Print this page

ሓዲሽ ዓመት ብሓዲሽ ተስፋ

2020-09-13 11:26:17 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1354 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረብን ዝተፈላለየ እምነታት ዝኣምንን ሕብረተሰብ ከም ዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ኣህዛብ ናይዛ ዓለምና ብዓለማውን መንፈሳውን ሕጊ ተገዚኡ ዝኸይድ ከም ምዃኑ መጠን፥ ኣብ ኣተገባብራኡ፡ ምእዙዝነቱን ተኣማንነቱ ኣብቲ ሕግን ምስቲ ዘለዎ ባህልን ልምድን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ በዓላት ሓዲሽ ዓመት ዝብል ክንወስድ ንኽእል።

ኣብ ዓለምና እምበኣር ብመጠን እቲ ባህልን ልምድን መንፈሳዊ ሕግን ናይቲ ሕብረተሰባት (societies) ክቑጸር ይኽእል።ኩሉ ህዝቢ ሓዲሽ ዓመት ክዝከር ከሎ ኣብ ኣእምርኡ ብዙሕ ተዘክሮታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ በቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ዝሰጋገርዎ ዘለዉ ሓዲሽ ዓመት ገሊኡ  ሓሚሙ፥ ካብ ሞት፥ ድሒኑ ብጥዕንኡ ምጽንሑ ከመስግንን ንዝመጽእ ዓመት ድማ ብሩህ ተስፋ ክኾነሉ  ይምነን ይጽልን።

ሓዲሽ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ኩሉ ኣብ ሓደ ዕለትን ወርሕን ኣይኮነን ዘብዕሎ። እንታይ ደኣ ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ኢዩ ዘብዕሎ። እተን ኣዋርሕ ከኣ ጥሪ (Jamuary) ለካቲት- ውይ መጋቢት፥(February or March) ሚያዝያ (April) መስከረም (September) እየን። ኩሎም ዝተፈላለየ ወግዕታት (traditions) ልምድን (customs) ስለዝውንኑ ከከም እቲ ልምዶምን ወግዕታቶምን ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ሓዲሽ ዓመት ከብዕሉ ከለዉ ምኽንያት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ወይ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ወይ እውን ካብ ካልእ ባህልታት ዝተወርሰ ክኸውን ይኽእል።

ብዝኾነ ግን ሓዲሽ ዓመት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝሓሸ ክኸውን እተዘኻኽረሉን፥ ሓዲሽ መደባት እትትልመሉን፥ ከምኡ እውን ብሃይማኖታዊ ሸነኽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕረ ክትብህሃልን ዝደፋፍእ ዕለት እዩ። ወዲ ሰብ ግን ስሱዕ ስለዝኾነ በቲ ዝሓለፈ ክቕጻዕን ካብ ሕማቕን ክፉእን ተግባራት ክቑጠብን ስለዘይክእል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን ተመሊሱ ናብ ጭቃ ኢዩ ዝጎዓዝ። ንኣብነት ንሕጊ ትራፊክ ተኸተል ማኪናኻ ብናህሪ ኣይትኺድ ንዝበሃል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን  በቲ ዝተባህሎ ገዲፉ ብፍጥነት ክኸይድ ይጅምር። ኣብታ ዝሓለፈት ዓመት ናይ ምቅትታል ይኹን ንደቂ ሰባት እንተስ ብዓሌት ወይ ብሃይማኖት ወይ እውን ብፖለቲካዊ ጸጊዒነት ኣሳቢብካ ዝግበር ግፍዒ ተመሊሱ ክደግሞ ኢኻ ትዕዘብ።

ሓዲሽ ዓመት እምበኣር ኩሉ  ግዜ ናይ መዘኻኸሪ፡ ምስ ነፍኻ እትመራመረሉን ካብቲ ዝሓለፈ ፍለይ ዝበለ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ኢልካ እትሓስበሉን ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ማለት ካብቲ ትሓስቦ ዝነበርካ ሕማቕ ሓሳባት ይኹን ናይ ተንኮል ስራሓት ንምስትውዓልን ምብርባርን ዝሕግዝ ናይ ሰዓት ደውል እዩ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዝኾነ ይኹን ስምዒት ይሃልወና ብዘየገድስ ነቲ ዓለማውን መንፈሳውን ሕግታት ክንክተል ናይ ግድን እዩ። ግን ስለምንታይ ኢና እነብዕሎ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ።

እቲ ቀንዲ ንሓዲሽ ዓመት ምኽባር ብእምነት ወይ ባህሊ ተደሪኽና ዲና ወይ ዕላማ ኣሎና ንዝብል ውን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዋላ እኳ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንታይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘሕለፍናን ኩሉ ጽቡቑን ሕማቑን ምናልባት ኣብታ ሰዓት  ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት እንሰጋገረላ ደቒቕ ኣይንዝክሮን ንኸውን። ምኽንያቱ ኩሉ ሓሳባትና ናብቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዕለት ኢዩ ክኸውን። ይኹን እምበር ነቲ ሓዲሽ ዕለት ቅድሚ ምቕባልና ይኹን ምስግጋርና እቲ ዝሓለፈ ዓመት ከመይ ነርና፥ ምስ መን ተዃሪና፥ ምስ መንከ ተጻሊእና፥ እንታይ ሽግር ኣሕሊፍና፥ ንካልኦት ሽጉራትን ዝተጻገሙን ናይ ምሕጋዝ ይኹን ምዕንጋል እንታይ ኣስተዋጽኦን ምትሕብባርን ገርና ዝብሉ ገምጊምና፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእከ እንታይን ዝሓሸን ተግባራትን ባህሪያትን ናይ ምምሕያሽ ውሳኔ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።

ንዝመጽእ ዓመት ኩሉ ሕልናና ንጽቡቕን ሰናይን ተግባራትን ኣብ ምፍጻም እንተዘይወጊንናዮ ነቲ ዝሓለፈ ጉድለታትናን ጌጋታትናን ደጊምና ክንፍጽሞ ኢና ማለት እዩ። ስለዚ ለውጢ ኣይገበርናን ከስምዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዝሓለፈ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት ክንሰጋገር ከሎና ንኣተሓሳስባና ካብቲ ዝነበረ ከነመሓይሽን ክንቅይርን ኣብ ነፍስና ለውጢ ክንገብር እንተዘይክኢልና ነፍስና ንጥብር ኣሎና ኢዩ ዘስምዕ።ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ነፍሱ እንታይ እንታይን ለውጢ ክገብር ከም ዝግበኦ ነቲ ዝሓለፈ ህይወቱን ትግባሬኡን ክምርምሮን ዘጓነፎ ጸገማትን ዝፈጸሞም ጉድለታትን ክፍትሽ ከሎ ኢዩ ዝረኽቦ። ንኣብነት እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት፥ ብምኽንያት እዚ ቀዛፊ ዝኾነ ሕማም ለበዳ ንህዝብና ኣደዳ ጥምየትን፥ ስራሕ ኣልቦነትን ኣቃሊሕዎ እንከሎ፥ ሃገርና ንቕድሚት ትግስግስን ትምዕብልን ኣላ እናበልካ ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት እናነዛሕካ ዝሓለፍካዮ ንኽንደይ ሰባት ከም ዝልክምን፥ ከምዝፈላልን ዘንጊዕካ ዝግበር ለውጢ የለን።

 እወ! ኩሉ እቲ ጽቡቕ ንምግባር እንሓስቦን ክንኮኖ ንደልዮን ብምሉኡ ኣይንፍጽሞን ንኸውን። ምኽንያቱ እቲ ንኹልና ዝገዝኣና ናይ ምንባር ሕቶ፡  ንናይ ውልቅኻ ምንባር ሓሳብ ስለ ዝዕብልል እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንመላእ ሕብረትሰብ ዝሃስን ዝደቁስን ሸነኽ፡ ምስቲ ናይ በይንኻ ረብሓ ብምትእስሳር ንናይ ካልኦት ወጽዓን፥ ግፍዕን መከራን ከምዘይስማዕ እዩ ዝገብር። እዚ ምእንቲ ንናይ ውልቅኻ ረብሓ ክትብል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ግፍዕን መከራን እናተፈጸመ ከምዘይተፈጸመ ጌርካ ምቕራብ፡ ኣብቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ሕማቕ ኣሰራት ኢዩ ዝገድፍ። ስለዚ ረብሓኻን ድሌታትካን ንምርዋይ፥ ንጌጋታትን ሕማቕ ተግባራትን ዓገብ ክትብል ዘይትኽእል ፍጡር እንተዀንካ ሓዲሽ ዓመት ነዓኻ’ውን ኣይንታይካን እዩ።

Last modified on Sunday, 13 September 2020 13:28