Print this page

ክመይ ጌርና’ሞ ክንርስዖም!!!

2021-10-02 19:52:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1117 times
Rate this item
(0 votes)

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብ3 ጥቅምቲ 2013 ሓሙስ ማዓልቲ፡ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘንቀጥቀጠን ዘሰንበደን ህልቂት መንእሰያትን ህጻናትን ኤርትራ ኣብ ገማግም ደሴት ላምባዱዛ ዝተፈጸመሉ ናይ ሓዘን ማዓልቲ እዩ። ነዚ ናይ ሓዘን ማዓልቲ ክንዝክር እንከለና ግን፡ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ሓዘን ኤርትራውያን እዩ ማለትና ኣይኰነን። ቅድሚኡን ድሕሪኡን ኣብ ምድረ በዳታት፡ ቀላያትን ባሕርታትን ዝሃለቑ መንእሰያትናን ህጻናትናን ማእለያ የብሎምን ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ገናውን ዝቕጽል ዘሎ መርኣያ ሕሰምና ኰይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንመንእሰያትና ዘጓንፎም ዘሎ  ዝተፈላለየ ኣሰቃቒ ተመኵሮታት ኣብ'ቶም ካብ'ዚ ህልቂትን ሞትን ዝተረፉ ደቕና፡ ኣሓትናን ኣሕዋትናን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ቤተሰቦም ዘሕድሮ ኣሉታዊ ስነ-ኣእሙራዊ ስንብራት ንምፍዋሱ ቀሊል ዘይኰነ ጻዕርን ክብ ዝበለ ብቕዓትን ዝሓትት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለ'ዚ ናይ ዝሞቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ'ቶም ብህይወት ዘለዉ እሞ ከቢድ ስነኣእሙራዊ ማህሰይቲ ዝወረዶም ዘሎ ዜጋታትና ሃለዋት ውን ከገድሰና ኣለዎ። 

ህልቂት ላምባዱዛ እምባኣር፡ ሬሳታትና ካብ ባሕሪ ክዝቈቊ፣ ዋና ተሳኢንዎ፡ ኣብ መሬት ተደርብዩ ጸሓይን ንፋስን ክውቃዕ፣ ንቡር ቀብሪ ስኢኑ፡ ኣብ ሳናድቕ ተዓሺጉ ንምርኢት ዝቐረበ ክመስል ዝቐደመን ዝዳሓረን ሕስረትን ውርደትን ኤርትራውያን ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘቃልዐን ዘሕዘነን ብምንባሩ፤ ንብዙሓት ደገፍቲ ስርዓት ዝነበሩ ከይተረፈ ካብ ድቓሶም ዘበራበረ ብምንባሩ፡ ከመይ ኢልካ እዩ እሞ ክርሳዕ?!!!! ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህልቂት ዝርስዕ እንተሎ፤ እቲ ካብ ተሕታትነት ክምልጥ ዝሓስብ ወይ ዝደሊ ጠንቂ ናይቲ ሕሰምን መከራን ዝኾነ፡ ሎሚ እውን ናብ ልቡ ዘይተመልሰ፡ መላኺ ስርዓትን መጋበርያታቱን ጥራሕ እዮም።

ስለ'ዚ ድማ'ዮም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍን “ኣጆኻ በሃልቱን”፡ መንነት ኤርትራዊ ግዳያት ግዳያት ላምፓዱዛ ክሒዶም፤ ክሳብ ሎሚ ጠንቂ ስደቶምን ጥፍኣቶምን ንኻልኦት የሰክሙ ኣለዉ። ወትሩ ምዝመዛ ገንዘብን ጉልበትን ኤርትራውያን ዘተሃራርፎ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት ኤርትራ ብህይወት እንከለዉ፡ ብስም ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ድማ ምስ ነጋዶ ደቂ ሰባት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ብምትሕብባር ዝበልዖም ገንዘብ ከይኣኽሎ፡ ሕንኽ ከይበለ ካብቲ መንነቱ ዝኸሓዶ ሬሳታት ክነግድን ገንዘብ ክእምርርን ምፍታኑ ኣዝዩ ዘስደምም ኢዩ ነይሩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ስርዓት እንጽበዮ ኣውንታን እንፍደዮ ጽቡቕን ክህሉ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። ወረ ሎሚስ ኣብ ዝገደደን ንህልውና ሃገር ናብ  ዘስግእ ተግባራት ዝመጣጠር ዘሎ እዩ።

እምበኣር፡ ኣብዚ ናይ 8ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ይኹን፡ ኣብ መጻኢ ናይ ዝኽሪ ዓመታት፡ “ብዝሓለፈ ህልቂት እንዳስቈርቈርና ዲና ክንነብር ወይ ነዚ ጠንቂ ናይ'ዚ ኵሉ ሽግራትና ዝዀነ ሓደገኛ ጉጅለ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣወጊድና፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሃኒጽና እፎይ እንብለላ ሃገር ክንውንን ኢና?” ዝብል ሕቶ ኣብ  እንምልሰሉ  ወሳኒ እዋን ከም ዘሎና ንዅላትና ብሩህ ኢዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ኣብ ናይ ብርሰት ሓደጋ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ከም'ቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ 4 ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝበልዎ፡ “ሓወይ ኣበይ ኣሎ? ሓብተይ ኣበይ ኣላ? ህዝበይ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ክሓትትን “ኣነ'ኸ እንታይ እገብርን ኣበይን ኣለኹ?” ኢሉ ምስ ነብሱ ክመራመርን ኢዩ ዝግብኦ። ከምዚ ዘይገብር ኤርትራዊ እንተዀይኑ ግን፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንጭቆና እቲ ጉጅለ ዘተባብዕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኢልካ ካብ ምሕላፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ኢጣልያዊ ገፋፍ ዓሳ ቪቶ ፍሎሪኖ (Vito Florino) እኳ፡ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያን ምድሓን ግዳያት ላምፓዱዛን ዝነበሮም ግደ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ምቕራጽ ምስልታት ግዜ ወሲዶም ክብል ዝነቀፈስ፡ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ንጠላም ተግብራት ናይቲ ጉጅለ ከጸባብቕዎ እንከለዉ ክትሰምዕን ክትዕዘብን እንከለኻ ዘደንጹ ጥራሕ ዘይኰነ፡ “ኣምበር'ዶኸ ሕልና ኣለዎም እዩ” ዘብለካ’ ውን እዩ።

        

በዚ ኣጋጣሚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ “ንመጻኸ እንታይ ይገበር?” ዝብል ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ኤርትራውያን ሳዕሪሩ  ዘሎ ናይ ስደት ዋሕዚ ንምግታእ ክግበሩ ኣለዎም ዝብሎም ስርሓት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  • ናይቲ መሰረታዊ ጸገማት ጠንቂ ዝዀነ መላኺ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና መሓውሩን ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ ዝግበር ቃልሲ ምሕያል።
  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ናይ ርሑቕን ቀረባን መዛምድታ ዝፍጠር ርክብ ኤርትራዊ ረብሓ ዝማእከሉ ንኢድ ኣእታውነት ዘይቅበል ክኸውን ምጽዓት።
  • ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ህግደፍ ዝቃለስሉ ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ምቅልጣፍ።
  • ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣብ መደበራት ስደተኛ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝድሕንሉ ኩነታት ክፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ምክያድን ናብ ዝምልከተን ትካላት ዝቐርብ ምሕጽንታ ኣሕይልካ ምቕጻሉ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

Last modified on Saturday, 02 October 2021 22:05