Print this page

መስዋእቲ ጽኑዕ ተጋዳላይ ግርማይ ሃይለ

2021-01-24 22:06:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1447 times
Rate this item
(0 votes)

Martyr Ghirmay Haile 1123333333

ተጋዳላይ ግርማይ ሃይለ ብ1957 ዓ.ም  ኣብ ዓዱ፣ ዓዲ በያን ተወሊዱ። ግርማይ በቲ ኣብ 1975 ኣብ ከተማታትን ገጠራትን መላእ ኤርትራ  ዝተጓሃሃረ ሃገራዊ ቃልሲ ብዝሓደሮ ፍቕሪ ሃገርን ናይ ቃልሲ ወንን ተደሪኹ ኣብቲ ዓመት እዩ ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ግርማይ ሃይለ ድሕሪ መባእታዊ ወታሃደራዊ ትምህርቲ ምጥንቓቁ፣ ናብቲ ኣብ ደንከል ዝነበረ ተዋጋኢ ሓይሊ ናይ ተሓኤ ተመዲቡ፣ ብትብዓትን ተወፋይነት ቃልሳዊ ግዲኦም ካብ ዘበርከቱ ተጋደልቲ ሓደ እዩ።

ግርማይ፣ ኣብታ ወዲ ቀሺ ዝመርሓ ዝነበረ ሓይሊ መድፋዓጂ ኣርበጂ ኮይኑ፣ ኣብ ሓያሎይ  ኣንጻር መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ውግኣት ተረባሪቡ፣ መርኣያ ተወፋይነቱን ትብዓቱን’ውን ኣካሎም ካብዝኸፈሉ ጀጋኑ ነይሩ። ንዘጋጠሞ መውጋእትን ስቓይን ስዒሩ፣ ኣብቲ ብተጋዳላይ ዓብድላ ሓሰን ዝምራሕ ዝነበረ በርጌድ 64 ተመዲቡ፣ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድ ብደረጃ ካድር ኣብ ፖለቲካዊ ናይ ምንቅቃሕ መደብ ኣብ ምብርካት እንከሎ፣ ንጀብሃ ብዘጋጥመ ውዲታዊ መጥቃዕትን ውድቀትን ኣብ ዶባት ሱዳን ምስኣተወት’ውን ቃልሱ ብዘይምቁራጽ ምስቲ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ዝወገነ ሸነኽ ኮይኑ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየደ ጽኑዕ ኣባል እዩ።

ግርማይ፣ ድሕሪ ፍሽለት ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን  ዝተኻየደ ስምምዕ ናይ 1983፡ ፖለቲካዊ ካድርን ወኪል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኮይኑ ኣብ ፖርት ሱዳን ተመዲቡ። ካብዚ ከይወጸ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ሰልፊ ተሰጋጊሩ፡ ምስተሰጋገረን ጸኒሑውን፣  ቅድም ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀጺሉ ኣብ 2010 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስቆመ’ውን፣ ንዝኮነ ይኹን ናይ ቃልሲ መሰናኽላትን ምድንጋራትን ብትብዓትን ብህድኣትን ሰጊሩ፡  ወኪል ሰልፊ ኮይኑ ሰልፋውን ሃገራውን ግቡኡ ፈጺሙ። ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ ናይ ቃልሲ ኲነታት እንከሎ ብጽኑዕ ሓሚሙ፣ ቅድም ኣብ ግብጺ ካይሮ ሆስፒታል ክልተ ግዜ ናይ ርእሲ መጥባሕቲ ኣካይዱ፣ ብጻዕሪ በኹሪ ወዱን ተሓባበርቱ ሽወደናውያንን ናብቲ ሃገር ክኣቱ ዕድል ረኺቡ፣ ኣብ ተኸታታሊ ሕክምናዊ ክንክንን መጥባሕትን  ንሞት ክስዕራ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ንዕለት 19 ጥሪ 2021 ግን እተን ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዝጎያ ዝነበራ ማሓውሩ ክሰግራኣ ስለዘይካኣላ ኣብ ሽወደን ኣብ  ሕቁፊ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ።

ተጋዳላይ ግርማይ፡ ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ኮይኑ፣ ብስድራን ናብራን ከይተሰናኸለ፡ ኩሉ’ቲ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፍን ዝሓለፎ  ጽንኩር መድረኻት ካብ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ከይተፈልየ፣ ህዝባዊ ጉዳያት ብምቕዳም ብዘይምሕላል ዝመከተ መስተውዓልን ጽኑዕን ናይ ቃልሲ ብጻይ እዩ ነይሩ። ስዉእ ግርማይ ሃይለ  26 ጥሪ 2021 ኣብ ሽወደን ሓመድ ኣዳም ክለብስ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንስድርኡን መላእ ቤተ ሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾትን ጽንዓትን ጽሮትን ይሃብ። ንብመስዋእቲ ዝተፈልየ ብጻይ ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ እንዳበልና ተኻፈልቲ መሪር ሓዘኖም  ምዃና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Sunday, 24 January 2021 23:10