Print this page

ኩሉ ኣብ ሕቑፊ ኤርትራዊ ብዙሕነት

2020-09-07 17:49:25 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1522 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርና ኤርትራ ብዙሕነታዊት እያ። ብዙሕነታ ብብዙሕ መልከዓት ይግለጽ። ሃይማኖት፡ ቋንቋ። ብሄር፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ኩነታት ኣየርን ኩሎም ናይ ብዙሕነታ መግለጺታት እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣተሓሳስባ  እውን ኣብቲ ኤርትራዊ ብዙሕነት ቦታ ኣለዎዩ።

ኩሉዚ ብዙሕነት ካብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ክሳብ ዘይወጸን ብምክእኣል ክሳብ ዝተመሓደረን መልክዕናን ጸጋናን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብግብሪ እውን እዚ ብዙሕነትና ኤርትራ ብግብርን ብሕግን ልኡላዊት ክትከውን ናይ ዘኽኣለና ዓቕሚ ምንጭን ምስጢርን እዩ። “ሓድነትና ከም መርዓት ዓይንና ይተሓሎ” ክንብል እንከለና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና ኣብ ክሊ ሕቑፊ ኤርትራውነት ብማዕረ ክመሓደሩ ኣለዎም ማለትና እዩ። “ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እሞ መፍቶ እቶም ብሓድነትና ዘይሕጐሱ ወገናት ከይንኸውን” እንጥንቀቕ ከኣ ወይ ሓደ ካብዞም መግለጺ ሓድነትና ካብ ሕቑፊ ምዕሩይ ኤርትራውነት ወጺኡ ጸብለል ክብል ክፍትን እንከሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ወገን ነቲ መግለጺ ብዙሕነትና መዝሚዙ ምክብባር ኣህሲሱ “መን ከማይ” ብዝብል ኣብ ጸቢብነት ከኹድድ ክፍትን እንከሎ እዩ።

ነቲ ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ኣሳንዩ ክመሓደር ዝግበኦ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ብሄርን ዝኣመሰለን መጢጥካ ዝፍጠር እሞ ብሚዛናዊ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዘይምሓደር ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምርባሕ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ኣብ ዝተፈላለዩ  እዋናት ክረአ ከም ዝጸንሐን ሎሚ እውን ጌና ምሉእ ብምሉእ ቦታ ከምዘይለቐቐን ኩልና እንፈልጦ እዩ። ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ብሰንኪ ዘይውሕሉል ኣተሓሕዛ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ክሳብ ክንዳይ ዘይኣድላይን  ኣዝዩ ክቡርን ዘኽፈለን ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝያዳ ዝኸበደ ዝኸውን ከኣ ሎሚ’ውን ነቲ ናብኡ ዘብጸሐ ተመኩሮቲ ክንመሃረሉ እንተዘይክኢልና እዩ።

ከምቲ “እታ ኣደ ትብል ንጐይበይ፡ እታ ጓላ ከኣ ንገዝመይ” ዝበሃል፡ ብዘይካ ውሱናት ሕድሪ ህዝቦም ዝጠለሙ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ እንውደቦ፡ እንቃለሶ፡ እንውስኖ፡ እንእውጆ ኮነ እንጭረሖ፡  ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን እዩ። ናይቶም ተወዲብና እንቃለስ ዘለና ረብሓ እውን ኣካል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ   እዩ። እዚ መሰረታዊ ዕማም ዝዕወትን መሰረታውን ቀጻልን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጽን ከኣ እቶም ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፍና ዘለናን መላእ ህዝብናን “ንሕና ሓቢርና ንህዝብናን ሃገርናን” ዝብል ዘይኣግላሊ መትከል ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክትከል እንከሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መስርዕ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሰክፍዎ ተረኽቦታት ሓደ እዩ። ቀንዲ ምኽንያት መሰከፊኡ ከኣ እቲ ሓቢሩ ለውጢ ከምጽእ ዝግበኦ ዓቕሚ ተኸፋፊሉ ንከይደክም እዩ። ብውዳበ ደረጃ ምብዛሕና ጌጋን ናይ ምድካምና መሰረታዊ ጠንቅን ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነና። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ሃገር ካብቲ ብዙሕነት ዝነቅል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ክፍጠርን እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዝፈጥሮ ብዝሒ ውዳበታት ክረአን እምብዛ ዘሰክፍ ኣይመኾነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ርትዓዊ እዩ ንምባል ኣይኮነን።  እምበኣር እቲ ቀንዲ ዘሰክፍስ እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ኮነ ናይ ኣወዳድባ ብዙሕነት ካብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ምስ ዝወጽእን ኣብ ምክእኣልን ምትሕልላይን ዘትከለ ዝምድና ክበኩርን እንከሎ እዩ። ካብ ሓደ ውደባ ንላዕሊ ምዃንን በዚ ኣገባብዚ ተቓሊስካ ምዕዋት ከም ዝከኣልን ብናይ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ምስትውዓል እውን ኣገዳሲ እዩ።

ተኸኣኢልና ብሓባር እንተዘይሰጒምና ናይ ዝተወሰነ ውዳበ ኣተሓሳባ ወይ ዓቕሚ ዘይኮነ፡  ናይ ኩልና ኤርትራዊ ዓቕሚ ከም ዝደክም ምስትውዓል የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሓባር ምቅላስ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ እንብል። ብሓባር ዘይምስጓምና ዓቕምና ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ካብ ምፍልላይና ዝዕንገሉ ኣፍረስቲ ኣካላት ዕድል ዘስፍሕ እዩ። ሎሚ ሃገርና ኣይኮነንዶ እንዳተመናጨትናን እንዳተነዓዓቕናን እንዳሳነናን እንዳተኸኣኣልና እውን ምብድሁ ኣብ ዝኸብደና ወጥሪ እያ ዘላ። እቲ ሎሚ እውን ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ግና ካብ ውሽጥን ወጻእን ተጻባእቲ ዝበዝሕዎ ዘለዉ ልኡላውነትና ናይ ምሕላው ሓላፍነትና፡ ምስቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕማምና ተደሚሩ ኣብ ቅድሜና  ተገቲሩ ንዘሎ ብደሆ የኽብዶ።

ብሰንኪ ኢሳያስን ገለ ካብ ተለኣኣኽቱን በብግዜኡ “ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍልላይ ይድግፍ እዩ ዝብል እንተልዩ ኣትሪረ ክካተዖ ድልዊ እየ (ኣቶ ካሳ ከበደ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ደርጊ)፡ ኣቶ ኢሳይስ ካብ ቀደም ጀሚሮም ሓንቲ ኢትዮጵያ ክትህሉ እዮም ዝድግፉ ነይሮም (ኣቶ ለንጮ ለታ ሓደ ካብ ነባራት መራሕቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ)፡ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ …….. ኣነ ብተደጋጋሚ ኢለዮ ኣለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ዶር ኣብይ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ዘረባ ከጸብቕ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን።. ኣነ ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለኹ (ኢሳያስ ኣብ ብሄራዊ ቤተመንስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣዳራሽ ሲዳማ ኣዋሳን)፡ ንሕና ክልተ ህዝቢ ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ኢና …….. ዶር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና። (ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ)” ዝብሉ ኣበሃህላታት ንዘስተውዓለ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ውሁድ ናይ ሓባር ስጉምቲ ዝሓትትን ምዃኑ ምርዳእ ኣይጽገምን። ናይ ኣግኣዝያንን ካለኦት ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክቖራርሙ ዝደልዩ ወገናትን ጠልቆምቆም እንተወሲኽካሉ ከኣ መሊሱ ይኸብድ። እንተኾነ ኣብ ክሊ “ኩሉ ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት” ክሳብ ዝጸናዕና ንኹሎም ክንስዕሮም ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Monday, 07 September 2020 19:52