Print this page

ስለምንታይ እዩ ምፍንጫል ቀጻሊ ዘሎ?

2019-10-07 08:42:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1810 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ካብ ዘእትዋ ጀሚሩ ኣሉታውን እወታውን ጐንታት ነይርዎ። እቲ እወታዊ ጎንታቱ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፥ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝነበረ ክሳብ ዓስርተ ክልተ ክፍሊ ኣፍቂዱ። ከምኡ እውን ፖለቲካውያን ማሕበራት ንኽምስረታ ኣፍቂዱ። እቲ ኣሉታዊ ጎኑ ድማ፥ ኩሉ ዝነበረ ናይ ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ቁጠባዊ ትካላት ቀንጢጡ ሸይጡ። ኣብ ህዝቢ’ውን ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዕግርግርን ዘይምስምማዕን ክፈጥር ብዙሕ ጽዒሩ ግን ኣይኮነሉን።

እተን ኣብ ግዜ እንግሊዝ ዝተፈጥራ ፖለቲካውያን ማሕበራት፥ ዋላ እኳ ንናይ ዲሞክራሲያዊ ኣንፈት መሰረት ኤርትራ ካብቲ ብጣልያንን እንግሊዝን ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣተወ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ክጭብጭብ ጀመረ። ይኹን እምበር እዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና በቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪን ምስኡ ተጐዝጒዙን ንሱ ዝምውሎን “ሰልፊ ኣንድነት”ምፍጣሩ፥ ተሰማዕነት ስለዝነበሮ ነቲ ሰልፍታት ቅሳነት ከልኦ። ከምኡ ኣውን ደገፍ ናይ ሓያላን ሃገራት ስለዝረኸበ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ኣእትዩ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቅላይ ግዛኣት ኢትዮጵያ ክገበራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከፋፊልዎ እዩ። ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ እናዓዀዀ ዝስጉም ዝንበረ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ንድሕሪት መለሶ።

ኣብቲ እዋን እቲ እምበኣር ራቢጣን ኣድነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ሕማቑ ድማ እቲ ራቢጣ ነስላም እቲ ኣንድነት ድማ ንክርስትያን ዝውክል ኮይኑ ኣብ ህዝቢ ሰረጸ እሞ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ዝመስል ኮነ። እዚ ብወገኑ ነቲ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ሰንከልከል ክብል’ኳ እንተኸኣለን፥ ናብቲ ድሕር ኢሉ ዝተፈጥረ ማሕበር ሸውዓተ ከንጸባርቕ እንተፈተነን፥ ማሕበር ሸውዓተ ግን ነቲ ፍልልያት ከጻብቦ በቒዑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እስላምን ክርስትያንን ብሓደ ኮይኖም ኣብ ማሕበር ሸውዓተ ኣባል ዘይነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ግደ ህዝቢ በቲ ዝነበሮ ስምዒት ነተን ክልተ ሰልፍታት ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን ዘምጽኦ መዘዝ መዚኑ ኣይፋልኩምን ክብል ስለዘይከኣለ ግና እቲ ምፍንንጫል ዕላማ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክዕወት ኣይከኣለን።

ቀጺሉ እቲ ብ1961 ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ  ዕላማ ብርግጽ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ከምዝነበረ ማንም ዝኽሕዶ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ብዘይተጸንዐ ዝብል ግን ማናልባት እቲ ማሕበር ሸውዓተ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣገባብ ብስምምዕ ተደምዲሙ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ናይ ክርስትያንን እስላምን ዝመስል ውደባ ኣይምተራእየን ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምምስራታ ዝበዝሐ ስሩዕ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ብምኽንያት ብረታዊ ቃልሲ ምእዋጅ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዛዘወ። ከምኡ እውን ደሕሪ ገለ ዓመታት ማሕበር ሸውዓተ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ንሜዳ ወጸ። ነዚ ሓይሊ እዚ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1965 ደምሰሰቶ። እዚ እቲ ካልኣይ ምፍንጫል ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እውን እቲ ህዝቢ ግደ ስለዘይነበሮ “ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ ክነቅፍ ኣይከኣለን። እንታይ ደኣ ምስቲ ሓይሊ ዝሓዘ ደው በለ። ገለ ድማ ኣንጻር ተሓኤ ኮነ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወዮ እቲ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ብሰንኪ ምሕደራ ዝተረኽበ ፍልልያት ሰለስተ ክፋላት  ተፈንጨሉ። ንሳቶም ድማ ብሳበ ዝምራሕ፥ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ፥ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኮይኖም ደሓር ብህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተመስረተ ውድብ ዝኾኑ እዮም።

ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ቀዳማይ ውግእ ሓድሕድ ተጀመረ። ኣብዚ እውን ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ተራ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ኩሉ ነናቱ ስሩዓትን ተደናገጽትን ሰዓብትን ስለዘለውዎ። ድሒሩ ግና ኣብ 1974 ህዝቢ ንኽልቲኤን ውድባት ከቀራርብ ፈቲኑ እንተኾነ ኣይሰለጠን። ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብህዝባዊ ግምባርን፥ ህዝባዊ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ኣብ ክልተ ተፈንጨሉ። ብድሕሪዚ ሜዳ ኤርትራ ብክልተ ወድባት ተሓኤን ህግሓኤን ተባሕተ። ይኹን እምበር እቲ መን ዓብለለ ቁርቊስ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሰላማዊን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ክንዲ ዝሕዝ ናብ ጎነጽ ገጹ ኣድሃበ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ንስልጣን መንጨበጠ ኣብ ዝብል ስለዝተመርኰሰ ግድን ኢዩ ሓደ ውድብ ክጠፍእ። በዚ መልክዕ ድማ እቲ ካልኣይ ውግእ ሓደ ሕድ ተባረዐ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ በቲ ሓደ ወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝባዊ ግምባርን ህዝባዊ ወያኔን ተሰለፉ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ መንጎ ኣትዩ ከገላግል ኣይፈተነን። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ተመኩሮ ስለ ዘየድመዐ።

ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ኣብ መጻኢ’ውን እዚ ምፍንጫል እዚ ደው ዝብል ኣይመስልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ስለዘይተሰከመ ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ህዝቢ ዘዝኣምነሉ ሸነኽ ስለ ዝህልዎ፥ ነታ ናቱ ኢሉ ዝኣምነላ ሸነኽ ክትዕወት ካብ ዝብል ዝሓድሮ ባህጊ  ሓደ ምኽንያት ምፍንጫል ዝስስነሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተወደበ ሓይሊ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብን ድሌትን ኣለዎ። እዚ እምበኣር ኣብ ሓደ ሰልፍን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ናይ ሓሳብ ቁርቊስን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክረአን ባህሪያውን ክውገድ ዘይከኣልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክብን ለጠቕን ዝብለሉን፥ ተጽዋርነትን፥ ብዲሞራሲያዊ መንገዲ ተማእዛዝነትን፥ ንፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ምምእካሉን ክሳብ ዘይተረጋገጸ እምበኣር ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ዝፍንጨል “ኣይፋልካን ንሕና ውን ኣይክንስዕበካን ኢና” ስለ ዘይብል፡ እቲ ምፍንጫል ተቐባልነት ይረክብ ብምህላው እዩ ምፍንጫል ደው ዘይብል። እቲ ዘገርም ከኣ ትፍንጨል እሞ ምልስ ኢልካ ንዛተ ትብል።

 

Last modified on Monday, 07 October 2019 10:47