Print this page

መቓልሕ “ንሕና” ዓው ይበል!

2019-08-18 08:19:17 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1618 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራውያን ሓደን ብዙሓትን ኢና። ኤርትራውነትና ናይ ሓደነትና መርኣያ እዩ። እዚ ዝበረኸ ናይ ሓባር መርኣያናን መለለይናን እዩ። እዚ ብ”ንሕና” ዝግለጽ ኤርትራዊ መንነትና መሰረታዊ ናይ ሓባር ብደሆ ከጋጥመና እንከሎ መኪትና እንስዕረሉ ፍቱን መሳሪሕናን ምንጪ ብርታዐናን እዩ። ናይዚ  ሓደነታዊ መለለይና ፍቱን ተዓዋትነት ኣብ ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ኣጋጣምታት ዝተመስከረ እዩ። ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ከኣ ብዙሓት ብዘደነቕዎ ኣብነታዊ ጽንዓት ተረጋጊጹ እዩ። እዚ ዝና ብጥራዩ ዝተወፈየ ህያብ ዘይኮነ፡ ሳላ ብሓባር ጸኒዕና መኪትና፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ተመጊብና ኣብ ናይ ሓባር ጉድጓድ ዝተቐበርና ዝተረኽበ ናብ ቀጻሊ ትውልዲ ዝመሓላለፍ ውርሻ እዩ። እዚ ብ”ንሕና” ዝግለጽ ኤርትራዊ ውሁድ ዓቕምና ሓንሳብ ኣዕዊቱና ዝበንን ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ወሳኒ ናይ ሓባር ወፍሪ ዝሓትት መድረኽ እንጥቀመሉ ምስጢር ተዓዋትነትና እዩ። እነሆ ሎሚ ሃገርናን ህዝባን ብሰንኪ ጥልመት ኢሳይያስን ኰራኩሩን ኣብ ቀረና መንገዲ ተጠው ኣብ ዝበልናሉ ወሳኒ ኣጋጣሚ’ውን፡ ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና፡  ኤርትራዊ ሓድነትና ኣጽኒዕና፡ ኣብ ክንዲ “ንሕናን ንሳቶም”፡ ዓው ኢልና፡ “ንሕና” ዝብል ድምጽና ከነበርኽን ናይ ሓባር ቅልጽምና ከነተርንዕን ኣብ እንግደደሉ ደረጃ ንርከብ ኣለና።

እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ብግቡእ ከነመሓድሮ እንከለና፡ መልክዕናን ናይ ብቕዓትናን ዓቕምናን መንጭን ዝኸውን፡ “ንሕናን ንሳቶምን” እንተተበሃሃልናሉ’ውን ዘየኽፈኣልና፡ ናይ እምነት፥ ዕድመ፡ ጾታ፡ ኣውራጃ፡ ውደባ፡ ብሄር፡ ሞያ፡ ደረጃ መነባብሮን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ብዙሕነትና ብምዝንጋዕን ቦታ ብዘይምሃብን ኣይኮነን። ኤርትራውያን ሓደን ብዙሓት ኢና ክንበል እንከለና፡ ሓደነትናን ብዙሓነትናን፡ ነናቶም ዘይራኸብ ህልውና ኣለዎም ማለት  ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕዶም ተጸላለውትን ተመላላእትን ምዃኖም ከቶ ክዝለል ዘየብሉ መሰረታዊ ተረድኦ እዩ። ሓዲኦም ብዘይካቲ ካልእ ህውልና የብሎም። ሓደነታ ዝሓለወት ግና ድማ ናይ ህዝባ ብዙሕነት ዘየውሓሰት ኤርትራ ሰላም ኣይትኸውንን። ብዙሑነቱ ዘውሓሰ ህዝባ፡ እውን ብዘይ ብሓድነት ዝዋሰኣላ ውህድቲ ሃገር ኣይቀስንን። ስለዚ ከከም ኩነታቱን ኣድላይነቱን መዓስ “ንሕናን ንስኻትኩምን” ንበሃሃልን ንመላላእን፡ መዓስከ “ንሕና” ኢልና ሃገርን ህዝብን ከነድሕን ሰሚርና ንነቅል ክንግንዘብ ይግበኣና። ሃገር ብዘይህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይሃገር፡  ምሉእነት የብሉን ኢልካ ምጥቕላል’ውን ዘጸገም ኣይኮነን።

ኣድላይነት “ንሕና” ዝብል ድምጽና ብምራኽ፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ንርከበሉ ዘለና ናይ ፈተና ግዜ ብሩህ እዩ። ፋሕ ዝበለ ኩለመዳያዊ ዓቕምናን ናይ ቃልሲ ንዋትናን ኣኪብና ኣድማዒ ዓቕሚ እንፈጥረሉ መሳርሒና እዩ። ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ዓቕምና ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ንዝብህግ ህግዲፍን ላሕኩታቱን ኣፍደገ እንዓጽወሉ ፍቱን መድሃኒት እውን ንሱ እዩ። ከምቲ ብሓባር “ንሕና” ኢልና እንተተንሲእና ምዕዋትና ውሁብ ምዃኑ ዘይንስሕቶ፡ ጸላኢ ህዝብና ብወገኑ እዚ ናይ “ንሕና” ንቕሎ ዕድሚኡ ዘሕጽር ማዕበል ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ዝርድኦ እዩ። እዚ ናይ ክልቴና ወገናት ተረድኦ፡ ሎሚ ኣብዚ ኣንጻር ህግዲፍ ንጠማጠመሉ ዘለና ግዜ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ “ንሕና” ዝዕጥቁ ህዝቢ እንዳተዓወተ፡ ኣንጻርዚ ማዕበልዚ ዝተሰለፉ ገዛእትን ጨቆንትን ወገናት ከኣ እንዳተሳዕሩ ዝመጽሉ ናይ ተመኩሮና ሰንሰለት እዩ።

ንጉጅለ ህግዲፍ ወሲኽካ፡ ጨቆንቲ ንስዕረት ተገዲዶም እምበር፡ ኣሜን ኢሎም ክቕበሉ ባህሪኦም ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ማእከል እቲ ሰሚሩ ንመሰሉ ዝቃልስ ህዝቢ ኣትዮም ናይ “ገረብ ብሓኽላ” እኩይ ጥበብ ተጠቒሞም ናይ ህዝብና “ንሕና” በሃልነት ከፋፊሎምን ኣፍሪሶምን፡ ኣብቲ ናይ ሓባር መኸተ ዝድለየሉ ህሞት፡ ብ”ንሕናን ንስኻትኩምን” ኣጠማሚቶም ክበታትንዎን ብዘይመሰረታዊ ረብሓን መብጸዓን ጠቢሮም፡ ከፋጥጥዎን ብዝዙሕ ፈቲም እዮም። እንተኾነ ህዝብና፡ መዓስን ብኸመይን ኣበይ ንምብጻሕ፡ ብሓባር “ንሕና” ወይን “ንሕናን ንሳቶምን” ይባሃሃል ስለ ዝፈልጥ፡ በቲ ዝደልይዎ ደረጃ ግዳዮም ኣይኮነን። ሎሚ እውን ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘይምሃር ህግደፍ፡ ህዝብና ኣንጻሩ ሆ ኢሉ “ንሕና ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ” ኢሉ ምእንቲ ከይለዓሎ፡ ተንኮላት ካብ ምፍሓስን ከፋፋሊ መርዚ ካብ ምንጻግን ዓዲ ኣይወዓለን። ውጽኢቱ ከመይ ይኸውን ኣሎ ግና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ኣብቲ ንኹልና ኤርትራውያን ብዘይኣፈላላይ ዝምልከት ጉዳይ “ንሕናን ንሳቶም” ተበሃሂልካ ምጥምማት እንዳተረፈ፥ ብኣንጻሩ “ንሕና” ዝብል ንቕሎ እንዳበረኸ ይመጽኣ ኣሎ። እዚ እዩ ከኣ እቲ ህግዲፍ ዝሰዓረሉ ፍቱን መሳርሒ።

ጸላኢና ረብሓኡ ኣብ ምርሓሓቕና ምዃኑ ተረዲእና ኣለና። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሎም፡ “ህግዲፍ ብሓያልነቱ ዘይኮነ ብድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ኣካላት ዝዕንገል ስርዓትዩ” ዝብልዎ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። ነዚ ካብ ተረዳእና እቲ መፍትሒኡ ቀሊልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ። ነቲ ንሱ ንብዙሕነትና ብግጉይ መልክዕ እናመዝመዘ ከናቑተና ዝፍትነሉ ኣፍደገታት ብድምጺ “ንሕና”  ክንልኩቶ ይግበኣና። ህግዲፍ  ከከም ኩነታቱ ካብቲ ብዙሕነትና ንሓንሳብ ሃይማኖት፡ ንሓንሳብ ድማ ኣውራጃን ጀኦግራፍያዊ ኣሰፋፍራናን (ከበሳን መታሕትን) መመሺቱ ፍልልያት እንዳባልሐ እዩ ዝነብር። እቲ ሓደ ተንኮል ምስራሕ ምስ ኣበዮ እቲ ካልእ ይመዝዝ። ንሓንሳብ ነቲ ሓደ ወይለኻ ይብሎ ነቲ ካልእ ከኣ ኣጆኻ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ ነቲ ኣጆኻ ክብሎ ዝጸንሐ ወይለኻ ምባል ኣየጸግሞን። ኣብዚ ኩልና ክንፈልጦ ዝግበና እዚ ጨቋኒ ስርዓት ብዘይካ ናይቶም ንጨቋንን ጸረ ህዝብን ኣተሓሳስባኡን ዝረዓሙ መጣፍእቱ፡ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣካል ፈታዊ ዘይምዃኑ እዩ። ህግዲፍ ክፈቱ እንከሎ ኮነ ክጸልእ፡ መለክዒኡ ጨቋኒ ኣተሓሳስባ እምበር፡ ሃይማኖት ኮነ ብሄር ወይ ኣውራጃ ኣይመርጽን እዩ። ነዚ መድሃኒቱ ከኣ፡ ንመቓልሕ “ንሕና” ዓው ምባል’ዩ።

Last modified on Sunday, 18 August 2019 10:21