Print this page

ናፈቕቲ ውግእ፡ ንህውከት እምበር፡ ንሰላም ኣይብገሱ

2020-07-26 20:36:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1375 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኾነ ይኹን ውዱብ ይኹን ዘይተወደበ ኣካል፡ ብሃይማኖት፥ ብሄር፥ ኣውራጃን ዓሌትን ተጽልዩ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ልዕልናን ኩርዓትን ስምዒት ምስ ዘርኢ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲዚ ናይ ፖለቲካ ሀሁን ኣፍልጦን ዘየብሉን ናይ ኣተሓሳስባን  ተጽዋዋርነትን’ውን ዘይብሉን እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዘርኢ ኣካል ኣብ ውድባት፥ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣይሰኣንን ኢዩ። እቶም ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝውንኑ ባእታታት ድማ ንኣወንታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘዕውቱ ዘይኮኑስ ቀንዲ ናይ ለውጢ ዓንቀፍቲ እዮም ዝኾኑ።

ወዲ ሰብ ብተፈጥርኡ ንመነባብሮኡ ዝኸውን መሰረታዊ ነገራት ክምእርር ፋሕተርተር ክብል ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ብሓትነትን ዓብላልነትን፡ ወይ’ውን ምስ ደቂ ሰባት ተኻፊሉን፥ ሽግር ካልኦት ከም ጸገሙ ርእዩ ፍታሕ ዘናድን ስምዒት ከሕድር ይኽእል።  እቲ ናይ ዓለማዊ ወይ ምድራዊ ነገር ዝያዳ ዝዕብልል ስለዝኾነ፡ ኣብ “መን ከማይ” ወይ  “ሓቢርካ ምንባር” ሕልና ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ክዛዙ ይኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ፥ ደቂ ሰባት ካብ ጽልኢ ብፍቕሪ፥ ካብ ባእሲ ብዕርቂ፡ ካብ ስስዐ ብምክፍፋል፥ ካብ ውግእ ብሰላም፥ ካብ በደል  ብይቕረ ዝብሉ፥ ኮታ ንደቂ ሰባት ብዘተሓቛቚፍን ሓቢርካ ዘናብርን ኣምር ክንምራሕ የድሊ።

ዓለምና ብዝተፈላለዩ ዓሌታትን፥ ሃይማኖታዊ እምነታትን፥ ቋንቋታትን ኣተሓሳባታትን ዝተመልአት ኢያ። ይኹን እምበር ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ፡ ቋንቋ ይኹን እምነት ወይ ጠባይ ዝሕብር  ምልክት ሒዙ ከምዘይውለድ ኩልና እንርደኦ እዩ። ኩልና ድማ፡  ዋላ ብሕብሪ ቆርበት እንተተፈላለና፥  እቲ ሓደ ዝገብረና ናይ ክብርና ምልክት ሰብ  ብምዃኑ እዩ። እታ ካልኣይቲ ድማ ካብቲ ምማቚ ኣዳራሽ ማሕጸን ወላዲት ክንወጽእ እንከለና እንህቦ ድምጺ ናይ ብኽያት ከይተረፈ  ይቐጥንን ይረጉድን እምበር፡ ምልክት ናይ ሓደ ምዃና እዩ። ስለምንታይ ደኣ ኢና እዚ ዘመሳስል እናሃለወና ኣብ ሕድሕድና ክሳብ ናብ ህልቂት ዘብጽሕ ጭካኔን ናይ ኣረመነ ስራሓት እንሰርሕ? እወ! ንኣእምሮና  ብመን ዓብለለ፥ ኣነነታውን ብዘይካይ ካልእ ዝፈልጥ የለን ወይ ከኣ ካልእ ናይ ብሓትነት ስምዒታት እንሰጓጉድ። እዚ ጸቢብ ምስጓድ ዝህቦ ምህርቲ እንታይ ምዃኑ ከኣ ቅድም ኣብ ሩዋንዳ፡ የመን፥ ሱርያን ሕጂ ድማ  ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ናይ ምዕናው ስራሕት እዩ ዝኸውን።

ብሄርን ሃይማኖታዊ እምነትን፥ ቋንቋን መብቆልን ዘባእስን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ብጉራደ፡ እምንን፥ ካራን….. ወዘተ ንወዲ ሰብ፥ እሞ ፍጡር ከማኻ ከም ተመን ምጭፍጫፍ ዘብጽሕ። ሳዕቤኑ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ ዓሌታውነትን ሃይማኖታዊ እምነትን ናይ ግልና ስለዝኾነ ነዚ ጸቢብነት ኣወጊድና ናብ ሓዲሽ ናይ ሰላም ብርሃን ዘይነማዕዱ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ምልክት ንኤርትራ’ውን ክጸልዋ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያ መንግስትን ተቓወምትን ወይ ተወዳደርቲ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ ክልል ትግራይ ኮይኖም ኣብ ሰለስተ መደብር ሓይሊ ተመቒሎም ኣለዉ። ኩሎም ድማ ናይ ውግእ ከበሮ እዮም ዝድስቑ ዘለዉ። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዋናታቱ ንላዕሊ ዝፈልጦን ዝምልከተንን  ኮይኑ ዘይኮነ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ንኤርትራ ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ ከም ዝጸልዋ ንምእማት’የ ዝጠቕሶ ዘለኹ።

ውግእ ንዝኾነ ይኹን ሽግር ቅኑዕን ንኹሉ ዘዕግብን ፍታሕ ከምዘየምጽእ ዘረድእ ብዙሕ ተመኩሮታትን ናይ  ታሪኽ መሳግብትን ኣሎና። እቲ “ቅኑዕ ህዝባዊ ምሕደራ፡ ነጻነትን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ መንግስቲ ክምስርት እየ” ክትብል ጸኒሕካ ምልስ ኢልካ፡ ነቲ ናብ ዲሞክራሲ ዝወስድ ጐደና ስሒትካ ኣብ ናይ ጐነጽ ኣተሓሳስባ ምእታው ይረአ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ክንዲ ኮፍ ኢልካ ዘለካን ዝስመዓካን ጸገም ኣብ ባይታ ዘርዚርካ ብምውራድ፡ ብምጽውዋርን ሕድገታትን ንህዝቢ ናብ ሰላማውን ሓባራውን ናብራ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፥ “ኣነባ ኣነባ” እናተበሃሃልካ ብሄራዊ ስምዒት፡ ሃማኖታዊ እምነታትን ቋንቋታትን ከም መፈላለዪን መገራጨውን ተጠቒምካ ውልቃዊ ረብሓታትካ ንክተዕውት እናመደርካ ጥራይ  ቅኑዕ ክትመስል ዘይከኣል ኢዩ።

ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭታት፡ ኢሳያስ ምስ ዶክተር ኣብይ፥ ኤርትራውያን ተቓወምቲ  ድማ ምስ ክልል ትግራይ ምምሕዛው፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ኣምሓራዶ፡ ኦሮሞ፥ ወያኔዶ ደቡብ፡ እናተበሃሃሉ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ናብቲ ናቶም ደርፊ ንኣቱ ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ።  ኤርትራውያን  ንሰላሳ ዓመታት ክንቃለስ እንከለና ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ናጽነትን ኣብ ሃገርና ክሰፍንን ምስ ኣህዛብ ጐረባብትና  ጣልቃ ብዘይምትእትታው ብሰላም ንምባር እዩ ነይሩ።  ሎሚ ግና ነቲ ዕላማ ቃልስና ስሒትና ኣብ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖትን ቋንቋን   ክንሽከል  እንከለና ፖለቲካዊ  ድኽነትና ዘመልክት እዩ። ኣብዚ ምስ ኢሰያስን ኣቢይን ወይ ህወሓት  ምጽላእን ምፍታውን ዘይኮነ፡ “እታ ሓቂ ምስ መን ኣላ? ብኽመይከ ክትትግበር ኣለዋ?” ኢልካ  ምፍታሽ እዩ እቲ ዘድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኣብ ጓል ነገርን ዘይብሱል ፖለትካዊ ኣተሓሳስባን ዝኸይድ መናፍሕ እምበር፡  ንሰላምን ርግኣትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘየርብሕ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይኹን ኢትዮጵያውያን ኢድ ኣእታውነት ወጊድና ብስልጡንን ሰላማዊ ኣገባብን ከም ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ንኹልና ዘርብሕ ክንሓስብ እዩ ዝግባእ። ኤርትራ ርእሳ ኽኢላ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኢያ። ኢትዮጵያውያን  ተመሊሶም ብውግእ ጥሒሮም ንመሬት ኤርትራ ክጎብጡ ምስ ዝህቅኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድግድጊት ተዓጢቑ ንሃገሩ ክከላኸል ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር ንሕና ኤርትራውያን ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም  ሓደ ክልተ ኢትዮጵያውያን ብዝብልዎ  ኤርትራ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትኣቱ እያ ዝብል ርድኢት ክህልወና ኣይግባእን። ክሳብ ክንድኡ ስግኣት  እንተልዩና ኩልና፡ ነዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ተቐላጢፍና ክነውግዶ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ነዕዝዝ።

ስለዚ  ስርዓት ወልቀ መላኺ ኢሰያስ  ሎሚ’ውን ንሃገርና ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክቖርና ህርድግ ይብል ከምዘሎ ካብ ተረዳእና፥ ጥርናፈና ብብሄረይዶ ብሄርካ፥ ሃይማኖተይዶ ሃይማኖትካ፥ ቋንቋይዶ ቁንቋኻ እናተበሃሃልናዶ ሃገርናን ህዝብናን ክነድሕንዶ ንኽእል? ኣይንኽልን። ሃገርናን ህዝብናን ዘይኮነስ ንነፍስና’ውን ክነድሕን ኣይክንክእልን ኢና። ብጸቡብ ኣገባብ ኣወዳድባ፡ ጻባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ እንዘርኦ መርዛም እሾኽ ፈርዩ ከም ዝወግኣና ኣይንዘንግዕ።  ምኽንያቱ እቲ ዝንዛሕ ናይ ምፍልላይ ጐስጓስን ምውዳብን፥ እዚ ብሄር እዚ ኢዩ ተቓሊሱ ወይ እዚ ብሄር እዚ ኢዩ ተሰዊኡ፥ ወይ እውን እዚ ብሄር እዚ እዩ ስልጣን ጨቢጡ ህዝቢ ዘከላብት ዘሎ፡ ዝብሉ ናይ ጥፍኣት ምልክታት እምበር ናይ መሰል ምኽባር ኣይኮኑን። ብሄራዊ መንነትካ ይኹን እምነትካ ወይ እውን ቋንቋኻ ኣሳቢብካ ዝግበር ጸቢብ ጐስጓሳት  ናይ ዘይምጽውዋር፡ ዘይምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ናይ ዘይምድላይን  መርእያ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ውጽኢቱ  ድማ ከምዚ ኣብ ከባቢና ንዕዘቦ ዘለና፡ ደሞክራሲያውነትን ሰብኣውነትን ዝጐደሎ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

Last modified on Sunday, 26 July 2020 22:40