Wednesday, February 22, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ

epdp-logo3

ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ

ተመልከቶም ተዓዘቦም  ሓፋሽ፡ ሓፋሽ ዝብሉ

ብኣፍ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝብሉ ብግብሪ ግን ዘይኣምንሉን ዘይሰርሕሉን ሓይልታት ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምና ተራእዮም ኢዮም። ህዝቢ፡ ህዝቢ፡  ስለዝበሉ ጥራሕ፡ ተሓለቕትን ሓለይትን ናይ ህዝቢ ጌርካ ምቕባሎም ቅኑዕ ኣይኰነን። ዓወት ንሓፋሽ ዝብል ጭርሖ እናደጋገመ ንህዝቢ ኣደናጊሩ ኣብ ስልጣን ዝበጽሐ ኢሳያስን ጕጅልኡን፡ ብግብሪ ከኣ ንሓፋሽ ዝጭፍጭፍ  ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ከም ህያው ጭቡጥ ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ተቓውሞ ውን ከምኡ ንነብሶም ወከልቲ ናይ ህዝቢ ቆጺሮም፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኰይኖም ቅዋም ክሕንጽጹ፡ ፓርላማ ክምስርቱ ዝሓስቡን ዝመጣጠሩን ሓይልታት ከምዘለዉ ናይ ቀረባ ተመኵሮና ዘብርሆ ሓቂ ኢዩ።

ህዝቢ ዋናን ምንጭን ናይ ስልጣን ክኸውን እንተደኣኰይኑ፡ ቅዋሙ ባዕሉ ክሕንጽጽን ከጽድቕን፡ መራሕቱ ክመርጽን ከውርድን፡ ብዛዕባ ኵነታቱ ብናጽነት ክዛረብን ክጽሕፍን ካብ ድኽነት ወይ ቍጠባዊ ባርነት ሓራ ክወጽእን ክኽእል ኣለዎ። እዚ ኵነታት’ዚ ከኣ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ወይ ቅድሚ ውድቀቱ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ።

ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ “ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ዝቐውም መንግስቲ፡ ብምርጫ ህዝቢ ዝውሰን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓን ሰላማውን ውድድር ሰልፍታት ዘፍቅድ ክኸውን ከምዘለዎ ይኣምን። ከምኡ ውን፡ ልዑላውነት ህዝቢ ዘረጋግጽ ስርዓት ክህነጽን ቀጻልነት ክህልዎን ብህዝቢ እተሓንጸጸን ዝጸደቐን ዲሞክራስያዊ ቅዋምን ኣብ ቅዋም እተመስረተ ዲሞክራስያዊ ትካላትን ክትከልን ክምዕብልን እንከሎ ምዃኑ ይኣምን” ይብል።

“ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ከኣ፡ ዕላማ ሰዲህኤ፡ ነቲ ወዲቑ ዘሎ ቍጠባዊ ኵነታት ሃገርና ምሕዋይ፣ ነቲ ዘይተመጣጠነ ናብራ ህዝብና ምምዕርራይ፣ ኣብ ዘተኣማምን ቍጠባዊ ባይታ እተሰረተት ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ ምቅላስ ኢዩ። ኣብ’ዚ ዕላማ’ዚ ክብጻሕ ዝከኣል፡ ብሓደ ወገን ነቲ ኣብ ድኽነትን ስቓይን ዝርከብ ዝበዝሐ ክፍሊ ሕብረተሰብና፡ ኣፍራዪ ዓቕምታቱ ክብ ኢሉ ተጠቓሚ ጻዕሩን ድኻሙን ዝዀነሉ ኵነታት ምፍጣርን ምጥጣሕን፤ ከምኡ ውን፡ ነቲ ዘይምዕሩይ ኵነታት መነባብሮ ህዝብና ምምዕርራይን፡ ነቶም ህሱያት ወገናት ፍሉይ ትዅረት ዝህብን መደባት ምሕንጻጽን ኢዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ቅኑዕ ቍጠባዊ ፖሊሲ ብምኽታልን ንሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ብምትብባዕን፡ ኣብ ዕብየት ቍጠባ ሃገርና ግዲኦም ክጻወቱ ዕድል ምኽፋትን ኢዩ። ምስ’ዚ ተታሓሒዙ’ውን፡ ኣብ ዞናና ይኹን ኣብ ዓለምና ብኣወንታዊ ኣገባብ ከዋስእ ዝኽእል ንግዳዊ ፖሊሲታት ምትላም የድሊ። ነዚ ዕላማታት’ዚ ጋህዲ ንምግባር ውድድርን መሃዝነትን ዘተባብዕ፡ ኣብ ናጻ ዕዳጋ ዝተሰረተ ቍጠባዊ ፖሊሲ ክንክተል ኢና” ይብል።

ህዝቢ ዋናን ምንጭን ስልጣን ክኸውን እንተደኣኰይኑ እምበኣር፡ ናጽነት ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍን ምውዳብን ዘፍቅድ፤ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ …. ዝብል ዲሞክራስን ውድድርን ዝሕምረቱ ፖለቲካውን ቍጠባውን ፖሊሲታት ዝኽተል ስርዓት  የድሊ ማለት ኢዩ።

ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ብንጡፍ ክሳተፍን ንመሰላቱ ክከላኸልን እንተደኣኰይኑ ግን ክፈልጥ ወይ ክሕበር ኣለዎ። ናጽነት ናይ ምጽሓፍ፡ ምዝራብ፡ ምውዳብን ምምራጽን ….ወዘተ  ኣብ ዘይብሉ ኵነታት፡ ህዝቢ ክፈልጥን ዋናን ምንጭን ናይ ስልጣን ክኸውንን ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ንናጽነት ናይ ፕረስ፡ ምዝራብ ምውዳብ እናኸልከልካ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕባለ ሃገሩ ይሳተፍ ኣሎ ምባል ንህዝቢ ካብ ምትላል ሓሊፉ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ኣይክእልን ኢዩ። ዘይተማህረ ሰብ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ መጥሓን ነየጥሕን ከምዝብሃል፡ ዘይተማህረን እኹል ሓበሬታን ዘይብሉ ህዝቢ ስልጡን ሃገርን ሕብረተሰብን ክሃንጽ ኣይክእልን ኢዩ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ እታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ  እኹል ናይ ጽዓት (ኤለክትሪክ) ኣገልግሎት ዘይብሎም ከባቢታት ኮለጃት ምኽፋቱ፣ ንሓለዋ ስልጣኑ  ደኣ’ምበር፡ ንህዝቢ ሓልዩ ኣይኰነን። ድንቍርናን ድኽነትን ዝሰፈነሉ ኵነታት፡ ንዕድመ ምልካውያን ስርዓታት ዘናውሕ ምቹእ ባይታ ምዃኑ ኣዐርዩ ስለዝፈልጥ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይተማሀረ ህዝቢ፡ ጠንቂ ናይ ጸገማቱ እቲ ስርዓትን ፖሊሲታቱን ምዃኖም ክርዳእ ኣይክእልን ኢዩ። ዘይተማህረ ህዝቢ ንድኽነቱን ድንቍርናኡን ምስ መርገም ወይ ናቱ ድኽመት ወይ ካልእ ባህርያዊ ምኽንያታት፣ ወይ ድማ፡ ከም’ቲ ፕሮፓጋንዳ ናይ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት’ዩ  ከዛምዶ’ዩ ዝግደድ።

ሎሚ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ እናነቕሐን እናተረድእን’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ መንእሰያት ዓው ኢሎም መረርኦም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።  ብመንእሰያት ዝዳለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዓቐን ይኹን ብተሳትፎ እናዛየዱ ይመጹ ኣለዉ። ብዙሓት ሰዓብቲ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ዝነበሩ ዜጋታት ውን እምነቶም እናሰሓቡ ክኸዱ ይርኣዩ ኣለዉ። እቲ ስርዓት፡ ካብ ዓለምን ከባቢናን ተነጺሉ፡ ብወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለዋ ኢዩ ተተይ ዝብል ዘሎ።

ከም’ቲ ሰራዊት ቱኒዝያን ግብጽን ኣብ ጐድኒ ህዝቦም ደው ኢሎም ንመለኽቲ ስርዓታቶም ኣብ ምውዳቕ ዝተሓባበሩ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ውን፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቦምን ጸገሙን ደው ክብሉ ትጽቢት ይግበረሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።

ስልጣን ብወተሃደራዊ ዕልዋታትን ዓመጻዊ ኣገባባትን ምጭባጥ መዋእሉ እናኽተመ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብ ሓይሊ ኣጽዋር ዝምርኰስ ኣተሓሳስባ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ከስፍን ከምዘይክእል ተመኵሮ ናይ ዓለምናን ሃገርናን ዘረጋግጾ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ዘለናዮ መዋእል፡ መዋእል ህዝባዊ ናዕብታት ምዃኑ ተገንዚብና ነፍስወከፍ ዜጋ ግቡኡ ክፍጽም ክብገስ ኣለዎ።

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form