Print this page

ኤርትራ ድያ ንኢሳይያስ ንኢሳቶስ፡ ንሱ’ዩ ንኢስዋ?

2019-02-28 08:41:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1820 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ እስትራተጅያዊ ኣቐማምጣ ምብራቓዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪት ትርከብ። ስፍሓት መሬታ፡ 124, 320 ትርብዒት ኪሎሜትር  እዩ። ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትወዳደር እንከላ 18 ካብኣ ዝነኣሳ ሃገራት ንረክብ። ብመንጽር ብዝሒ ህዝቢ ድማ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ኣለወን።  ካብ ክፍለ- ዓለም ኤርትራ ወጺእና ምስ ሃገራት ኤስያ እንተወዳደርናያ’ውን 16 ሃገራት ኤስያ ካብ ኤርትራ ይንእሳ። ካብዘን ካብ ኤርትራ ዝንእሳ ሃገራት ኤስያ፡ እስራኤልን ሲንጋፖርን ይርከበአን። ብዘይካዚ 14 ሃገራት ኤስያ ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ኣለወን። ካብዘን ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኤስያ፡ ኩወይተ፡ ሊባኖስን ሲንጋፖርን ይርከበአን። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እውን 19 ሃገራት ብስፍሓት መሬት፡ 13 ከኣ ብብዝሒ ህዝቢ ትሕቲ ኤርትራ ዝስረዓ ንረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሰንኪ ህግዲፍ ብዝተፈጥረ ፍልሰት ለውጢ ከም ዝህሉ ምግማት ኣገዳሲ እዩ።

ኣቀማምጣ መሬት ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ከሊማታት ዝውንን፡ ንዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዝርእትን ኣግራብን ዝሰማማዕን ንምርባሕ እንስሳን ዝምችእን፡ ኮይኑ ንዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ወፍሪ ዝሰማማዕ ሃብቲ ማይን ሓመድን ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣቀማምጠኣ ቆላ፡ ወይነደጋን ደጋን ዘጠቓልል ብዝተፈላለዩ ኩነታት ኣየር ዝጥቀሱ፡ ካብ ኣዝዩ ዓሚቕ መሬት ክሳብ ነዋሕቲ ጐቦታት ዝግለጽ ናይ ኣቀማምጣ ብዙሕነት ትውንን። ኮታ ልዕሊ መሬት ኮነ ትሕቲ መሬት ብዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ ንርእሳ ኮይና ንኻልእ ከተካፍል እትኽእል ዝተዓደለት ሃገር እያ።

ህዝቢ ኤርትራ ከከምቲ ኩነታት ዝሰፍረሉ ከባቢ፡ ብሕርሻ፡ መጓሰን ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ዝናበር ኣዝዩ ህርኩት ህዝቢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ሓይልታት በታቲኖም ክገዝእዎ ፈቲኖም፡ ውዲቶም ኣፍሽሉ ሓድነቱ ኣውሒሱ ዝሓደረ፡ ንብዙሕነቱ ከም ናይ ዓወቱ ምስጢርን ጸጋን ኣዕቂቡ ነቲ “ሃይማኖትን ካልእ ዘይመሰረታዊ ፍልልይን ናይ ግሊ እዩ፡ ሃገር ግና ናይ ሓባር እያ” ዝብል ኣምር ተግቢሩ ዝሓደረ ህዝቢ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብቲ ዓለምና ከም ናይ ጽንዓት ኣብነት እትወስዶ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ብጽንዓት ተቓሊሱ ኣኽሊል ዓወት ዝደፈአ ህዝቢ እዩ።

እዚ ክጠቅስ ዘገደደኒ ብዛዕባ ጀኦግራፊ ኤርትራ ከዘንቱ ስለ ዝደለኹ ዘይኮነ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጀሚርዎ ዘሎ ሓድሽ ወደኽደኽ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ደጊም ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዘይኮና ብዛዕባቲ ልዕሊ 480 ሚልዮን ዝኸወን ህዝቢ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና’ ዝበሎ ገሪሙንስ “እዚ ሰብኣይ ኤርትራስ ንኢሳትኒ ድዩ ዝብል ዘሎ? ብስፍሓት መሬተን ኮነ ብብዝሒ ህዝበን ትሕቲ ኤርትራ ዝስረዓ ሃገራት መሪሖም ብቁጠባ ኮነ መሰል ህዝቦም ብምሕላው ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዝበረኹ መራሕቲ ከምዘለዉኸ ይርድኦ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ስለ ዝመጹኒ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዛ ማእከላይ ስፍሓት፡ ምቹእ ኣቀማምጣን ብጽፍሩ ዝሓድር ህዝብን እትውንን ኤርትራ ተፈቲኑ ፈተና ዘይሓለፈስ ናብ ካልእ ምምጥጣር “እምበርከ ናይ ድሓን ድዩ ?” ዝብል ስምዒት’ውን ኣሕዲሩለይ።

እምበኣር ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብኹሉ መለክዕኡ ዘሕዝን ኩነታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ግደ ህዝቢ ኤርትራ ይለዓል፡ ኣቀማምጣ፡ ተፈጥሮ ሃብትን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ’ውን ይለዓል። ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ናይ ዝርከቡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብጽሒት’ውን ይለዓሉ። እቲ ቀንዲ ዝለዓልን ዝሕተትን ከኣ እቲ “ንኤርትራ ይመርሓ ኣለኹ” ዝብል ዲክታቶር ኢሳይያስን መመሊሱ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተርፍ ዘሎ መኸወሊኡ ጉጅለ ህግዲፍን እዮም። ክሳብዚ ቀረባ እዚ ብህልዊ ውድቀት ኤርትራ ዝሕተት ኣካል ከጸብቕ እዳኸኣለስ ከጸብቕ ዘይደለየ ጌርና ኢና ንገልጾ ነይርና። ሎሚ ሎሚ ግና፡ “እምበርከ ክቕይር ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ? ንኤርትራን ዝህባን ኣብዚ ዘሕዝን ዛሕዛሕ ኣውዲቕዎም ዘሎ ሳኣን ዓቕሙ ዘይኮነሉ ምኽንያትከ ኣሎ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከነልዕል ንግደድ ኢና። እቲ ካብ ቀደሙ ዝነበረ ሎሚ ግና ዝያዳ እንዳገደደ ዝመጸ ዘይውርዙይ ኣካይድኡ’ውን ዓቕሚ እንዳሃለዎ ዓቕሙ ናይ ዝሓበአ ዘይኮነስ ዓቕሙ ናይ ዝጸንቀቐ ኣካይዳ እዩ ዝመስል። ትማሊ ፈጣርን መራሕን ኤርትራ መሲሉ ብትዕቢት ተፈንጫሕኩ ዝብል ዝነበረ ሰብኣይ፡ ሎሚ ኩሉ ነገሩ ከም ክንቲት ፈዂሱ፡ ጭራኡ ደጒሉ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፥ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ንታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ዘልዕሉ ሰላምና ዝዘርጉ እዮም፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክመርሓና እዩ፡ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሲብና እምበር ኣይከሰርናን” ክብል ዝውዕል ዘሎ እውን ዘይሩዘይሩ ናይ ዘይምብቅዑ መርኣያ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ጥዕና እውን ክለዓል ዝግበኦ እዩ።

ኢሳይያስ ሓሲቡን ወጢኑን ድዩ ወይ ብረብሓ ተደፊኡ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ፡ ሎሚ ኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ክወስዱ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። ናይ ቀደም ኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ ዝተሳእሎን “ሓደ ኢና” ዝብል ጭረሖ ዘስነዮን ካናቲራታት ምኽዳን ኣብ ኢትዮጵያውያን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ከይተረፈ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘንጊዕካ ምስ ኢትዮጵያ ደሚርካ ስኢልካ ምዝርጋሕ ሓደ ተርእዮ ኮይኑ፡ ናይዚ ቀረባ ግዜ “ኣይኮነንዶ እዛ ዘላ ኢትዮጵያ ክትፈርስስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብኣ ዝወጹ እውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ክምለሱ እዮም፡ ምናልባት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ትውንንን ትኸውን፡ ምስ ኤርትራ ዝተሰማማዕናዮ ስምምዕ የለን ቀዳምነትና ከኣ ስምምዓት ምፍርራም ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ስለ ዝኾና ዘላትካ ብሓባር ተኻፊልካ ምብላዕ’ዩ” ዝብሉ መደረታት ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ከኣ ኩሎም በቲ ኢሳይያስ ዝኸፈቶ ሓደገኛ ካናለ ዝውሕዙ እዮም። ኮታ ሎሚ ኢሳይያስ ከምቲ “ጨጓር ከልብስ ኣሎ እናበልካዮ ይመውት” ዝብሃል ብደዉ ሞይቱ እዩ። ስለዚ ናይዚ ከም ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ መልሲ “ኣሳይያስ’ዩ ንኤርትራ ንኢስዋ እምበር ኤርትራስ ኣምበይመነኣሰቶን” ዝብል እዩ።

Last modified on Thursday, 28 February 2019 09:44