ሸቐልቀል ደምበ ተቓውሞ ኣብ መንጐ ሕልምን ጋህድን
ኣብ ጋህዲ ክንሰርሖ ዘለና ስራሕ ህሉው ክነሱ፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ፡ ግዜና ኣብ ሻቕሎትን ዕግርግርን ብኸንቱ ስለምንታይ ከም እነሕልፎ፡ ንብዙሓት ክገርሞም ጸንሑ እዩ። ዝሓለፈስ ሓሊፉ እዩ፡ መምሃሪ ምኾነ። እቲ ዘሰክፍ ግን ጌና ሕጂ ውን ኣብ ሓዲሽ ሸቐልቀል ዘብል ሕልሚ ክንኣቱ ንመርጽ ምህላውና እዩ። ንደምበ ተቓውሞና ዘሕመሙ ብቐሊሉ መፍትሒ ዘይረኸቡ ሽቐልቀል ዘብሉ ሕልምታት ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ውን ጌና ኣብ ዘሻቕል፡ ጌና ዘይተፈትሐ ሕልሚ ንኣቱ ዘለና ንመስል።
ኣብ ዝሓለፈ፡
1- ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ ንተቓውሞ ክድግፉ ውሲኖም ኣለው። ገንዘብ ክመጽእ እዩ። ካልእ ሓገዛት ውን ክፈስስ እዩ ዝብል ሓበረታ ብሃንደበት ከም ሕልሚ ምስ ነጠበ፡ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ዕግርግራትን ሕቡእ ውዲታትን ኣቲና። መወዳእትኡ ድማ ብዙሕ በሰላታት ዝገደፈ ተሞክሮ ኮነ። እቲ ሕልሚ ግን ከም ኩሉ ዘይጭበጥ ሕልምታት በኒኑ ተረፈ።
2- እትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራ ክሃርሙ ይኽእሉ እዮም። እንተድኣ ውግእ ተባሪዑ ድማ ብሃንደበት ስርዓት ኣስመራ ክወድቕ ይኽእል እዩ፡ ዝብል ሕልሚ ውን ሓደ እዋን ብዙሕ ኣሻቒሉና እዩ። ድሕሪ’ዚ ነቲ ባዶ ቦታ ዝምልእ እተዳለወ ሓይሊ ዘይምህላው ውን ብዙሕ ኣሰኪፉና። በዚ ምኽንያት፡ ላዕሊ ታሕቲ በልና። ዘይራኸብ ዝመስል ሓይልታት ብሃንደበት ተኣኻኸበ። ውሽጣዊ ህይወት ተቓውሞ ረሰነ። ተጸራረፍና፡ ተጸላለምና። እዚ ሕልሚ እዚ ውን ናቱ በሰላታት ገዲፉ ከም ኩሉ ሕልምታት ሓለፈ።
ድሕሪ እዚ ተማህርና ኢና፡ ሎሚስ ለቢምና ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ብዙሓት ነበረ። ግን ሕጂ ውን ኣብ ዘሻቕል ሕልሚ ንኣቱ ዘለና ንመስል።
ኣብዚ እዋን እዚ ውን፡ ብሰሪ ማዕቀብ ስርዓት ኣስመራ ተዳኺሙ፡ ብሃንደበት ክወድቕ ምዃኑ ሕልሚ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሸቐልቀል ዘብል ሕልሚ ጥሒልና ንሳቐ ዘለና ከኣ ንመስል። እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ዘሎ፡ እቲ ስርዓት ሃንደበት እንተወድቐስ ነቲ ቦዶ ኩነታት መን’ዩ ዝዓጽዎ ዝብል ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝመሰል ግምታዊ ሕልሚ ምሓዝ ነውሪ ኣይኮነን። ንኸምዚ ዝመስል ሕልሚ ኣሚንካ ኣብ ውሽጣዊ ዕግርግርን ሻቕሎትን ምእታው ግን ካብ ተሞክሮኻ ዘይምምሃር እዩ።
እዘን እተጠቕሳ ሕልምታት እንተተዓዚብናየን ኩለን ኣብ ግዳማዊ ኩነታት ተስፋ ዘንብራ እየን። እቲ ኣብ ውሽጥና ብሰሪ እዘን ሕልምታት እንገብሮ ዝነበርና ምንቅስቓስት ከኣ ነቲ ግዳማዊ ኩነታት ንምምላስ ዝዕላምኡ ጻዕርታት እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ እንስርሖ ዝነበርና ኣድማዒ ኣይነበረን። ብሃንደበት ንእከብ፡ ዝኣከብናዮ ሓይሊ እቲ ሕልሚ እናበነነ ክኸይድ ከሎ ምስኡ በብቕሩብ ይበታተን። ውዲታት ንኣልም፡ እቲ ውዲት ውን ምስቲ ሕልሚ ይበንን ነበረ።
ኣብቲ ዘየፍራዪ ኣዘውቲርና ክንገብሮ ዝጽናሕና ስራሕ ጸኒዕና ክንቅጽል እንተመሪጽና ለውጢ ክርከብ ኣይኮነን። ሓደ ዕግርግር ዘብል ኩነታት ሓሊፍና ናብ ካልእ ዘሻቕልን ዘዕግርግርን ኩነታት ተመሊስና ምእታውና ኣይተርፍን። ካብ ከምዚ ዝመስል ዕንክሊል ክንውጽእ ግን ደምበ ተቓዎ ንተሞክሩኡ ብመስረቱ መዚኑ ብሓዲሽ መንፈስን ሓሳብን ኣብ ሓዲሽ ተሞክሮ ከኣቱ ታሪኽ ይጽውዖ ኣሎ። ኣብ ዘይጭበጥ ሕልምታት ግዜና ካብ ምጥፋእ ድማ ኣብ’ቲ ቀንዲ ዕማምና ምሉእ ቀልብና ክንጸምድ ቃልስና ይጠልበና ኣሎ። እቲ ወሳኒ ውሽጥና እዩ። እቲ ለዋጢ ሓይሊ ድማ ባዕሉ ህዝብና እዩ። ኣብ ገዛእ ነብስናን ኣብ ህዝብናን እምነት ኣሕዲርና ቃልስና ብኣድማዒ ኣገባብ ክንሰርዖ ንሕተት ኣለና። ነዚ ዕማም እዚ ገዲፍና ባዕልና ብዝፈጠርናዮም ሕልምታት ንድሕሪት ይኹን ንቕድሚት ክንሃድም ምፍታን ግን ንሃገርናን ህዝብናን ዘገልግል ክኸውን ኣይኮነን።
ለውጢ ክንብል ከለና ኣብ’ቲ ቃል ውን ምስምማዕ ዘድልየና ይመስል ኣሎ። ንለውጢ ንቃለስ ኣለና ክንብል ከለና ኣቲ ንህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ጭቆና ዘውደቖ ኩነታት ብመስረቱ ክንቅይር ተዓጢቕና ምህላውና’ዩ ዘመልክት። ንህዝብና ካብ ባዕዳውያን ነጻ ኣብ ምውጻእ፡ ዓብዪ እጃም ኣለኒ ዝብል ሓይሊ፡ ኣብ ስልጣን ደይቡ፡ ክምድላዩ ንህዝብና ክረግጽ፡ ባዕሉ ፍቓድ ረኺቡ ከምዘሎ፡ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ድሕሪ ደጊም እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህሉዋት መለኽቲ ሓራ ዘውጽእዎ ሓይልታት ኣይኮነን ዝጽበ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመለኽቲ ዘልግስ ምሉእ ዘይጉዱል ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ከም ተቓወምቲ ሓይልታት ከኣ ዕማምና፡ ነቲ መለኽቲ ከልግስ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ህዝብና ተሓቢኡ ዘሎ ዓቕሚ ንኽወጽእ ምትብባዕ እዩ። ቀንዲ ስራሕና ኣብ ህዝብና እምነት ኣሕዲርና ንህዝብና ምምሃር ምውዳብ ንቓልሲ ምትብባዕን ምምራሕን እዩ። እቲ ዕላማ ድማ ንጹር እዩ። ሎሚ ንህዝብና ዋና እቲ ቃልሲ ክኸውን ምትብባዕ፡ ጽብሕ ከኣ ዋና እቲ ስልጣን ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣሚኑ ንኽዳሎ ምምሃር እዩ። መሰረታዊ ለውጢ ዝብል ኣምር እምበኣር ትርጉሙ ካብ’ቲ መለኽቲ ዝፈጠረ፡ ጌና ውን መለኽቲ ክፈጥር ዝኽእል መንገዲ ተኣሊኻ፡ ኣብ ዓቕምታት ህዝብኻ ተኣማሚንካ ምስራሕን ምቅላስን እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞና ግን ዝበዝሕ ግዜና ነዚ ዕማም እዚ ረሲዕና ብኣቛራጭ ንቕድሚት ክንስጉም ኣብ ብቐሊሉ ዘይፍታሕ ሕልሚ ጥሒልና ኣብ ውሽጣዊ ዕግርግርን ሻቕሎትን ከነሕልፎ ጸንሕና ኣለና።
እቲ ታሪኽ፡ ብህዝብና’ዩ ክስራሕ። ለውጢ፡ ብህዝቢ፡ ንህዝቢ እዩ። ነዚ ኣቕጣጫ እዚ ዝዝንግዕ ኣካል፡ ጸገም እምበር ንህዝብናን ሃገርናን መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ንኹሉ ምዕባለታት ብጽሞኖ ክከታተሎ ይግባእ። ደምበ ተቓውሞ ድማ ኣብ መንጐ ሕልምን ጋህድን ሸቐልቀል ምባል ገዲፉ፡ ብርግኣት መራሒ ተርኡ ክጻወት ብታሪኽ ይሕተት ምህላው ክዝንግዕ ኣይግብኦን።
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መቐጸልታ ከመይን............ኔርና.....ኣሎናን.....ናበይን ? ጆርጅ ኦርወል ኣብቲ Animal Farm and 1984 ዝብል ጽሑፋቱ “” in times...
-
ስለምንታይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ወይ ከኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ከም’ቲ ገሊኦም...
-
ጸረ-ውግእ ይኹን ኣተሓሳስባና ኵናት ኣየድልየናን ነህዛብ ዘጥፍእ ፈውሲ ክርከብ ቅንዕና...
-
ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡...
-
2012 ዓ. ም. - ዓመት ምቅርራብን ርእዮተ-ዓለም ምቕያርን (Paradigm Shift) ብደስበ ካሕሳይ (ካብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ዝተተርጎአመ)...
-
ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ? እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ...
-
ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ ተመልከቶም ተዓዘቦም ...
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




