Print this page

“እንተ ክንብርኩት፡ ዘይክንብርኩት ……..”

2020-07-18 10:52:22 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1496 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸጽብቑ ከም እንምነየሎም ፍሉጥ እዩ። ትምኒት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጽቡቕ ንምግሃድ ብኤርትራውያን ዝተኸፍለ ዋጋን ህይወትን  ምዝርዛሩ ዘጸግም እዩ። እቲ ሓባራዊ ድሌት ኤርትራውያን እዚ ኮይኑ፡ “ናብኡ ብየናይ መንገዲ ንበጽሕ” ኣብ ዝብል ግና ቀደም ኮነ ሎሚ ፍልልይና  ዝነበረን ዘሎን እዩ። እዚ ፍልልይ እዚ ካብቲ ዘለና ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ጸጋና ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ዘሰንብድን ዝጽላእን ኣይመኾነን። ነቲ ብዙሕነትና ምምሕዳሩ ስኢና መረሓሓቅን መተሃላላኽን ክኸውን እንከሎ ግና ዘየሻቕል ኣይነበረን ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና።

ኣብቲ ቀዳማይ ናይ 30 ዓመታት ምዕራፍ ቃልስና፡ ቀዳማይ ዕማምና ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ እዩ ነይሩ። ከም ርዱእ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ ክበሃል እንከሎ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ህይወትን ራህዋን ምምጻእዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ድሕሪ ናጽነት እንታይን ከመይን ክንመሓደር ኢና “ብኸመይ ኢና ናጽነት ኤርትራ እነውሕስ” ዝብል ቅድሚት ክስራዕ ቅኑዕ ኣሰራርዓ ጉዳያት ነይሩ። ከምኡ ከኣ ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ንድሕሪ ናጽነት ዝምልከት እውን “ ደሓን ሽዑ ነርክበሉ” ብዝብል ምሉእ ብምሉእ ክዝንጋዕ ዘይኮነ ጐኒንጐን’ቲ ቀዳማይ ዕማም ምውሓስ ናጽነት ተተይ ክብልን ባይታ ከንጸፈሉን ዝነበሮ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይሳ ኣፈወርቅን ዝኣመሰሉ ውሱናት ኣካላት ግና ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ተጋዳልይን ህዝቢ ኤርትራን ኣዳህሊሎም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናጽነት ጨውዮም ነዚ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ንርእዮ ዘለና ክቱር ጭቆና ናይ ምስፍሕፋሕ ሕቡእ ሕልሚ ከም ዝነበሮም፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታትና መስካሪ እዩ።

ብሰንኪቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ነቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ብግጉይ ኣገባብ ምሓዙ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኾነ ርኢናዮ ኣለና። ብሰንክዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ምእንቲ ሓርነት ኣብ ክንዲ ናይ ራህዋን ህድኣትን ዝኸውን እንደጋና ናይ ቃልሲ መዋእል ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ክሳብ ሎሚ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝሓፍሰሉ ዘይኮነ፡ ወትሩ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ክቕጽል ተገዲዱ እነሆ። ሎሚ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረ ኣርሒቕካ ናይ ዘይምርኣይ ሕጽረት ኮነ ተንኮል  ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ጽባሕ ከይድገም ክንመሃረሉ ግና ግድን እዩ። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና ወትሩ ደገምቲ ግጉይ መንገዲ ኮይና ክንነብር ኢና።

ናይ ሎሚ ቃልስና ቀዳምነት እምበኣር፡ ምውጋድ ወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ክነሱ፡ ነዚ እንዳረሳዕና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘይተበጽሐ ናይ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ እዋን  “ብኸመይ ንመሓደር” ኣብ ዝብል እምብዛ ጉልበትና ክንውድእ እሞ ዕድመ ምልኪ ኢሳያስ ክነውሕ ዕድል ክንህብ ኣይግበኣናን። ንጉዳያት ደኣ በብደረጃኡ  ንሓዞ እምበር፡  ምሉእ ብምሉእ በቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ተሸፊና ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንሕሰብ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣጋጢሙና ዘሎ ብረቂቕ ዝተሃንደሰ ዕንቅፋት ተማሂርና፡ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግዲፍ ከይድገም ክንዳለወሉ ዘለና እዩ። ኣብዚ ሓደ ክንዝገዖ ዘይብልና፡ በቲ ሓደ ወገገለ ኤርትራውያን ብሰንኪ ምረት ኣብ ድሕሪ ናጽነት  ኤርትራ ኣንጸርጺሮም “ናጽነት ኤርትራዶ እንታይ ዓቢሱልና እዩ?” ክብሉን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ክጠዓሱን ኣብ ንሰምዓሉ ኢና ዘለና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዲክታቶር ኢሳያስ ይኸዶ ብዘሎ ናይ ጥልመት መንገዲ ሻዲኖም፡ ናጽነት ኤርትራ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ተኣሚኖም ኣእዛኖም ኣውዲቖም ዝነበሩ ወገናት፡ ትንሳኤ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ክምለስ ኣብ ዘመዓድውሉ ኩነታት ኢና ዘለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንስምዒት ኢሳያስ መዝሚዙን ንክብሪ ህዝብና ደንዲኑን እንተላይ ብስም ኤርትራ ክምድርን ስምምዓት ክኸትመን ኣብ እንዕዘበሉ እዋን ኢና ዘለና። ስለዚ ኣብዚ ቅድም ንምውጋድ ህግዲፍ ድሕሪኡ ከኣ ምህናጽ ሓርነት ንቃለሰሉ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ወትሩ ካብ ኣጀንዳና ከነውጸኦ ኣይግበኣናን። ዝምድናታትና ምስ ዝተፈላለዩ ወገናትን መጻኢ መደባትናን ክንሰርዕ እንከለና ንጉዳይ ልኡላውነትና ብጥቃቐ ከነቕልበሉ ናይ ግድን’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ሓርነት ይኹን ዲሞክራሲ ክንተክል ግብራዊ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምዕራፋት ኣብ ዝተኸፍለ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ እዩ ጸኒሑ። ጌና እውን ኣብ ቃልሲ ኣሎ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ መሪር ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ንኣተሓሕዛ ክጥዕመና ግና ቃልስና ምእንቲ ናጽነትን ቃልስና ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኢልና ኢና ንገልጾ። እዚ ምዕራፋት ቃልሲ፡ ብመንጽርቲ ዝካየደሉ ግዜ፡ ብናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ዘመዝግቦ ሽቶን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝተፈላለየ እዩ። እንተኾነ እዚ ምዕራፋት ቃልሲ ሓያል ምትእስሳር ዘለዎ እምበር፡ በበይኑ ፈላሊኻ ዝተሓዝ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብዚ ምእንቲ ምውሓስ ሕገመንግስታዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ብዙሕነታዊትን ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና እዋን  ንቀጻልነት ልኡላውነትና እውን ከንቕልበሉ ይግበኣና እንብል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ቃልስና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ጥራይ ዝድረት፡ ብኣና ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ከባብያዊ ምስፍሕፋሕን ምጽልላውን ኣብ ዝረኣየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ቃልስና በዚ ኣብ ከባቢና ኣብ ኢትዮጵያ፡ የመን ኮነ ሊቢያ ዘሎ ምዕባለታት ዘይጽለወሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ኢሳያስ ከምቲ ኣመሉ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ምስ በዓል ስዑድ ዓረብያን ኢመራትን ኮይኑ ኣብ ጉዳይ የመን ክሳብ ወተሃደራዊ መደበራት ብምሃብ ኢዱ ከም ዝኣተወ እንፈልጦ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ሰራዊት ናይዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብ ሊቢያ መመላለሲት ድንድል ኮይና ትሰርሕ ኣላ። ብዓብይኡ ከኣ ኢሳያስ ብዘሕፍር ኩነታትን ካብ ቀዳማይ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብዝረሓቐን ብእዉጅን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዘእቱ ተጠሊዑ ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ ንሃገርና ዋጋ ከም ዘኽፍላን ንቃልስና ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ንድሕሪትኳ እንተዘይመለሶ ክሓላልኾ ከም ዝኽእል ግና ክንግንዘቦምን ክንዳለወሉን ዝግበና እዩ። ነቲ “ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ኣርሒቕካ ንምምዕዳው ብዘይዕንቅጽ ክንርደኦ ይገበኣና።

Last modified on Saturday, 18 July 2020 12:54