Print this page

ኤርትራን ህዝባንስ’ባ ከሲሮም!

2019-05-17 20:41:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1803 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ጉዳይ ኢሳይያስ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዘራራቢ እዩ። ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ናይቲ ነዊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝጸሓፉ ደረስቲ ኣብ ጉዳይ ኢሳይያስ ክበጽሑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ከም ሕሱም ክነቕፍዎ እንከለዉ ገለ ድማ ብዛዕብኡ ከይጠቐሱ ዝሓልፉ ነሓፍቲ ንዕዘብ። እንተ ዝንእዶ ወይከ ሓደ። ኩሉ ኣካይዳ ኢሳይያስ ዘይንኣድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀንዲ ዝምረረሉ ከኣ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘቕርቡ ኣካላት ግዜ ከይሃብካ ምውጋንን ምጽጋዕን (ብቋንቋ የማነ ተኽለገርሽ) መለለይኡ ከም ዝጸንሐ ርዱእ እዩ። ዛንታ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብቓላት ዝንገር ጥራይ  ዘይኮነ፡ ኣብዚ ናይ  ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ህንጸት ሕገመንስታዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ እውን ንርእዮ ዘለና እዩ። ንኢሳይያስ ናብዚ እኩይ ተግባር ዝደፍኦ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕዱር ሕማሙ እዩ። ነዚ ሕዱር ናይ ስልጣን ህርፋኑ ንምውሓስ  ዝኾነ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ዘይብል ሰብ  ምዃን ከኣ ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ ኮኑ ብኣካል ብቐረባ ዝፈልጥዎ ወገናት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ።

ኢሳይያስ ዋላ’ውን ዕድመን ተመኩሮን እንተደለበ፡ “ህዝቢ እመርሕ ኣለኹ” እንዳበለ ብግብሪ ግና  ነቲ ህዝቢ ዝብህጎ መንገዲ ዝጻረር ኣቕጣጫ ሒዙ ዝጐዓዝ ስግንጢር እዩ። ሕጂ እውን ኣብዚ መንገዲ ጥፍኣት’ዩ ናህሪ ወሲኹ ዝጐዓዝ ዘሎ። ህዝቢ “ፍትሒ ይንገስ” ከብል እንከሎ ንሱ ኢደወነናውነት የንግስ፡ ህዝቢ “ንምርሓሉ ሕግን ዝመርሓና ኣካልን ባዕልና ናይ ምውሳን ዲሞክራስያዊ መሰል ይሃልወና” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ኣነ እየ ከኣልየ ኩሉ ይብል። ህዝቢ “ልኡላውነት ሃገረይ ይከበረለይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ ጉዳይ ልኡላውነት ኣዝዩ ንኡስ ኣጀንዳ እዩ ይብል፡ ህዝቢ  “መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሃይማኖታዊ እምነትን ይከበረለይ” ክብል እንከሎ፡ ንሱ መሰል ዝህብን ዝኸልእን ኣነ እየ ይብል፡ ኮታ መራሒ ህግዲፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ስልጣኑ ምእንቲ ከናውሕ ኣንጻር ድሌትን ፈቓድን ህዝቢ ኤርትራ ዝወስዶ ስጉምትታት፡ ኣብነት ጠቒስካ ዝሕለፍ እምበር ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ከምቲ “ትውሕጦ ተበልኩዋስ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ኢሳይያስ፡ ኣብ ክንዲ ብዝሓለፈ ህዝቢ ዘስተናዕቕ ተግባራቱ ዝንሳህ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ’ኳ ምስ ኢትዮጵያ ኣመጻጽኣኡ ኮነ ኣካይዳኡ ዘይፍለጥ ጠንባር ዝምድና ምስ ፈጠረ፡ ወዮ ኣብቲ ጸረ ህዝቢ ተመኩርኡ ዘርእዮ ዝነበረ ጉርሕን እኩይ ውሕልነትን ፈጺሙ ጠፊእዎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ሕዱር ንዕቀት ብዘሕዝንን ብዘስደምምን ኣገባብ ክደጋግሞ ተዓዚብና። እዚ ተግባሩ እንተላይ እቶም ሕድሪ ህዝቢ ዘየኽብርን ጠላምን ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ዘይጸውር ቀታልን ምዃኑ ዝፈልጥዎን ኣብቲ ገበኑ እጃም ዘለዎምን ቀረቡ ከይተረፉ፡ ኢሳይያስ ክሳብ ክንድዚ ካብቲ ክኢላ ተዋሳእነቱ ወጺኡ ዓበድበድ ምባሉ ኣዝዮም ተገሪሞም። ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ናይ ዝሰኸረ ስሓቕን ኣፍልብኻ ምውቃዕን ካብ ዝተዓዘቡ መጋይሽቱ ገለን ብውሽጦም ገለን ድማ ኣግሂዶም “እዋእ እንታ እዚ ሰብኣይ ደኣ ዓቢዱ እንድዩ” ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ኣብ ጐንደር ከይዱ ምልፍላፍ ምስ ወሰኸሉ ከኣ “ናይ ሕጂ ገደደ” ዝበሉ ብዙሓት እዮም። ካብቶም ዓደምቱ እውን ምስቲ ብዛዕብኡ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ዘይግበኦ ሓበሬታ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ዓቀልባዕባዕ ምባሉ ዝደንጸዎም ብዙሓት ነይሮም። እቲ ፈኾስኮሱ ርእዮም መሊሶም ከሻህርትዎ፡ ፈረስ፡ ገመል፡ ድርዕቶ፡ ካትም፡ ዋልታን ቡንን ምስ ኣበርከትሉ ከኣ፡ ነቲ ኣደታትና ፈቐዶ መንገዲ ቅጫ ቀጭየን ጎጎ ጐግየን ርሑስ ቆጽሊ ኣሰንየን ዝቕበለኦ ረሲዑ፡ በቲ ናይ ኣዋሳን ኣዳራሽ ምልንየምን ኣዲስ ኣበባን ኣሕዲሱ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፈኦ።

ነዚ ተዓዚቡ ምስ ካልእ ሰብ ዘይኮነስ ምስ ነብሱ ዝዛረብ ዝነበረ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይነበረ። “እንታ እዚ ሰብኣዊ እንታይ’ዩ ወሪድዎ? እምበርከ ንሱ ድዩ?” ናይ ብዙሓት ሕቶ ነይሩ። ውዱእ መልሲ ዝህብ ግና ኣይነበረን። ካብዚ ኩሉ ዓበድበዱ ዝያዳ ቁጠዐ ዘሕደረ እቲ ቅድም ምላቑ ዝመስል ዝነበረ፡ ደሓር ግና  ተረጊጹን ግዜን ኩነታትን ኣጽኒዑን ዝድርብዮ ዝነበረ ቃላት እዩ። እቲ ሰማዒ በቲ “ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ናይ ቃለዓለም ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ፡ ጉዳይ ዶብ ኣዝዩ ንኡስ ኣጀንዳ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዩ” ዝብል ወልደፍደፉ እንዳተገረመ፡ “ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ውግእ ኣይከሰርናን” ምስ በለ ኩሉ ሰብ “ኦ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ማለት ከምዚ እዩ” ብዝብል ኣዝዩ ተገሪሙ።  “ሰብኣይ ኣማን ብኣማን ሓሚሙ እዩ” ዝበሉ’ውን ብዙሓት እዮም። “የለን ኮነ ኢሉ ከሕምመና እምበር ኣይሓመመን” ዝብሉ እውን ከምኡ። እቲ ነቲ ኣበሃህላኡ በብመንገድኻ ምትርጓም ሕጂ እውን ዘይኣረገ ኣጀንዳ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይዚ ነዚ ዲክታቶር ኣተዓራርዮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ግና ስዑራት እዮም።

ብሰንክቲ ኢሳይያስ ከም ዝጀመሮ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ብዘለዎ ዘይሻራዊ ኣካላት ብዝሃብዎ ምስክርነት ዝተረጋገጸን ኤርትራ ውግእ ብምጅማራ ዝያዳ 10 ሚልዮን ዶላር ንክትክሕስ ዝተበየናን ውግእ 1998-2000፡ ኢሳይያስ ብዝተኣመነሉ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግና ውሒዱ ዝበልዎ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሰዊኦም። ካብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታታት ተመዛቢሎም ንብረቶም ዛሕዛሕ ዝበለ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበሩ  ከም ሳዕቤን ናይቲ ኢሳይያስ ዝጻሕተሮ ውግእ ንብረቶም ዝባኸነ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ጉድኣት ንዘስዓበ ውግእ ኣየኽሰረናን ምባልሲ ምስ ምንታይ’ዩ ክቑጸር። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ዕድል ምስ ረኸበ፡ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ በዛ ንህዝብን ሰማእታቱን ኣስተናዒቑ ንለኣኽቱ ከሕጉስ “ኣይከሰርናን” ኢሉ ዝሓጨጫ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ዘቕርቦ ፍሉጥ እዩ። ኤርትራን ህዝባን ግና ከሲሮም እዮም። እኳደኣ ብገንዘብን ንዋትን ዘይትመን ክሳራ። እንተ ኢሳይያስ ኣበይ ከይበጽሑ ብዝብል ትዕቢት ተሰንዲሑ’ዩ  ክሳራ ኤርትራን ህዝባን ክሳርኡ ከምዘይኮነ ኣፉ መሊኡ ነጊሩና።

Last modified on Friday, 17 May 2019 22:44