Print this page

ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ መኣዝን

2021-11-23 09:35:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1380 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎን ናብ ከባቢና ዘድበንብን ዘሎን ሓደገኛ ኩነታት ብሃንደበት ዝተጋህደ ዘይኮነ፡ በብደረጃ ክምዕብል ዝጸንሐ እዩ። ቅድም ኣብቲ ንኢትዮጵያ ንልዕሊ 27 ዓመታት ዝመረሐ ግንባር፡ ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ቅድም ውሽጣዊ ነውጺ ጀሚሩ። እዚ ነውጺ ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይቲ ግንባርን መንግስትን ስልጣን ምስ ሓዘ ናይዚ ሎሚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደገኛ መኣዝን ምልክታት ተጋሂዱ። ካብ ምልክታት ምርኣይ ሓሊፉ ብዝጐለሀ መልክዑ ንክረአ ካብ ዘቀላጠፍዎ ተረኽቦታት ሓደ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቐዲሙ ክርእዮ ዝነበሮ ዘይምርኣዩ እዩ። ካብቲ ክርእዮ ዝነበሮ ዘይረኣዮ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቱን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ምስሕሓብ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህግደፍን ዝነበረ ዘይተፈወሰ ቅርሕቲ ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ዘሊሉ  ዝምድና ምስ ህግደፍ  ምምስራቱ እዩ። ድሕሪ እዚ እውን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ካብቲ ናይ ቅድም ስጉምታቱ ከይተማህረ፡ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኣብ ዘይተፈጥረሉ ንኢህወደግ ሰሪዙ “ብልጽግና ኢና” ምስ በለ፡ እሞ ሕወሓት ናይዚ ብልጽግና ኣካል ኮይኑ ከምዘይቅጽል ምስ ኣፍለጠ እቲ ኩነታት ብዝያዳ ሓደገኛ መኣዝን ሒዙ። እቲ ምብትታን ዝኣመሉ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ሓሳቡ ሰሚርሉ ኮቦሮ ሓምሓሙ ወቒዑ።

እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ደንበ፡ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕቆን ዝነበረ ማዕበል ርሑቕ ኣይነበረን። ንለውጢ ዝቃለስ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ናይ መጀመርያ ጭርሖታትን መደረታትን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣይተቓወሞን። ኣይተቓወሞን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘንብ ኣብ ኤርትራ እውን ክኻፊ እዩ ብዝብል ተስፋ ናብ ሃገርና ጽልዋ ኣሕዲሩስ ለውጢ ንክመጽእ ክሕግዝዩ ዝብል ትጽቢት  ኣሕዲሩ ነይሩ። ዋላ ርክብ ኢሳያስን ኣብይን ምስ ተፈጥረ እውን ኤርትራዊ ኩነታት በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘብለጭልጭ ዝነበረ ለውጢ ተጸልዩ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እዩ ዝብል እምነት ናይ ብዙሓት ነይሩ፡ ክባሃል ዝካኣል’ኳ እንተኾነ፣ ዕቃበኦም ዘመዝገቡ’ውን ነይሮም እዮም። ብግብሪ ከኣ ተገላቢጦሽ ኮይኑስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ምምሕዳር ኣብ ልዕልቲ ንሓጺር ግዜ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ለውጢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ናብዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጳያ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛን ተኣፋፍን  መኣዝን ንክሕዝ ካብ ዘበርከቱ ረቛሕታት ሓደ ኮይኑ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተሎ ዝጸንሐ ከም ታራ ጉዳይ ጎረቤት ዘይኮነ፡ ብዝተፈልየ ቆላሕታ’ዩ ክከታተሎ ጸኒሑን ዘሎን። ከምኡ ንክገብር ዝደረኾ ድማ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ዝኸዶ ዝነበረ ኣገባብ እንተቐጺላ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ክወርድ ዝኽእል  ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይከውን ይርዳእ ስለ ዝነበረ እዩ። ውግእ ምስ ተጀምረ ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምጽንጻኑን ምክትታሉን ነቲ ውግእን ሳዕቤኑን መዚኑ ብ21 ሕዳር 2020 ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ“ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ዝሕመረቱ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ከይተወሰነ ከኣ ኣብ 3 ሓምለ 2021 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ናይ ፈጻሚ ሽማግለኡ ኣኼባ እውን ውግእን ወረ ውግእን ጨሪሽካ ብምጥፋእ ነባሪ ሰላም ምእንቲ ክፍጠር፡ ንኹሎም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝሓቁፍ ሓፈሻዊ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር፤ ኣብ  ክንዲ ውግእ ከኣ ኣብ ልዝብ ዘትከለ ፖሊቲካዊ ፍታሕ ክናደ ከም ዝግባእ እምነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።” ዝማእከሉ መልእክቲ ዝሓዘ ኣዋጅ ኣውጺኡ። ሰዲህኤ ተገዲሱ ነዚ ስጉምትታት ዝወሰደ እቲ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ተደሪቱ ከም ዘይተርፍ ተረዲኡን ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲኻ ምቅላሱ ናይ ግድን ምዃኑ ብምስትብሃልን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ናይ ምእታው ፖሊሲ ስለ ዝኽተል ኣይኮነን።

እዚ ሰዲህኤ ካብ ቅድም  ጀሚሩ ዝኣመሞን ድሒሩ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ጀሚርካ ክሳብ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ክሳብ ሕጂ ዝረባረብሉ ዘለዉን መጸዋዕታ ሰማዒ እንተዘይረኺቡ  ኩነታት ኢትዮጵያ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኸውን ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ እዩ። እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረን “ብዓንተቦ እንተዘይተፈቲሑ ናብ ዞባ ከይልሕም ዝሰጋእናዮን” ጥሜት፡ ስደት፡ ውሽጣዊ ምምዝባል፡ ምብራስ ቁጠባውን ማሕበራውን ትካላትን ካልእ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሎሚ ኣብ ትግራይ ከይተደረተ፡ ናብ ሓያሎ ከባብታት ኢትዮጵያ ልሒሙ ህልውና ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣብ ዝፈታተነሉ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።

እቲ ዝያዳ ዘሕዝንን ዘሻቕልን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ውግእ ኣካላት እዮም ክትብሎም ዘየድፍሩ ብዘይ ናይ ዕድመ፡ ጾታን ስራሕን ኣፈላላይ ዓሰርተታት ኣሸሓት ተጋሩ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገርን ዝውሰድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርትን ምብስባስ ንበረቶምን እዩ። ዋላውን ጸጥታዊ ምኽያታት ይዋሃቦ፣ ከምዚ ዓይነት ዘርኣዊ መልክዕ ዘለዎ ስጉምቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዘቐንዙ ንኤርትራውያን ዝተሰወረ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ “ኣካልዚ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ይኾኑ ኣለዉ” ተባሂሎም ዝሕመዩ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ብሰብኣውነት “ዓገብ” ክብሉ ይበኦም። ምኽንያቱ ምረቱን ቃንዛኡን ንፈልጦ ኣብ ርእሲ ምዃናን፡  እቲ ኣብ ልዕሌኻ ብምፍጻሙ ዘቐንዝወካ  ኣብ ልዕሊ ካለኦት ክፍጸም እንከሎ፡  ከተተባብዖ ወይ ኣካሉ ክትከውን ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ።

ኣብዚ እዋንዚ  እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንክኣትወሉ ዝተኸፍተ እሞ መንእሰያትና ዘህልቕ ዘሎ   ስጉምቲ ተኸቲሎም፡ ገለን ብቐጥታ ገለን ከኣ ብተዘዋዋሪ ብዙሓት ኣእዳዎም የእትውሉ ኣለዉ። በዚ ከኣ እቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ  ሓደገኛ ዞባዊ ቅልውላው ከየኸትል ዝስጋእ ዝነበረ፡ ሎሚ ብግብሪ ሓደገኛ  መኣዝን ሒዙ ኣሎ። እንተኾነ ሕጂ እውን ከምቲ “ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ ኣለዎ”  ዝበሃል፡ ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ መሊሱ ከይገድድ እቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ከምቲ “ንሰብሲ ልቡ እዩ ዝዓርቆ” ዝበሃል ናይ ደገ ኢድ ጥራይ ከይተጸበዩ  በታ ዘላቶም ጸባብ ዕድል መጻኢኦም ዝሓሸ መኣዝን ከትሕዙ   ጸዋዒትና ቀጻሊ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ እንተኾነ ዓረቕቲ ክንከውን መተገበኣና ካብኡ ሓሊፉ፡ ሳዕቤኑ ኣንጻር ህዝብና ከይከውን ተገንዚብና፡ ኢድ ኣእቲኻ  ካብ ምግዳድ ክንዕቀብ ጸዋዒትና እዩ።

Last modified on Saturday, 27 November 2021 07:11