Print this page

ሃገር ክዝመትዶ ዓይንኻ ይዕመት

2019-02-27 19:26:23 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1834 times
Rate this item
(0 votes)

 

ወለዲ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ንውሉዶም ከም ዘፍቅሩን ቅድሚ ውላዶም ከም ዝሓልፉን፡ ነቲ ብኣፋዊ ዛንታ ዝንገር፡ በቕሊ ከም ኩለን እንስሳ ዘቤት ወላድ ምንባራን፡ ግን ሓደ እዋን ዝወለደቶ ዕሸል ዒሉ ክሰራሰር ክብል ብዓቢ ገደል ይጸድፍ እሞ፡ ክትስዕቦ ክትብል ከላ ዋንኣ መጺኡ ኣድሓና ዝብል ምዝካር ዝገልጽ ይመስለኒ። ስለዚ ድማ‘ዩ በቕሊ ብከምዚ ዝበለ መገዲ ሂወታ ከይተጥፍእ፡ ብእግዚኣብሄር መኻን ክትከውን ዝተፈርደት ይብል እቲ ኣፋዊ ታሪኽ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ኩሉ ፍጡር ውላዱ ዘፍቅር እኳ ይኹን‘ምበር፡ ንሃገሩ ልዕሊ ውላዱን ነብሱን ወለዱን ከም ዘፍቅር፡ እቲ ካብ በዅሪ ክሳብ ሕሳስልደ ምእንቲ ነጻን ልዑላዊትን ሃገሩን ክብሪ ሰብኣዊ መሰሉን ዘወፈዮ ቀባጽ ውሳኔ ብቑዕ ምስክር‘ዩ። ንብከምዚ ዓይነት ፍትወትን ተወፋይነትን ዝመጸት ነጻነት፡ በዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ብምስጢር ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ተንኰላት ከየስተብሃልና፡ ገለና እናኣእወና፡ ገለና ድማ እናኣጣቓዕና ሃገር ኣብ ሓደጋ ንክትኣቱ ዕድል ዝሃብናን ተሓተትቲ ንሕና ኤርትራውያን እምበር ጓና ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ ነጻነት ሃገርና ንተቓዋምን ደጋፍን ብሓደ ዘሕስርን ዘዋርድን እምበር፡ ሓደ ዝረብሓሉን ሓደ ዝከስረሉን ወይ‘ውን ገለ ዝኽሰስሉን ገለ ድማ ዝኸሱሉን ኣይኮነን።

እዚ ሎሚ ብዝለዓለ ቍጽሪ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ተጸምቢሩ፡ ልዑላውነትና ብህይወት ከሎና ኣይነድፍር ክብል ኣብ መድረኽ ወጺኡ ዝዛረብ ዘሎ‘ውን ተወሳኺ ኣብነት‘ዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ብኣፍልጦ ይኹን ብዘይኣፍልጦ ንዝገበሮ በደል ኣብ ምኽሓስን ክብሩን ክብሪ ልዑላዊት ሃገሩን ንምዕቃብን ቆሪጹ ተላዒሉ ምህላዉ ዘመልክት ሓቂ‘ዩ። እዚ ብህልዊ ኩነታት ሃገረን ዝሓልያን ዓበድበድ ዶር/ኣቢይን ኢሳያስን ዘገረመን ወዓሩ ኤርትራውያን፡ ‘ይኣክል‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓይለ-ቃል መሰረት ጌረን፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝጸውዕኦ ህዝባዊ ዘተ እሞ ከኣ ንኩሉ ኤትራዊ ዘሳትፍ ክኸውን ስለ ዝተኣማመን ከም ዝዕወት ብኣብነት ኣሰንየ  ክገልጽ ክፍትን‘የ።

ብመሰረት ኣፈታሪኽ ቀዳሞት ኣቦታትና፡ እዛ ሎሚ እንርእያ ከተማ ኣስመራ፡ ብ4 ማለት - ገጀረት - ጐዳይፍ - ቤት መኻእ - ኣርባዕተ ኣስመራ ዝበሃላ ንኣሽቱ ኣቍሻት ዝተኸበበት እያ ኔራ። እዚ ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋኦም፡ ብባሕሪ ንዝመጹ ሰረቕትን ዓመጽትን ክቃወሙ ዘኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም፡ ግዳይ ዓመጽን ስርቅን ይኾኑ ምህላዎም ተረዲኦም፡ ብሓደ ክጥርነፉሉ ዝኽእሉ መገዲ ንምርካብ ኣብ ልዝብ ኣተዉ። በዚ መሰረት ካብ ኣርባዕቲኤን  ዝተዋጽኡ ለባማት ወከልቲ ዝሳተፉዎ ዋዕላ ወሲኖም ተራኸቡ‘ሞ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ክወሃሃቡ ጀመሩ። እቲ ዝወሃብ ሓሳብ ግን ተኣኪቦም ብሓደ ስምን ብሓደ መራሕን ተጠርኒፎም ብሓባር ካብ ጸላእቶም ክከላኸሉ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ዝሓልፍ ኣይነበረን። በዚ መልክዕ ኣብ ሓደ መዕለቢ ከይበጽሑ ብዙሕ ዋዕላታት ኣሕለፉ። እዚ ከኣ ነፍስወከፎም ንዓይ ምረጹኒ ዘስምዕ ባህሪ ዝነበሮ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሓንቲ ካብተን ሰብኡተን ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሖም ፍታሕ ከምጽኡለን ንግሆ ንግሆ መግብን ማይን ኣስኒቐን ዝሰዳ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ንበዓል ቤታ፡ “ ኣንቱም ካሳብ ክንድዚ ግዜ ዝወስድ እንታይ‘ዩ ጸገምኩም “ ትብሎ። ንሱ ድማ “ ከምዚ እንተተገብረ ይሓይሽ እምበር እገለ ክመርሓና ምሓሸ ዝብል ጌና ኣይተረኽበን “ ይብላ። በሉ ደሓን እዚ ካብ ኮነ ጸገምኩም ንሕና እኽለማይ ሒዝና ክንመጸኩም ኢና ኢላ ተፋንዎ‘ሞ ንሱ ከይዱ ከም ቀደሞም፡ ይሓይሽ ይሓይሽ ጥራሕ ካብ ምባል እገለ ይሕሸና ዘይንብል ኣብ ዝብል ጭራሕ-ምራሕ ከለዉ ወየን ኣንስቲ ደበኽ በላ። እዘን ኣንስቲ ገለ እንጌራ ገለ ድማ ስዋን ማይን ዝተሰከማ ክኾና እንከለዋ፡ ሓንቲ ካብአን ግን ሓሙኹሽቲ ዝመልአ መሶብ ተሰኪማ፡ ኣብ ቀጽሪ ባይቶ ደው በላ‘ሞ፡ ጫውጫው ሰብኡተን እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ግደፉና በጃኹም ኢለን ነታ ተኸዲና ዝነበረት መሶብ ሓሙዅሽቲ ብምኽፋት ኣብ ማእከሎም ደርበይኣ። ወዮም ታዕታዕ ዝብሉ ዝነበሩ ሰብኡተን፡ ሓመድ ኣዳም ይኽደንክን እናበሉ ፋሕብትን ክብሉ ከለዉ፡ ሓደ ካብኦም ግን ካብታ ዝተቐመጣ ከይተንስአ ርእሱ ኣድኒኑ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ወዮ ሓሙዅሽቲ ድሮ ተቐንጢጡ ምስ በነነ፡ እተን ኣንስቲ ነቲ ኮፍ ኢሉ ዝጸንሐን ንስኻ ኢኻ መራሒና ኢለን ቆጽሊ ኣቐሚጠን መረጽኦ፡ ሰብኡተን ድማ ይርሓሰና ኢሎም ተቐበሉዎ‘ሞ እዛ ሎሚ ኣስመራ ንብላ ዘሎና ከተማ፡ ካብ 1540 ዓመተ-ምሕረት ጀሚራ በዚ ስም‘ዚ ክትጽዋዕ ጀመረት። ትርጉሙ ድማ መራሕተን መሪጸን ኣስሚረን ማለት‘ዩ።

እዚ ኣብ ፍራንክፎርት ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ደለይቲ ፍትሒ ወዓሩ ኣዴታት ኤርትራ ከኣ፡ ነዚ ታሪኽ‘ዚ ዳግማይ ክደግም እንተኾይኑ፡ ኣብ ገለ ተክኒካዊ ጉድለታት ከየድሃብና፡ ነቲ ረዚን ዕላምኡ መታን ክወቅዕ፡ ብዘሎና ዓቕሚ እናተመላላእና ከነዐውቶን ብኩሉ ዓቕምና ክንሳተፎን፡ ሓደ ንኩልና ጠርኒፉ ዝውክልን ዘማእክልን መሪሕ ኣካል ክሳብ ምቛም ክንከይድ፡ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ህጹጽ ጉዳይ ኩሉ ዜጋ ክኸውን ይግባእ ድሕሪ ምባል ጽሑፈይ ብግጥሚ ክዛዝም‘የ።

ይኣክል

ይኣክል‘ወ ንክንደይ ክንጽመም

ልዕሊ ህልቂት ላምባዱሳ ዘሎ‘ዩ መስደምም

ካብ ቅንጸላ ስንኩላን ንላዕሊ እንታይ ኣሎ ዘገርም

ርኢናን ሰሚዕናን ልብና ካብ ዝጸምም

ፈቒድናሎኮ ኢና ድላዩ ክፍጽም።

       ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣብ ክንዲ ነስተብህል

       መኣዝንና ስሒትና ኣብ ፈቐዶ ጓይላ ክንዘልል

       ናይ ለባማት ምኽሪ ነጺግና ከነላግጽ ክንድህል

       ግብሩ ከይፈለጥና ብስሙ ክንምሕል

       ብሃገር ክጻወት ከፊትናሉ ዕድል።

ኣየእወዩን ድዮም ብዙሓት ደቂ ሃገር

ዕድል ከይንህቦ ነዚ ሓሳድ ፈገር

ሕቡእ ተንኮላቱ ኣንጊሁ ክብርዕን ክስበር

ሃስያ ከውርድ ኣብዛ ሓላል ሃገር

ሕጂዶ ይሓይሽ ህዝበይ ከም ዕዉር ደምበርበር።

       ይኣክልወ ይኣክል ብዙሕ ተጸሚምና

       ከም በዓል ውሕጅ ንስሕቕ እናሞትና

       ደቅና ክምንጠሉ ካብ ሕቝፍና

       ብታንክ ክፈርስ ዝተሃንጸ ቤትና

       ዓገብ ዘይንብልስ መንዩ ፈዊሱና።

ጳጳስና ክሕየሩ እኳ ድንግጽ

መንእሰይ ከጥፍእ ኣልቦ ግልጽ

ሚንስተራት ክኣስር ወይከ ድምብርጽ

ስንኩላን ክቕንጽል እኳ ብጽጽ

ልዑል ፈጣሪ‘ኳ ተኣምራቱ ኣይገልጽ።

       ይኣክልወ ምጽማምና ዓቐኑ ሓሊፉ

       ክንደይ ንጹህ ኤርትራዊ ሕይወት እኳ‘ዩ ተቐዚፉ

       ክንደይ በሊሕ ኣእምሮ ኢዩ ኣብ ሳሕል ተቐንጺሉ ተሪፉ

       ቍጽሪ ኣልቦ ዓቕሚ በላሕቲ‘ዩ ኣብ ዒራዒሮ ተዀሊፉ

       ታሪኽ ኣይርስዖምን‘ዩ ኩሎም ዝሓለፉ።

ምእንቲ ሓርነት ኣንጻር ኩሎም ጸላእቱ

ወዱ ጓሉ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰሚሩ ከቲቱ

ፍጡር ሰብ ክንሱ ታንክታት መኪቱ

ተኣምር ሰሪሑ ዝጨበጠ ዓወቱ

ከመይሎምከ ይሓስቡ ክልሕስ ጸላእቱ።

       ድሌት እንተለዎም ሰላም ጕርብትና

       ብሓባር ክንምዕብል ከክብርና ሒዝና

       ኣብ ራህዋ ክንሰግር ብውሁድ ዓቕምና

       ድኽነት ክንስዕር ክኽዕብት ሽሻይና

       ኣብ ዝኾነ እዋን ክፉት‘ዩ ማዕጾና።

እንተብተንኮልን ብስም ሰላም ቃጻን

ሃገርና ክትዘምቱ ምድራን ወደባታን

ኣሻብ ረሲዕኩሙዎ ዝሓለፈ ቃልስን ቃንዛን

ኣይነበረን እኮ ኣባልዓ ጎጎን ሃንዛን

ኤርትራናስ ኣሎናያ በዓል ዋዕሮን ራዛን።

       ይኣክልወ ኣዴታት ሓቅኽን

       መጻወት‘ዚ ከዳዕ ምስ ኮኑ ፍረ ናይ ማህጸንክን

       ትርጉሙ ሃሲሱ ውጽኢት ቃልስኽን

       መላገጺ በደውይን ኮይነን ዕሸላት ደቅኽን

       ካብዚ ዝኸፍእከ እንታይ ክደግመክን።

ጸገምና ከቢድ መዘና ዘይብሉ

መዛግብቲ ሳሕል እንተተገንጺሉ

ናይቶም ንጹሃት ደም ክነግር‘ዩ ባዕሉ

ሽዑ ክገሃድ‘ዩ እቲ ሕቡእ ጉድ ኩሉ

ሰማዒ ከንቀጥቅጥ‘ዩ ኣብ ዝሃሎ ይሃሉ።

       ይኣክልወ ደቂ ዋዕሮ ክንደይሻብ ክንድቅስ

       ብሕይወት እንከሎና ክብርና ክገሃስ

       ታሪኽ ጀግንነትና ትርጉሙ ክሃስስ

       ዕርዲ ነጻነትና ብጭሉቕ ክፈርስ

       ሕጂ‘ዩ እዋኑ ክብርና ክንመልስ።

ይኣክልወ ይኣክል ሓሊፉ ዓቐኑ

ኣንጊሁ ነቒሉ ሃገርና ከዕኑ

ዓመታት ሰሪሑ ጸልማት ተኸዲኑ

ብዓሌት ሃይማኖት ህዝብና በቲኑ

ኣለኹ በል ህዝበይ ደርቅሞ ኣስናኑ።

       ይኣክል ደቂንበሳ እዚ‘ኳ ደንጒኽን

       ናይ ዓቕምና ፋሕፋሕ ድቃስ ከሊኡክን

       ንልዝብ ዝዕድም ዋዕላ ምድላውክን

       ብዘይኣፋላላይ ብሓባር ምዕዳምክን

       ካብ ደለይቲ ፍትሒ ምስጋና ይብጻሕክን።

ተበግሶ ዋዕላኽን ሸቶኡ ክሃርም

ታሪኽ ኣዴታትክን ሎሚ‘ውን ክድገም

ጠንቂ ዘይምስማርና ብግቡእ ክግምገም

ናይ ዋዕላኽን ዘተ ብዓወት ክዛዘም

ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዘዝኽእሎ ይዕመም።

       ሞራልክን ሓፍ ይበል ኣዴታት ኣጆኽን

       ብውሽጥን ብደገን ቀለስቲ ንስኽን

       ኣይመልእን ኩሉ ብዘይካኽን

       ባዕልኽን ዓጢቕክን ኣዕጥቓ ደቅኽን

       ብኩሉ ዓቕምና ኣሎና ኣብ ጐንኽን።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

27 ለካቲት 2019

 

Last modified on Wednesday, 27 February 2019 20:36