Print this page

ሎሚ ዘበን፡ ካብ ዓሚ እንመሃሮ

2021-01-02 17:38:34 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1282 times
Rate this item
(0 votes)

እነሆ “2020 ዓሚ፡ 2021 ድማ ሎሚ ዘበን” ኣብ እንብለሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “ሎሚ ዘበን” ኮይና፡ ኣለኹ እትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት “ዓሚ” እትበሃለሉ እውን ግዜኡ ሓልዩ ጽባሕ ደበኽ ክብል እዩ። ወዮ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ግዜ ጉዕዞ ቅልጣፈ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ዘይንስጉምን ከኣ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ኢና  እንብል። ከም ሰባ ክንሳ “ሎሚ ዘበንስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ምባል እውን ልሙድ እዩ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን እዩ። ዓምን ሎሚ ዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሕና ከኣ ምእንቲ ኣብ ሎሚ ዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ምልስ ኢልና ክንግምግሞ ይግበኣና። ንዓመታ ከም እትመጽእ እውን ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይቲ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ንምውጋድን ነቲ ኣውንታ ድማ ዝያዳ ንምሕያሉን እዩ።

ኣብታ ዝሓለፈት ድሮ ዓሚ ኮይና ዘላ 2020፡ ኤርትራና ከመይ ከም ዝሓለፈታ  ኩልና ኤርትራውያን ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦም ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ “ ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ቀጻሊ እዩ። ከምዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ክጠጥቕ’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተወግኡን  ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ርሑቕ ከይከድና ከካብ መቕርብና ንዕዘቦ ኣለና። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይተሳተፈን” ክብሉ ጀሚሮም ዝነበሩ ሎሚ ብመርትዖታት መህደሚ ብዘይርከቦ መጻወዲያ ሓቂ ተታሒዞም እዮም።

ኣብቲ ውግእ ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ቅትለትን ንብረቱ ምርሳይን ተሳቲፉ ዝብል፡ ነቶም ራሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍር ስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይዚ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ዝዝረበሉ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝምታ ንብረት ሲቪላውያን ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ከይድገም ከነወግዞን ክንመሃረሉን ዝግበኣና ጽዩፍ ተግባራት ሓደ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምምርሳሕ ምኽኑይ ንምግባር ዝሓለፈ ጌጋታት ምጽብጻብ ውሕሉል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ክብልን ክውገዝን ይግበኦ። ምጽብጻብ እንተቀጺሉ ግና “ገበረኒያ ክገብርሲ ዓዲ ነየጋብር” ከም ዝበሃል ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። 2021 ካብ 2020 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽ  ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣባጓይላኡ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነብሱ ዝኸኣለ ግድል እዩ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናንን ኣብዚ ናይቲ ጉጅለ ውጥምቅልቅል ምባልን እውን ንህዝብናን ሃገርናን ስግኣትን ሻቕሎትን እምበር ብስራትን ተስፋን ኣይኮነን።

ኣብቲ ቀንዲ ኣጀንዳና ዘይኮነ፡ ግና ዝጸልወና ውሽጣዊ ምንዓብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን፡ ዓፋርን ሶማልን ዝረአ ዘሎ ዘየቕስን ምስሕሓብ ን2021 ከቢድ ብደሆ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ 2021 ዘሰክፍ እዚ ዘድበንብን ዘሎ ዞባዊ ውግእን ሳዕቤናቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እነሆ ምልባዕ ኮቪድ-19ኳ ነዛ ዓዳስ ዓመት ኣብ እንቕበለሉ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ደረጃ ይዓርግ ምህላዉ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል ኣብ ህዝብና ኣሕዲርዎ ዘሎ ሓድሽ ስግኣትን ዕጽዋን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋ ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ መፍትሕ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ናይ ደሓን ሓዲድ ወጺኡ እዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2021 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሓልፍ፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ረቛሕታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ግድን ክማላእ ዝግበኦ ረቛሕታት፡ ሓደ ከኣ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን እዚ ግንዛበዚ ነይሩና እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒልና ኢና ከኣ ኣብ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወሰን ርሕቀት ዝሰጐምና። እዚ ግደታ እምበር ምርጫ ዘይኮነ  ምጥርናፍ ንምሕያል ሎሚዘበን እውን ዝያዳ ዓሚ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ተመኩሮና ቀሲምና፡ ኣሳጉማና ከነቐልጥፍን ኣተሓሕዛና ከነሕይልን ሓላፍነትና ምዃኑ ንካልኢት እውን ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን።

Last modified on Saturday, 02 January 2021 18:40