Print this page

ኣብ ሕሉፍ ተመርኲስካ መጻኢ ኣይጣጥሕን

2019-04-15 18:47:15 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1745 times
Rate this item
(0 votes)

ህይወት ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ከም ዘሎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህዝብና ምሒር ተዓፊኑ እምበር ለውጢ ዘይደሊ ኣይኮነን። ብዛዕብኡ እውን ምዝራብሲ ደጊም  ዘድሊ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ብዘረባ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ ኩነታት ግርም ጌሩ ኣብሪህዎ ኣሎ። እዚ ማለት ጎነጽ እዩ ለውጢ ዘምጽእ ንምባል ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ዘረባ ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል ትልሚ ስለዝተሳእነ እዩ።

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ነቕ ዘይብል ሓጺናዊ ኣርዑት ይጭፍጨፍን ዓዱ ሓዲጉ ሃጽ ንኽብልን ብደጋዊን  ውሽጣዊን ዝእለም  ሽርሕታትን ፍሕሶታትን መሊኡ እዩ። እዚ ፍሕሶታትን ሽርሕታትን እዚ ዝተጠናነገ ኮይኑ ሓደገኛ ውጽኢት ዝህልዎን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ሓቢሩ ንናይ ጽባሕ ራኢ ዘለዎ ህዝቢ ክኸውን ቃልሲ ንኸየካይድ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ፍልልያትን ኣይከኣለን። ዘለናዮ ግዜ ድማ ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ እንሰገጋረሉ መድረኽ ስለ ኾነ፥ ነዚ መድረኽ ኣዚ ንምግጣም እቲ ንጽባሕ ዝብል ራኢ ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ ክዕወተሉ ዝኽእል። እዚ ነቲ ሕሉፍ  ማለት ገሊኡ ከይረኣናዮን ገሊኡ ድማ ዝረኣናዮን ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና ክንዋሳእ እንተፈቲንና ንፍቶ ንጽላእ ኣብ ዓቢ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢና ክንሽመም።

ሕሉፍ ሓሊፉ እዩ፡ ተመሊሱ ዝእረም ወይ ዝምለስ ስለዘይኮነ ኣብቲ ህልዊ ኣምጺእና ንመጻኢ ዝትለም ብኣሉታ ክጸሉ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ነቲ  ሕሉፍ ተቐቢልና ነቲ ህልዊ ዝዕንቅፈና ነገራት ምእንቲ ከይድገም ክንመሃረሉ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ህልዊ ሽግራት ምስቲ ናይ ሕሉፍ ምትእስሳር ክህልዎ እንተኸኣለ ናብቲ እዋናዊ ሽግራት ክፈትሕ ዝኽእል መንገዲ ሃሰው ክንብል እዩ ዝግባእ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ኣውቶቡስ ክጽበ ጸኒሑ ገዲፋቶ እንተኸደት እቲ ጉዳይ ሓሊፉ እዩ። ብዛዕባኣ ክዛረብ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብዛዕባ ከመይ ገይሩ ናብቲ ዝደልዮ ክበጽሕ ክሓስብ ኣለዎ ከም ማለት እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ህልዊ ሽግራትና እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ክንመራመርን ክንፈልጥን የድሊ። ናይዚ ርኡይን ዝጭበጥን እዋናዊ ሽግራት እዚ ከይፈታሕና ናይቲ ዘይረአን ዘይጭበጥን ናይ መጻኢ ትልሚ ብሃንቀውታ ወይ ብተስፋ ክንፈትሖ ዝከኣል ኣይመስልን። እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ነቲ ናይ ህልዊ መድረኽ ዘሳንን፥  ህዝቢ’ውን ሓንጎፋይ ኢሉ ዝቕበሎ ክፍጸም ዝከኣል ዕላማን ናብኡ ዘብጽሕ  ስጉምትን ምትላም የድሊ። እዚ እውን ንጹር ዝኾነ ማለት ንናይ ሎሚ ዘለኻዮ ሃለዋት ርኡይን ጭቡጥን ጸገማት ገዲፍካ ንዝመጽእ ምሕሳብ ከንቱ እዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን በበይኖም ጓይላ ተኺሎም ከብሮ ምህራም ነዚ ምልኪ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንቅይሮ ኣጠራጣሪ እዩ። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ሰልፍታት ከምኡ ውን በርገሳውያን ማሕበራት ተመላላእቲ እምበር ተነጻጸግቲ ክኾና ከለዋ ኩለን ንስልጣን ዝቋመታ እየን ክኾና።  

ኣብ መወዳእታ ነቲ ህዝቢ ኣብ ኣደናጋሪ ሓሳብ ከይኣቱ ንጹር ዝኾነ ሓሳብ ክወጽእ ኣለዎ። ቅዋም ይተግበር ዘይኮነ ሽግርና፡  ስርዓት እዚ የልግስ ይተኣለ ዝብል ክኸውን ኣለዎ እቲ ጭርሖና። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ በብናቱ ናተይ ይበልጽ ናባይ ተወደቡ እናበለ ዝወዳደብ፡ ነቲ ሃገራዊ ክውንነትና ናብ ዘየድሊ ናይ ስልጣን ቁርቊስ ገጹ ዘድህብ እምበር ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣይክሰርሕን እዩ። ምስ እዚ እውን በቲ በበይንና ጓይላ ምትካል ጽባሕ ንግሆ ካብቲ መላኺ ስርዓት ዝገደደ ሰሊኾም  ከይመጹና እውን ክንጥንቀቕ ዕድል ኣይክህበናን እዩ። እዚ ኣወዳድባና ብዘይጠቅም ሃበስ ቀደስ ምኽንያታት ኣምጺእካ ምውዳብ ንሓባራዊ ራኢ ከንውንን ዝዕንቅጽ እዩ። ምኽንያቱ ናብቲ ዝደለ ዘሎ ሓባራዊ  ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ንህልዊ ፍታሕ ዘምጽእ ከምዘይከውን ናብ  ጦብላሕታታት ወይ ጥሙሓት ከእትወና እዩ። እዚ ብወገኑ ከምቲ ብዓረብኛ ዘሎ ምስላ  ፡”ኣና ኣሚር ዎእንታ ኣሚር ምን የሱግ ኣልሓሚር።” ትርጉማ ድማ፥ “ኣነ ጎይታ ንስኻ ውን ጎይታ ነቶም ኣእዱግ መን ክመርሖም እዩ።” ከይክውን ነገሩ ዘተሓሳስብ እዩ። እነሆ በሉ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ንኽጠፍእ ነታ ዓዲ ኣብ ምድኻም ተዓዊቶም ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ መደባት ከተግብሩ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ እቲ ቅድሚ ገለ መዓልትታት ብመራሕ ጂቡቲ ዑመር ገይለ ብጉዳይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣበይ ክትምስርቶ እያ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ዝሃቦ መልሲ፥ ”ኣብ ባጽዕ” ዝብል ነበረ። እዚ እዩ እምበኣር ሰላሕታ ወራር ብኾፍና፥ ንሕናንከ ክንፈላለን ክንመናጨትን ከሎና፥ “እቲ ገመል ይኸይድ ኣኽላባት ድማ ይነብሑ” ይመስል እቲ ጉዳይ።

Last modified on Monday, 15 April 2019 20:49