Print this page

እብነ መሰረት ናይ ሕገ ሕንጻ ሃገር- መቆምያታት ቅዋም The Fundamentals of a Constitution

2019-05-22 09:43:53 Written by    Fesseha Nair Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1771 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ግዜዚ ካብቶም ጠለባት ናይዚ እዋና ኡ ሕዝባዊ ምልዕዓል ወይ ድማ ይኣክል፣ ቅዋምና ይተርጐም ብዝብል  ቅዋም ወይ በቲ ፍሉጥ ዓለምለኸ ኣገላልጻ ኣነ እውን ብወገነይ ካብቲ ዘንበብክዎ መጽናዕትታት ብዛዕባ ሕገ ሕንጻ ሃገር ወይ እቲ ብኤርትራውያን ቅዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክገልጽ ክፍትን ኢየ፡፤

ሕገ ሕንጻ ሃገር ወይ ድማ በዚ ሕጂ ብኤርትራውያን ቅዋም ተባሂሉ ዝጽዋዕ እንታይ ማለት ኢዩ?

 ቀዳማይ ክፋል

ሕንጻ ሕገ ሕንጻ /ዝለዓለ ሕጊ ሃገር/ ወይ ቅዋም ሓደ ሰነድ መሰረታዊ ሕግታትን መቆምያታትን ዝሓዘ፣ ሓፈሻዊ ወደባን ኣሰራርሓን ናይታ ሃገር ዝገልጽ ከምኡ ድማ መስረታውያን መቆምያታትን፣ ልምድታትን፣ ንኩሉ መዝነታት መንግስቲ ዝመርሕ ሰነድ ኢዩ፡፤ በዚ መሰረታትዚ ድማ ኢዩ እቲ ሕገ ሃገር ተራ ናቱ ኣብ ቅርጻን ትሕዝቶን ሃገር ብምሉእ ኣብታ ሃገር ዝቅመጥ ሕዝብታት ዝምእዘዞን ዝኽተሎን ዝኸውን፣ ብሓጺሩ ሕገ ሃገር ሕገ ሕዝቢ ዝተሰማማዓሉ ድኣ እምበር እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ዝህቡኻን ዝኸል ኡኻን ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያብ ኣይኮነን፣ ዝኾነ ሓይሊ መጺኡ ድማ ዝቅይሮ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብስምምዕ ሕዝቢ ኢዩ ዝልወጥን ዝመሓየሽን።

ብካልእ ሸነኽ ሕገ ሃገር ወይ ቅዋም፣ ሕጋዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ማሕበራዊ መሳርሒ ኢዩ፣ ይበሃል እንታይ ማለት ኢዩ? 

ብሕጋዊ ኣገላልጻኡ፣  ቅዋም ወይ ዝለዓለ ሕጊ ሃገር፣ ክንብል ከሎና መስረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘዕቁብ፣እቲ ሕዝቢ ዝጽበዮ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ኢዩ፡፤ከምዝለዓለ ሕጊ ሃገር እቲ ሰነድ ሒዝዎ ዘሎ ዓናቅጽ ሕግታት መሰረት ናይቶም ካልኦት መምርሕታት፣ ሕግታት፣ ትካላት፣ንምውጻእን ፣ንምስራሕን ዕድላት ዝህብ ሰነድ ኢዩ፡፤ እዚ ሰነድዚ መሰል ዜጋታት እታ ሃገርን ትካላቱን ንከይግሃስ ዝከላኸል ሰነድ ውዕል ሕዝብታት ኢዩ።ነዚ ሕግታትዚ ድማ እታ መንግስቲ ክትምእዘዞን ከተኽብሮን ኣለዋ፣ ነዚ ዝለዓለ ሕጊ ሃገር ዘይምእዘዝ መንግስቲ ሃገር ክሃንጽ ኣይኽእልን፣ ኣብታ ሃገር ድማ ሰላምን ብልጽግናን ክህሉ ኣይኽእልን፣ ናይዚ መረዳእታ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራና ስልጣን ሒዙ ኣፍ ልቡ እና ወቅዐ  ንሉዑላውነትን፣ሕጋውነትን፣  ሕዝቢ ኤርትራ ብምስትናዓቅ--------------------------

- ኣይከሰርናን፣

- ድሕሪ ሕጂ ሕዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን በበይኑ ኢዩ ዝብል ሓቀኛ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ

-  ችግርና ዶብ ኣይኮነን፣

- ብዘይቃል ዓለም ስልጣን ሂበካ ኣሎኹ ንስኻ ምርሓና፣

- ዘገድሰና ምርግጋእ ኢትዮጵያን፣

- ውሕደት ዞባናን ኢዩ፣

- ነዚ ስምምዕዚ ክዕንቅፍ ዝፍትን ወይልኡ፣

ብፖሊቲካዊ ኣገላልጻኡ  ሕገ ሃገር እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሃገር ኮይኑ ዝውስን፣ዝዕድል፣ ስልጣን መንግስቲ ዝውስን፣ነቲ ዝተፈላለየ ቅዋማት ሕዝባዊ ጉዳያት ዝርኢ ንምውሳንን ምትግባርን መሳለጥያታት ዝህብ ሕጊ ኢዩ፡፤

ብማሕበራዊ ኣገላልጻኡ  ናይታ ሃገር ሕዝቢ ናይ ሓባር መንነት ወይ ሕዝባዊ ሓባር ራእይ ዘንጸባርቅ፣ ናይ ሓባር ክብርታትን እምነታትን ዝገልጽ ሰነድ ኢዩ፡፤

  1. What is a Constitution ?

A Constitution is a body of basic laws and principles that describes the general organization and operation of the state and contains fundamental principles and norms that underlie and guide all government action. Given the fundamental nature of the constitution and its role in laying a groundwork to shape and support the state, a constitution is usually expected to be long-standing and somewhat difficult to change.

A constitution is simultaneously a legal, political and social instrument.

- Legally, it enshrines human rights and creates a predictable legal landscape. As a supreme or higher law, its provisions provide a framework under which all regulations legislation, institutions, procedures or legislation must not infringe, and which the state must strive to ensure.

- Politically, it establishes, distributes and limits government power and provides mechanisms for deliberating and deciding on public policy.

- Socially, it may reflect a shared identity or civic vision of the state, expressing commonly held values or fundamental principles.

 አብ ቀጻሊ

  1. ዓይነት ቅዋም
  2. ተራ ቅዋም እንታይ ኢዩ
  3. ወደባን ምኽፍፋል ስልጣን/ ጋድማዊ መኣዝኑ/ ቁልቁላዊ መኣዝኑ
  4. መግለጺ መንነት
  5. ምድራትን መምርሕን ሃገራዊ ስልጣን
  6. ኣሕጉራዊ ሕግታት ምኽባር
  7. ምንዳፍን ምጽዳቅን፣ ምምሕያሽን ምቅያርን ሕጊ ሃገር
Last modified on Wednesday, 22 May 2019 11:52