Print this page

ዕላማና ሓደ ክንሱ፡ እንታይ እዩ ዘየሰማመዓና?

2019-06-08 07:06:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1677 times
Rate this item
(0 votes)

ደቂ ሰባት ካብ ካባቢኦምን ዘጋጥሞም ምዕብልናን ተበጊሶም እንተስ ንኣውንታ እንተስ ንኣሉታ ትምህርቲ ተመኩሮ ይቐስሙ። ኣሉታ ደኣ መምሃሪ ይኸውን ዲዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ይኸውን። ብልክዕ እቲ መልሱ እወ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ኣሉታ  ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ስራሓትካን ምስ ደቂ ሰባት እትግብሮ ርክባትን ምስቲ ተፈጥራዊ ባህሪኻ ተኣሳሲሩ ዝህቦ ውጽኢት ስለዝኾነ መምሃሪ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ደቂ ሰባት በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ካብቲ ዕለታዊ ዝዋስእዎ ወይ ኣብ ተግባር  ዘጥርይዎ ልምዲ በቲ ንዓኦም ዝምችኦም ወይ ዝሰማምዖም ገይሮም ከምዝቐርጹ ርዱእ እዩ። እዚ በቲ ዝረኸብዎ ተመኩሮን ተግባርን ከኣ ዘይጋገ ፍጡር ስለዘየለ ግጉይን ኣሉታውን ተግባራት ክፍጽሙን ውሁብ እዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ እንተተጋግዩ ካብ ጌጋኡ ክመሃር ወይ ይቕረታ ክሓትት ድልዊ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ካልኦት ሓሳብ ክቕበል ድልው ኣይከውንን። ካልእ ሰብ ከምዚ ግበር ከይበለካ፡ ባዕልኻ ጌጋኻ ኣሚንካ ይቕረ ምባል ምቕሉልነትን ምዕባለን ክኸውን እንከሎ፡ ጌጋኻ ሓቢእካ ምኻድ ድማ ድንቁርናን ናይ ዘይማዕባል ባህርን እዩ።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብልካ ክንስኻ፡ ኣፍካ ዝሃበካ ብዛዕባ ካለኦት ክትፈርድን ኣብ ስነፍልጠት ዘይተመስረተ ክትዛረብን እንከሎኻ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከምኡ እናበለ ከይተኣረመ እንተ ቀጺሉ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ከሰማምዖን ከተኣሳስሮን ዝኽእል ጠቓሚ ሓሳብ ብናተይ ስምዑ ጥራሕ ይዕብለል እሞ እታ ቅንዕትን ሓቅን  ንኸይትወጽእ ናይ ምዕጋት ተራ ይህልዎ።

ሓንሳብ ጌጋ ዝፈጸመ ብዓንተቦ እንተዘይተዓጊቱ፡ ቀጻሊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ጌጋ ከም ዝፈጸምካ እንተተረዲእካ ወይ ብዝተረደኦም እንተተነጊሩካ፡ በቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ወይ ኣሉታታት ምቕጻል ዘይኮነ፡ ነቲ ናብ ጌጋታት ዘብጸሐካ ወይ ዝደፈኣካ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ናይ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ግደ እዩ። እቲ ሽግር ግን ነቲ ጌጋታት ቅድሚ ሽሒ ዓመት ንዝተፈጸመ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተናተወናጀለ ክኸይድ ግን ቁምነገር የብሉን። ንኣብነት ኣብ ኣርበዓታት ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን ተባሂሉ ዝተፈጥረ ማሕበራት ነይሩ። ነዚ ማሕበራት ዝመስረቱ ኣቦታትና ካብ ምንታይ ነቒሎም ነዚ ኣበጊሶሞ? ከምኡ ንምግባር ዝደፋፍኦምከ ብቑዕ ምኽንያት ዲዩ? ወዘተ ዝብሉ፡ ንሳቶም ዝምልስዎን ሓላፍነት ዝወስዱሉን እዩ። ንሕና ከኣ ንዝጸፈጸምዎ ጉድለታት ንመሃረሉ እምበር  ደቆምን ደቂደቆምን ክኽሰስሉ ርትዓዊ ኣይኮነን።

ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ዲና ክንጸባጸብ ወይስ  መፍትሒ ከነምጽእ ክንጽዕር ዝግበኣና? ወይ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገርና ከይተሸርመመት ከይተቖርመመት ሓድነታ ዓቂባ እትቕጽለሉ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና? ከምዝመስለኒ ሎሚ ንናይ ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን፥ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ወዝተ ዝኣመሰሉ ሓደ እዋን ኣዛረብቲ ዝነበሩ ፍልልያት ኣልዒልና እነፍርዮ የለን። እዚ ታሪኽ እዚ ምስ ኩሉ እወንታኡን ኣሉታኡን ኣብ መዝገብ ተሪኽ ሰፊሩ መምሃሪ እምበር መፈላለዪ ክኸውን የብሉ።

ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሓዲሽ ምዕራፍ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺእና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃንና እንሕበነሉ ናጽነት ዝረኸብናሉ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ካብ መጀምርታ ብኣሉታታት ዝመልአ ኣእምሮና ናበይ ክወስደና ከም ዝኽእል ኣይሓሰብናሉን። ሕጂ እውን እንተኾነ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሓድነታ እትሕልው፡ ብብሄር ይኹን ብሃይማኖት ወይ ብኣውራጃ ወይ ኣውን ብኻልእ ትሕቲ ሃገርነት ስምዒታት ንኸይትከፋፈል ክንሓስብን ክንሰርሕን ይግባእ። ኣብ ክንዲ ነቶም ዝሓለፉ ምኽሳስ፡ ንሕና ባዕልና ካብቲ ናቶም ጌታት ተማሂርና ዝሓሸ ምስ እንሰርሕ ኢና እምበኣር ካብቲ ተመኩሮ ተማሂርና ክንብል እንኽእል። ንዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ምድጋም ግና ናይ ጌጋ ጌጋ እዩ እሞ ነስተብህለሉ።

Last modified on Saturday, 08 June 2019 09:11