Print this page

ሃሎ ዓዲ ሃሎ

2019-01-26 11:22:31 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1695 times
Rate this item
(0 votes)

ጉዳይ ዶብ ከይተሓንጸጸ እንታይ’ዩ  ዝግበር ዘሎ

ምስ ኣሕዋቱ ከይመኸረ ንኢትዮጵያ ዘብዘብ ዘብሎ

ዝኾዓታ ጉድጓድ ባዕሉ ክኣትዋ እነሆ ይልሎ

ብገዛእ ዋኒንና ጉዱ ጠፊኡና  ስኢና እንብሎ

ምስ ኢትዮጵያ ዘይተነጸረ ዝምድና ንህዝቢ የሻቕሎ

ብዝኽተም ስምማዓት  ሓበረታ ደሊና ብህይወት እንተሎ

ኣብ ደልሃመት ከይንኣቱ ንዓሚል ደዊልናሉ ተሳኢኑሎ

ሃሰው ኣባህሉና ብህይወቱ  ክንረኽቦ እንተልዩ  ተኽእሎ

ሓቀኛ ሓበረታ ዓፊንካ  ድሌት ህዝቢዶ ይሕሎ

ኢሰያስ ዲዩ ኣቢዪ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ።

ኣሎ ብህይወቱ መሰል ከጥፍእ ንፍሕሶ ይዳሎ

ዓዲ ሃሎ ኮይኑ  ይመሚ ንሓሳባቱ ዝኽተሎ

ድላዩ ንኸተግብር ይኣስር ይቐትል ይጻረረኒ ንዝብሎ

ብቁጠባ ክንምዕብል ኣጉል ተስፋ ንህዝቢ ከታልሎ

ንዓመታት ዝኣክል ንህዝቢ ዓፊኑ ኣእትይሉ ሰሎሎ

ፖለቲካዊ ሕጽቦ ከኣ ይብለለይ ንጓና ክዕንግሎ

ህዝቡን ሃገሩን ደቚሱ ንዓለም ዝሓስብ መን’ሎ።

ብዶብ ኣመኽንዩ ዘጥፈኦም ተርሲዑ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ

ኣይከሰርናን ድማ በለ ህዝቢ ዝተደበሰ ክመስሎ

ዶብካ ከየውሓስካ ስምምዕ ዝመጽኦ መዘዝ ነስተውዕሎ

ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ወደብ ክትምስርት ከመይልና ንቕበሎ

ጽባሕ ከም ሓምሳታት ዘጓነፈና ፈጺምና ነይንቕበሎ።

ነስተውዕለሉ ሽርሒ ጓና ንህዝብና ኣታሊሉ ከይመቓቕሎ

ህዝቢ ምስ ሰራዊት ዝመጸካ ኣስተብህል ተዳሎ

ንሃገረይ ዝብል ከም ቀደምካ ጉራዴኻ ሰሓሎ

ንሃገራዊ መንነትካ ዘህስስ ክትድምስሶ ይጀመር ንቕሎ

ኢሰያስ ክውገድ ንህዝብና ኣብ ዓዘቕቲ ከየጥሓሎ

ህዝበይ ተበገስ ኣይተስቅጥ ንጨቋኒኻ ብኽሳዱ ኣንጠልጥሎ

ደቅኻ ብዶብ ኣምሰሳሚሱ ንዘህለቐ ኣስተብህሎ

ደጊም ኣብ ልዕለኻ ከየሽካዕልል ወጊድ በሎ።

ሰራዊት ሃገር ክትጭቈን ሓይሊ ምስኻ እንከሎ

ኢሰያስ ካብ ኢድካ መንጢሉ ምጭቋንካ ከይክቅጽሎ

ኣይትተሃመል ብጓና ከይትዕሎ።

ዝተሓንጸጸ ዕላማ ሃገራዊ ቃልሲ  ከነተግብር ህዝብና ዘንቀሎ

ጠባሪ ዘረባ ኢሰያስ ኣሚንና ኣይንደጋግም ነንዝበሎ

ሃገርና ዋና ስኢና ከይትተርፍ  ብጓና ከይትሕሎ

ኢሰያስ ኣስቂጡ ኣብዪ ብኣና ክዛረብ ስኢኑ ዝኽልክሎ

ኤርትራውያን ኢና ሃገራውነትና ከይድምሰስ ሓድነትና ነደልድሎ

ሓቢርና ንመክት ንመላኺ ስርዓት ያዕ ክነብሎ

ሰራዊት ምስ ህዝቢ ንስልጣን ምልኪ ክትምንጥሎ

ሰላም ራህዋ ክሰፍን ኣዕኑድ ዲሞክራሲያ  ክንተኽሎ

ተቐዋማይ ደጋፊ ሓደ ኢድ ንኹን ተሎ።

Last modified on Saturday, 26 January 2019 12:25