Print this page

ሕጅኸ ናበይ?” ወትሩ እንሓታ ሕቶ፡

2021-04-06 17:00:51 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1143 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ኤርትራ ናጽነትን ልኡላውነት ምናልባት ንድሕሪት ክመልስ ዝፍትን እምበር፡ ዝኽእል ሓይሊ የለን። እቲ  ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ዝሰነዖ ኣገባብ ምምሕዳር ነቲ ናጽናትን ልኡላውነትን ኤርትራ ንምምጻእ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ዝምጥን ኣይነበረን ኣይኮነን። እዚ ተግባሩ “ሓደገኛ ሳዕቤን ደኣ ከየምጸኣልና” ዝብል ከኣ ብኹሪ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ። ንናይ ጉጅለ ህግደፍ ብተንኮላት ዝተላዕጠጠ፡ ብጉርሒ ዝዘቕበበ ኣተሓሕዛ ዝተዓዘበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሩ ምእንቲ ዘተኣማምን ራህዋን ቅሳነትን  ክቃለስ ግድን ስለ ዝነበረ እነሆ  ይቕጽል ኣሎ።

ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መዓርፎ ኣበይን መዓስን ምዃኑ ዝኣገሞምን ምንዋሕ ናይቲ ቃልሲ ጸላዕላዕ ዝበሎምን ኣካላት “ሕጂኸ ናበይን ክሳብ መዓስን?” ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብሩህ እዩ። ኤርትራ ካብዚ ሎሚ ዘላቶ ናይ “ጸልማት፡ ተነጽሎን ድኽነትን ሃለዋት” ወጺኣ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝባ ዘውሓሰ ራህዋ ክሳብ እተበስር እቲ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። እቶም ነዚ ዘዕውቱ ተቓልስቲ ከኣ ተተኻኻእቲ እምበር፡ ሓደ ወለዶ ጀሚሩ ንሱ ዝውድኦ ኣይኮነን።  ስለዚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ዝመንቀሊኡ፡ ኩለ-መዳያዊ ራህዋ ዝመዓርፎኡ ናይ ወለዶታት ቃልሲ እምብር፡ ንስለ ሸንኮለል ዝተኣጉደ ሓምኹሽቲ ኮይኑ ዝተርፍ ባርዕ ከም ዘይኮነ ብፍላይ መንእሰያት ብሓፈሻ ከኣ ኤርትራውያን ክንርድኦ ይግበኣና።

ሓደ እዋን ብሰንኪ ንሕቡእ ኣጀንዳ ጉጅለ ኢስያስ ዘይምርዳእ፡ ወይ ካብቲ  ንሱ ዝፍሕሶ ተንኮል “ተጠቃሚ እየ” ብዝብል፡ ዕባራ ምኽንያት፡ ነቶም ምእንቲ መሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዝነበርናን ዘለናን “ሎሚ ድሕሪ ናጻ ሃገር ምውናንናከ እንታይ ደልዮም እዮም?” ዝብል ምሉስ ሕቶ ናብቶም ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን እኩይ ኣተሓሳስባኡን ክንቃለስ ዝሓረንና ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም። እንዳወዓለ እንዳሓደረ ግና ናይዞም ሚዛኖም ዝሰሓቱ ሓተትቲ ቁጽሪ እናነከየ ምኻዱ ተስፋ ዝህብ እዩ።

ናይዚ ስንኩፍ ሕቶ ናይዞም ዘይርጡባት ወገናት መልሲ ከም ናይ ጸሓይ ብርሃን  ንጹር እዩ። ዕላማ ናይዚ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ጀሚርና ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ምእንቲ ብዙሕ ሕቶታት ዝምልስ መስረታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምርግጋጽ እዩ። ኣብ ዝርዝሩ እንተኣቲኻ ከኣ ብዘይካ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሕቶታት ህዝቢ ኤርትራ ምምላስ፡ ካልእ ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ  ምስጢርን ውዲትን የበሉን። ከምቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት እንምድሮን ኣብ ኩሉ መድረኻት እንጽሕፎን፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ይኹን መልክዕ ይሓዝ፡ ዝኾነ ይኹን ኣገባብ ይከተል፡ ወጽዓን በደልን ኣብ ኤርትርና ዝነጽግ፡ ብኣንጻሩ  ራህዋን ምሉእ ዘይጐደሎ ሓርነትን ህዝቢ ከረጋግጽ ዝጽዕትን እዩ። መስርሕ ቃልስና ኣብ መንጎ ተሓለቕቲ ለውጥን ኣምለኽቲ ወጽዓን ብዘሎ ግብግብ ዝግለጽ እዩ። እዚ መስርሕ ብብዙሓት መድረኻዊ ተርኽቦታትን ክብን ለጠቕን ዝተሰነየ እዩ።  ዝኾነ ሓድሽ ተርእዮ ኣብ ዝኽሰተሉ ከኣ “ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ይዕድም። ጉጁለ ህግደፍ ኣብ ናይ ምልኪ ዕድመኡ፡ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ክምድር፡ ስንኩላት ብዘይፍርዲ ክርሻን፡ ተጋደልቲ ክኣስር፡ ምስ ሱዳን፡ የመንን ጅቡትን ውግኣት ክጽሕትር፡ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዶብ ተጐልቢቡ ውግእ ክእውጅ፡ ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ኣባላት ባይቶን ክስውር፡ ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታት ክኣስር፡ ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ናይ ዝሃለቑ ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣስከሬን ክጽየፍ፡ ንመንእሰያት ኣብ ዶባት ክርሽንን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና ክፈጥርን እንከሎ ደጋጊምና “ሕጂኸ ናባይ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒልና ኢና። ሎሚ ንዓለም ብዘገረመ፡ ዜቤታዊ ሓላፍነትካ ራሕሪሕካ መትሓጃ ብዘየብሉ ቀትዒ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣእትዩ ግፍዕታት ምስ ፈጸመ እውን እነሆ ከም ወትሩ “ሕጂኸ ናበይ?” ንብል ኣለና። ሎሚኳ እዚ ሕቶዚ ናትና ናይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኩሎም እቲ ተረኽቦ ዝደንጸዎም ዝሓትዎ ዘለዉ እዩ። ንሕቶኦም ብእገዳን ካልእ ቀጻዒ ስጉምትን ክምልስዎ ዝጀመሩ እውን ይረኣዩ ኣለዉ።

መልሲ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ወትሩ ዝለዓል “ሕጂኸ ናባይ?” ዝብል ሕቶ ፡ ካብ ተመኩሮ ተማሂሩ ሎምስ “ናብ ዝሓሸ መንገዲ ራህዋን ሰላምን” ዝበል ዘይኮነ፡ በቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተሸኽሎ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ” ዝብል ምዃኑ እንግንዘቦ ዘለና እዩ። ናትና ናይ ሓይልታት ለውጢ መልሲ ከኣ፡ ባዕልና ብግብሪ ሰሪሕና እነቕርቦ  “ድሕሪ ሕጅስ ናብ ራህዋ” ክኸውን እዩ ዝግበኦ። እንተኾነ  ክሳብ ሕጂ ነዚ ርትዓዊ መልሲ ኣይተዓወትናሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ደጋጊምና  እንሓትት ዘለና። ከምቲ ኩልና ነቲ ሕቶ እነልዕሎ፡ መልሱ እውን ካብ ኩልና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ክሳብ ሕጂ ክንድቲ እንሓቶ፡ መልሲ ናይቲ ሕቶና ኣብ ምርካብ ሓላፍነታውያን ኣይጸናሕናን። ሓደ ለውጢ ዝጽበ፡ እንታይ ከም ዝሰራሕካ እዩ ዝሓተካ እምበር፡ ንሱ ብወገኑ እንታይ ከም ዘበርከተ ኣየርእየካን። ኣብ መንጎ ሓደ ኣባልን ሰልፉን ውድቡን፡ ኣብ መንጐ ሓደ ኣባልን ማሕበሩን፡ ኣብ መንጎ ሓደ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ምንቕስቓሳትን ዘሎ ናይ ሓታታይን መላሳይን ዝምድና እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት በዚ እንተቀጺሉ “ኩልና ሓተትቲ እንተኮይና ደኣ መንዩ መላሲ ክኸውን?” ናብ ዝብል ሽንኮለል እዩ ዝወስደና።

ጉጅለ ህግደፍ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከም ልማዱ ሎሚ እውን ተደራራቢ ሕቶታት ዘኸትል እምበር ሕቶ ዝምልስ ኣይኮነን። እቲ ኣቐዲሙ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዘስዓቦ ሕቶታት ከይመለሰ፡  ካልእ ሕቶ ዝፈጥር ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ይወስድ። ንኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ህጻናት ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ኣእትይዎም ኢልና ከነማርርን ክንሓትትን ጸኒሕና። ኢሳያስ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ ኣትዩ ዲና ሙፍቲ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ኣንበሳደር “ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንዝተፈልዩላ ዕለት ኣይፈትዉዋን ኣየኽብርዋን እዮም”  ብዝብል ብዝፈጠሮ ህቦቡላ መዓት ሕቶታት ሓቲትና። ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደርሽንዶ ብኮንፈደረሽን ክሰምራ እየን ዝብል ከኣ ብዙሓት ተንተንቲ ንኣተገባብራኡ ከይተረፈ ዝቀባበልሉ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ዓብይ “ሕጀኸ ናበይ?” ክንብል ዝድርኸና ዛዕባ እዩ። ኮታ ዓይንና እንዳረኣየ፡ እዝንና እንዳሰምዐ “መርዓ ጓለን ቀላቅል መዓለን” ከይንኸውን ዘየስግእ ኣይኮነን። ካብዚ ጽልግልግዚ እቲ ቀንዲ መዋጸኦ፡ ሕቶ ሓቲትካ መልሲ ካብ ካለኦት ምጽባይ ኣይኮነን። ኣብ ምምላስ እቲ ሕቶ ዓቕምኻ ዘፍቅዶ ከተበርክት ድልዊ ምዃን ኣብ ቅድሚ ኩልና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ሓላፍነት እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ መልሲ ዘይረክብ “ሕጅኸ ናበይ?” መናብርትና ክኸውን እዩ። ወይ ደሓር ተጣዒስካ ብዘይምለስ ግጉይ መልሲ ክምለስ እዩ።

Last modified on Tuesday, 06 April 2021 19:05