Print this page

ቂም፡ ሕነ-ምፍዳይ፡ ምድንጋርን ኢድ ምትእትታውን ዝሕላገቱ ቃለ-መሓትት ፕ/ኢሳያስ ኣፍወርቂ (ካልኣይ ክፋል)

2020-02-14 09:19:42 Written by  ብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1540 times
Rate this item
(0 votes)

ካልኣይ ክፋል

ብብርሃነ ኣብርሃ

ቲቪ ኤረ ነቲ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ብ7 ለካቲት 2020 ዓ.ም ከምዝዘርግሖ ዝዝከር ኢዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብዘቤታዊ ብናይ ግዳም ወይ ብዞባዊ ደረጃ ዝጀመረ ቃለ-መሓትት ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ዘልዓሎ፡ ጕዳይ ዶብ፡ ጕዳይ ባድመን ጕዳይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ምንባሩ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጠንቂ ናይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ወይ ናይ ባድመ ዘይኰነስ፣ ናይ ወያነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ብሓፈሻ፡ እቲ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ዝብልን ኣብ ኤቲንክ ዝተሰረተ ፈደራላዊ ስርዓትን ዝብል ስነ-ሓሳብን ድማ ብፍላይ ምዃኑ ክገልጽ ተሰሚዑ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕዮ ዘይፈልጥ ሓድሽ ጠንቂ፡ ሓድሽ ክስን ሓድሽ ምስምስን ኢዩ።

እቲ ብ1998-2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተባርዐ ውግእ፡ ጠንቁ ወያነ ንባድመ ምውራሩ፡ 6 ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ ክዛተዩ ኢሎም ምስ ከዱ ምቕታሎም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንልዑላውነት ኤርትራ ጥሒሶም ዓዲ ምሩግ ምእታዎም …ወዘተ ዝብል ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ክንገሮ ዝጸንሐ።

እዚ፡ ከም ነፋሒቶ ኣብ ዝዓለበሉ ሕብሪ ዝቀያይር ውልቀ-መላኺ፡ ብ1992 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ መሰጋገሪ ኮንፈረንስ፡ …እዚ ኮንፈረንስ’ዚ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ብገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዘይተራእየን ዘይተዘርበሉን ጕዳይ ብሄራትን ጕዳይ ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራን ኣልዒሉ ምዝርራቡን መፍትሒ ምግባሩን ዓቢ ለውጢ ኢዩ ክብል ናእዳኡን ኣድናቆቱን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ሽዑ ዝቐውም ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸውን ድሌት ከምዝነበሮ እውን ሎምስ ኣሉታ ክህበሉ ዘይክእል ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኰይኑ ኢዩ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብ1981 ዓ.ም ህዝባዊ ግንባር ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ተሓኤ መጥቃዕቲ ከካይዱ ከለዉኸ፡ ህወሓት ንናጽነት ናይ ትግራይ ዝቃለስ ውድብ’ዶ ኣይኰነን ነይሩ? ህዝባዊ ግንባር ምስ ህወሓት ተሓባቢሩ፡ ንሰራዊት ደርግ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጸራርግ እንከሎ፡ ህወሓት ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብ እቲ ብ1987 ዝሓንጸጾ ፕሮግራሙ’ዶ ኣይነበረን። ከምኡ’ውን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ንናጽነት ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለስ ውድብ ምዃኑ፡ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳብ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ንግንባር ሓርነት ኦሮም (ኦነግ) ኵሉ መዳያዊ ደገፍ ክገብረሉ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ። እቲ ንህወሓት መዀነኒ፡ እቲ ኣብ መትከል ርእሰ-ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ምእማን ወይ ንዓንቀጽ 39 ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ምቕባል እንተዀይኑ፡ ኦነግ እውን ክዅነን ኣይግብኦን ድዩ!!!?

ናይ ኢትዮጵያ ቅዋም፡ ዝቕበልዎን ዝጻረርዎን ኢትዮጵያውያን ምህላዎም ኵልና ንከታተሎ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ኣብ ኤትኒካዊ ፍልልይ ዝተሰረተ ፈደራላዊ ስርዓት ዝድግፉ ኢትዮጵያውያን ካብ ኵሉ ብሄራት ኣለዉ። ንሓንቲ ኢትዮጵያ ዝብሉ እውን ከምኡ። ስለ’ዚ፡ ንወያነ ፈሊኻ ከተጥቅዕ ምፍታን፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ዝተበገሰ፡ ሸርሒ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን።

እቲ ዝያዳ ሓደገኛ ግን፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ እዚ ይሕሸኹም እዚ’ባ ክብል ምፍታኑ ኢዩ። ነዚ ድማ ተሓቢኡ ዘይኰነስ፡ ብጋህዲ ኢዩ ዝዛረቦ ዘሎ። እቲ ሓደጋታት ናይ’ዚ ስነ-ሓሳብ ካብ ንኤርትራ ንኢትዮጵያ ኢዩ ብዝያዳ ንሓደጋ ምብትታን ዘቃልዓ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ምብትታን ንኤርትራ እውን ሓደገኛ ስለዝዀነ፡ ምስ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ምሕዝነት ፈጢርና ክንሰርሕ ኣሎና። ጕዳይ ዶብ ሕጂ ካልኣይ ቦታ ዝሕዝ ንእሽቶ ጕዳይ ኢዩ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ሓባቢሉ ካብ ሕቶ ልዑላውነቱ ክኣልዮን ኣብ ዳግማይ ውግእ ክሸሞን ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ዝርከብዎን ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር መከላኸሊ፡ ኦቦ ለማ መገርሳ ዝተሳተፎን ኣኼባ ኣብ ኣስመራ ምክያዱ ነዚ መደብ’ዚ ዝእምት ርክብ’ዩ።

ጐንጺ አርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ጐነጽ’ዩ ተባሂሉ፡ ናብ ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ተዋሂብሉ ኢዩ። በዚ ብይን’ዚ መሰረት ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ተረጋጊጹ ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ ድማ፡ ናይ ዶብ ውግእ ብምጅማሩ ኤርትራ ካሕሳ ክትከፍል ተወሲኑላ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ጓል ነገር ብምኻድ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው ዘይኰነ፡ ነቲ ብይን ከምዝትግበር ምግባር ኢዩ ዝድለ። ሕጂ ነዚ ብይን’ዚ ክትግብር ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ወያነ ዘይኰነ፡ እቲ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ጨቢጡ ዘሎ ብዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ኣካል ኢዩ። ንሱ’ዩ ተሓታቲ፡ ንሱ’ዩ ነቲ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ዝበለ።

ይቕጽል…….

Last modified on Friday, 14 February 2020 10:37