Print this page

መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሕን መላእ ህዝቢን

2019-04-18 07:18:32 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2266 times
Rate this item
(0 votes)

በጅኦም ስዉኣትና፤ ብጅኦም ስድራ ስውኣት፤ ብጅኣ ምጭውቲ ሃገርና ኤርትራ። ሃገር ትኸይድ፤ ንሕና ነህተፍትፍ። ወረግ ግርም ጌርና ከነቃልሕ ጀሚርና ኣሎና። ፍታሕ ንምርካብ ግን ዝተጨበጠ ነገር የለን። ጊዜ ይኸይድ፤ መላኺ ስርዓት መጻንሒ እናገበረልና ንሱ ግን ስርሑ ይገብር ኣሎ። ፈሊጡና፤ ኣጽኒዑና፤ ደፊሩናን ንዒቑናን እንድዩ፤ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣና ኣቢሉ ንዓና ንክመልኽ ተዓዊቱ፤ ወላ እናጨራሕና መገዱ ኣይቀየረን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣይክቅይርንውን ኢዩ፤ ስለምንታይሲ ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ በጺሕዎስ ነፍሱን እንታይነቱን ስለዘቃልዐ፤ ንድሕሪት ምምላስ ኣይንጥቕሙን ኢዩ።

እቲ ዝገርም እቶም ፖለቲከኛታት ንብል ሕሳባት ናህናን ናይ ውድባትናን ዓጢጡና ነቲ ርሑቕ ኣቕሪብናዮ ንኸይድ፥ እቶም ምሁራት ኢና ንብል፤ ምናልባሽ ኢስያስ እንተተዓወተ ኢልና ግዲ ንሓስብ ኵይንና፤ ንድሕሪ ”ሓድነት” ንሓስብ ዘለና፥ ማለት ድሕሪ ሓደ ምዃን ከመይ ገርና ብስም ኤርትራ ሓላፍነት ንረክብን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ንዋሳእን ዘገድሰና ዘሎ ከይንኸውን የጠራትረኒ። ብዝተረፈ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ፥ ኣብ ጊዜ ምፍንጫላት ብትንተናታቶምም ጽቡቕ ገይሮም ዘጋፍሑ ዝነበሩ ድኣ ሎሚ ኣበይ ኣለዉ?  እቶም ተማሂርና ኢና ንዑ ክንምህረኩም ንብል ዝነበርናኸ ፍታሕ ከመይ ከምዝርከብ ክንምህር ዘይንዛተየሉን ዘይንማኸረሉን ቆራጽ ውሳነ ወሲድና ኣብ ህዝቢ ዘይንቐርበሉን እንታይ ኢዩ ምኽንያቱ? ጥር-ጥር ኢልካ ትንተናን ሚዛንን ብምሃብ ጥራይ ምኻድ ካብ ሃጠውቀጠው ሓሊፉ እንታይ ትርጉም ኢዩ ክወሃቦ። እቶም ሞጎስ ዝግብኦም እቶም ኣብ ፈቀዶ ከተማታት ዓለም ብኤርትራውነቶም ተኣኻኺቦም ተቓውምኦምን ስግኣቶምን ብንጹር ዝገልጹ ዘለዉ ኢዮም፥። መን ኢዩ ክጥርንፎም? መን ኢዩ ነዞም ኩሎም ኣብ ሓደ ጽላል ዝእክቦም ዝብል ሕቶ ከይፈታሕና ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ጽባሕ ስራሕ ኢሳያስ ጋህዲ ምስ ኮነ ኣብ ናይ ሓዘን ኣደራሻት ኢና ክንራኸብ፤ ናይ መጻኢ ገዲፍና ድማ ነንሕድሕድና ከምንካሰስ ኣየጠራጥረንን።

ዝኸበርኩም ሓለፍቲ ውድባት፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ምኩራትን ብዕድመ ዝደፋእኩም ውልቀሰባት፥ ኣንቱም ብኹሉ መለክዒ ዝተበደልኩም ተባዓት መንእሰያት (ኩላ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን)፤ ምስ ኩሉ ንገብሮ ዘለና ምልዕዓላት፥ ኣብ ሓደ መጺእና ከም ሓንቲ ኣካል መሪሕናን ተመሪሕናን እንኸደሉ መንገዲ ምንዳይ እቲ ቀንዲን ቀዳማይን ዕላማና ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ነዚ ንምግባር ድማ ምብጋስ ናይ ኩላትና ግደ ኳ እንተኾነ፤ እቶም ኣብ ቅድመግንባር ውልሕ ዝብሉን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዝዕደሙን ኩሎም ነዛ ዕላማዚኣ ከዕውቱ ክንቀሳቐሱ ከምዝግብኦም የማሕጽን። ብፍላይ ኤሪትራውያን ፖለቲካውያን ውድባት፤  ነቲ ዘለወን ተፈላጥነትን ውድባዊ ተሞክሮታትን ተጠቒመን: ነዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዕላማ ንከዐውታ ምቹእ ባይታ ስለዘለወን፤ ኣብ ምብጋሱ ግደታተን ከልዕላ እምሕጸን። ብዝተረፈ እዚ ህዝብን ሃገርን ብምጽናትን ብምድኻምን ንህዝቢ ኤርትራ ጻምኡ ከይረኸበን ሃገሩ ብገዝእ ኢዱ ከማዕብል ዕድል ከይረኸበን፤ ብሃታሃታ ኣብዘይሓሰቦ ንምውታፉ ዝግበር ዘሎ ግሁድ ጉዕዞ፤ ንከይዕወት ዝኽልኽሎ ከምዘየሎ ይረኣየኒ። ከምቲ ዘረባ ኣበው፥ ወዮ ከብቲ` ተወሲደን`የን፤ እንተ ጸርፊ` ዝገደፍናሎም የብልናን ኮይና ከይንተርፍ። ነዚ ናይ ኣጸሓሕፋ ድፍረተይ ሸለል ኢልኩም፤ ኣብቲ ቁምነገር ክተተኩሩ ድማ ብትሕትና እሓተኩም።

ተኽለ መለኪን

16/4 - 2019

Last modified on Thursday, 18 April 2019 09:21