Print this page

ድሕሪ ብግልጺ ምዝራብ “ ይኣክል ” ዘይኮነ ኣልግስ ኢዩ እቲ መልሲ

2020-07-28 18:54:42 Written by  ክፍላይ ተኪአ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1486 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ይኣክል ኮይኑ እቲ ኣምር ንኣርእስተይ ተሞርኲሰ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ሕልናይ ይድርኸኒ። ምእንቲ ሕብረተ-ሰበይን ሃገረይን ብሓፈሻ፡ ምእንቲ ክብሪ ወዲ-ሰብ ንሓቂ ተሞርኲሰ ክዛረብን ብጽሑፍ ዘሎናዮ ኣስጋኢ ኵነታትና ከመሓላልፍ እንከሎኹ፡ ከም ሰብ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። እዚ ከኣ ንህዋሳተይ ነጻ ጌረ፡ ብርእሰ-ተኣማንነት በብናቶም ክዛረቦም ምኽኣለይ ናይ ሰብ መሰልን ክብርን ስለ ዘሎኒ፡ ናይ ወዲ-ሰብ ክብሪ ከኣ አዐርየ ስለ ዝፈልጥ‘የ። ስለዚ ወዲ-ሰብ ክብረ-መሰሉ ኣብዛ ዝነብረላ ሃገሩን ዓለሙን ክብሪ ናቱ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ነፍስወከፍ ፍጡር ወዲ-ሰብ ህዋሳት ናቱ ምስ ደሙ ዝተወሃሃደ እዩ። ነዘን ምስ ደሙ ዝተወሃሃዳ ክብሪ ናይ ወዲ-ሰብ ካብ ውልቀሰብን ኣህዛብን ሕብረተሰብን ጠቒሰየን ዘለኹ ቀንዲ ኣምራት፥ ንእአን ጠርኒፉ ዝኣልይን ሓደ ገዚፍ ኣምር ካብ ወለዶ-ንወለዶ እናኣመዓራረየን እናኣሰጋገረን ዝኸይድን፡ እቲ እንኮ ቅዋማዊ ግዝኣተ-ሕጊ ጥራሕ‘ዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራብን ጸሓፍን ሓደ ነገር ኣሎ ዝገርመንን ዘተሓሳስበንን፡ ድሕሪ ብግልጺ ምዝራብ፡ ኣንታ ክቡር ህዝቢ ክብረትካን ነጻነትካን ሓርነትካን እናተቐንጠጠ እንከሎ እንታይ ዘጸቢ ኣሎካ? ሃገር ናትካ ክንሳ፡ ሃገርካ ብመስዋእቲ ደም ደቅኻን ብሓፈሻ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ዝመጸት ክንሳ፡ ይኣክል፡ ቅዋም ይተርጐም፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ወፍሪ ባርነት ሳዋ ደው ይበል ክትብል ይግባእ። ሳዋ ብርሰት መንእሰይ ወለዶ ኣእሙራዊ ድንቍርና‘ዩ። እዚ ኣበሃህላ‘ዚ ለመና ዘይኮነስ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ልቦና ዝመልኦ ኣበሃህላ‘ዩ። እዚ ኣበሃህላ‘ዚ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ሕጂ‘ውን ደጋጊመ ክብለካ ዝደሊ ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ጌግኡ ዘይዕረ፡ እቕሬታ ዘይበሃለሉ፡ ህዝብን ሃገርን መንነትን ባህልን ክድምስስን ዝመጣጠር ዘሎ ሕሱም ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ስለ ዝብል፡ ናይ ምድሓን ዕድል‘ውን ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ መወዳእታ ናቱ ዕላማ ለኪመ ምጥፋእ ጥራሕ‘ዩ። እዚ ከኣ ባህሪ ወይ ባህርያት መለኽቲ (ዲክታተራውያን) እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን ወይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ጨካን ዲክታተራዊ ባህርያቱ ኣብ ማይ ከም እንልውጦ ጥርጥር የብለይን። እዚ ከኣ ብካልእ ኣዘራርባ፡ መንእሰይ ወለዶ ምስ ይኣክል ተወሃሂዱ ሓዞ-ሓዞ ዝብለሉ ዘሎ፡ መንእሰይ ወለዶ ኣለኹ ባዕለይ ተሓበን ኤርትራዊ መንነት ይብለካሎ። እዛ ሃገር - ሃገረይ ሰብ ከም ዘለዋ አረጋግጸልካ ኣለኹ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ “ይኣክል” ነድሪ ኤርትራዊ፡ እቲ እንኮ ምርጫ ኤርትራዊ ከይወዓለ ከይሓደረ “ይኣክል” ጥራሕ ዘይኮነስ ኣልግስ ኢድካ ሃብ‘ዩ ደጋጊመ ህዝቢ ኤርትራ ዝብለካ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ ደጋጊምካ ክትሰምዖም ከሎኻ፡ ሓደ ብሓደ ብእዝንና ዝሰማዕናዮ ብዓይንና ዝረኣናዮ፡ ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ሃገርን ልዑላውነትን ነጻነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዘሎን ቅልጡፍ ኣበሃህላ ጸጸኒሑ ዘንጸባርቕ ዘሎን፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘመልክት ሕቶ ጌሩ ዘሎ‘ዩ፡፡ እዚ ከኣ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕታኻን እምነትካን ኣንዒቑካ፤ ዘገርም! ክሳብ ክንድ‘ዚ ኤርትራዊ ብሂወትካ ከሎኻ ከም ዘየሎኻ፡ ስዉእ ወድኻ ስውእቲ እታ ክብርትን ሕፍርትን ዋዕሮ ጅግና ጓልካ ሰሚዓ ሰሚዑ፡ መቓብሮም ዘንቀጥቅጥ ዘሎ‘ዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ን30 ዓመታት ተቓሊስካ መስዋእቲ ከፊልካ ዘምጻእካዮ ነጻነትካን መንነትካን ባህልኻን ልዑላውነትካን ንወሎዶታት ዘሐበንካ ኢኻ። ሕጂ ድማ ዘስደምምን ዘገርምን፡ እቲ ናይ 40ታት50ታት ክቀላቐል ክንጸባረቕ፡ ብጉልባብ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ከኣ ብጉልባብ ጀኦ ፖለቲካ እናበልካ ልዑላውነትን መሬትን ሃገርን ምድፋር፡ ዳግማይ ሓውሲ መግዛእቲ ክካየድ ምሕሳብ፡ ኣነ ከም ጸሓፋይ ሓሳብ አቕርብን፡ “ ኣንቱም ትሓልሙ ናይ ሰብ ሕሰቡ፡ እንተ‘ቲ ስርዓት ናይ መወዳእታ ዕምሩ ስለ ዝኣኸለ‘ዩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ከም ትማሊ ኣብ ልዑላውነትናን ሃገርናን መንነትናን ዝሓስብን ዝደናደንን መንዩ ብዘየገድስ ወይልኡ እዩ እቲ መልሲ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ ኣስፊረዮ ዘለኹ፡ ቅደም ተኸተል ሓደ ብሓደ ኣመልኪተ ብጽሑፍ ከስፍሮ እንከለኹ እዚ ዝስዕብ ይመስል፡-

1 – “ሕጂ ኢና መራሒ ዝረኸብና”፡ ቃል-ንቓል ከም ኤርትራዊ ትሓፍር፤

2 - መስደምም ዘረባ “ኣይከሰርናን”፡ ዘገርም፡ እንታይ ማለት‘ዩ ኣይከሰርናን? ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ‘ባ ከሲሩ፤ ዘገርም ንዕቀት ዕንደራ፥ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ ህዝቢ ኤርትራ?

3 - ውልቀ መላኺ ዲክታቶር ክዛረብ ክትሰምዕ ከሎኻ መመሊሱ ዘስደምም፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ስልጣነይ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ፡ እዚ ንቀልዓለም ኣይኮንኩን”፤

4 - ናይ‘ዚ ስርዓት እዚ‘ኳ እናሓደረ እንድዩ ዘስደምም፥ ‘‘ሕጂ ቀዳምነትና ኵነታት ኢትዮጵያ ኢና ነረጋግእ”፤ እዚ ንባዕልኻ ዘየሎኻ ከም ዘሎኻ ምምሳል ባህሪ ናይ‘ዚ ጨካን ስርዓት ስለዝኾነ፤ ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን ኣይገርመንን‘ዩ፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝረስዖ ጥራሕ‘ዩ፤

5 – “ኲናት ባድመ ናይ ዶብ ኲናት ኣይኮነን”፡ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ንልዑላውነት ሃገርዶ ኣይኮነን? እዚ ኩሉ ለይለይ መንእሰይ ዝወደቐ ኣበይ ደኣዩ ወዲቑ? ኣንታ ክቡር ህዝቢ ኣንታ ጅግና ኤርትራዊ ነዚ ሰሚዕካ ደቂስካ ትሓድር ኣሎኻ?

6 - እቲ ዘገርም፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ክልተ ሃገር ወይ ህዝቢ ዝብል ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ”፤ እቲ መልሲ ንሕና ኤርትራውያን ሃገርን - መንነትን እንፈልጥ ክብረ ነጻነት ዘሎና ሕብረ ብሔራት ሕብረተ-ሰባት ኢና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ከም ሰብ ኣእምሮ ዝተዓደልና ወይ ዝተዓደልካ ክንስኻ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ከኣ ንዝኾነ ነገር ፈላልዩ ዝጥምተሉን ዝመምየሉን፡ ካብኡ ሓሊፉ‘ውን ዕድል ጸጋ ትምህርቲ ምስ ዝረክብ ምስ ልቦና ዝተሓወሶ ዝያዳ ዕምቈት ይውስኸሎም። ዝኸበርካ ወዲ-ሰብ፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ከም ዘሎካ ኣይጠራጠርን። ኣነ ከም ሰብ ከማኻ ስለ ዝኾንኩ ብዙሕ ይገርመኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ክንስኻ፡ ሕልናኻ ከይተቐበሎ ህዋሳትካ ኣምኪንካ ምኻድ እሞ ከማኻ ሰብ ንህዋሳትካ ክቈጻጸሮም ከሎኻ ሞትዩ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብካ ናይ ክብሪ መጸውዒ ዘይብልካ፥ ኣብ ቅድሚ ወሎዶታት ሕማቕ ታሪኽ ከይትገድፍ። ልክዕ‘ዩ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ይርደኣኒ‘ዩ ግዳይ ንቕሓት ከም ዝኾንካ፡ ሕጂ ግን ደጋጊምካ ተጋግየ ይቕሬታ ምባል ንሕብረተ-ሰብካ ናይ ለባማት‘ዩ። ንዝወለድካዮም ደቅኻ ኮሪዖም መረጽትን-ተመረጽትን ኮይኖም ክነብሩ፡ ስርዓት ሓላፋይ‘ዩ ህዝቢ ግን ነባሪ፡ ኤርትራዊ/ት ሓወይ ሓብተይ ደጋጊመ ለበዋይ ብትሕትና አመሓላልፍ።

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን  

25.07.2020  

Last modified on Tuesday, 28 July 2020 20:57