Print this page

ታሪኻዊ ዝኽሪ ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዑ/ሚካኤል መበል 15 ዓመቱ !!!

2020-12-20 11:13:38 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1551 times
Rate this item
(1 Vote)

ሬድዮ ድምጺ ሓርነት

ዕዙዙ ዝኽሪ ናይ ፍትውቲ ሃገርና ዝኽሰረቶም ሓርበኛታት ተቃለስቲ ተጋደ ስዉእ ስዩም ዑ/ሚካኤል ሓረስታይ ብ17 ታሕሳስ 2005 ዝተሰዋኣላ መዓልቲ ንመበል 15 ዓመታት ተዘኪራ ዊዒላ። ራዲዮ ድምጺ ሓርነት እውን ነዛ ጸላም መዓልቲ ከም ኩሎም ህልዋት ተቃለስቲ ንዝለዓለ ክብሪ እናዘከርናያ ንዕላማታትን ንቁሕ ራኢ ብጻይ ስዩም ኣምነ መሰረት ብምግባር ንምትግባሮም ቃልስና ነሕድሰላ ምዃና ንገልጽ። ብዝያዳን ብፍሉይን ብቀረባን ብሓባር ዝተቃለስናዮ ክዝክር ከሎኹ ዝስምዓኒ መሪር ሓዘን፡ ክርስዖ ዘይክእል ሓያል ታሪካዊ ተረኽቦታት ገለ 3ተ ክጠቅስ።

ድሕሪ እቲ ብዕዉትን መስተንክርን ስሪሒት ምዑታት ተጋደልቲ ፈዳይን ተሓኤ ሓራ ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲ ኳላን ኣነ ካብቶም 7 ተባዓት ብጾት ናይ ሰምበል ናይ 12 የካቲት 1975 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሓደ ኣብ ገዛይ ባርጂማ ተራኺብና ንነብሰሄር ሻምበል ወልደሃይማኖት ኣምጺእና ጅግና ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ መደብን ኣገባብን ሓቢሩ ኣፈረሞ ስድራቤቱ ከኣ ምሳና ኣብ ዉሑስ ቦታ ከምዘሎዉ ሓበሮ።  ነቶም 6 ተጋደልቲ ናይ ፖሊስ ዶጋና ክዳውንቲ ተኸዲኖም ሓጺር ልምምድ ተዋህቦም። 17፡30 ኣብ ኣፍደገ ሰንበል ቤት ማእሰርቲ 6ቲኦም ሓደ ዓቢ ጀንቢል ፍሩታ ዝተሸፈነ 5ተ ተዓጻፊ ካላሽን ሒዞም ሻምበል ተቀቢሉ ከእትዎም ውዲእና፡ ኣነን ተኽለ ማርናዮን ኣብቲ ጀራዲን ክንቅበል ተረዳዳእና። ብዘይ ክሳራን መስዋእትን ሙሉእ ንብረት ሰነዳት ቤት ማእሰርትን ንዘይክእልሉን ኣብ ማኪና ጺዒና ሓደ ናይ ሓንጎል ጸገም ዝነበሮ መንደቅ ይስቀል ይውርድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፊናዮ ሃዘጋ ኣቶና።

ምስ ብ/ስዩም ንመጀርታ ገጽገጽ ኣብ ሃዘጋ ተራኺብና። ኣብ 1976 ኣብ ጉባኤ ጠቅላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ጠቅላል ሰክረታርያ ተመሪጸ። ብ/ስዩም ከኣ ኣቦ ወንበር ማሕበር ሓረስቶ ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ዝተመርጸሉ ኣነ ሰክረትርያ ናይቲ ጉባኤ ዝነበርኩሉ ካልኣይ ርክብና ኮነ። ጸኒሕና ድሕሪ ስምምዕ ካርቱም 1977 ናይ ስምረት ሽማገለ ምስ ህዝባዊ ግንባር ህዝባውያን ማሕበራት ተሓኤ 8 ዝኣባላት ስዩምን ተወልደን ካብ ሓረስቶት፡ ኣነን መሓመድ ሸክን ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ስዉእቲ ኣድሓነት ዓንዱን ኤልሳ መስፍንን ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓይለኣብ ዓንዱን ገረዝጌር ኤልያስን ካብ መንእሰይ ተመሪጽና። ካብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ስብሓት ኤፍረም፡ ኣማኔል ዑቅባይን ሙሳ ረባዕን ኣብ መዓስክር ህግሓኤ ንዘተ ተራኺብና። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሃይለ ድሩዕ ተቀቢሉ ሻሂን ቁርስን ተቀረበ። ቁርሲ ብፊኖ ዝተሰርሔ 2 ሕምባሻ መን ይቁረሶ ተባህለ። ድሩዕ ንስዉእ ስዩም ጋሻ ንስኻ ቁረሶ ኢሉ የቕርበርሉ ስዉእ ስዩም ንወየን ሕንባሻታት ጎቦ ጎበኤን ቆሪሱ ነተን ናይ ማእከል ገደፈን ፡ ድሩዕ እንታይ ድኣ እዚኤን ገዲፍካየን በሎ። ስዩም እዚኤንሲ ናትኩም እየን በሎ። ምኽንያቱ ዓወት ንሓፋሽ ተጻሒፉወን ስለ ዝነበረን ንብለኩም።

ሃይለ ሓረቐ ንሕና ምስ ኣድሓነት ዓንዱ ብሰሓቅ ክርትም በልና። ካልኣይ ኣገዳሲ ታርኻዊ ዝኽሪ ዘይተዘርበሉ ከም መሪሕነት ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ተሓኤ ሰፊሕ ሓይልን ተሰማዕነትን ስለ ዝነበረና፡ ካብ 1978 ኣትሒዝና ኣብ ዉሽጢ ተሓኤ ዝከይድ ዝነበረ ድኽመታት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኣብ ወጻእን ሜዳን ስለ ንነቅፍን ትዕዝብትና ንህብን ስለ ዝነበርና፡ ን3ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ኩሉ ጉድለታት ጠቂስና ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ፡ ን9 ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማገለ ንጹር ሰነዳዊ ነቅፈታ ጺሒፍና ንኣቦ መንበር ኣሕመድ ናስር ሂብናዮ። ነዚ ንምድላው ብጻይ ስዩም ዝነበሮ ኣረኣእያ ብሓቂ ሓያል ደራኺ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓንጎለይ ተሰሚሩ ኣሎ። ሳልሳይ ምስክርነት  ከኣ ብትብዓት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ነብሰሄር መለስ ዜናዊ ወያኔ ዝገበርዎ ጉጉይ ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዉድባት ብድፍረት ነቀፈታ ዘቅረበ ተባዕ መራሒ እዩ። ስዉእ ስዩም ኣዋዳድቃ ቃላትን በቲ በርቃዊ ንጹር ገላጺ ድምጹን ኣብ ራዲዮ ተሓኤ ካብ ኡንዶርማን ካርቱም ዉርይቲ ታሪካዊት ግጥሙ  ሰይ ኮታ ሰይ ኮታ … ንዓይ ነደ ሰውራስ ኣብ ሎቆታ…ገለ ንስማዕ…. (ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ምስማዕ ይከኣል)

Last modified on Sunday, 20 December 2020 12:19