Wednesday, February 22, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ?

እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከመይ ኣሎን እንታይከ እዩ ሕማቕ ልማዳቱን ጠባያቱን ክድህስስ ዝፍትን እዩ ፡፡ እቲ ኩሉ ሕማቕን ጭውነት ዝጎደሎ ጠባያት ዘይምሕዳግ ንገዛእ ርእሱ ናብ ዕንወትን ህላወኻ ናብ ምጥፋእን ዘምርሕ ምኽዋኑ ተረዲእካ እውን ጠባይ ምቕያር ከድሊ እዩ ፤ እዚ ትብዓትን ቆራጽነትን ይሓትት ፡፡

ህሉው ስርዓት ህግድፍ ብናይ ደቂ ሰባት ማዕርነትን ነጻነትን ዘይኣምን ፋሽስታዊ ክነሱ ንሰዓብቱ ናብ ምእዙዛት መጓሰ ጎባይ ዝቐየረ እዩ ፡፡እዞም ምእዙዛት እዚኦም እንተስ ብረብሓ ወይ ብፍርሒ ወይ ከኣ ብጥቕሚ ወይ ከኣ ብተስፋ ምቑራጽ የገልግልዎን ዓንዲ ስልጣኑ ኮይኖም የንብርዎ ኣለዉ ፡፡እዚኦም ጠባዮምን ኣመሎምን ክሳብ ዘይቀየሩ መራሒኦም ርእሰ ጎባያት ንኺድ ጥራይ እናበለ ናብ ገደሎም ሒዝዎም ክጸድፍ እዩ ፡፡ሰባት ከም ሰብና እናበሉ እቲ ባህርያዊ ዝኾነ ሓርነቶምን ነጻነቶምን ገዲፎም ደድሕሪ ካልእ ሃፈጽ ዝብሉን እንተኾይኖም ሓርነት ኣልቦ ባራዩ እዮም ዝኾኑ ፡፡

ኣቦና ወልድኣብ ኣብ 14/9/42ዲሞክራስያ/ዲክታቱራ ኣብ ዝብል ጽሑፎም

''ዲሞክራስያ ንኣና ካብ ኣቦታትና ዝወረስናያ ጽብቕቲ ሕጊ እያ ኣጸቢቕና ንሕሉዋን ንጥንቀቐላን ኢና..........ኣብ ዲክታቶርያ መንግስቲ ግና ፤ እቲ በዓል ስልጣን ማለት ከም ክጋገ ዘይክእል ቅዱስ እዩ ዝቑጸር እሞ ክንቀፍ ከቶ ዘይከኣል እዩ ፡፡እታ ፍቓዱ ወይ ድልየቱ ንርእሳ መንግስቲ እያ ፡፡.....በዚ ምኽንያት እዚ ፤ ኣብቲ ህዝቢ ምዕዝምዛምኒ ምዕግርጋርኒ ይትንስእ ፤ እቲ ዲክታቶር በጽዋርኒ ብጭከናኒ ነቲ ህዝቢ ኪጸቕጦ ይጅምር ፡፡ምቕጽዑን ምስንባዱን ምእንቲ ኪጥዕሞ ድማ ብዙሓት ሰለይቲ የተንስኣሉ ፡፡ በዚ መንገዲዚ እቲ ሕጉን ግዝኣቱን ቅኑዕኒ ሓቅን ከም ዝኾነ ከረዶኦ ይጋደል ፤ ተሓጕሱ ክነብር ከኣ ይግድዶ ፡፡ ሽዑ እቲ ህዝቢ ከምልኽ ይጅምር እሞ ክሳዕ ኣብቲ ምሉእ ድቃስ ዚበጽሕ እናምባዕዘዘ ይኸይድ ፡፡.......ከይተፈለጦ ድማ ኣብ ዓብይ ገደል ኣብ ዓብይ ውግእ ይኣቱ ፤ ብዝትበራበረ ኸኣ እቲ መራሒኡ ፤ ንደም ሰብ መሳልል እናገበረ ናብቲ ነውራም ክብረት ዝደየበን ፤ እኩይ ፈታው ርእሱ ዝኾነን እምበር ዓብይን ጠቢብን ከም ዘይኮነ ኪርዳእ ይጅምር ፡፡"

ኣቦና ወልድኣብ ከምዝበልዎን ሎሚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሰር ናቶምን ናይ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣንን ካልኦትን ኣብ 50ታት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲያ ዝነበሩ ከም ዝበልዎ ዝነበሩን ፤ ሕጂ እውን ኣብዚ እዋን ዝነብር ኩሉ ንሓርነቱ ኪቃለስ ይግባእ ፡፡ ገዛኢ ወጺኡ ናይ መሬት ነጻነት እኳ እንተተረኽበ ሰብሲ ገና ሓራ ኣይወጽአን ፡፡ሓርነቱ ዘይረኸበ ህዝቢ ኸኣ ሃገር ኣለኒ ክብልሲ የሕፍር እዩ ፡፡እቶም ብረብሓ ተሃሚልኩም ዘለኹም ከኣ፤ ሓርነት ኣብ ዘይብሉ መሬት ዘጥረኹም ተጥረኹም ውሕስነት የብልኩምኒ ፡፡ህግድፍ ክሳብ ዘሎ ሕጋዊ ዋንነት የብልኩምን ፤ ህግድፍ ኣብ ዝደለዮ እዋን ኣመኽንዩ ከምዝጠልመኩም ፍለጡ ፡፡እቶም ብፍላጥ ድዩ ብግርህና ንናይ እዚ ስርዓት ኣዕኑድን ምእዙዛት ዝኾንኩም ፤ንረብሓኩምን ንሂወትኩም ኮነ ንጥሪትኩም ኣብ ዲሞክራስያውን ሓርነታውን ስርዓት ጥራይ እዩ ውሕስነትን መሰልን ዝህልወኩም ከም ሰብ ከኣ ክትነብሩ ትኽእሉ ፡፡ተመን ምእንቲ ኸብዱ ፤ ብኸብዱ ይኸይድ ፡፡ንሰብ ከኣ ሰብ ዝገብሮ ብኸብዱ ዘይኮነስ ብልቡን ብኣእምርኡን ምስዝሓስብ እዩ እሞ ፤ ሓርነትና ንጨብጥ ፡፡ እምቢ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ከምይ ኔሩ ብዘበን ፈደረሽን.....ዒም ዝበለ ይተሓጎም....ከይትዛረብ..ከይትበልዕ...ከይትሰቲ....ኣፍ ህዝቢ ዝነበራ ጋዜጣታት ዕብስ..ኣውራጃዶ ሃይማኖት እናበልካ ንሽመት ንከብደይ .....ንዓይ ይጥዓመኒ...ኣሃካ ጥልመት ነገሰ ፤ ዓበይቲ ዓበዱ ጸገቡ ፤ መን ከማይ በሉ ነቶም ንነጻነት ዝብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሸንድሑ ፡፡ኾይኑ ግን ንኹሉ ግዜ ኣርኪብሉ ፤ ወዮም ምእዙዛት ናይ ጎይታኦም ሃጸይ ተፈሪ ዝነበሩ ከም ሰቦም በብሓደ ምስ ተጨልገፉ

"52 ፊልዮ ዲካነ ከምዚ ዝኸውንዶ መሲሉኒ ነይሩ ዋይ ኣነ ዋይ ኣነ "ተባሂሉ ተደርፈ፡፡

እንዳ ሃጸይ ተፈሪ ግን ጽጋብ ሸንዲሕዎም ዘይገበርዎ እከይ ኣይነበረን ፤ ሰብ ተጀለጠ ፤ ተኣስረን ተሞቕሐን ተቐንጸለን ፤ ጃንሆይ ዲክታቶርነቱ

ኣርኣየ ፡፡ንመሰለይን ንነጻነተይን ንሓርነተይን ዝበለ ኣንጉዕ ዘለዎ ኤርትራዊ ከምቶም ጀጋኑ ኣያታቱ ተላዕለ፡፡

ዕላማ ግዝኣቶም ...."ብእሺ ያለ ሰው ዳቦ ኣጉርሰው እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው "እናተባህለ ብራዕድን ሽበራን STATE TERRORISM ህዝቢ ንምንብርካኽ ፈተነ ፡፡ ህዝበይ ግን ተላዕለ....እምቢ ንባርነት እምቢ ንዲክታቶርነት ኢሉ ምንቅስቓስ ሓርነት.....ተጋድሎ ሓርነት....ግንባር ሓርነት

እወ ንሓርነት ኤርትራ ኢሉ ኸኣ ሓቶኽ ተባሂሉ ፤ መሬት ነጻ ኾይኑ...............እቲ ሰብን መሬትን ነጻን ሓራን ምውጻእ ዝብል ዝነበረ መትከል ግን ኣይተተግበረን ...ጎዲሉ ምሉእ ኣይኮነን......ሓርነት ተጨውያ.........መብዛሕትና ኤርትራውያን ልዕሊ 90 % ሓራ ህዝቢ ኣይኮንናን፡፡

ናይ ህግድፍ ምእዙዝ ተኾንካ ፡.........እታ ህግድፍ ትብል መጸዊዒት ኣብ ውሽጣ ኤርትራ ይኹን ሓርነት ዝብል የብላን.....ህዝቢ ዝብል ግን ኣለዋ...መን እዩ እቲ ህዝቢ ኢልካ እሞ ሕተት ?ኣንባቢ ርዱእ እንድዩ ኣይትበል..........ብግብሮም ህግድፋውያን ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ዝኸልእዎ እዮም ፡፡እቲ ህዝቢ ዝብልዎ ኸኣ ንባዕሎም ንነብሶም እዮም ፡፡ዝተረፈ ኣገልጋልን ምእዙዝን ከኣ ባርይኦም እዩ ፡፡ እዚኦም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቶም ንሰብ ብዕንቅርቢትን ብተመንን ንወዲ ሰብ ዝጀልጡን ህይወቱ ዘሕልፉን እዮም ፤ እዚኦም ከለዉ ኸኣ ሓርነት ርኤና ማለት ዘበት..........እወ እምቢ ንህድግፍ..............ንሕና ንደሊ ዘሎና ጭውነት ዘለዎ መንግስቲ ንመሰል ዝሕሉ ስርዓት ፤ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ተመሃር ተመሃራይ ኢሉ ዘመሓድር ኣእምርኡ ዘይተናወጾ ሹም ኣሕዋት የድሊ በሃልቲ ኢና ፡፡ኣፍኩም ከፍቲኩም ዘይምእዙዛት ኢሉ ንሰባት ዝኽዝን ማለት ዝኣስር ወፈፌ እዩ እቲ ፈጣሪ ናይ ተቓውሞ ፤ ህዝቢ ኢዱ ዘየንበረሉ መላኺ ከልግስ ኣለዎ ፡፡ሓርነት ክሳብ ዘይተረኽበ እቲ ምሕንጋድ ኣንጻር መላኺ ቀጻሊ እዩ፡፡

እንተ እቶም ምእዙዛት ኣገልገልቲ መላኺ እሞ ፤ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ባይቶ 1954ዝበልዎ ናባኹም "ንጥፍኣትኩም ከተመስግኑ እንተ ደለኹም ኣመስግኑ ፡፡ እዙይን ከምዙይን እናበልኩምን እናገበርኩምን ንዓድኹም ትጐድኡ ከም ዘሎኹምን መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራ ኸኣ ተጥፍኡ ከም ዘሎኹምን ጥርጥር የብሉን"፡፡

መላኺ ስርዓት ከሎ ኸኣ ሓርነት ተረኽበት ማለት ከኣ ዘበት

እምቢ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ህዝበይ ተበራበር ሓንግድ .....እምቢ ንባርነት

ይቕጽል ብመምህር ዓረታይ

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form