Print this page

ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ዓይኒ ብሃግታ

2020-08-05 07:35:21 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1467 times
Rate this item
(1 Vote)

ኤርትራ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሐን፡ ናጽነተን ዓቂበን ሃገርነተን ዘውሓሳ ሃገራት ዘይትኾነሉ ቅቡል ምኽንያት ኣይነበረን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ናይ ኤርትራ ምቹእ ስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ብሂጎም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ክኸስሩ ስለ ዘይደለዩ  ሓያላት ተረባሕቲ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም እትቑረን ገይረምዋ።

እቲ ብምቑራን ብረቂቕ ዝተቓነየ መስርሕ ምጉባጥ፡ ብጥበብ ዝተታሕዘ ብቐጥታ ዘይኮነ ብተዓጻጻፊ ሜላታት ዝተፈጸመ’ዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጻ ህዝብን ሃገርን ናይ ምዃን ምርጫ ተነጺጉ። ንይምሰል መዳህለልን ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝሕሓልን ረፈረንደም ተኻይዱ። እቲ ረፈረንዱም ከም ቀጻሊ ፍታሕ ዝተወስደ ዘይኮነ ናብቲ ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ናይ ምግባራ ሸቶ ከም መሰጋገሪ ዝተመርጸ ጥበብ ከም ዝነበረ ኣብቲ ደሓር ብዝተወስደ ናይ ትሕሰት ስጉምቲ ተረጋጊጹ እዩ። እቲ ጉሒላ መስርሕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝደልደለሉ ከም ዘይትግበር ዝተረድኡ ናይ ሽዑ በሃግቲ ኤርትራ ምልሕላሕ ሓደነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀንዲ ወሲደም ክሰርሕሉ ፈቲኖም። ኣብ ምትግባሩ ከኣ ሃይማኖት፡ ኣውራጃውን ዝኣመሰሉን ስምዒታት ከም መተፋነኒ ተጠቒሞም፡ ጸረ ሓድነት መፈንጥርያታት ኣጸዊዶም። መጻወድያታቶም ግና ግዝያዊ እምበር፡ ከምቲ ዝተጸበይዎ ቀጻሊ ኣይኮነሎምን።

ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽዑ ምስተጠናነገ እቲ ናይ ክልቲአን ምጽልላዉ ኣየቋረጸን። ብዛዕባ ኤርትራ ክትመዝን እንከለኻ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትንካፍ ኣይተርፍን። ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትድህስስ እንከለኻውን ከምኡ ጉዳይ ኤርትራ ይተናኸፍ። ኣብዚ እዋንዚ ዝኾነ ነገር “ገልጠም” ክብል እንከሎ፡ እቲ ቀቢጹ ዝደቀሰ ዝመስል ኢትዮጵያዊ ባህግን ህርፋንን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተዓጽወ መዝገብ ክነሱ ፈኸም ይብል እዩ። እቲ ንዝህቢ ኤርትራ ከፋፊልካ ኣብ ሕድሕዱ ናይ ምትፍናኑ ሕማም እውን ወትሩ ዝድገስ ሕዱር ሕማም እምበር ተስፋ ኣይቆረጸን። እቲ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ሓሓሊፉ ዝስማዕ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱን ናይቲ ቃልሱ ሰማእታትን ናይ ምንእኣስን ምርኻስን ስምዒታት ናብ ዝተወደበ ደረጃ ንምድያቡ ዝግበር  ናይ ቀደም ናፈቕቲ ምንብሃቘ ናይዚ መርኣያ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ምውጣጥ ዘስዓበ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ተኸፊቱ። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብዙሓት ኢትዮጵያዊ ኣጀንዳታት ኣግሂዱ ክሳብ ሕጂ’ውን ጋና ቃልቃል ዝብል ዘሎ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይተደረተ ናብ ኤርትራ እውን ብኽንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ’ኳ እንተዘይኮነ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። እቲ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠው ምባሉ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኩነታት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኮይኑ ኣንጻር ኢትዮጵያ ክኮራበብን ቀንዲ ተሓላቒ ልኡላውነት ኤርትራ መሲሉ ክቐርብን  ዝጸንሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብድሕሪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክጥጃእ ዝጸንሐ ማዕበል ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ዘይጸንሑ ወገናት ሃንደበት ብዝኾኖም ቅልጣፈ ልኡኻት ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ንሱ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።

ኢሳይስ ናብ ኢትዮጵያ ኣጋይሻኡ ንቡር ኣይነበሮን። ነቲ ዝተኸተሎ ኣገባብ ብጽሞና ክትመዝኖ እንከለኻ፡ ነቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገረ-ኤርትራን ሕቡን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ነቲ ታሪኽ ኮይኑ ፋይሉ ዝተዓጸወ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ህርፋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዓዕልን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰድዎ ዓመጸኛ ቅዲ ዘዘኻኽርን እውን ነይሩ። ከምቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውዕል ክፈርስ እንከሎ ሳዕቤኑ ዘይተረድኡ በሃግትን ሃረፍትን ኤርትራ ዘካይድዎ ዳንኬራ፡ በቲ  ናይ ቅድሚ 2ተ ዓመታት መገሻ ኢሳያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን “ኣይበልናንዶ ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ፡ ኢሳያስ ንዝበደላ ኢትዮጵያ ክኽሕስን ይቕረታ ክሓትትን ምምጻኡ ዘንእዶ’ዩ….… ወዘተ” ዝብሉ ሰባት ኣብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ነይሮም። ብዘይካ ዓጀውጀው ንጹርነት ዘይነበሮ፡ መደረታትን ዘይውርዙይ ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ኢሳያስ እውን ኢትዮጵያውያን ከምኡ ኢሎም ክግምቱ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ብክልተ ኢዱ ኣፍልቡ እንዳወቕዑ ሓጐሱ ምግላጹ። እቶም ኤርትራ ናይቲ ሓቦኛ ህዝባ ክንሳ፡ ቀደም ኣብ ናይ ግዳም ሓይሊ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ኢሳያስ ተኣማሚኖም “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን’ያ” ኢሎም ተስፋ ዘሕደሩ ብፍላይ ነቶም ፊደል ዝቖጸሩ ዘየገምቶም ኣይነበረን።

ኣብዚ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ናይ ምዕቃብ ብደሆ ኣፍጢጡ ቅድሚት ዝመጸሉ ወሳኒ ግዜ፡ ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ህልዊ ኩነታት መዚኑ “ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ጕባኤ ኰኒኑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ጕባኤ መዚኑ።” ዝበሎ፡ ኣብ ፖሊሲ ዝተሰረተ መርገጽካ ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንጹር መርገጽ ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዝተቓነየ ውሁድ ግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይተሰንዩ ግና፡ ወዮ ድሕሪ ሕጂ ኣይምለስ ዝበልናዮ ተደጊሱ ኤርትራ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም በሃግታን ሃረፍታን ከምዘይትወድቕ መረጋገጺ የብልናን። ሓይልን ዓመጽን ሕጊ ካብ ዝኾነሉ ዓለማዊ ኩነታት ከምዘይወጻእና ምዝካር ከኣ ከድልየና እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ ኤርትራ ኣብ ትሕቲኡ ካብቲ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ዓለም ዝሃበታ ስም ወጺኣ፡ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ።” ካብ ተባህለት ልቓሑ ንምኽፋል  ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ካብ ናይ ምውዳቕ ተግባሩ ኣይክምለስን እዩ። እዚ ጥልመቱ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ንገሌና ደኣ ተሓቢኡና ጸኒሑ’ምበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ኢሳያስ ካብ ቅድም ናብ ኢትዮጵያ የቋምት ከም ዝነበረ ዝነግሩና ዘለዉ ምዃኑ ምስትብሃሉ ጠቓሚ እዩ። ተደጋጋሚ ዝቐርብ ምስክርነት ሻለቓ ዳዊት ወልደጊርጊስ ነዚ ኣብነት እዩ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ጉባአኡ ስግኣቱ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ ነዚ ንምግታእ ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ እውን “ህዝቢ ኤርትራ ከምወትሩ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ሃገሩ ደው ክብል 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ኤርትራ ደው ዝብሉ ኢትዮጵያውያን እናመጐሰ፤ ነቶም ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸመልስዋ ዝሕልኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ጣልቃ ዝኣትውን ኢዶም ከልዕሉን ንኵናት ጻሕታሪ ዝዀነ መግዛእታዊ ፖሊሲታቶምን መርገጻቶምን ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉን ጕባኤ ይጽውዕን የጠንቅቕን።”  ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ እዩ።

Last modified on Wednesday, 05 August 2020 09:37