ውግእ ናይ ኩሉ ኣንጻር ኩሉ ንዝበለ ሕሙም
እዚ ጽሕፉ እዚ ነቶም ውግእ ናይ ኩሉ ኣንጻር ኩሉ ዝብሉ ናይ ኔውሮሳይንቲፊክ ትዕዝ\ብቲ ስለዝኾነ ልቢ ዘለዎ ንኽዕዘብ ዝላኣኽ ዘሎ እዩ ፡፡
ጂን ሻርፕ ኣብቲ " ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራስያ " ዝብል መጽሓፉ ፡ ዲክታቶራት 10 ዓዕኑድ ኣብ ህዝቢ ናይ ምእዘዙነት ኣመል ንምስራጽ ዝጥቀሙለን ኣለዎም ይብል ፡፡ ኣነ ካብተን መላኺ መሳሪሕኡ የዕኑድ ...ዝጥቀመለን … ንሰባት እዘን ዝስዕባ ከምዝገብሩ ምግባር
ህግድፍ ከምቲ ትፈልጥዎ ዘለኹም.....ከይ... ትዛረብ.... ከይ.....ትርኢ...
ከይ...ትሰምዕ እናበለ ንምእዙዛቱ እናርዓደ ኸሎ ፤ ነታ ከይ......ትብልዕ ትብል ቃሉ ግን ኣብ ከም ትሰምዕዎ ከም ዘሎኹም '' ቁንጣሮዶ ጸጊቡ … ሓፋሽ .ጠምዩ.......ተረጊጹን ተዋሪዱን ብዝብል ምትላል ሓሊፍዋ '': ኣሃ ምድንጋር .Psychological manipulation ኣባድን መዐሸውንabusive psychological techniques ንሰባት ጎዳእን ሃሳይን ብዝኾነ ሜላታት እናተጠቐምካ ንናይ ውልቅኻ ረብሓታትን ዕላማታትን ንምውዓል ናይ ስነ ልቦና ሊቃውንቲ ንብዙሕ እዋን ምሂሮምሉ እዮም ፡፡ ኣይተ ፕረዚደንት ኸኣ ኣብዚ ኣሎ ዓናን ህዝቢ ኢልካ በዚ ተክኒካት ክትጥቀም ከሎኻ ፤ እምበር ይርደኣካ እዩ ክንደይ ኤርትራውያን ነዚ ዝፈልጡ ከም ዘለዉ ? ወይስ እቶም ብኸብዶም ዝሓስቡ educated ኣማኸርትኻ ፈላጣት ንሶም ጥራይ እዩ ዝመስሎም ፡፡ ኤርትራ ብልቦምን ብኣእምርኦምን ዝሓስቡ intellectual ደቂ ኣለዉዋ...........ምስ ህዝቦም ኣብቲ ስርሒት ናይ ለውጢ ኣለው ፡፡ ህዝቢ እምቢ ንምድንጋር ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ይብል ኣሎ ፡፡
ቢግ ብራዘር '' ኣብ ዘመነ ምትላል ሓቂ ምዝራብ ሰውራዊ ተግባር እዩ '' ኢሉ ኔሩ መምህር ጆርጅ
ኦርወል ፡፡........ህዝበይ ንፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሓርነታዊ ቃልስኻ ዋንኡ ባዕልኻ ኢኻ ፡፡እምቢ ንምትላልን ንዲክታቶርያን .....ሓንግድ...........ኣይእዘዝን በል. ተዛረብ..ኣስተብህል..ስማዕ
ዓላ ሚን ያኢሳያስ.......ክሳዕ መዓስ ሰብ ከተህምል...ንሓሶት እውን ደረት ኣለዎ...ንኹሉ ደረት ኣለዎ፤ ዘይልወጥን ዘይቅየርን ነገር የሎን ፡፡ሞት ኣሎ መቓብር ዝበሃል እውን ኣሎ ፤ ኩሉ ዝድበዮ ፤ ታሪኽካ ከመይ ክጻሓፍ እዩ ንህዝቢ እገድፎ ፡፡
ህግድፍ ኣይትስምዑ ኣይትራእዩ ኣይትዛረቡ እናበለኩም እሺ ትብሉ ዘለኹም ዓናናት እዮም ዝብልኹም ዘለዉ .....እንተደሊኹም ናትኩም ጉዳይ እዩ.....ዓደየ ዓደየ ብዘይ መሰለይ ክትብሉ ተደሊኹም .......ሃጽ በሉ ቀደምከ እንታይ መሰል እንታይ ለውሃት ኣፍሊጥኩም....
.
.......... ኣስመራ ሰብ ዘይብላ ክትርኢ ከሎኻ ትጉሂ ትሕዝን እሞ...............ኣየ ዓለም ጅግና ንሃገሩ ፈገር ንወንበሩ ፤ ጅግና ንዓዱ ተበላጺ ንኸብዱ ፤ ጅግና ንህዝቡ ፈገር ንገንዘቡ ፤ ጅግና ሓሊፉ ንሓቂ መታለሊ ተዋፊሩ ኣብ ስርቂ ፤ ዓለም ብላሽ ገሊኣ ብገርሃ ገሊኣ ብጉርሓ ይሕለፍ ኣሎ ፡፡ ከምዘይሕለፍ የለን..........ግን ኩሉ ሓላፋይ እዩ ፡፡እናበልካ ንቤት ገርግሽ ትኸይድ እሞ
ኣህባይ ኣብ መገዲ ባጽዕ ተኣኪበን ብዛዕባ ፕሮቲንን ዕለታዊ መግበንን ስድራ ቤታዊ ሽግራተንን
ኸዕልላ ከለዋ ትረክብ.............'' ንሕናስ ኻብ መዓልታዊ ናይ ሰለስት ሰዓት መግቢ ዘድልየና ፕሮቲን ክንረክብ ከሎና ሓንቲ ባኒ ክረኽቡ ብሪጋ ልቦም ዝጠፎኦም ጥሙያት እውን ኣለው
ይበሃል ፡፡.......እንተ ንሕና እሞ ቬሪ ፋይን ኣሎና ፤ ክሳብ ኣያና ንጉሰ ዘሎ ንበልዕ ሓዲኡ ተኾነ ኸኣ ንሰምዕ ፡፡'' ቪድዮ ይርእያ ነበራ እናራኣያ
"" ትርእይኦም ዘሎኽን ዓሳክር በዓል ኣያይ ናይ ኣቃጣቓጥን ምልፋዕን ልምምድ ክገብሩ ኸለው ? እወ ኮሌነላት እምበር እዮም ፡፡እወ ምቕጥቃን ምድሳቕን ናይ ጥሙያት እንተዘየለ ስርዓት ህግድፍ ኣይጸንዕን እዩ በለት ጓል ኮለነል 7 ኣፉ ፡፡ህግድፍ ድኣ ትንበረልና፤ ነያይ ከኣ ልዕሊ 100 ዓመት የጽንሓዮ ...............እወ...............እወ...................ዓወት ንንጉሰ ወዲ ማክያቨሊ ምስ ቀጥቃጦ""
ፈክሩ ......ፈክሩ ....ብድዐኹም እውን ክሓልፍ እዩ.......ህዝቢ ንሓዋሩ ኣይድሃኽን እዩ.......ህዝባዊ ናዕቢ ክልዓል ከሎ በዓል ኣፍሮ በዓል ኣቡ ዓፋን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ እዮም ፡፡ሽዑ ኣንቱም ጽጋብ ሸንዲሕኩም ውግእ ናይ ኩሉ ኣንጻር ኩሉ ትብሉ ዘለኹም '' ተኣዚዝና '' ትብል ምኽኒት ኣይተዋጽኣኩምን እያ ልቢ ግበሩ ፤ ምስ ህዝብና ክትብሉ ጀምሩ ፡፡
ገሌኹም እኳ ኣይስቆረኩምን እዩ፡............በዘን ዝስዕባ ሰለስተ ምኽንያታት
-
ሕማም ስልጣን ኣለኩም ተበልኹም....ኖኖ ስልጣን ንዓና ፈውስና እዩ ትብሉ.....
-
ተመሃሮ ማክያቨሊ ስለዝኾንኩም ብጀካ ንሱ ንዝበሎ ንኻልእ ኣይትሰምዑን ኢኹምማክያቨሊ ኣብ ዘፕሪንስ ዝብል መጽሓፉ ብዛዕባ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ "" ኣብ ልዕሊ ተኣዘዝትኻ ካብ ፍቕሪ ፍርሒ ኣስርጽ ፡ ጎነጽን ምትላልን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ንከተእትዎም የድሊ ይብል ፡፡.............ብሓፈሽኡ ደቂ ሰብ ዘየመስግኑ ፤ ዘይእሙናት ፤ ቅንዕና ዝጎደሎም መታለልቲ ፤ ካብ ሓደጋ ዝፈርሑን ህንጡያትን ህሩፋትን ንሽመትን ንረብሓን ክብሉ ድሕር ዘይብሉን እዮም.................እዞም ሕማቓትን ከርፋሓት ቅዙናትን ዘይሕጉሳትን ሕሱራት ፍጥረት ሰጥ ኣቢልካ ክትገዝኦም እንተዀንካ ፍርሕን ራዕድን ኣብ ከብዶም ኣእቲኻ ናይ መቕጻዕትን ሳዕበናቱን ጭንቀት ድቃስ ከምዝኸልኦም ምግባርእዩ ፡፡"" ይብል፤ማክያቨሊ ዓወት ናይ ስልጣንካ ዝህልወካ ሞራላዊ ብምዃን ዘይኮነስ ጨካንን ጨኳንን ርጉምን ምሕረተ ኣልቦ ቀጣፊ መታለሊን ኣደናጋርን ምስ እትኸውን እዩ እውን ይብል፡፡ኣብ ግዜ መግዛእቲ እውን '' በትር ያጸንእ ሃይለ መንግስት'' ዓይንን እዝንን መንግስቲ ብዙሕ እዩ '' ይበሃል.ነይሩ.......ሓፋሽ ምስ ተላዕለ ግን ሓይሉ ኣይተዓግተን......ሕጂ እውን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህዝባዊ ማዕበል ይመጻኩም ኣሎ ፡፡ቃልስና ንነጻነትን ንሓርነትን እዩ ነይሩ........ ፋሽስታዊ መሰል ወዲ ሰብ ዘይሕሉ ንዓይ ኣምልኹ ዝብል ስርዓትን መዓንደሪ ውሑዳት ዝኾነት ኤርትራ ኣይነበረን.....ህዝቢ ጌና ንሓርነቱ ክልዓል እዩ ፡፡
ጠንቅን ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማምን ቀጥቃጦ ከኣ ንኣስተምህሮ ኣብ ቀጻሊ
ሓንቲ ሓራ ኤርትራ
መምህር ዓረታይ
የካቲት 2012
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር...
-
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ልሙድ ስርሓት ደው ኣቢሉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ከተካይዶ ዝጸንሐት ዓበይቲ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ንልዕሊ...
-
መደረ ኣቦ መንበር ስድሪ ኣብ ሲምፖዝየም ለንደን ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ብመጀመርያ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም።...
-
ሰላማዊ ሰልፊ ን25 ግንቦት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት (ኒደራድ) ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን...
-
ምስጋና (ዝተኣረመ) ሓፍትናን ኣዴናን ጽንዕቲ ተቓላሲት ጻዕዳ በለጠ ካብታ ዝዓረፈትላ...
-
ግንቦት እናኽትመጽእ ዝግንፍል ሕራነ ትማሊ ቐዳም 12 ግንቦት 2012፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ንለውጢ፡...
-
ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ገዲፉ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ዝርኢ ስርዓት መሰረታዊ ጸገም ናይ ህዝብና፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን ናይ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




