Print this page

በቲ ንሓስቦ ዘይኮነ፡ በቲ እነተግብሮ፡ ኢና እንዕወት

2020-12-24 09:25:41 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1198 times
Rate this item
(0 votes)

እንእምሞን እንሓስቦን መደባት እንተዘይተግቢርናዮ ፋይዳ የብሉን። እቲ እነተግብሮ ኣብ ጽጹይ እማመ ዝተመስረተ እንተኮይኑ ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። እንእምሞ መደባት ዘይትግበር እንተኮይኑ እውን ከምኡ። ስለዚ ኣድቂቕካ ሓሲብካ ምእማምን ዝኣመምካዮ ብብቕዓት ምትግባርን ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። ኮታ ከምቲ ንሃገር ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ከኣ ካብ ሃገር ፈላሊኻ ምርኣይ ትርጉም ዘየብሉ ማለት እዩ። ስለዚ  በቲ ንሓስቦ ዘይኮነ፡ በቲ እነተግብሮ ኢና እንዕወት።

እንእምሞ ምእንቲ ዕዉት ክኸውን፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ቅድመ-ኩነታት ብዙሓት እዮም። ብሓጺሩ ንምጥቃስ እንእምሞ መደባት ኩለ-መደያዊ ናይ ምትግባር ዓቕምና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ናይ ምትግባር ዓቕምና ብወድዓውን በዓል ቤታውን መልክዕ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ክብቕዓትናን ነገራዊ ዓቕምናን ቀንዲ ተጠቀስቲ ረቛሕታት እዮም። ደጋዊ ከባብያዊ ኩነታትና እውን ናቱ እጃም ዘየብሉ ኣይኮነን። ነዚታትን ካልእን ኣብ ግምት ከየእተኻ ዝእመምን ዝትለምን መደባት ግና ኣብ ምትግባሩ ጸገም ስለ ዘጋጥሞ ሕልሚ ኮይኑ፡ መኺኑ እዩ ዝበንን።

ብፍላይ ኣብዚ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ህዝባዊትን፡ ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣንጻር ወጻዒ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና ወሳኒ እዋን፡ ናትና ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንብዖ ዘሎ ጉጅለ ሓያልን ድኹም ጐኒ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። መደባትና ክንእምም እንከለና ከኣ፡ ድኹም ጐድኒ ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉጅለ ንምምዝማዝ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ንኣብነት ሓያል ጐድኒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ብግብሪ ኣርኢኻ ተቐባልነት ምርካብ ዘይኮነ፡ ኣብ ንህዝቢ ኣገዲድካ፡ ጓዕጺጽካን ክሉ መሰላቱ ነፊግካን ምግዛእ ዝተመርኮሰ እዩ። ስለዚ ንሕና ክንእምም እንከለና፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ዘይክኣሎ ብዘኽእል መንገዲ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። በቲ ንሱ ዝኽእሎ ንህዝቢ ከይንቀሳቐስ ኢደ-እግሩ ኣሲርካ፡ ከይዛረብ ኣፉ ለጒምካ ናብ ሓይልን ጐነጽን  ዝያዳ ዝዘንበለ ሸነኹ ክኸውን ኣይግበኦን። ካለኦት ኣብ ግዜ ምእማም መደባት እንምርኮሰሎም ረቛሕታት እውን ኣለዉ። ንኣብነት ብሓፈሻ ናይ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰያትና ናይ ምትግባር ዓቕምን ቅሩብነትን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝእምሞ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ክዕወት ስለ ዘይክእል።

ከምቲ “ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝበሃል፡ ክንእምም እንከለና፡ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ ምድህሳስን ካብኡ ትምህርቲ ምውሳድን ኣገዳስነቱ ልዑል እዩ። ካብቲ ናይ ዝሐለፈ ተመኩሮና ዳህሳስ ኣውንታን ኣሉታን ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ እንእምሞ ነቲ ኣውንታ ዝያዳ ዘሕይል፡ ነቲ ኣሉታ ከኣ ክድገም ዕድል ዘይህብ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ምኡዘ-ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዝተባህሉ ሓደ ካብቶም ትሻዕተ ቀወምቲ ኣማኸርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንኣገዳስነት ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ብዝምልከት ዝጠቐስዋ ሓጻር ዛንታ ከምዚ ትብል። “ሓደ እዋን ኣንበሳ ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ እንስሳ ዘግዳም ኣውዲቑ ይሕልዎ ነበረ። ነዚ ዝተዓዘበ ተኹላ ብጉያ መጺኡ ከየፍቀደ ካብቲ ኣንበሳ ዘውደቖ ኣራዊት ክበልዕ ጀመረ። ኣንበሳ ሆየ ከኣ እቲ ድፍረቱ ስለ ዘየሕጐሶ፡ ነቲ ተኹላ ክሳዱ ቀንጢሱ ደርበዮ። ነዚ ኩነታት ብማዕዶ ትዕዘብ ዝነበረት ወኻርያ መጺኣ፡ ካብቲ ዝወደቐ እንስሳ ዘዝጸበቐ ስጋ እንዳቖረጸት ነቲ ኣንበሳ ኣቕረበትሉ። ነዚ ተግባራታ ዝተዕዘበ ኣንበሳ፡ እዚ ትሕትናዚ ካበይ ኢኺ ተማሂርክዮ? ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ ካብቲ ክሳዱ ዝቐንጠስካዮ ተኹላ” በለቶ።

ኣብዚ ቃልስና ወርትግ ካብ እንእምሞም፡ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ነዚ ዘብቅዕ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውሓስን ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ዛዕባታትና እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ “ኤርትራ ድሕሪ ህግዲፍ ከመይ ትመሓደር” ዝብል እውን ናይ መሰጋገርን ድሕሪኡን ናይ ነዊሕ ግዜ እማመታት ኣለዉና። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ካብ እንእምም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ጋና ኣብቶም ንእምሞም ዘድምዕ ውጽኢት ኣየመዝገብናን። ዘድምዕ ውጽኢት ናይ ዘይምምዝጋብና ምስጢር ብዙሕ ናይ ድኽመታት ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጥርኑፍ ግና ነቲ እንትልሞ ዘተግብር ተመጣጣኒ ዓቕምን ኩነታትን ክንፈጥር ዘይምብቃዕና እዩ። ኣብ ጽላል ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ብዙሓት ግንባራትን ጽላላትን ብሓባር ክንሰርሕ ኣንቂድና። እንተኾነ ውጽኢቱ ከምቲ ዝኣመምናዮ ኣይኮነልናን። ኣብዚ መዳይዚ ናይ ዘይምድማዕና ምኽንያት ከኣ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ከነወግዶ ዝግበኣና ድኽመት ዘይምውጋድና እዩ። እዚ ተመኩሮዚ ዘርእየና ከኣ ኣብ መንጎቲ እንእምሞን ነቲ እማመ ንምትግባር ዘለና ኩለመዳያዊ ዓቕምን ዘይመጣጠን ምዃኑ እዩ። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃርና ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከምቲ “ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ኣብ ዝተረፈ” ዝበሃል፡ ንተመኩሮና ንመጻኢ ክንመሃረሉ ይግበኣና።

Last modified on Thursday, 24 December 2020 10:28