Saturday, May 19, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት

eda-banner-2

ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን፡ ባህላውን መዳያት ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ካብዘበርከቱን ገናውን ኣብምብርካት ዝርከቡን ሰፋሕቲ ህዝባዊ በዓላት ሓደ፡ እቲ ካብ መፋርቕ ሰማንያታት ጀሚሩ ብደሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡  ጸኒሑ ድማ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ምዃኑ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።

ናይ 2012 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ’ውን፡ መቓልሕ ውጹዕ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብዝቓላሓሉን ኣብዝሃመሉን ዘሎ ግዜ፡ ካብ ዕለት 03-05 ነሓሰ 2012 (August 03-05.2012) ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩ ምህላዉ እንዳሓበርና፤ ኹሉ ደላይ ፍትሕን ደሞክራስን ዝኾነ ዜጋ ክሳተፎ ብኣኽብሮት ንዕድም።

እዚ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ዝዳሎ ዘሎ ፈስቲቫል 2012 እዚ፡ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ኣወንታዊ ተመኩሮታት ካብ ቃልሲ ህዝብና ዝወርሰሉ፡  ርእይቶን ሓሳብን መንእሰያትና ሰሚዕካ ንውድቐት ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ንምቕልጣፍ መደባትካ እተዋሃህደሉን ናይ ቃልሲ መድረኽ ምኽፋት ሓደ ካብ ዕማማቱ ገይሩ ተታሓሒዝዎ ምህላዉ እንዳኣረጋገጽና፤ ፖለቲካዊ እምነታትናን ፍልልያትናን ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ክፉት ናይ ዘተ መኣዲ’ዚ ንኽትሳተፉ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።

ዝርዝር መደባት ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ዝምልከት ዝተማልኤ ሓበሬታን፡

ኣብ ዝመጽእ ክስዕብ ኢዩ።

ብደሓን ምጽኡ!

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form