Saturday, May 19, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ዕዉት መደብ ምእካብ ወፈያ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ከተማ ኦክላንድ፣ ካሊፎርንያ ኣካይዱ

eda_logoኣብ ወዲሸሪፈይ ምብራቓዊ ከሰላ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታትን ንኣብ ከሰላ ዝርከብ መደበር ናይ ሓርነት ኣካለ-ጽጉማን ንምርዳእ፤ ኣባላትን ደገፍትን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር፣ ብፍላይ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ መደብ ምእካብ ወፈያ ብ21 ጥሪ 2012 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ብቓለ መሓትት ዝተሰነየ  ንታሪኽን ኣተሃላልዋን ናይ ኣባላት መደበር ኣካለ-ጽጉማን ዝሕብር ብቪድዮ ዝተቐርጸ ሰነድ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ዝካየድ ንጥፈታትን በዓል ዓመታዊ ምዕጻውን ዝሕብር ቪድዮ ከምኡውን ብኮምፕዩተር ዝተዳለወ ስእላዊ ሰነድን ብኣባላት ኣካያዲ ቦርድ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ሓበሬታታትን መግለጽን ቀሪቡ ንዝቕረበ ሕቶታትውን መልሲ ተዋሂቡ። እቲ መግለጺ ንሃገራዊ ቋንቍኦም ብምልኣት ክርድኡ ዘይክእሉ ብፍላይ ንኣብ ወጻኢ ዝዓበዩ መንእሰያት ብቛንቋ እንግሊዝ እናተተርጐመ ክሕበር ኣምስዩ።

ብቑዕ ምድላዋት ዝተኻየደሉ መደብ ንተሳተፍቲ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዘጋጥሞም ጸገማትን ክንገብሮ ዝግብኣና ረድኤትን ዘጠቓለለ ሓበሬታን ተረድኦን ኣብ ኣእምሮ ተሳተፍቲ ዘስረጸ ነይሩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዕዙዝ ወፈያኦም ብምልጋስ ነቲ መደብ ሸቶኡ ከምዝሃርም ጌሮም ተዛዚሙ። ኣካየድቲ መደብ ተሳተፍቲ ንዘርኣይዎ ተገዳስነትን ኣበርክቶን ብምምስጋን፤ ዝተኣከበ ወፈያ ብምሉኡ ናብ ምሕጋዝ ክልቲኡ መደበራት ከምዝውዕል ዘረጋግጽ መግለጺ ሂቦም።

መደብ ወፈያ ድሕሪ ምዝዛም፣ ብናይ ዲ.ጀይ. ሙዚቃ ክኢላ ሓው ያዕቆብ እንድርያስ ዝተወሃሃደ ዝተፈላለየ ባህላዊ ሙዚቃ ተሰኒዩ ዘምሰየ ሳዕስዒት፣ ወኒ ተሳተፍቲ ዘለዓለ ሕጉስ ምሸት ነይሩ።

ብኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ንተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረበ ቃል ከምዘለዎ ቀጺሉ ቀሪቡ እነሆ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ሰላምታ ብምቕዳም፡ ናብዚ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወዲሸሪፈይን መደበር ናይ ሓርነት ኣካለ-ጽጉማን  ንምርዳእ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ክትሳተፉ ኣብዚ ብምርካብኩም ብስም ኣካያዲ ቦርድ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም። ቀጺለ ነዚ መደብ`ዚ ንምድላውን ምዕዋትን ግዚኦምን ዓቕሞምን ዝወፈዩ ኣሓትን ኣሕዋትን ዝልዓለ ምስጋናይ ይብጽሓዮም።

ዕላማታት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ)፣ ዘካይዶ ንጥፈታትን ዝህቦ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኤርትራውያን ስደተኛታት፣ በብክፍሉን ዕማማቱን ከምዚ ዝስዕብ እዩ።  (ኤ.ደ.ማ) ብኣካያዲ ቦርድ ዝምራሕ ብሕጊ ናይ መኽሰብ ኣልቦ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ኣብ ካሊፎርንያ ዝተመዝገበ ኣብ ምሉእ ዓለም ንጥፈታቱ ከካይድ ፍቓድ ዘለዎ ሕጋዊ ማሕበር’ዩ።  ዝርዝር ዕማማቱን  ንጥፈታቱን ኣብ መርበብ ናይ (ኤ.ደ.ማ) eritreacare.org ሰፊሩ ይርከብ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንህዝብና ኣብ ስደት ዘሎ ንምብርካት ተባሂሉ ካብ ዝቐውም ሻሙናይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።

እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉን ብግብሪ ከዐውቶ ዝኸኣለን ክግምገም ከሎ፣ ገና ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ምዃኑ ንምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ኣድላዪ ትሕተ ቅርጻ ዘርጊሑ ኣሎ፡ ክሰፍሕን ክዕወትን ዘኽእሎ ባይታ ከምዘሎ’ውን ንግንዘብ። ንኽዕወት ግን ተገዳስነትን ንጡፍ ተሳትፎን ናይ ኵሎም ሕልናን ሓልዮትን ዘለዎም ሰባት ወሳኒ እዩ። ዕማማት ናይ ነብሲ-ወከፍ ክፍሊ ከምዚ ዝስዕብ ብዝርዝር  እነሆ።

  1. ጉዳይ ስደተኛታት ምክትታልን ምጽናዕን
  2. ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፎይ ከሰላ
  3. ምሕጋዝ መደበር ኣካለ-ጽጉማን
  4. መደብ ናይ ማዕዶ ወላዲ (Sponsor a Child)

1. ጉዳይ ስደተኛታት ምክትታልን ምጽናዕን: ብሰንኪ ግፍዕታት መግዛእቲ፣ ህዝብና ካብ 1967 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ክሳብ`ዚ እዋን`ዚ ካብ ስደት ኣየዕረፈን። ጸብጻባት ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር ካብ መዛግቡ ከምዝሕብሮ እቶም ቀዳሞት ናይ ስሳታት ስደተኛታት 200,000 ይበጽሑ።  1993 ናጽነት ምስተረጋገጸ ዝተመልሱ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ናይ ዶብ (ባድመ) ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ካብ 1998-2000 ምስተኻየደ ድማ ዘስዓቦ ምዝንባልን ዕንወትን ሓድሽ ስደት ናብ ሱዳን ወሓዘ። ደረት ዘይብሉ ናይ ህግደፍ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት  ክሳብ 300,000 መንእሰያት ኣብ ድፋዕን ኣድካሚ ስራሓትን ስለዝጸመዶም፣ ውጽኢቱ መረረን ብፍላይ ኣብዘን ዝሕለፋ 6 ዓመታት ቀጻሊ ዋሕዚ ስደት ኣኸቲሉ ይርከብ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዝተጋህደ ድማ፡ ኤርትራዊ ህይወት ሓሲሩ ንማእለያ ዘይብሉ ሓደጋታት ተሳጢሑ ኣሎ። ኣብ ጎቦታት ሲናይ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም እንስሳ ዘቤት ናብ ዕዳጋ ክወርድ፣ ክሕረድ፡  ሕዋሳት ኣካላቱ ክሽየጥ፡ ንርኢን ንሰምዕን ከም ዘሎናን፡ ኩልና ክንጸምደሉ ዘሎና መኸተ ኣብ ቅድሜና ከም ዘሎን ንዓኹም ምሕባር ዘድልየኒ ኣይመስለንን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ (ኤ.ደ.ማ) ምስ ዝምልከቶም ትካላት ብምትሕብባር፣ ጠንቂ ናይ ስደት፣ ብዝሒ ዝስደዱ ዘለዉ፣ ዝበጽሕዎ መደበራትን ዘጋጥሞም ኵነታትን ብዝርዝር ይከታተልን ንህዝቢ ይሕብርን እዩ። መዘክራት ናብ ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ትካላት እናሰደደ ንመሰሎምን ድሕነቶምን ይጣበቕ’ዩ። ኣውራ ድማ እቲ ብሰንኪ ተግባራት ህግደፍ ናብ ኤርትራ ከይበጽሕ ዝተገትአ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝውሕዝ ክግበር ይጽዕር። ብዘይካዚ፡ ኣብ መደበራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ብወከልቱ ብምብጻሕ ኵነታቶም ይከታተልን ዓቕሙ ዘፍቅዶ ሓገዝ ይገብርን። ኣብቲ መደበራት ናይ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ሞያ ስልጠና ንጥፈታት ንኽግበረሎም ናብ ናይ ዓለም ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ጥርዓናት የቕርብ እዩ። ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ንምኽፋት መደባት ኣለዎ፡ ነቲ መደብ ዘድሊ ናውትን መካየዲ ገንዘብን ክቕርብ ግን ቅድመ-ተደላይነት ኣለዎ። እዚ ድማ ካብ ገበርቲ ሰናይ ብዝርከብ ሓገዝ እዩ ክፍጸም ዝኽእል።

  1. ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ፡ ወዲሸሪፈይ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣብ ከተማ ከሰላ ዝርከብ ልዕሊ 30,000 ስደተኛታት ዘዕቍብ መደበር እዩ፡ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝምስረት 28 ዓመት ጌሩ፡ ካብ 1ይ - 8ይ ክፍሊ ይምህር፡ ኣብ ነብስ-ወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ተመሃሮ የሳትፍ። ብኤርትራዊ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪኩሉም) ካብ 1ይ ክሳብ 6ይ ብሃገራዊ ቛንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን፤ ኣብ 7ይን 8ይን ድማ ብቛንቋ እንግሊዝ ይምህር።  ድሕሪ ምውድኦም ናብ ካቶሊካዊትን ናይ ሱዳን ካልኣይ ደረጃ ይቕጽሉ። ብዓይነትን ዓቐንን ንምስፍሑ ጻዕሪ ይካየድ እዩ። ኣካየድቲ ቤት ትምህርትን ብኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ  ዝነብሩ ዝቖመ (ASEE) ግብረ-ሰናይ ማሕበርን ብዝገበርዎ ጻዕርታት ምስ ኣብ ቫቲካንን ኣብ ጀነቭን ዝርከብ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብምትሕብባር ባጀቱ ክሽፈን ጸኒሑ።  ኣብዚ እዋን`ዚ ገለ ካብቲ ሓገዝ ስለዘቋረጸ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤደማ) ብወገኑ  ብመደብ ወፈሪ ምእካብ ወፈያ ኣብዚን ካልኦት ከተማታትን ብምክያድ፣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ምዕጻው ከነድሕኖ ንጽዕር ስለዘለና ናታትኩም ሓገዝ ወሳኒ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።
  1. መደበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ኣብዚ መደበር ዝእለዩ ዘለዉ ብሰብዓታት ናጽነት ንምዕዋት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፎም ዝጋደሉ ዝነበሩ፣ ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞም ናይ ሓርነት ዉጉኣት እዮም። ክሳብ ቅድሚ 6 ዓመት ብውድብ ሰውራዊ ባይቶ ክእለዩ ጸኒሖም። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ናይ ድራር ምሸት እናካየደ ክተሓጋገዝ ጸኒሑ ሕጂ`ውን ሓገዙ ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ካብ 2006 ዓ.ም. ንነጀው ግን ብኣብ ፈረንሳ ዝተመዝገበ መኽሰብ ኣልቦ ዕላዊ ማሕበር “ማሕበር ኣካለ ጽጉማን” እዩ ዝእለ። ኣብ ኤሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ጨናፍር ኣቝሙ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ። ዝርዝር ታሪኽን ሃለዋትን ብቪድዮ ማለት ብመልክዕ ቃለ መሓትት ናይ ሓያለ ኣባላት ካብ ናይ ጽጉማን መደበር ቀሪቡ ስለዘሎ ካብኡ ክንርዳእ ንኽእል።  ከምቲ ባዕሎም ዝገለጽዎን ንህዝቢ ኤርትራ ዝተላበውዎን ”ንሕና ንናጽነት ሃገር ክንዋጋእ ዝሰንከልና ስለዝዀንና ሃገር ድማ ናይ ኵልና ስለዝዀነት ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት እትነብሩ ዓቕምኹም ዘፍቅዶ ክትሕግዙና ነዘኻኽር” ዝበልዎ ዓቕምና ከነወፊ  ሓደራኦም ደጊምና ነቃልሕ።
  2. መደብ ማዕዶ ወላዲ (Sponsor a Child)፡ ዓለም ለኻውያን ገበርቲ ሰናይ ትካላት፥ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ድኽነትን ድንቍርናን ዝተሳጥሑ ቆልዑ ፤ ብመደብ ናይ ማዕዶ ወላዲ ንዋታዊ ሓገዝ እናለኣኹ፤ መነባብሮኦም ብምምሕያሽ ኣውራ ድማ ብትምህርቲ እናተዀስኰሱ ዝዓብዩሉ ዕድላት ብምኽፋት ንብዙሓት ብሩህ ናይ መጻኢ ሃዋህው ይፈጥሩሎም። ግዱሳት ኤርትራውያን’ውን ነዚ ቅዱስ ዕላማን ኣገባብን ብምኽታል ነቲ ካብ ዓዱን መነባብሮኡን ብሰንኪ ግፍዕታት መግዛእቲ ተፈናቒሉ ኣብ ስደት ዝርከብ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ንዓዱ ክምለስ ዘይከኣለን ገና’ውን ጭቆና መሪርዎ ዝስደድ ዘሎን ህዝብና፤ ዓቕምና ዘፍቅዶ ደገፋት ክንገብረሉ ናይ ሕልና ግዴታ ከምኡ’ውን ሓላፍነት ከምዘሎና ብምግንዛብ ቅድሚ 7 ዓመታት ብኤደማ ተበጊሱ ንገለ ቆልዑ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ መደብ’ዚ ዝርዝር ቅጥዕን መምርሒን ኣብ ዕላዊ መርበብ ኤ.ደ.ማ eritreacare.org ኣብ ትሕቲ “Sponsor a Child” ዝብል ዓምዲ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣብ መደምደምታ፡  ናይ ግብረ-ሰናይ  ፈላስፋታት ክምጉቱ ከለዉ “Society is responsible to take care for those who can not take care for themselves. ማሕበረ-ሰብ ንነብሶም ክናብዩ ዘይክእሉ ኣባላቱ፣ ናይ ምንባይ ሓላፍነት ይስከም” ይብሉ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ልግሲን ምርዳእን ኣብ ባህልና ዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ብምግንዛብ ክንሰርሓሉ ይግባእ። ተሳትፎኹምን ኣበርክቶኹምን ብሓሳብን ንዋትን ኣብ ምስፋሕን ምዕዋትን ናይዚ ትካላት’ዚ ወሳኒ ስለዝዀነ፣ ግደኹም ኽትጻወቱ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።

(ኤ.ደ.ማ) ኣካያዲ ቦርድ

21 ጥሪ 2012

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form