Print this page

 ኤርትራውያን ኣደታት፡ ኣስተውዕላ!

2019-03-12 08:45:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1597 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ቦይንግ 737 ብ10 መጋቢት 2019 ብጠቕላላ 157 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ዓለም -ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ናይሮቢ እንዳበረረት ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኩሎም ተሳፈርታ ሃሊቖም። ድሕሪ እዚ ኣሰቃቒ ሓደጋ ብዙሓት ወገናት፡ በቲ ኩነታት ዝሓደሮም ሓዘን ንምግላጽ ናብ ቤተሰብ ግዳያትን መንግስቲ ኢዮጵያን መልእኽትታቶም ክልእኩ ተኸታቲልና። መንግስቲ ህግደፍ እውን ንቡር ፈልጡ ዘይኮነስ፡ በቲ ናህሩ እንዳነከየ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ሓድሽ ዕርክነት ግዲ ተደፊኡ፡ ኣብ ሪጋ እቶም ሓዘኖም ዝገለጹ ተሰሪዑ። እዚ ብሰብኣውነት ክረአ እንከሎ ቅኑዕ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንሕና እውን በቲ ዝወረደ ኣሰንባዲ ሓደጋ ዝተሰመዓና  መሪር ሓዘን ንገልጽ። ንግዳያት መንግስተ-ሰማያት፡ ንተረፍቲ ቤተሰቦም ከኣ ጽንዓት ንምነየሎም።

ኣደታት ኤርትራ እዚ ሕጂ ብሓቂ ሓዚኑ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓድሽ ዕርክነቱ መራጐዲ ንክኾኖ ናይ ሓዘን መግለጺ ዝልእኽ ዘሎ ኣካል፡ በቶም በብዕለቱ ብሓደጋም ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁ ደቅኽን ብሓፈሻ በቶም ብሓንሳብ ልዕሊ 360 ዝሃለቑ ግዳያት ላምፓዱሳ ዘይሓዘነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስኻትክን ኣደታት ብንቡር ከይትሓዝና ዝኸልከለክን ኣካል ምዃኑ ተስተውዕላዶ ኣለኽን። ኣብቲ እዋንቲ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ድንገታዊ ሓደጋ መላእ ዓለም ከተንቀጥቅጥን ክትንቀሳቐስን እንከላ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንደቅኽን ክብሪ ሂቡ ናይ ሓዘን ዕለት ክውስን ኣፍልጦ ክህቦም እውን ኣይከኣለን። ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ “ኤርትራውያን” እንተበሎም ከይዓብዮም፡ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል “ኣፍሪቃውያን” ኢሉ ጓስይዎም ሓሊፉ። ናይዞም ግዳያት ኣስከሬናት ኣብ ኤርትራ መጺኡ ንከይቅበር እዚ ጸረ-ህዝቢ ምምሕዳር ሓመድ ዓዶም ስለ ዝነፈጎም ኣብ መኻዚኖ ዓዲ ጣልያን ተኸዚኑ ግዜ ይጽበ ኣሎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እምበኣር መልእኽቱ ናብቶም ነዚ ኩነታት ዘይሰምዕዎን ዘይርእይዎን ግዳያት ዘይኮነ፡ ብፍላይ ናባኻትክን ኤርትራውያን ኣደታት፡ ብሓፈሻ ከኣ ናብ ኩልና ኤርትራውያን እዩ። ሓደ ዘገርም  ኣሎ። ነቲ ብኸምዚ ደረጃ ንደቅኽን ዋጋ ዝኸለኣ ጉጅለ፡ ብምስልታቱ ወቂብክን ኣብ ዝተኸሎ ጓይላታት እትስዕስዓሉ ኣደታት እንተሊኽን፡ ብዙሕ ከብል ዝኽእል እዩ እሞ ብሓጺሩ ግና “ዓገብ ናብ ልብኽን ደኣ ተመለሳ” ንብለክን። እምበርከ እተን ከምኡ እትገብራ፡ ነቲ “ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት” ዝብል ምስላ ወለድናኸ ትፈልጠኦ ዲኽን?

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ስለምንታይ ብሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዘኑ ገሊጹ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ንዓኡስ “እምበኣር ሎምስ ንቡር ለቢሱ” ኢለዮ ኣለኹ። ክብሎ ዝደለኹ ናይ ብሓቂ ብከምዚ ዓይነት ፍሉይ ቀልብኻ ዝስሕብ ሰብኣዊ ጉድኣት ዝግደስን ዝሓዝንን እንተዝኸውንስ በቲ ብቐጥታ ንዓኡ ዝምልከት መጀመረ እየ ዝብል ዘለኹ። ስለዚ እዚ ትማሊ ዝገበሮ፡  ናይ ሓቀኛ ሰብኣውነት መግለጺ ዘይኮነስ ናይ ሓድሽ ዕርክነት መቀናጀዊ እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ከኣ ንክብሪ ኤርትራውያን ትሕቲ ዘይኤርትራውያን እዩ ዝሰርዖ ክንብል ኢና። ዝያዳ ድማ ከምቲ “ንዓኻ እንተዘይንዕቁዶ ዓንድኻ መነቕንቑ” ዝበሃል ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ነተን ሓብሒብክን ዘዕበኽን ወለድቲ ጀጋኑ ኤርትራያን ኣደታት ዘለዎ ንዕቀት መስካሪ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እየ።

ንዕቀት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ግዳያት ላምፓዱሳ ዝወሰዶ ከኣ ካብቲ ብዙሕ ሓደ እዩ። ብመሰረቱ ግና ንኤርትራን ህዝባን ብንዕቀትን ብደዐን ተሰንዲሑ ዝገዞም ዘይኮነስ፡ ዘብርሶም ዘሎ ኣካል እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ናቱ ሓያልነት፡ መንፈዓትን ጉርሕን ዘይኮነ መግለጺ ሕመቕ ናይዞም ነዚ ግፍዒ ዘይንቕበል ኤርትራውያን ምዃኑ ክንእመነሉ ዘለና እዩ። ነዚ ሓቂዚ እንተዘይተቐቢልና፡ መጻኢ ካብዚ ዘለና መዋጽኦ ክንረክብ ኣይክንበቅዕን ኢና። ኣብዚ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስዚ ኩሉ ገበናቱ “ቸቸ” ክብለልና ዕድል ዝሃበ ድኽመት፡ ኩልና ነናትና ብጽሒት እነልዕለሉ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ዝድርብየሉ ሓልፍነት ኣይኮነን።

ብዝኾነ ንዕቀት ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኣብ ጉዳይ ተረኽቦ ላምፓዱሳን ካልእን ኣይንረሰዓዮ። ክንርሰዖ እንተበልና እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ኣቓልቦና ግና ኣብኡ ምኒን ምባል ዘይኮነ ነቲ ናብዚ ዘብጸሐ እከይ ካብ ስሩ ምምሓው እዩ። ካብ ሱሩ እንተዘይተማሕዩ ግና ኣብ መጻኢ እውን መልክዑ እንዳቀያየረ ክቕጽል እዩ። ብፍላይ ኤርትራውያን መንእሰያት ተረከብቲ ሕድሪ ኢኹም። ምስቶም ሓደራ ክትርከብዎም ዝግበኣኩም ክትተሃላለኹ ግዜኹም ኣይተባኽኑ። ሎምን ጽባሕን ኣዝየን ዝተቐራረባ እየን። ጽባሕ ሎሚ ክትከውን ግዜ ኣይወስደላን እዩ። ሎሚ ክትዓምዎ ዝግበኣኩም እንተዘይሰሪሕኩም ጽባሕ ክትጠዓሱ ኢኹም። ብርግጽ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ቴማታት ኣምሪሕኩም ተስምዕዎ ዘለኹም ናይ “ወጽዓን ጭቆናን ይኣክል” ድምጽታት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ነቲ ድምጽታት ኣብ ሓደ ኣብ ምምጻእን ምስ ናይ ትማልን ጽባሕን ኣብ ምንባብን ዝተርፈኩም ኣሎ። በዚ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም፡ ብዘይምቁራጽ እንተቐጺልኩም ግና ናብቲ ዝጽበየኩም ሸቶ ከም እትበጽሑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ ብዘይካ ውሱናት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝተኾየጡ ሰብ ፍሉይ ሓለፋ፡ ግዳይ ትኾኑ ዘለኹም በሃግቲ ለውጢ መንእሰያት ኢኹም። ግዳያት ላምፓዱሳ ኣብ ሕልና ኣደታቶም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕልና መሓዝቶምን መማህርቶምን ዘሕድሮ ኣሉታዊ በሰላ  ቀሊል ኣይኮነን። ብጸቢብ ናታቶም ሕነ ንምፍዳይ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእስኹም ካብ ዘለኹምዎ ሰንፈላል ህይወት ንምድሓን ዝቃለስ ሰራዊት ኩኑ። ሰራዊት ክበሃል እንከሎ ዕጥቁ ፈቲሑ ናይ ኣዘዝቱ ኣባይቲ ዝሃንጽን ጀራዲኒኖም ዝኹስኩስ ሰራዊት ዘይኮነ፡ መሰሉ ኣኽቢሩ በጃ ህዝቡ ዝሓልፍ ሰራዊት ኩኑ። ዝተወሰነ ጉጅለ በቲ ንስኻትኩም ዝዓጠቕኩምዎ ብረት ተነይቱ ህዝብኹም እንዳጨቆነን ሃገርኩም እንዳብረሰን ኣይትተዓዘሙ።

Last modified on Tuesday, 12 March 2019 09:51