Print this page

ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

2021-03-26 19:43:36 Written by  ኣሰፋው በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1508 times
Rate this item
(0 votes)

6ይን መወዳእታን ክፋል

ኤርትራውያን እንፈላለ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ መስርሕ ህንጸት ሃገርና’ምበር ኣብ ሃገርና ዘሎና ሓድነትን ፍቕርንስ ብዝኸፈልናዮ ከቢድ መስዋእቲ ኣረጋጊጽናዮ ኢና። ኩሉ ዝምእዘዘሉ ሕግታት ናይ ኣወዳድባ ኣብ ዘይብሉ፡ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ስርሓት  ብንቕሓት ኣብ ዘይሳተፈሉን ከማእዝን ዝኽእል ሓያል ፖለቲካዊ ጥርናፈ ኣብ ዘይሃለወሉን ብዙሕ ምጉጅጃላት እንተረኣና ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ነቲ ዝሓዞ መንገዲ ከም ዝሓሸ መተግበሪ ናይቲ ዝርእዮ ዕላማ ገይሩ ስለዝወስድ ኢዩ። ምዓስ’ዩ እቲ ሕማቕ ዝኸውን  ሓድነት ሕዝቢ ዝሃሲ፡ ኣብ ሓድሕዱ ዘናቑት፡ ልዑላውነት ሃገር ዝፈታተንን፡ ንሃገርነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ዘእቱን ምስዝኸውን ኢዩ። ኣብ ጽበት፡ ድሕረትን ጥሩፍ ኣረኣእያን ተሞርኲሶም ዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት እናበዳህካዮም ደኣ ክኽየድ ኣለዎ'ምበር ካብ ምቕልቃልስ ዘይቦኽሩ ኢዮም።  ኣብ ከም ናትና ዝኣመሰለ ብዙሕነታውን ዘይማዕበለን  ሕብረተሰባት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምብጻሕ  ሕብረተሰባዊ ሕማማት ዝምዝምዘሉ ተኽእሎ ስለዘሎ ነዚ ክንጥቀመሉ በሃልቲ ጉጅለታት ክፍጠሩ ባህሪያዊ ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣቢሎም ጸቢብ ፖለቲካዊ ጥሙሓቶም ንምፍጻም ዘይከኣል ኮይኑ ስለ ዝስምዖም ኢዩ።

ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስራሕ እቲ ቅኑዕ ኣገባብ፡ ሃገራዊ ምጥርናፍ ጌርካ ነቲ ሃገራዊ ዕላማ ምዕዋት ኢዩ። ካብዚ ዝተሓተ ምጥርናፋት እቲ ዘለናዮ ኩነታት፡ ንክህሉ ዕድል ዝሃቦ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ዝነብር ኣይኮነን። ሕግታት ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ኣውጺኣ ኣብ እትኸይድ ኤርትራ፡ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዝግበሩ ፖለቲካዊ ምትእኽኻባት ቦታ ዝህልዎም ኣይኮኑን።

ብዘይካ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት፡ ንደምበ ፍትሒ ኣብ ሓድሕዱ ዘቋይቑን ዘሻቕሉን ዶብ ሰገር ምትእኽኻባት ውን ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይድረቱ ንፖለቲካዊ ካርታ ናይ ዞባና ክቕይሩ ዝሓስቡ ኣግኣዝያንን ትግራይ ትግርኝን ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይዚ ኣብነት ኢዮም። እዚኦም ንመንኮርኮርን ታሪኽ ንድሕሪት ክመልሱ ዝሕልኑ ሓለምቲ ኢዮም። ኣብ ልዑላውነትን ሃገርነትን ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘይኣምኑ ስለዝኾኑ፡ ካብቲ ኢርትራዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ባዕሎም ነብሶም    ወጻኢ ዝገበሩ ስለዝኾኑ መኣዝንና ከስሕቱና  ኣይግባእን።

ኤርትራ ልክዕ ከም ካልኦት ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገራት ብናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ዶባታ ብመግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ኢዩ። እዚ ዶባትዚ ነቲ ሓቢሩ ከም ሓደ ህዝቢ ክምዕብል ዝነበረ ኣብ ክልተ ሰለስተ መቓቒልዎ ኢዩ። እዚ ማለት ግን እቲ ፖለቲካዊ ምእዙዝነት ነናብ ዝምልከቶ መንግስቲ ይኺድ'ምበር እቲ ማሕበራውን ባህላውን ዝምድናታት ናይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ በቲ ዝተሓንጸጸ ዶብ ክብተኽ ኣይክእልን ኢዩ። ውዮ ድኣ ንህዝቢታት ዘይሓልዩ መንግስታት ስለዝትከሉ'ምበር ነዚ ዝምድናታትዚ ከም መኽሰብ ተጠቒምካ ንዝሓሸ ናይ ሓባር ምዕባለ  ክትሰርሓሉ  ዝከኣል ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝብና ነቲ ኣብ   ጐረባብቲ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዘሎ ብባህልን ብቋንቋን  ዝመሳሰሎ ህዝብታት ክርሕቆ ኣይደልን ኢዩ። ተሓጋጊዙን ተመላሊኡን ዝኸይድ ናይ ሓባር ህይወት ክነብር ዝደሊ ኢዩ። ህዝቢ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ይነብር። ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምህላዉ ብዘየገድስ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ንፋስ ዘየእቱ ስጡም ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ጫፋት ሳሕልን ባርካን ዝነብር ህዝብና ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኣሕዋቱ  ብምትሕልላይ ኢዮም ዝነብሩ። እንተደለዩ ናይ ኤርትራ እንተደለዩ ናይ ሱዳን ዜግነት ሒዞም ክነብሩ ጸገም የብሎምን። ብደቡባዊ ሸነኽ፡ ኣብ ዶብ ዝነብር ተዛራባይ ትግርኛ ህዝብና ውን ምስቲ ኣብ  ጥቕኡ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ እናተሓጋገዘን እናተመላለአን ከምዝኸይድን ኣብ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ሕማቕ ናይ ሓባር ስምዒት ክህልዎም ከም ዝኽእልን ዘይከሓድ ኢዩ።

ኣብ ዶባት ዝነብሩ ህዝቢታት፡ ካብቲ ናይ ሓባር ህይወቶም ዝነቅል፡ ንልዕላውነት ናይ ሃገራቶም ዝፈታተን ስምዒታት ከቀላቕሉ ይኽእሉ ኢዮም። ብፍላይ እቶም ዝመርሕዎም መንግስታት ረብሕኦም ዘይሕልውሎም ኮይኑ እንተተሰሚዕዎም ኣብቲ ብሄራዊ ምትእስሳር ክግደሱ ይኽእሉ ኢዮም። ዓባይ ዓፋር፡ ዓባይ ትግራይ (ትግራይ ትግርኝ) ወዘተ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኢዮም። እዚ ናይ ዓባይ ዓፋር ዝብል ምንቅስቓስ ሰብ ብዙሕ ዝፈልጦን ዘድህበሉን ኣይኮነን። ዓባይ ትግራይ ትግርኝ ዝብል ምንቅስቓስ ግን ብዙሕ ሰብ ዝዛረበሉን ንገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ውን ዓቢ ሻቕሎት ኮይኑ ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ኣሻቓሊ ክኸውን ዘይብሉ ኣብ ታሪኽ ዝተሳዕረ ናይ ውሑዳት ኣተሓሳስባ ኢዩ። ነቲ ክፍጠር ዘኽኣሎ ሕማቕ ስርዓተ ምሕደራ ብምልጋስ ክመዉት ዝኽእል ኣተሓሳስባ ኢዩ። ነዚ ምንቅስቓስዚ ዝተጋነነ መግለጺ ምሃብን ነቲ ንሱ “ኣለኹልካ” ዝብሎ ወገን ብጃምላ ከም ደጋፊኡ ጌርካ ምቑጻርን ዝተጋገየ ሚዛን ኢዩ። ካብዚ ግጉይ ሚዛንዚ ነቒልካ ንፖለቲካዊ ስራሓትካ ክትቅይስ ክትፍትን  እንተኾንካ፡ መኣዝን ቃልሲ ዘስሕት ኢዩ።

ዝተባህለ ይበሃል፡ ብከቢድ መስዋእቲ ቃልሲ ህዝቢ ዝተረጋገጸትን  ኣህጉራዊ ቦታኣ ዘውሓሰትን ሃገር፡ ጥሩፍን ድሑርን ኣተሓሳስባ ብዘለዎም ኣካላት ህዝባዊ ሓድነታ ዝነቓነቕ ኣይኮነን።

በዚ ስንኩፍ ኣተሓሳስባታትዚ ከይተሰናኸልና ኣብቲ ቀንዲ ጸላኢ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ መራሒ ምልካዊ ስርዓት ከነተኩር ይህልወና። ብሓድነትና ክርከብ ዝኽእል ብርታዐና ንምስባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኢሉ ውን፡ ነዚ ጥሩፍን ድሑርን ኣተሓሳስባታት ንከይጠፍእ፡ ከንበድብዶን ከስንቖን ከም መደብ ሒዝዎ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ። ነዚ ናይ መቓቒልካ ስልጣንካ ኣናውሕ ዝብል ፖሊሲ ናይ ስርዓት ጉጅለ ህግዲፍ ግዳይ ከይኮንና መኣዝንና ከይሰሓትና ብጥምረት ክሳብ ዓወት ክንቃለስ ይግባኣና።

Last modified on Friday, 26 March 2021 20:54