶም ብንጽህና ዋዕላ ከም ዋዕላ መጠን ከዐውቱ ግዚኦም ኣጥፊኦም ነቲ ኪዳን ዝደልዮ ዕላማታት ዝመከቱ ዓቢ ሞጎስ ይግበኦም። ነቲ ዝተጋብኡሉ ዋዕላ ብዘይምቁንጃው ኣወንታውን ኣሉታውን ገምጋሞም ንህዝቢ ከስንቑ፡ ከም መምሃሪ ኩላትና ክንጥቀመሉን ከኣ ንላበዎም።

መምዘኒ ዕዉት ናይ ደምበ-ተቓውሞ ዋዕላ፡

1. ደምበ ተቓውሞ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ከም መሰረታዊ ሕመረት ዕላማ ምዃኑ ዋዕላ ብስምምዕ ክወጽእ። ብግብሪ ከኣ ነፍሲ-ወከፍ ውድብ ይኹን ተቓዋማይ ምልኪ ብግብሪ ነቲ ዕላማታት ከንጸባርቖ ድሌትን ግብራዊ ስራሕን ከዘውትር ምስዝበቅዕ።

2. ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጨወየ ምልኪ ጉጀለ ህግደፍ ምዃኑ ምእማን። እዚ ጉጅለ እዚ ከኣ ብካብ 50 ዘይበዝሑ ሰባት ዝምወል ምልኪ ምዃኑ ብምልላይ ምስ’ቲ ዝተረፈ ህዝብና ይኹን ህዝባዊ ሰራዊት ዝተወጽዐ ኣካል ናይ ህዝብና ምዃኑን መሓዛ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ ምእማን።

3. እቲ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ናይ ሃይማኖት ወካሊ/ሓላዪ፡ ናይ ፍሉይ ዞባን ብሄርን ተገዳሲ ዘይኮነ ናይ ስልጣን ድሌቱ ከናውሕ ዝደሊ ምልካዊ ጉጀለ ምዃኑ ብምስትውዓል ናይ ሓባር ጸላኢ ብናይ ሓባር ቃልሲ ክእለ ከምዘሎዎ ምእማን። እዚ ማለት ግን እቲ ስርዓት ናይ ህዝብና ድኹም ጎንታት ኣይጥቀመሉን እዩ ማለት ኣይኮነን። እሱ ስለዝገበረ፡ ብወገን ደምበ ተቓውሞ ከምኡ ምግባር ንባዕሉ ካብ ጉጀለ ህግደፍ ከምዘይንሓይሽ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዘቃልዕ ምዃኑ ክስሓት የብሉን።

4. ከም’ቲ ኣብ ቁጽሪ 2 ዝተገልጸ ዋርሳይ-ይከኣሎ ከም መሓዛ ናይ ለውጢ መጠን ኣብ ጎኑ ህዝቡ ኮይኑ ንምልኪ ከፍርስ ጸዋዒት ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ይኹን ብረታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኡ ከይካየድ ዋዕላ ክሰማማዓሉ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ፡ ከም’ቲ ብገለ ውድባት ክካየድ ዝጸንሐ ብምስምስ ናይ ስለላ መዓስከር ብምባል ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ንዋርሳይ-ይከኣሎ ኣብ ጎኒ ጉጀለ ህግደፍ ንክጽጋዕ ዝደፋፍእ ተግባር እዮ።

5. ቁጽሪ ክልተን ኣርባዕተን ምርኩስ ብምግባር ኣብ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝተመስረተ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ኣብ ምትካልን እቲ ዘተኣማምንን፡ ብዝተሓተ ክሳራ ውሕስና ክኸውን ዝኽእል፡ ምስ ኩነታት ናይ ቃልሲ ሸውሃት ህዝብና ዝኸይድ፡ በሰላታት ዘሕውን፡ ነባሪ ሰላም ዘስፍንን ሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ቃልሲ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ብመትከል ዋዕላ ክኣምንን ኣብ ሓባራዊ መትከላውን ስትራተጂካውን ስምምዕ ክብጽሕ።

6. ካብ ሃይማኖታውን ብሄራውን ውደባ ተላቒቕካ ውደባ ኣብ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ይኹን ኣብ ምልኪ ኣብ ምልጋስን ናይ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋርን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥርን ኣብ ሃገራዊ ስነ-ሓሳባዊ ራኢ ዝመሰረቱ ውደባ ዝሓሸ ዘላቒ ፍታሕ ዘምጸኣልና ምዃኑ ብምእማን፡ እተን ሃይማኖታውን ብሄራውን ውደባ ዘካይዳ ውድባት ለውጢ ከካይዳ ኣብ ዋዕላ ክሰማማዓሉ የድሊ። ኣብ ሃገራዊ ስነ-ሓሳባዊ ዝካየድ ውደባ ነተን ተመሳሳሊ ራኢ ዘሎወን ውድባት ብሓባርን ብሓደ ክውደባ ዋዕላ ለበዋ ከማሓላልፍ ይግባእ። ከምእውን ህግደፍ ከም ፓርቲ ፕሮግራሙ ኣብ ህዝቢ ኣቃሊሑ ንመትከልን መሰልን ኣብዝሓ ሰልፍታት ኣሚኑ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከሰጋግር ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ከም ካልኦት ፓርትታት ማዕርነታዊ መሰሉ ሕሎው ከምምዃኑ ምእማን። እቲ ብገበን ዝሕተቱ ውልቀ-ሰባት ዝሓቶም ብህዝባዊ ቅዋም ዝጸደቐ ህዝባዊ ቤት-ፍርዲ ጥራሕ እዩ ክሓቶም ዝግባእ ወይ ህዝብና ጥራሕ እዩ ሕድገታት ከካይደሎም ዝግባእ።

7. ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ እቲ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ውድባት ዝምራሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ክንፊ ስሩዕ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ሂብካ ብምጽንባር ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር መሪሕነት ክምራሕ ምግባር። እዚ ሓርነት ሰራዊት ናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምክልኻል መሰል ሃልይዎ ብካድራት ተሰንዩ ህዝባዊ ጎስጓስ የካይድ። ብተወሳኺ ሓደ ናይ ውሽጣዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘካይድ ክፍሊ ሃልዩ በቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝተወሰነ ንናይ ህዝቢ ድሕነትን ንናይ ለውጢ ከቀላጥፍ ዝኽእል ኣብ ውሱናት መራሕቲ ጉጀለ ህግደፍ ስርሒቶም ክውሰን ምግባር። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ደም ናይ ኣህዛብ መቕዘፍቲ ዘካየዱ ዘሎው መራሕቲ መረጋገጺ ጭብጢ ብምርካብን ክካየድ ይከኣል። ካብ’ዚ ወጻኢ ግን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሰራዊትን ህዝብን ዝኾነ ይኹን ብረታዊ ስጉምቲ ምውሳድ ብገበን ዘሐትት ምዃኑ ከም ሕጊ ምሕላፍ።

8. ካልእ ሓፈሻዊ መትከላት መሰል ውልቀ-ሰብ ይኹን እንዳ፡ ዓዲ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት ይኹን ጾታ ክኽበር ከምዘሎዎ ሓባራዊ ስምምዕ ክህሉ

9. ትግርኛን ዓረብን ዕላውያን መሳርሕን ድልድል ሓድነት ቋንቋን ምዃነን ምእማን

10. መሬት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ምእማንን ንብጉጅለ ህግደፍ ዘካየዶ ካብ ዋናታቱ ምንዘዓ ብመጻኢ ሃገራዊ ባይቶ ዝመዘዛ ናይ መሬት ኮምሽን ፍታሕ ክግበረሉ ምስምማዕ ወዘተ......

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ርእይቶ ናይ ወጋሕታ-ብርሃን ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ዝፍለ ርእይቶታትን ካብ ዋዕላ ዝተፈልየ ትጽቢት ክህሉ ከምዝኽእል ኣይሰሓትን። እዚ ግን ከም መካትዒ፡ ሓሳባት ኮይኑ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ቅድሚ ዋዕላ ህዝቢ በብዞኑኡ ርእይቶኡ ብምፍሳስ ዝወከሎ ሰብ ኣብ ዋዕላ ዝተላእኮ ጥራሕ እዩ ዝገብር። ናብ ዋዕላ ተወኪሉ ዝኸደ ሰብ ናይ ዝወከልዎ መልእኽቲ ገዲፉ ናይ ውልቁ ርእይቶ ከዐውት ጥራሕ ምስ ዝሰርሕ እቲ ዋዕላ ናይ ህዝቢ ዋዕላ ንክትብሎ የጸግም።

መደምደምታ፡

ብጉዳይ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ብዙሕ ሕቶታት ክምለስ ብዙሕ ነጥብታት ክንመሃረሉ ዝግባእ ኣሎዎ። ንኣብነት፡ ኣብ ዋዕላ ክሳተፉ ዝተባህለ 200 ካብ ኪዳን 300 ካብ ኪዳን ወጻኢ ጠቕላላ 500 ዝተባህለ ናብ 330 ከመይ ኢሉ ወረደ? ብመሰረት ኣብ ዓዋተ.ካብ ዝወጸ ካብ እቶም ናይ 200 ናይ ኪዳን ከመይ ኢሉ ናብ 78 ሰባት ወሪዱ? እተን ውድባት ናይ ኪዳን ዝተሳተፋ 10 ውድባት 78 ክውክላ ከሎዋ ነፍሲ ወከፈን ከክንደይ ወኪለን ኣሎዋ ማለት እዩ? ብካልእ ኣበሃህላ ብጽሒተን ብምርጨኣን ዘይተጠቐማሉ ውድባት ኣሎዋ ማለት ድዩ ወይስ ቁጽሪ ኣባላተን ስለዝወሓደ ነቲ ኮታ ኣየማልኡን ማለት እዩ? ኣባላተን ስለዝወሓደ እቲ ዝተባህለ ቁጽሪ ኣይማልኣን እንተኮይኑ እቲ መልሲ፡ እቲ ማዕርነታዊ ኣወኻኽላ ኣብ ኪዳን ቅኑዑን ደምክራስያውን’ዶ ክብሃል ይከኣል? እዚ ማለት ከኣ 1,000 ኣባላት ዘለዋ ውድብን ብኡኡ ደረጃ ኣብ ህዝቢ ጸሎውታት ዘሎዋን 20 ኣባላት ዝሓቖፈት ውድብን ማዕርነታዊ ኣተሃላልዋን ኣወኻኽላን ኣብ ኪዳን ንባዕሉ ነፍሱ-ዝኸኣለ ጸግም ምዃኑ ደምበ ተቓውሞ ይኹን መጻኢ ዋዕላታት ካብኡ ክምሃር ይግባእ።

ወጋሕታ-ብርሃን ብድብዱቡ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብሕጽር ዝበለ ክትገልጾ እንተኮይና እቲ ብስም ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝፍለጥ ዋዕላ ናብ ካልኣይ ቆጸሮ ነቲ ዋዕላ ኣመሓላሊፍዎ ኣሎ እቲ ዋዕላ ክበሃል ይከኣል። ተሃዊኸን ይኽዕወኦ ተመሊሰን ይኣርየኦ ከምዝበሃል፡ እቲ ዋዕላ ሓምለ እንተዘይተኻይዱ ህዝብን ሃገርን ትጠፍእ ኣላ ብምባል ንመቓልስቱ ጠንጢኑ ዝኸደ ተመሊሱ ንዝሓደጎም ተሳፈርቲ ክኣሪ ነታ ኣውቶቡስ ንድሕሪት ክትመልስ እሞ ንዝተገደፉ ድሕሪ ዓመት ተማሊእካ ዳግማይ ዋዕላ ዝያዳ ምልኣት ክህሎዎ ከምዝድለ ወሲኑ ማለት ይኸውን። እቲ ሕቶ ግን እቶም ዝተገደፉኸ፡ ኣብ’ቲ ዝተሐደግዎ ቦታ ክጸንሑ ድዮም ኣይጸንሑን ሓቢርና ክንርእዮ ኢና። ስለምንታይ እቲ መስርሕ ዋዕላ ንባዕሉ ዝገደፎ በሰላታት ስለዘሎ።

 

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form