Print this page

ሃየ’ባ፡ ኢደይ ኢድካ ንበል

2020-02-08 10:33:34 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1549 times
Rate this item
(0 votes)

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውጽዓ ኣብ ዝባን ኩልና ዝተጻዕነ ማዕረ ዘቐንዝወና ዕዳ እዩ። ካብዚ ቃንዛዚ ንምሕዋይ ከኣ ናይ ኩልና ተቐንዘውቲ ድሌትን ባህገን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መድረኻትን ክንገልጾ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ኩልና፡ ኩነታት በብዝፈቐደልናን በብዘለና ዓቕምን ምብርካት ዘይስገር ሓለፍነትና እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ኣተሃላልዋና ብበበዓይነቱ፡ ኣብ ዓዲ ዘለናን ኣብ ውጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለናን፡ ተቓወምቲ ናይቲ ምረት ወጽዓኡ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ኣብ ዓለምና’ውን ዝገነነ ጉጅለ ህግዲፍ ደገፍትን፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኣካል ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በቲ ሓደ ወገን፡ ኣባላት ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀ ባእታታትን ከኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ተባሂልና ኣብ እንግለጸሉ ደረጃ ኣለና። ዝያዳ ዝርዝር እንተድልዩ እውን መንእሰያትን ዓበይትን፡ ኣብ ቃልሲ ሓደስትን ነባራትን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን …… ወዘተ፡ እንበሃሃለሉ እውን ኣሎ። እዚ ምስቲ ናይ ሃይማኖት፡ ቋንቋን ባህልን ብዙሕነትና ወሲኻ ክረኣይ እንከሎ ኣዚና ሕብራዊ ኢና። እዚ ሕብራውነት ከኣ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ክቃነ ይግበኦ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝገልጽ ዝርዝር ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምዃና፣ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ኣብ ዝሰፈና ኤርትራ ተረባሕቲ ምዃና ከኣ ካብቲ ንኹልና ውጽዓ ዝመረረና ኤርትራውያን ሓደ ዝገብረና እዩ። ነዚ ንብዙሕነትና ዝገልጽ መንነትና ብግቡእ እንተዘየመሓዲርናዮ ናይቲ ኩልና ንርበሓሉ ዕድል ተጠቀምቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ብዙሕነትና ገላጺ መንነታና እንተዘይ ኣመሓዲርናዮ ምፍልላይና እዩ ዝሰፍሕ። ኣብ ምፍልላይ ከኣ ሓቢሩ ወፊሩ ከድምዕ ዝግበኦ ዓቕምን ጉልበትን እዩ ዘምክን። ስለዚ ካብዚ ንምድሓን ዓቕምና ኣሕይልና፡ ንዘፈላልን ዘሰማምዕን ኣሳኒና፡  ኢደይ ኢድካ  ክንበሃሃል ይግበኣና።

ኢደይ ኢድካ ዘይምብህሃል፡ ዓቕምና ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምድኻምና ዝረብሕን ከፋፊሉ ክገዝኣና ንዝሕልንን ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ እኩይ ኣካል ኣፍደገ ዝኸፍት’ውን እዩ። ንሕና እቶም ልኡላውነት ሃገርና ዓቂብና ካብ ወጽዓ ክንወጽእ እንቃለስ ዘለና ኢደይ ኢድካ ክንብል ኣብ ዘይበቓዕናሉ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ መንጐና ኣትዩ ንናእሽቱ ፍልልያትና ከተዓባቢ ከም ዝሰርሕ፡ ንኤርትራዊ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ዘይኮነ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ዝግንዘቦ እዩ። ካብዚ ሓደገኛ ፈላላይ ተግባራት ህግዲፍ ሓራ ክንወጽእ ከኣ፡ ብዛዕባ እንታይነቱ ብሱል ናይ ሓባር ተረድኦ ክንሕዝ ይግበና። ኣብዚ እዋንዚ ኣፍና መሊእና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳያስን ጉሒላ ጉጅለኡን ናቱ ከምዘይኮኑ፡ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ በጺሑ እዩ እኳ እንተበልና፡ ሳሕቲ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል፡ ኣብዚ ተረድኦዚ ዘይበጽሑ ዝተደናገሩ ኤርትራውያ ወገናትና የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ረጊጾም “እዚ ሳብኣይ ጸይቅስ ጸይቂ እዩ፡ እንታይሞ ክንገብር ናትና’ዶ ኮይኑ” ዝብሉ፡ ነዚ ሓላፊ ዲክታተር ኢሳያስ ካብታ ነባሪት ልኡላዊት ኤርትራ ፈሊኻ ምርዳእ ዝተጸገሙ፡ ሓሓሊፍካ ምስማዕ ሎሚ እውን ኣሎ። እዚ ግና ንግዜኡ እምበር ዲጊም ኢሳያስ ኩለንተናኡ ህዝቢ ዘይስዕቦ ኣግላሲ መንገዲ መሪጹ ስለ ዘሎ ብኹሉ ፎእ ከም ዝበሃልን እቶም ቁንጣሮ ዘይቀበጽዎ’ውን ናብ ኣረዳድኣ ናይቶም ብዙሓት ከም ዝጽንበሩ ውሁብ ኡዩ።

እንተተዓዊቱ ኩልኻ እትጥቀመሉ፡ ግና ድማ በይንኻ ክትዓሞ ዘይከኣልካ ብደሆ ከጋጥመካ እንከሎ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ መዋጸኦ፡ በበይኑ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣራኺብካ ንኩልኻ ኣብ ዘርብሕ ውጽኢት ምብጻሕ እዩ። እዚ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ዘመናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእቶታዊ ባህልና እውን ሓሓደ ብዕራይ ዘለዎም ሓረስቶት ኣብዑሮም ኣላፊኖም በብታራ ሓሪሶም ክሓፍሱ ልሙድ እዩ። እዚ ኣብ ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብነታዊ  እዩ። ካለኦት ባህላዊ ናይ ኢደይ ኢድካ  ወፈራዊ ስረሓት እውን ኣለዉና።  

ኣብቲ መስርሕ ኢደይ ኢድካ፡ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ተዋሳእቲ፡ ነናቶም ኣበርክቶ ኣለዎም። ኣብቲ ምውሳእ ክውገዱ ካብ ዝግበኦም ከኣ ሓደ ከበርክት እንከሎ እቲ ካልእ ተዓዛባይ ናይ ምዃን ዝንባለ እዩ። ኣብቲ ኣበርክቶ  ኩሉ ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ ማዕረ ዓቕሚ ይህልዎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ጸብለልታ ክህልዎ ይኽእል። ንኣብነት ኣብዚ ዘለና ኣተሃላልዋ እቶም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ተቓለስቲ ካብቲ ኣብ ውሽጢ፡ ዳርጋ ማሕዩር ክበሃል ኣብ ዝኽእል ኩነታት ዝነብር ዘሎ ህዝብና ዝሓሸ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብን ብጋህዲ ናይ ምውዳብን ዕድል ኣለና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ ውዑይ ዓቕሚ ዝውንን መንእሰይ፡ ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም፡ ዝዓዘዘ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይና ዝያዳ ኩሉ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ናይ ትምህርትን ሓዳር ምምስራትን ዕድላቱ መኺኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝሓልፎ ዘሎ ምክልባት ንኹልና ብሩህ እዩ።

ስለዚ መንእሰይና ዝያዳ ዝውጻዕ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብዚ ወጽዓዚ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ዝያዳ ቀላሲ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ በዓል ሓድሽ ራእን ኣተሓሳስባን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ርጡብን ትካላዊ መስርዕን ረጊጹ ፈንጢሱ ንቕድሚት ክሓልፍ እምበር፡ ምስቲ ካልእ ክጸባጸብ ወይ ክተሃላለኽ ግዜኡ ከባኽን ኣይግበኦን። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት እቲ መንእሰይ ነቲ ነባር፡ እቲ ነባር ከኣ ነቲ መንእሰይ ዝኸሰሉ፡ ልኡም ምስሕሓብ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ግና ክልቲኡ ወገናት ተማላላእን ኣውራስን ወራስን ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ፡ ኣብ ህዱእ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኤርትራዊ መንእሰይ ዘተኣማምን ሰላምን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ወለዶታት እቲ ሓደ ኣብ ዘንበሮ እምነመሰረት እቲ ዝስዕብ እንዳወሰኸሉ ዝበርኸሉ መስርሕ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ፡ ነቲ ናይ ኣያታትቱ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ይህቦ ምህላዉ ብኣውንታ ክምዝገብን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።  እዚ ህድኣትዚ ከኣ ንዝሓየለ እሂንምሂንን ኢደይ ኢድካን መንጠሪ ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Saturday, 08 February 2020 11:35