Print this page

“ይኣክል" ካብ መዓስ ክሳብ መዓስ?

2020-02-02 10:12:57 Written by  ዳዊት በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1813 times
Rate this item
(0 votes)

"ይኣክል" ጭርሖ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ቃልሲ መዓስ ተጀሚሩ መዓስ'ከ ክውዳእ ኢዩ ኢልካ ምሕታት የዋህነት ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ቃልሲ በቢእዋኑ ኣብ መስርሑ ብርክታት እናገበረ ስለዝጎዓዝ በቢብርኩ ክትዛረበሉ ስለ ዝከኣል ኣብቲ ደሚቑ፡ ከም ማዕበል ኮይኑ ዝተራእየሉ እዋን፡ ብዝረኸቦ ቆላሕታ ከም ሽዑ ዝጀመረ ከምስሎ ስለ ዝኽእልን እቲ ሕቶ ምኽንያታዊ ኢዩ ዝኸውን።

ዝደፍኦ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ከም ማዕበል፡ ብዝለዓለን ብዝሰፍሐን መልክዑ ናይ ይኣክል ድምጺ ዝተጨደረሉ መድረኽ፡ ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ ብርኪ ናይ መስርሕ ቃልስና ክውሰድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ንደረጃ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዘሰጋገረ ናይ ቃልሲ ተርእዮ ብዝተፈላለየ ዓይኒ ክጥመት ኣኽኢሉ ኢዩ።

ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዓቢ ራዕድን ፍርሕን ፈጢርሉ። ንክቕህሞ ድማ ኩሉ ዓቕሚታቱ ኣዋፊርሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ንኣብ ስቓይ ዝነብር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ለውጢ ዘሕደረሉ፡ ከይዳኸምን ትዓዊቱ ክወጽእን ብሃንቀውታ ዝጸበዮ ዘሎ ኢዩ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ዝነበረ ነባር ሓይልታት ድማ ተወሳኺን ወራስን ሓይሊ ብምርካቡ ከም ዓወት ዝቖጸረሉ ኢዩ።

ማዕበል ይኣክል ብዙሓት ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታትን ብድሆታትን ሓቑፉ ምምጽኡ ግን ኣይተረፎን።

ገለ ሸነኻት፡ ንማዕበል ይኣክል ንናቶም ጥሙሓት ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርግጋጽ ክዝውርዎ ዝሓስቡ ኣይተሳእኑን፥

ገለ ሸነኻት ድማ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሕሳባቶም ወጻኢ ኮይኑ ስለዝተራእዮም እቲ ማዕበል ንሳቶም ብዝቆጻጸርዎ እንተዘይኮይኑ፡ ከይስስን ዝደልዩውዎን ኣማዕድዮም  ዝጥምትዎን ተራእዮም።

ካልኦት ውን፡ ንማዕበል ይኣክል ከም ንብረቶም ብምቑጻር ንነባራት ተቓለስቲ ክሕውሱ ዘይምድላይ መንፈስ ኣርእዮም።

ብኣንጻሮም ድማ፡ ኣብ ማዕበል ይኣክል ዝተዋሰኑ ኮይኑ ዝስምዖም ብስግኣት ዝጥምትዎ ሸነኻት ወዘተ... ዝዓይነቶም ኣካላት ተኸሲቶም ኢዮም።

ማዕበል ይኣክል ብፍሉይ ኣጋጣሚ ተበራቲዑ ከም ዝመጸ ተርእዮን ደምበ ፍትሒ ድማ ኣብ ሓድሕዱ ስጥመትን ምርድዳእን ኣብ ዘይውንነሉ ኩነታት ብምንባሩ፡ እዚኦም ክኽሰቱ ዘይንቡር ኣይነበረን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ዝኸውን ግን፡ ናይዞም ስምዒታት'ዚኦም ጠንቂ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕቶታታት ኣለሊኻ ምምላስ ኢዩ። ነዚ ሕቶታት'ዚ ንምምላስ ድማ፡ ኩለን ኣብ ሃሃገሩ ዘለዋ ባይቶታት ይኣክል ብዕቱብ ክሰርሓሉ ይህልወን። ነዚ ሕቶታት'ዚ መሊሰንን ኣብሪሀንን ኣብ ስራሕ ዝኣተዋ ባይቶታት ህሉዋት ከም ዘለዋ’ውን ምዝካር ዘድሊዮ ኢዩ።

ካብቶም ድርኺት ናይዚ ዝተፈላለየ ኣጠማምታ ክህልዉ ዘኽእሉ፡ ምብራህ ካብ ዘድሊዮም ገለ-ገለ ሕቶታት ነዚኦም ምጥቃስ ይከኣል።

1/ ናይ ዋንነት ሕቶ፡ ይኣክል ናይ መን ኢዩ?

2/ ዕላማ ይኣክል እንታይ ኢዩ?

3/ ውደባ ዝምልከት ሕቶ፡ ይኣክል ፖለቲካዊ ውድብ ዲዩ ምንቅስቓስ?

4/ ናይ ቅርጻ ዝምልከት ሕቶ፡ ናይ ይኣክል ቅርጻ ከመይ ይኹን?

5/ ይኣክል፡ ግደኡ ኣብ ለውጢ?

6/ ይኣክል ክሳብ መዓስ'ዩ?

እዞም ሕቶታት'ዚኦም መሰረታዊ ሕቶታት ስለዝኾኑ፡ ዕቱብ ምይይጥን ዘተን ተኻይድሎም ክውገኑ ዝግብኦም ኢዮም። ኣነ ብዝርድኣኒ ሓሳበይ ከቕርብ እንተኾይነ ግን፡ ይኣክል ናይ መን ኢዩ? ንዝብል ሕቶ፡ ማዕበል ይኣክል ናይ ህዝቢ ድምጺ ኢዩ። በቢቦትኡን በቢግዚኡን እናተዋህለለ ክመጽእ ዝጸንሐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝፈጠሮ ማዕበል ኢዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ዝተፋላለየ መድረኻት መስርሕ ቓልስና ክግበር ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ ድምጽን ምንቅስቓስን ዝሕግዞ ኣጋጣሚ ረኺቡ ዝተፍጥረ ህዝባዊ ባርዕ ኢዩ። እኩብ ድምር ናይቶም ብጊሓቱ ንመንነት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፈሊጦም ዝተቓለሱን ስዒቦም ንመንነቱ ኣለሊዮም ይኣክል ዝበሉን ኢዩ። እዚ እናተደራረበ ዝኸይድ ኣገባብ'ዚ ሒዙ ይጎዓዝ ብምህላው ኢዩ ድማ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ መላእ ህዝቢ ዝዋደቐሉ ዝገብሮ።

ብንጽር ዝበለ፡ ማዕበል ይኣክል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተጸናበሩ፡ ካብ ሰለስተ ኣመጻጽኣ ኣቕጣጫ ዘለዎም ወሓይዝ-- ውዱባትን ዘይውዱባትን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተዋህሊሉ ዝቖመ ህዝባዊ ማዕበል ከም ዝኾነ ክምስከር ይክኣል ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ካብ ምትካሉ ኣትሒዞም፡ ንህዝብን ዓለምን እናኣሰምዑ ዝመጹ፡ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዮም።

ኣብ ሰውራ ዝተኣትወ መብጽዓ ክጥለም ምስ ረኣዩ፡ ነዚ ኣይነበረን ዝተቓለስናዮን መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን ብምባል ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃለሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ካልእ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዮም።

ንሕሰምን ስቓይን ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምኽታቱ ከይኣኽሎ፡ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታዉን፡ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ መንነት ውሕስነቱ እናተባሕጎገ ይኸይድ ምህላዉ ብምርኣዩን ነዚ ብቁጥዐን ነድርን ንክቃወም ዝተበገሰ ሰፊሕ ሓይሊ ሳልሳይ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዩ።

ማዕበል ይኣክል በዞም ነንሕድሕዶም ዝመላልኡ ሰለስተ ነናቶም ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዘለዎም ሸነኻት ዝቖመን ሓደ ዕላማ ዘለዎ ተርእዮ ኢዩ።

2/ ዕላማ ይኣክል እንታይ ኢዩ?

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ማዕበል ይኣክል፡ ዝተፈላለየ ኣመጻጽኣ ብዘለዎም ሸነኻት ዝቖመ ኢዩ። ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ደገፍቲ ናይ ህግደፍ ኮይኖም ዝጸንሑ ውን ዝተጸንበርዎ ኢዩ። ኩሉ ኣብ ማዕበል ይኣክል ዝተሓቑፈ ኩነታት ሃገርና ክልወጥ ይደሊ ኣሎ። ኩሉ ዝሰማማዓሉ ዝተሓተ ኣናብባኡ ኣብ ለውጢ ድማ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ተቐይሩ ኣብ ክንድኡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኢዩ። ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነት ምውሓስን ፍትሕን ደሞክራስን ንምንጋስን ኢዩ።

3/ ውደባ ዝምልከት ሕቶ

ማዕበል ይኣክል ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ሸነኻት ዝሓቖፈ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ብዙሕ መዳያት ክዓምም ዝኽእል ውን እንተኾነ፡ ብመሰረት ኣመጻጽእኡ ክረአ ከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ከም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምቕያር ይዋሳእ። መተካእታ ንክኸውን ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክሕዝ ግን፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ መግለጺ ከውህቦ ዝኽእል መለለይታት የብሉን። መለለይታት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ብዉሑዱ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ /ፕሮግራም/፡ ውድባዊ-ቅርጻን ኣባልነትን ክህልዉ ኣለዎም።

4/ ቅርጻ ዝምልከት ሕቶ፡

ቅርጻ ናይ ሓደ ምንቅስቓስ በቲ ንሱ ክገብሮ ዝነቐለሉ ዕላማ ኢዩ ዝውሰን። ዕማማትካ ምስ እተስፍሖ  ብኡ መጠን ንቅርጻኻ እናኣማዕበልካዮ ክኽየድ ይከኣል ኢዩ።

ብመሰረቱ፡ ማዕበል ይኣክል ቦታዊ /local/ ስራሕ ማእከሉ ዝገበረ፡ ህዝቢ ኣላዓዒሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ቃልሲ ምዕዋት ኢዩ። እዚ ምንቅስቃስ'ዚ ብዓወት ክዛዘም ቀዳምነታት ብምስራዕ በቢደረጃኡ ዝዕየ መደባት ክሕንጽጽ ይህልዎ።

ንምንቅስቓሱ ዘስርሖ ቅርጺ ክገብረሉ ካብ ቀደምቲ ዕማማቱ ሓደ ኢዩ። እዚ ኣብ ሃሃገሩ ዝኸይድ ዘሎ ምምስራት ባይቶታት ይኣክል ነዚ ቀዳማይ ዕማም'ዚ ኣብ ምፍጻም ይኸይድ ኣሎ። ቅኑዕ መንገዲ ዝሓዘ ኣሰራርሓ ድማ ክበሃል ይከኣል። ድሕሪ ምምስራት ባይቶታት'ከ ናበይ? ዝብል ሕቶ ስዒቡ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። እቲ ቅርጻ ንትኹል /ንላዕሊ/'ዶ ወይስ ንጋድም ይኺድ?

እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ህዝቢ ንግዝኣት ምልኪ እምቢ! ይኣክል ንክብል ዘለዓዕል ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ንጋድም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክሰፍሕ ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ፡ ኣብ ታሕቲ ገና ዓበይቲ ስራሓት ክስርሑ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን ቅርጻታት ንትኹል ምህናጽ መስርዑ ዝሓለወ ኣይኮነን። ኣብ በቦትኡ ሓያላት ባይቶታት ምህናጽን ንህዝቢ ኣብ ክልታቶም ከምዝዓስሉ ምግባር፡ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ናይ ባይቶታት  ናይዚ እዋን' ዚ ቀንዲ ስራሓት ኢዮም።

5/ ማዕበል ይኣክል ገደኡ ኣብ ለውጢ

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ዲያስፖራ ስለዝተበገሰ፡ በቲ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ዘለዎ ተራ ኣብ ለውጢ ዝምዘን ኣይኮነን። ስፍሓቱ ኣብ ግዳም እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ናብ ውሽጢ ልሒሙ ንከይኣቱ ዝዓግቶ ሓይሊ ኣይህሉን ኢዩ።

ባይቶታት ይኣክል ኣብ ዘዘለዉዎ ንመሓውራት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ክሰርሕሉ ዘይክእሉሉ ደረጃ ንምብጻሕ ክቃለሱ ኣለዎም። ኩሉ ኣብ በቦትኡ ነዚ እንተጌሩ፡ ተደማሚሩ ሞት ናይ ምልካዊ ስርዓት ከምጽእ ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ ባይቶታት ይኣክል ኣብ ሃሃገረን ይኹን ድኣምበር፡ ኣብ መንጎ ሃገራተን ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ክገብራ ግድን ኢዩ። ነዚ ዘተሓባብራሉ ኣገባብ /መካኒዝም/ ድማ ምፍጣር የድሊየን።

6/ ምንቅስቓስ ይኣክል ክሳብ መዓስ ኢዩ?

ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል ብዙሓት ሸነኻት ተሓቑፎም ኣለዉ። ዝተወደቡ፡ ዘይተወደቡ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ሙያውያን ማሕበራት.... ወዘተ ኣትዮም ክዋስእሉ ዝኽእሉ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኢዩ። ዘሰማምዖም ዕላማ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣልጊስካ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ምትካል ኢዩ። እዚ ዕላማዚ ክሳብ ዝረጋገጽ ምንቅስቓስ ይኣክል ብዘለዎ መልክዕ ክቕጽል ኢዩ። እዚ ዕላማ'ዚ ምስ ተረጋገጸ ግን ሒዝዎ ብዝጸንሐ መልክዕ ክቕጽል ኣይክእልን። እቲ ዝመጽእ መድረኽ፡ ምስ ሓደስቲ ብድሆታት ስለ ዝመጽእ ካልእ መልክዕ ስርርዓት ዝጠልብ ክኸውን ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ንብዙሓት ተቓለስቲ ከላሊ ስለ ዝኽእል’ውን፡ ኣብ መጻኢ  ዝዋሰኣ  ፖለቲካዊ ሰልፍታት  ኣብ ምቕራጽ ዓቢ ግደ ክህልዎ ክኽእል ኢዩ።

1 ለካቲት 2020

Last modified on Sunday, 02 February 2020 11:16