Print this page

ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-12-28 19:23:53 Written by  ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1202 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባዚ ኩለንተና ዓመታዊ ገምጋም ምንቅስቓስ ጨናፍር ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ዝዓለመ ምንባሩ ተፈሊጡ። ነዚ ኣብ ምስልሳል ካብ ኩሎም ምምሕዳራት ጨናፍር ሰልፊ ብሓፈሻ መስኖታቱ ሓልዩ ዝቐረበ ጸብጻባት ኣተናቒቁን ተቐቢሉን።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኻብ ኹለን ጨናፍር ናይቲ ዞባ ዝቐረበ ጸብጻባት ሓደ ብሓደ ብምምልካት መዚኖም። ንትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር፡ ብጽፈቱን ኣገባብ ኣቐራርቡኡን፡ ሕድሕድ ስጥመት ኣባላት ምምሕዳራትን፡ ተወፋይነቶምን ኣድኒቆምን ኣመስጊኖምን።

ካብ ትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡

ሃገራዊ ዕማማት

ሰልፋዊ ዕማማት

ኢድ ኣእታውነት ህግዲፍ ኣብ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝብሉ ካብቶም ቀንድን እዋናውያንን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ምንባሮም ድማ ተራእዩ።

ኣባለት ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝቀረበ ጸብጻባትን ናይዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን  ዝፋኖ ዓመት 2020 ዝተሰላሰለ ስራሕቶም ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ንዝጸንሐ ሕጽረታት ብምምላእ፡ ነቲ ሓያል ጎኒ ናይቲ ዞባ ብምዕቃብ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2021 ክፍጸሙ ዘለዎም መደባት ሓንጺጾም። 

ንህልዊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝተሰኣሰለ ሓባራዊ ዕዮን፣ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ምውህሃድ መደባትን ብምዕቃብን ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕን፣ ኣባላት ሰልፊ ምስ ኹሎም ንስለ ህዝብን ሃገርን ዝቓለሱ ኣባላት ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ኮታስ ምስ ተቓወምቲ ሓይሊታት ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን ሓቢሮም ክሰርሑን ጻዕርታቶም ከሓድሱን ኣገዳሲ ከምዝኮነ ኣመልኪቶም።

ሽማግለ ዞባ ነቲ ብኣቢዪ  ኣሕመድ ዝመራሕ ስርዓት ብልጽግና ኢትዮጱያ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ ንሕዝያ ዘይብሉ ሃስያ ኲናት ኣጥቢቁ ብምኩናን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥራሕ ከይተወሰነ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ዕንወት ቃልኪዳን ኣሲሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍን  ቕትለትን፡  የዕናዊ ተግባራትን ሓሪኖም ንኽቃለስዎ ብዘይ ወዓል ሕደር ይጽውዕ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሽማግለ ዞባ፣ ነቲ ኣብ 2020 ዝተመዝገበ ጥምረትን ተወፋይነትን ኣባላት ሰልፊ ኣመጒሱን ንኢዱን ኣኼባ ደምዲሙ።

Last modified on Monday, 28 December 2020 20:29