Print this page

ኣብ ኤርትራ፡ ሕጽረት ኤለክትሪክን ሓያል ግፋን

2022-08-23 08:55:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 837 times
Rate this item
(0 votes)

ካብ ሬድዮ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ዝሓለፈ ግዝያት ብዝኸፈአ፡ ብኩራት ሓይሊ ኤልክትሪክ ይገጥም ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት  ኤርትራ ዘስካሕክሕ ግፋ ንግዱድ ውትህድርና ይካየድ ምህላዉ ምግላጹ ተፈሊጡ።

በቲ ናይ ሬድዮ ኤረና ሓበሬታ መሰረት፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ ንሓያሎ መዓልታት ብቐጻሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ይቋረጽ ስለ ዘሎ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝገደደ፡ ናይ ተለፎን ርክባትን ካልእ መሰረታዊ ጉዳያት ብኩራት የጋጥም ኣሎ። ጉዳይ ርክብ ተለፎን ኣይኮነንዶ ናብ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን የጸግም ከምዘሎ እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ህግደፍ “ኤርትራ ብዕቤት ንቕድሚት ትሕንበብ ኣላ” ዝብለሉ ዘሎ ግዜ፡ ህዝቢ ነታ ዝርካባ መንግስታዊ ተለቪዥን ኤርትራ እውን ምክትታል ከምዘይክእል ተፈሊጡ። እዚ ድማ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ፡ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረቶ ደረጃኳ ንድሕሪት ትምለስ ከም ዘላ ዘመልክት  ምዃኑ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሬድዮ ኤረና ኣብ ከተማታት ኤርትራ ቀጻሊ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ግፋ ከም ዘሎ ክሕብር እንከላ፡ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና፡ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ብምጥቃስ እቲ ግፋ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝኸፈአ መልክዕ ይካየድ ምህላዉ ገሊጻ። በቲ ናይ ቢቢሲ ሓበሬታ፡ እቲ ግፋ ካብ ኣሃዱታቶም ብፈቓድ ይኹን ብህድማ ምስ ስድራቤቶም ዝጸንሑን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ሳዋ ከይከዱ ዝጸንሑን ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሳ። ነቲ ግዱድ ግፋ  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት እንተዘይተረኺቦም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን  ስድራቤቶም ነዚ ተግባር ብዝተዋፈራ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት  ዝውሰድ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ስጉምታት ምዃኑ ተፈሊጡ።  እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና እቲ ዘይሰብኣዊ ግፋ  ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ብምሕባር፡ ከም ኣብነት ነቲ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ዝተፈጸመ ንኣብነት ብሰፊሑ  ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ብሰንክዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ካብ መረበተን ሃዲመን ኣብ በረኻ ክሕበኣ ዝተገደዳ ስድራቤተት ከም ዘለዋ ድማ ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 23 August 2022 11:00