Print this page

ጋዜጣዊ መግለጺ ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ

2020-02-13 04:17:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in Women's Corner Read 3679 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንህላዌኣ ዝደናደን ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ካብ - ይኣክል ናብ ይከኣል - ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈኦ ፣ ካብ 8 – 9 ለካቲት 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዕዉት ዋዕላ ኣካይደና።

ኣብዚ ዋዕላዚ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብስና ወዲብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ልዑል ተራ ክንጻወት ወሲና። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ብወለንተአን ኣወሃሃድቲ ክኾና ፍቓደኛታት ዝኽና ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቲ ናይ ነብሰ ውደባ መስርሕ ክጅምርኦ ተወሲኑ።   ተሳተፍቲ ዋዕላ ነናብ ቦታና ተመሊስና፣ ናይ ከባቢና ደቂ ኣንስትዮ ክንጥርነፍን፣ ጥርናፈና ከነሐይልን፣ ወከልትና ክንመርጽን፣ ናይ ከተማታትና ወከልቲ ብምልኣኽ ናይ ኩለን ከተማታት ወከልቲ ዘሳተፈ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጥርናፈ ክንፈጥር ወሲና።

ከምኡውን፣ ታሪኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያና ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪክ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፦

1- ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን እዩ ፣

2- ዶብና መጣልዒ ውልቀ-መላኺ ስለዘይኮነ ፣ ብቕጽበት ክሕንጸጽ፣

3- ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ፣

4- ሃገርና ብቅዋምን ልዕልና-ሕግን ክትመሓደር እምበር፣ ብውልቀሰብ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን፣

5- ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል ንጽውዕ፣

6- ህዝቢ ኤርትራ ነዲሩ ዝጀመሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎን ንጽውዕ፣

7- ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ሓደ ኢድ ኮይኖም ክሰርሑ ተደላይነቱ ህጹጽ ስለዝኾነ፣ ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ፣

8- እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ነመላኺ ስርዓት ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ተጸንቢረን፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሳ ንጽውዕ፣

9- ኣብ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየድ ቃልሲ ህዝብናን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኣተኵርና ክንቃልሰ ኢና፣

10- ሞያውያን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብሞያኦም ተራኺቦም፣ ኣብ ግዚ ውድቀት ህግደፍ ሃገርና ንምህናጽ ዝገብርዎ ምድላዋትን ተበግሶታትን ንድግፍን ነተባብዕን።

11- ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ክኸፋፍል ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ሽርሕታትን ክንነቕሓሉን፣ ኣብ ክንዲ ተመቓቒልና መፍቶቱ ንኸውን፣ ነቲ ሰራም ከፋፋሊን መቓቓሊን ስልትታቱን ሽርሕታቱን ብስሙር ድምጺ ክንነጽጎን    ክነፍሽሎን ንጽውዕ።

ነጻን ልዑልዊትን ኤርትራ ንዘለዓለም ትንበር

ንጡፍ ግደን ሓይልን ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሒ ሓርነትን ይዓምብብ

ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ

10 ለካቲት 2020

Last modified on Monday, 27 April 2020 23:42