Print this page

ኤርትራ ናይ ጽባሕ

2019-11-17 10:24:43 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1491 times
Rate this item
(0 votes)

 ህዝቢ ኤርትራ ነታ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ መኪቱ፥ ስዒሩ ፥ ዝረኸባ ናጽነት ናይ ሃገር ብዙሕ ከየስተማቐራ ናብ ውግእን ወረ-ውግእን እዩ ኣትዩ።ዝፈትዎም ደቑ ድማ ከፊሉላ።

 እቲ ኣብ ግዜ ነጻነት ዝነበረ ተመሊስና እንተጥሚትናዮ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ናይ ታሕጓስ ደረጃ እዩ በጺሑ ነይሩ። እቲ ሰውራ ኤርትራ መሪሑ ዝመጸ ህ.ግ  እውን ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባአኡ  ዘቐመጦ ናይ ኣብዝሐ ሰልፍታትን፡ ቕዋማዊት ኤርትራ ዝብል መትከል ጥሒሱ እናኸደ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ኣካላትን፥ ምሁራትን ከይሓፈሩ ክጽበዩዎን ክከላኸሉሉን እዮም ዝረኣዩ ዝነበሩ።ነቶም ግሁድ ብርሰትን ንህዝቢ ኣብ ኩናት ምእታውን ምስ ተዓዘቡ ምብርባራት ኣርእዮም ሓላፍነት ተሰኪሞም ዓገብ ዝበሉዎ፥ ሕሳብና ንግበር ዝበሉዎ ጉጅለ 15 ኣበይ ከምዘእተዎም ርኢና።እቲ ህዝቢ እውን ተገሪሁ ነቲ ጸዋዒትን ነቲ ጥፍኣት ክርእዮ ኣይከኣለን ናብ'ቲ እቲ ስርዓት ዝደርበየሎም ከዳዓት፥ ወያነ፥ ኣመሪካ፥ ሲ ኣይ ኤይ  ዝብል ኣድሂቡ ኣብ ቕድሚኦም ደቖም ክእሰሩን፥ ክግፈፉ ኣውያት ዘየስምዕ ህዝቢ እዩ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደስ ወረ እንበርዶ እዚ እቲ ንፈልጦ ህዝቢ ድዩ ዘብል ይኸውን ምስ ስኽፍታ።

   እቲ ነጻነት ከም ሕጽኖት ንኹሉ ደፊኑዎ ሃገር ኣብ ዓቢ ሓደጋ ወዲቓን። ህዝባ ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፍቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ክትርኢ እንከላኻ፥ ኣብ ኩሉ እኳ እንተዘይኮነ  ሽማግለታት ዝኾኑ ኣብ መብዛሕትኤን ከተማታት ዓለም እንቕመጠለን ዘለና ክትርኢ ከለኻ ብዛዕባ ኤርትራ ትሻቐል።

  ብዙሕ ተሓቲቱ መልሲ ዝሰኣነ ድማ ብኸምኡ፥  ቕዋም ይሃሉ፡ ሰናይ ምምሕዳር ይሃልወና እሱራት ይፈትሑ ወዘተ ቕቡል እዩ።እንተኾነ ን 28 ዓመትን ዝቕጽል ዘሎ ሕቶ ምሕታት፡ብፍላይ እቲ ስርዓት ክገብረልካ ምጽባይ  እቲ ስርዓት ከም ስርዓት ዘይምፍላጥ ጥራሕ ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ።

  ደሓን ይእቶ ኢሰያስ ድኽመትኩም ርእዩ ቅዋም ሞይታ ኢያ ኢሉኩም፥ ገለ እውን ምናልባት እንተ ተማዒዱስ ክእረም ዝብሉ ኣይሰእኑን፡ ክልተ ሸውዓተ እንተ ተሓጽበ ድማ ጽቡቕ ምኾነ እትብሉ ኣይትሰኣኑን።

  ኤርትራ ከም ሃገር ዲኹም ትፈትውዋ? ንህዝቢ ኤርትራ ድኺም ተኽብርዎ?  እዘን ክልተ ዘይቕየራ ነገራት እየን ኩላትና ድማ ንሰማማዕ ኢና ኣብዘን ነጥብታት።እታ ቕድሚ እዘን ክልተ ነገራት ነቲ ስርዓት እትኣምኑን እትፈትውዎን፡ እትድግፍዎን ግን እዚ እንተኾይኑ ምሕረት የውርደልኩም።

 እዛ ዝሓለፈት ዓመት 2018 እንኳዕ ርኤና፡ ደሓን ይእቶ ኣብይ ኣሐመድ ነታ ንልዕሊ 17 ዓመታ ወያነ ከይመጸካ፥ ዘራይ ኣመሪካ ረኺባ እንበር.....ዓለም ዘርያትና ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንላዘብን  ኢሉ ነዚ ገርሂ ህዝቢ ሒዝዎ ዝጸንሐ  ነታ ዝፈትዋ ዝነበረ EriTv ጸሊኡዋ ግዲ ኾይኑ ዓዲ ሃሎ ኮፍ ኢሉ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡ ይርከብ።

 እሞ እዚ መድረኽ ነቲ ሓይሊ ሚዛን ፖለቲካ ኤርትራ ክፍት ኣቢሉ  ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ደቒሱዎ ዝነበረን ገለ ምሁራት ኣገለገልቲ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ሎሚ ኤርትራ ወዲቓቶ ዘላ ብምስትውዓል ይኣክል፥ ተኣለ ዲክታቶር  ክብል እንከሎ  መብዛሕትኡ ወዲ ሃገር ለውጢ ይደሊ ከምዘሎ'ዩ ዝሕብረና።

   እቲ ለውጢ  ወይ  ኤርትራ ናይ ጽባሕ ህልውና ኢሰያስን ህግደፍን ዝእለየሉን ኣብ ቦታኡ ጸጥታን ርግኣትን ዘውሕስ ፖሊሲታት ሓንጺጽና እቶም ኩላትና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ዝኾና ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘለና ብእንሰማምዓሉ ኣገባብ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪትና ነቶም ኣብ ምቕያር ስርዓት ብቐጥታ ዓቢ ግደ ዝጻወቱ ወይ ዘበርክቱ ምስ'ቲ ሰፊሕ ድሌት ናይ ኩሉ ህዝቢ ንዲሞክራስያውነትን ቅዋምውነትን ኤርትራ ብዘይጋጮ  ክንቕበሎን ከነተባዖምን፡ ሓልፍነትና ምዃኑ ኣብ ግምት ከነእትዎ ይግባእ።

  ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ዝኸይድ ቓልሲ እቶም መለኽቲ  ዝልወጡን ሓሳቦም ክቕይሩን ምጽባይ ወይ የዋህነት ኢዩ ወይ ድማ ዕሽነት እዩ ኢልካ እዩ ዝሕለፍ። እቲ ዕዮ ዓብን ቐጻሊ እውን እዩ። ንምንታይ ሕቶ ዲሞክራሲ ብሓደ ዓመት ዝዕመም ስራሕ ኣይኮነን። ነቲ ክንበጽሖ እንደሊ በታ ዘለናያ እዋን  መንጸፍ ዝኸውን ከነቐምጥ እሞ ስዓቢ ወለዶ ድማ ዓቒቡን ኣመሓይሹን ንቐጻሊ ዝደፍኣሉ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ግን መጀመርታ ናትና ስራሕ ነቲ ዕንቕፋት ዝኾነ ስርዓተ ምልኪ ከነልግሶ ቐንዲ ስራሕና ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።

ኤርትራውያን ሃገርና ኣብ ዓቢ ጸገም እያ ዘላ። ሎሚ ዝመጸ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ማዕረ ክንደይ ኣብ ልኡላውት ኤርትራ ከም ዘለዎ ንሰምዖን ንርእዮን ኣለና። ኢሰያስ እውን ብወገኑ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ሻቕሎት ደርብይዎ ከምዘሎ ንፍለጥ።

  ሎሚ ካባና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ'ቲ ቐንዲ ዕላማና ጉዕዞ ከይሰሓትና በብዘመስለና ዘይኮነስ፥ብንቕሓት ኣብ መብዛሕትና እንሰማምዓሎምን፥ ከምቲ “ከይተወደብካ ኣይትዕወትን” ዝበሃል፡ ሓቒ ስለ ዝኾነ ንወደብ። እንተዘይከኣልና ብመርገጽ  ንእገለ ውድብ / ሰልፊ እድግፍ ምባል እውን ንልመድ። ንሱ እውን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

ኣብ'ቲ ናይ ይኣክል ጻውዒት እውን ኩላትና፡ እቶም ዘይተወደቡ ይኹኑ ዝተወደቡ፡ ኣብ በርገሳዊ ምሕበራት፡ ምንቕስቓሳትን ዘለናዮ ስለዝኾነ፡  እቲ ብሓባር ምርኻብ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቲ ብኣካል ዝፋለጥ ኣብ ፖለቲካን ሚዛንን ብዙሕ ተረሓሒቑ ዝጸንሐን ዘይተኣማመንን ስለ ዝጸንሐ ከም'ቲ ዝተቓለስናዮ ኣይኮነን ዝዕቐን። በቲ ክንገብሮ ዝድለ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ምጥቕላል እቲ ዝዓበየ መሰረታዊ ዝኾነ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምልክን ፍትሕን ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ፍልልያት ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ስለዝኾኑ፡ እቶም ዘፈላልዩና ኢልና ካብ ምጅማር እቶም ዘራኽቡና ኢልና እንተ ንጅምር ብዙሕ ምኸሰብና። እቶም ዘቐራርቡና ኩሎም ክኾኑ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ መብዛሕትኦም እንተ ተሰማሚዕና እቶም ዝተረፉ ኣብ ጉዕዞ ክረኣዩ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ፡ እታ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ድማ ቐልጢፍና ምረኣናያ።

 

Last modified on Sunday, 17 November 2019 11:27