Print this page

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና

2019-01-10 07:13:34 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1764 times
Rate this item
(0 votes)

ደቂ ሰባት ኣብዛ ሰናይን ግናይን ዝበራረዩላ ዓለም ኴንና፡ ዓመት መጸ ምቅይያራት ርሑስ በዓል ክኾነልና ወትሩ፤ ካብ ምምናይ ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን። እዚ ትምኒት‘ዚ ንዝጅመር ዓመት ብሓጎስ፡ ብሰላም፡ ብቅሳነትን ራህዋን ተፋቒርናን ተሓጒስናን ከነብዕሎ ዘመልክት፡ ሰናይን ጽቡቕን ድሌት‘ዩ። ይኹን‘ምበር ብመንጽር እቲ እንደልዮ ክዕቀን ከሎ፡ ንእኡ ዝቀራረብ ውጽኢት ስለ ዘይተረኽበሉ፡ ነፍስና ተመሊስና ክንሓትት ዘመልክት ውሽጣዊ ምስጢር ምህላዉ ዝሕብር ኣምር‘ዩ።

በዚ መሰረት፡ ሎሚ እንምነዮ ርሑስ ልደት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ሰብኣዊ ተፈጥሮ ክብረትና ከይተተንከፈ፡ መሰልና ከይተጋህሰ ሰብ ኴንና፡ ከም ኩሉ ሰብኣዊ ፍጡር፡ ከምቲ ልሙድ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ባህላዊ ኣገባብ ንመዓልቲ ደስታ ብሓጎስ፥ ንመዓልቲ ሓዘን ከኣ ብሓባር ከነብዕሎን ከነሕልፎን ንምነ ኣሎና። እዚ ከኣ ናብቲ ኣብ ሂወትና ጎዲሉ ዘሎ ዕዮ-ገዛ ከነተኵር፡ ዓይንኻ ዓሚትካ ዘይሕለፍ እዋናዊ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ‘ዩ ዘእትወና፤ ማለት፡ ወዲ ሰብ ክፍጠር ከሎ ካብ ኣዳም ብዝወረሶ ሓጥያት ምኽንያት፡ ነዛ ዓለም‘ዚኣ ብዘለዎ ዓቕሚ ጽዒሩን ደኺሙን ብሃፈ-ጻምኡ ርሂጹን ዝግባእ ዋጋ ከፊሉን፡ ሰባኣዊ ክብሩ ሓልዩ ክነብራ እምበር ከም ኣዕዋፍ ሰማይ፤ ብኮፉ ክበልዕ ኣይፈጠሮን። እዚ ማለት፡ ሰሪሕካን ኣፍሪኻን ክትበልዕን፡ ነቲ ብተፈጥሮ ዝተዋህበካ ክብሪ ሓሊኻን ተኸላኺልካን ቀሲንካ ክትነብር ዝብል መልእኽቱ፡ በቲ “ ስራሕ ክምሰለልካ፡ ኳሕኵሕ ክኽፈተልካ፡ ለምን ክወሃበካ „ ክብል ዝመሃረና፥ እዚ ኣብ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ሕሰምን መከራን እምበኣር፡ ባዕልና ሰብ ጉዳይ እምበር፡ ካልእ ክፈትሓልና ዘይንጽበዮ ዋኒን ስለ ዝኾነ፡ ብሓባር እንለዓለሉ መድረኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ሓደን ዝሓምመሉ ካልእ ከኣ ዝዛነየሉ እዋን ኣይኮነን።

ብዘይካ‘ዚ፡ ዘሎናዮ ግዜ ከምቲ ዘበነ ምጅማር ሰውራ ወይ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ሌላ ብረትን ኣፍልጦ በረኻን ዱርን ዘለዎም ተበዓት ዜጋታት ዘይኮነስ፡ ምዕቡል ዘበናዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ትምህርቲ ዝቐሰሙ፡ ብፍትሕን ፍትሓዊ ምሕደራን ዝበሰሉ ምሁራንን፥ ንመሰሉ ክጣበቕ ዝኽእል ብቑዕ ግንዛበን፡ ንለውጢ ዝብገስ ኣፍልጦ ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ እዩ ዘድሊ። ኣብዚ መዳይ‘ዚ ድማ ግደ ምሁራን ኤርትራውያን፡ መተካእታ ዘይብሉ ረዚን ሓላፍነት ምዃኑ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ድሕረት ዝፈጠሮ ጸገም ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ‘ዩ። ካብ‘ዚ ረማሲ ናይ ድሕረት ዓዘቕቲ ክንወጽእ፡ ውዳበን ቀጻሊ ኣስተምህሮን ማዕዳን ተበግሶን ምሁራን ዜጋታት ኤርትራ በዂሩ ኣሎ ምባል ንምብርባር ዝዓለመ እምበር፡ ከም ነቐፌታ ክውሰድ ዘለዎ ኣይመስለንን። ብነቐፌታዊ ዓይኒ ንዝርእዩዎ ድማ፡ ዘይግባእ ኣይኮነን ዝብል እምነት‘ዩ ዘሎኒ። እዚ ክብል ከለኹ፡ ነቲ ሓሓሊፉ ብጽሑፍ ይኹን ብመልክዕ ቃለ መሓትት ግዲኦም/ኤን ዘበርከቱን ዘበርከታን፣ ገና ዘበርክቱ ዘለዉን ዘለዋኣን፣ ብኣብነት ዝጥቀስ የለን ማለት ኣይኮነን። እዚ ግን ብመንጽር‘ዚ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዝኸይድ ዘሎ ቀይዲ ኣልቦ ሸብዳዕዳዕ ክርአ እንከሎ፡ ኣበርክቶ ምሁራንና ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ውልዕ ጥፍእ ዝብልን ቀጻልነት ስለ ዘየብሉን፡ ኣብ ዕትሮ ዝተቐመጠት መብራህቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ክንድ‘ቲ ዝግበረሉ ትጽቢት ምሉእ ብርሃን ኣይሃበን ዝብል እምነት‘ዩ ዘሎኒ። ኣብዚ ከይትሓጸርኩ ካብ ምሁራን ዝጽበዮ ኣበርክቶ ብምህላዉ፡ ገለ ምኽሪ ሓዘል ሓበሬታ ምቕራብ ጠቓሚ እመስለኒ።

ከም እንፈልጦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ኣብ ነጻ ሃገሩ ከቢሩን ኮሪዑን ብሕጊ ክመሓደርን ብሰላም ክነብርን‘ዩ። ነጻነት ብልጭ ኢላ ክትዓርብ ከላ ድማ፡ እዛ ኤርትራስ እምበርዶ ህዝቢ ብሓፈሻ ምሁራን ድማ ብፍላይ ኣለዉዋ እዮም ዝብል ሕቶ ዘልዕል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንዓለም ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ‘ውን እዩ። እዚ ማለት ከኣ በብሞይኦም ኣብ ዓለም ተበታቲኖም ኣብ እንዳማቶም ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ዝህቡ ዘለዉ ምሁራንና፡ ዝግባእ ክብሪ ከይረኽቡ ዝገትእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ሕልና ቅሳነትን ድቃስ ለይቲ ዘይህብን በሰላ ዝገድፍ ዘሎ ስንብራት‘ውን እዩ። ካብ‘ዚ ንምውጻእ ከኣ ብፍትሒ እትመሓደር ሃገር ኣረጋጊጽና፡ ኣብ ዲያስፖራ ድማ ብኤርትራዊ መንነትና ኮሪዕናን ርእስና ኣቕኒዕናን ክንነብር መታን ክንክእል ፡-

1 - ኩሎም ምሁራንና ሓደ ዝጥርንፎም ሲቪካዊ ማሕበር ከቑሙ፤

2 - እዚ ኩሉ ሞያዊ ዓቕሚ ዝሓዘ ጥርኑፍ ማሕበር‘ዚ በብሞያኦም ኣብ ዘፍርዩሉ መደብ ዕዮ ክዋፈሩ ምግባር፤

3 - በዚ ሞያዊ መደብ ኣቢልካ ድማ ዝተፈላለየ መጽናዕቲ ምክያድ፤

4 - እዚ መጽናዕቲ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዝህሉ ተኽእሎታት ተጠቒሙ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክሕሎን፡ ብዘይ ሕጊ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘልግሰሉ መጽናዕቲ ከቕርብ ንትግባረኡ ክሳብ ዓወት ከማእዝንን፤

5 - ካብ ኤርትራ ተጋሒጡ ዝወጽእን መእተዊኡ ዘይተፈልጠ ጸጋታት ሃገር ዝከታተልን ጽጹይ መጽናዕቲ ዝገብርን፡ ንረብሓ ህዝቢ ዝውዕለሉ መገዲ ዝሕብር ኣካል ከቕውም፤

6 - እቲ ናይ ስነ-ሕብረተሰብ ሞያዊ ዓቕሚ ዝዓጠቐ  ክፋል ከኣ፡ ብመሰረት ሞያኡ ኣብ ዝነጥፈሎም ሕጋዊ ናይ መሰልን ክብሪ ደቂ ሰባትን ምስ ዝነጥፉ ማሕበራት ተኣሳሲሩ፡ ነዚ መሰል ህዝብና ብምግሃስ ዓለም ዝመስከረትሉ ኣሸባሪ ስርዓት፡ ብውሑድ ክሳራን ኣብ ሓጺር ግዜን ዝለግሰሉ ጽጹይን ውዱእን መጽናዕቲ ብምውዳድ፡ ጽባሕ ምቕያር‘ዚ ግፍዐኛ ውልቀ-መላኺ፡ ኣብቲ ወትሩ እንሓልሞ ፍትሓውን ሰላማውን ምስግጋር ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘእቱ መደብ-ዕዮ ናይ ምድላው ሞያዊ ሓላፍነት ምሁራን‘ዩ።

ኣብዚ‘ዩ ድማ እቲ ኣብ ዕትሮ ተቐሚጡ ዝነበረ ብርሃን ዝተመሰለ። ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዓሙቕ ጸልማት ኣውጺኡ ናብ ብርሃን ነጻነት ዘሰጋግርን ኣንጸባራቒ ዓቕሚ ምሁራንና ወሊዑ፡ ልዑል ክብርን መጎስን ህዝብና ብፍላይ፡ ህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ክረክብ ዝኽእል። ኣብ‘ዚ ሃገርና ኣብ ቃራና መገዲ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ ብሓባር ንድሕነታ ከይንቃለስ ሓሊኹ ሒዙና ዘሎ ሕዱር ሕማም፡ ድሕረት ምዃኑ ኩልና ዘይንስሕቶ ሓቂ‘ዩ። ነዚ ዘይርዳእ እንተልዩ ግን፡ ክርዳእ ድሌት ዘይብሉን ምስቲ ስርዓት ክጐሓፍ ዝመረጸን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ንቡር ሂወት ክሳብ ዝምለስ ከም ዘይመጓዕዝትና ክንቆጽሮ ናይ ግድን‘ዩ። ኣብዚ መዳይ‘ዚ እምበኣር፡ ንስድራ ቤት ኖህ ካብ ጥፍኣት ዘድሓነት መርከብን፡ በትሪ ሙሴ ዝዓተረ ካሪዝማቲክ መራሒ ከነለልን፡ ንእኡ ተኸቲልና ብምስዓብ፡ ኣብ ሓደጋ ኣትያ ንዘላ ሃገርናን፡ ተጋሂሱ ንዘሎ ክብርናን፡ ተሓምሪጉ ንዘሎ ባህልናን፡ ዳግማይ ከነምልስ ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት‘ዩ። ነዚ ዘሎ ናይ ለውጢ ዕድል ንረብሓና ክንሓፍሶ እንተዘይክኢልና ግን፡ እንተሎና ብሕልና ክንክሰስ፡ እንተሞትና ድማ ዓጽሚ ሰማእታትና እሾዅ ኮይኑ ከም ዝወግኣና ምግንዛብ ከድልየና‘ዩ።

ኣብ‘ዚ መስርሕ‘ዚ ግደ ሓይልታት ምክልኻል ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ነታ ፍልይቲ ግራት ኢሳያስ ኮይና ዘላ ሃገር፡ ንድሕነት ህዝባን ንልዑላውነታ ዝተረጋገጸ ሃገርን ትከላኸሉ ከም ዘየሎኹም፡ ካብ‘ዚ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ ምርሓና፡ ቀዳምነታት ጉዳይ ዶብ ዘኮነስ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ዘገደሶ፡ ዕሸላዊ ኣዘራርባ ከረድእ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተጋህደ ሓቂ ክህሉ ኣይክእልን‘ዩ። ካብ‘ዚ ተበጊስኩም እምበኣር፡ እትሕልዉዎ ዘሎኹም ዶብ ሰጊሩ ብነጻነት ኤርትራ ክጣላዕን ክዋገን እንከሎ፡ ንዘሎኩም ወተሃደራዊ ዓቕሚ ተጠቒምኩም፡ ከምቲ ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ዚምባብወ፡ ነቲ 40 ዓመታት ዝገዝኦ ውሒዱዎስ፡ ስልጣን ንበዓልቲ-ቤቱ ከረክብ ምስ ወሰነ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ‘ምበር ርስቲ ናይ እንዳ ሙጋበ ኣይኮነን ኢሎም ዘውረዱዎ ኣብነት ክትክተሉ ምተገብአ። እዚ ብዘይምግባርኩም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብተግባር ዘዕግብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ክሳብ ዘይረኣየ፡ ካብ መሳርሕቲ ጨቋኒ ስርዓት እንተቆጸረኩም፡ ከም ዘይተጋገየ ክርድኣኩም ይግባእ። በዚ ከኣ ነቲ ልዑል ኣኽብሮትን ተቐባልነትን ዝነበሮ ናይ ተጋዳላይ ስምኩም፣ ስም ናይቶም መሪሖምኹም ዝተዋግኡን ዘዋግኡን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንጀግንነትኩም ኣሚኖም ስልጣን ንህዝቢ ክርከብ ዝሓተቱን፡ ዝተቓለስሉ  ነጻነት፥ ብርሃን ጸሓይ ተሓሪሙዎም ኣብ ኣረሜናዊ ማእሰርቲ ዝበለዩን ዝበልዩ ዘለዉን፡ እቕረ ዘይበሃሎ ዳግማይ ጥልመት  ይፍጸም ምህላዉ ክርድኣኩም ምተገብኤ።

ይኹን‘ምበር ሕጂ‘ውን “ድንክል በለ‘ምበር ኣይተኻዕወን“ ከም ዝበሃል፡ ትጽቢት ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ጌና ካብ ዝሓለፈ ጕድለትኩም ተማሂርኩም ብዕጽፊ ክትክሕስዎ ተስፍኡ ኣይጸንቀቐን። ከምቲ “ተመን ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ ከሎስ ትገብሮ ምንጋር ኣድላይነት የብሉን“ ዝበሃል ምስላ፡ ካብዚ ንጀግንነትኩምን መሰል ህዝብኹምን እናበላሸወ ንዘሽካዕልል ስርዓት፡ በየናይ መገድን ኣበየናይ ግዜን፡ ናይ ምልጋሱ ስጉምቲ ትወስዱ፡ ማዕዳን ምኽርን ዘድልየኩም ኣይመስለንን። ነዚ መደብ‘ዚ ኣብ ትብገሱሉ ህሞት ድማ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ውጹዕ ህዝብኹም ዝድለ ደገፍን ልዑል ኣኽብሮትን ከም ዝገብረልኩም ኣይትጠራጠሩ።

ዝኸበርኩም መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥ ሃገርን ዘሎኹም፡ እዚ ሰዊት ዕድመኹም ጅሆ ሒዙ፡ ሓንሳብ ይከኣሎ ሓንሳብ ዋርሳይ ቀጺሉ ጻጸ ፍልሖ ዝብል ኣስማት እናሃበ፡ ክትምዕብልሉ ዝግባእ ዕድልኩም ረሚሱ፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢልኩም ክትዓርቡ ዝገበረ ጨካን ስርዓት ክሳብ ዘሎ፡ መቐረት ዘለዎ ሂወትን ቀሲንካ ዝሕደር ለይትን ከም ዘየሎ ካባኹም ንላዕሊ ምስክር የሎን። ብእኡ ከየኽተመ እቲ ሰንካም መሓውሩን ሓሳድ ኣሰራርሕኡን ምስ ናብራ ስደት ተደማሚሩ፡ ርግእ ኢልኩም ሰላማዊ ናብራኹም ንምቕጻል ኩርኳሕ ኮይኑ፡ ብዘይሃገር ክብረት ብዘይሰላም መቐረት ዘለዎ ሂወት ምሕላፍ ከም ዘየሎ ተረዲእኩም፡ በብዝመስለኩም መልክዕ ውደባ ኣብ መሳርዕ ደለይቲ ፍትሒ ትጽምበሩ ምህላውኩም ዝምስገን‘ዩ። እቲ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ተሪፉና ዘሎ ወሳኒ ቀዳማይ ዕዮ-ገዛ ግን፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣማራጽታት ንመራጺኡ ዝግደፍ ኮይኑ፡ ብምሉኡ ዓቕምና ብሓደ ሓቢሩ፡ ኣንጻር ምልኪ ከጥቅዕ፡ ዝዓጠቐ ሓይሊ ክኸውን ከም ዘለዎ ምግባር‘ዩ። እዚ ማለት ከኣ ውደባ ንሓደ ውሱን ዕላማ ንምዕዋት ዝተጠርነፈ ቍጽሪ ሰባት ዝሓዘ መቃለሲ ባይታ‘ምበር ንባዕሉ ዕላማ ክኸውን ከም ዘየብሉ ኩልና ክንርድኦ ይግበኣና። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ከኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ፡ እቲ መኣዝኑ ጠፊኡ ዘሎ ባህሊ ምክብባርን ምድምማጽን ኣብ ንቡር ምምላስን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓርጐጽጐጽ ዝመለለይኦምን ኣወንታውን ኣሉታውን ውጽኢቶም ብልቦና ገምጊምናን ከም ታሪኽ ሰኒድናን፡ ነቲ ኣዎንታ ኣማዕቢልና ክንሰርሓሉን፡ ነቲ ኣሉታ ድማ ከይደግሰና ክንጥንቀቐሉ ከም ዘሎና‘ዩ።

ኣብ ዘሎናዮ እዋን፡ ዘሪእና ከይነፍሪ ወሊድና ከይነዕቢ፡ ሕማም አይድስ ኮይኑ ደኒሱና ዘሎ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ዓቢ መልእኽቲ ዝሓዘት እዋናዊ ደርፊ ምዑት ድምጻዊ ስነ ጥበባዊ ተኽለሚካኤል ገብሩ ተኸቲልና፡ ነታ ምስ ምሉእ ጸጋኣን ህርኩት ህዝባን ጽማልያ መሲላ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ብስርዓተ ሕጊ ትምራሕ ክንገብራን ኣብ ሓምላይ ክንቅይራ ዘብዘብ ክንብልን ይንገረና ኣሎ፡ ሃየ ንስዓቦን።

ኣብ መደምደምታ፡ እዛ እንጅምራ ዘሎና ዓመት፡ ኩሉ ጻህያይ ግራትና ኣሊና ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣረጋጊጽና ከም ሰብ ኮሪዕናን ከቢርናን ብሓጎስ ኣብ እነብዕላ ዓመተ - 2020 ከተሰጋግረና ድማ እምነ።

ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ!

29.12.2018

 

    

Last modified on Thursday, 10 January 2019 09:12