Print this page

“ጥዕም ግድፍ፡ ዝምድና ህግዲፍ“

2020-08-31 18:53:47 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1386 times
Rate this item
(0 votes)

ጉጅለ ህግድፍ ኣብ ዝምድናዊ መዳይ ካብ ዝልለየሎም ተግባራት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ስልጣኑ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ምእታዉ እዩ። ምስ ገሊአን ካብተን ጐረባብትና ሃገራት፡ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ከም ዝተዋግአ ኩልና ዘይንርሰዖ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ምስ ኩለን እዘን ዝተዋግአን  ሃገራት ናይ ሓጺር ግዜ ፍቕሪ ከም ዝነበሮ ኣብ መስርሕ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ካብ ናይቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ውግኣት ጠንቅታት፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ ጉጅለ ኣደልዲሉ ዘይረገጸ መሕደሲ ግዝያዊ ጠቕሚ ዝቕርም ስንኩፍ ዲፕሎማሲያዊ ስልቲ እዩ።

ብግብሪ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕናን ዘለናን፡ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ ሃገራት ቀልጢፉ ዝፈሽል፡ ክስረት እንከሎ እውን፡ ብትዕግስትን ኣርሒቕካ ምርኣይን  ዘይተነድቀ፡ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘየቐድም ስለ ዝነበረ እዩ ዘበርዕን። እዚ ጉጅለ ዝምስርቶ ዝምድናታት ኩሉ እንተተዓዚብና ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ናቱ ረብሓኡ ዝተሰረተ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ የመን ጽቡቕ ዝምድና ነይርዎ። እቲ ጉጅለ ነዚ ተጠቒሙ ሓያሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ዘገልግላ ዘመናዊ ተሽከርከርቲ ካብ መንግስቲ የመን ከም ዝረኸበ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝዝረብ ዝነበረ  እዩ። እዚ “ዝበለዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር”  ጉጅለ ጸቢብ ረብሓኡ ምስ ጐደሎን ዓቕሉ ምስ ጸበቦን ከኣ ነቲ ዝምድና ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ውግእ እውን ኣትዩ። ደሓር ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተረቲዑ ንደሰታት ሓንሽ ኣረኪቡ መልሓሱ ሓይኹ።

ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ኢህወደግ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ ዝነበሮ  ዝምድና መዝሚዙ፡ ምስ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ዘይርበሓሉ፡ ዘይፈልጦን ዘይሕጋውን ዘይትካላውን ንግዲ (ኮንትሮ ባንድ) የካይድ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ቡን፡ ሰሊጥን ወርወር ቀላሚጦስን ናይ ኤርትራ ኣምሲሉ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኢኹ ካዝናኡ የሰውድ ነይሩ። እዚ ኣብቲ እዋኑ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዝፈጠሮ ቅርሕንቲ ቀሊል ኣይነበረን። ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ረብሓን ራኢን ህዝቢ ኤርትራ ዘይከይድ፡ ኣብ ህልኽን ሕነ ምፍዳይን ዝተመርኮሰ ምንባሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ንጹሃት ኤርትራውያንን ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ብሰንክዚ ናይ ህግዲፍ ዕንደራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣስሩ፡ ዝተቐትሉ፡ ዝተጨውዩን ዝተሰጉን ብዙሓት እዮም። ነፍሰ-ሄራት ተስፋሚካኤል ጆርጆ፡ ገብረብርሃን ዘርኣን ዝካርያስ ንጉሰን ከኣ ናይዚ ግዳይ ኣብነት እዮም።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብቲ ብናይ ኢትዮጵያ ገንዘብ ብር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ዶላር ብ5 ብር ክሽረፍ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይርእን እዩ” ዝበሃል፡ ሳዕቤኑ ብዘይምስትውዓል፡ ሓደ ዶላር ብ7 ብር ይሽረፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ተሓቲሙ ኣብ ዕዳጋ  ምስ ኣተወ “ክልቲኡ ናቕፋን ብርን ብማዕረ ሚዛን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ክሰርሕ ኣለዎ” ዝብል በይናዊ መደምደምታ በጺሑ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ክቕበሎ ከገድዶ ፈቲኑ። “እዚ ኣይከውንን እዩ” ምስ ተባህለ ከኣ ነቲ ተረኽቦ ጸይሩ፡ ብናይ “እሂን ምሂን” መስርሕ ክፈትሖ ዘኽእል ትዕግስቲ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብቲ ዝለመዶ ዕብድብድን ንፍልልይ ብጐንጺ ናይ ምፍታሕን ጽላለኡ ኣትዩ፡ ውግእ ከፊቱ ተሳዒሩ ከኣ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘርኣየና እምበኣር፡ ናይ ኩሉቲ ውግኣት ጠንቂ ጸቢብ ረብሓ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ፡ እቲ ክዋጋእን ክሳራ ውግእ ክስከምን ዝጸንሐ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኢሳያስ ግና እቲ ናይ ህዝቢ ክሳራ ክሳራኡ ስለ ዘይኮነን፡ ነዚ እውን ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ደጋጊሙ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ “ኣይከሰርናን” ኢልዎ።

 ድሕሪቲ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ዝኸሰረሉ፡ ኢሳያስ ግና ኣይከሰርናሉን ዝበሎ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣዝዩ ውዕዉዕ ዝመስል ዕርክነትን ወደኽደኽን ተራእዩ። ንሓያሎ ተጋላባጢ ባህርያት ኢሳያስ ክከታተሉ ዘይጸንሑ ወገናት እውን ኣዕሽይዎም እዩ። እዚ ናይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናይ ኢሳያስ ተበግሶ፡ ከምቲ ልማዱ ረብሓን ክብርን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘበገሶ ከም ዘይነበረ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ፡ ፈሊሑ ዝገረረ ሓቂ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዳንኬራ ዝተወቕዓሉን ንሕና ግና “ኣየ እንቀዓ መሸላ ዘይውደኣ ይመስላ” ዝበልናዮን ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወቱ ዘይተጠቕመሉን ተዓጽዩ ዝነበረ ኣፍደገታት ሕጂ’ውን ዕጽዊ ምህላዉን ግብራዊ ምስክር እዩ። ኢሳያስ ቀንዲ ነዚ  ዝምድና ምስ ዶ/ር ኣብይ ዝጐየየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈጥረ ኢትዮጵያዊ ውሽጣዊ ምስሕሓብ መዝሚዙ ናይ ውልቁ ዝናን ሕነ  ምፍዳይን ህንጡይነቱ ንምርኣይ ጥራይ እዩ ነይሩ። እሞ ሰሚርሉዶ ኣይሰመረሉን፡ ውጽኢቱ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ኢሳያስ ቀንፈዘው’ዩ።

ኣብቲ ዝምድና ዝፈጠረሉ እዋን መሪሕ ጭረሖ ንቕሎ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ “ናይ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ (game is over)“ ዝብል ምንባሩ ጥራይ ክሳብ ክንደይ እቲ ደፋኢ ምኽንያት ቅርሕንቲ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታውን ሕነ ምፍዳይን እምበር፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከምዘይነበረ ምርዳእ ይከኣል። ከምቲ “ተጋግዮም የጋግዩኻ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ንርእሱ ግጉይ መንገዲ መሪጹስ፡  ነቲ ጥዑይ ሰብ መሲልዎ ምስኡ ዝተዓራረኸ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ኣጋግዩ፡ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኤርትራ ዘይዝረብ ኣዛሪብዎን ዘይክተም ኣኸቲምዎን። እዚ ከይኣክል ብኣዝዩ ዕሙት ኣመዛዝና “ኢሳያስን ምምሕዳሩን ናይ ልምዓትን ሰላምን’ዩ” ክሳብ ምባል ግጉይ ምስክርነት ኣብጺሑ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ንኢሳያስ ዝፈልጡ ኣውዲቕዎ። ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ ህላ እንተዘይለመደ …… ለመደ” ዝበሃል፡ ወዮ ኢሳያስ ደኾን በቲ ኣብ ግዜ ዕርክነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ገለ ለውጥታት ይጽለው ዝበሃል ዝነበረ ግምት፡ ብግልባጡ ኮይኑ ዶ/ር ኣብይ ብኢሳያሳዊ ኣበሳ ናይ ምጽላው ምልክት ምርኣዩ ዘገርም ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ቀንዲ ኣዕሩኽ ኢሳያስ ካብ ዝጸንሑ መንግስታት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኣብነት እትጥቀስ እያ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብማዕከናት ዜና ይስማዕ ከም ዘሎ፡ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ብዓጸቦ ይልለዉ ንዘለዉ ዜጋታትና ሓገዝ ልኢኻስ፡ ምምሕዳር ህግዲፍ ነቲ ሓገዝ ከምቲ እኩይ ልማዱ ተሓሲምዎ። ወያ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ ከኣ ተመሊሳ ዝብል ወረ ይናፈስ ኣሎ። እዚ ከኣ ሓድሽ ናይ “ጥዕም ግድፍ ዝምድና ህግዲፍ“ ኣብነት እዩ።

Last modified on Monday, 31 August 2020 20:56