Print this page

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውድባዊ ቤት-ጽሕፈትን ናይ ምሉኣት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ

2018-10-27 02:58:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1951 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም 20 ጥቅምቲ 2018 ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውድባዊ ቤት-ጽሕፈትን ናይ ምሉኣት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣብ’ዚ ምልኣት ሱታፌ ኣባላት ዝነበሮ ኣኼባ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣልዒሉ ዓሚቕ መግለጺ ሂቡ፡

1)     ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝኸይድ ዘሎ ርኽክባትን ስምምዓትን

2)   ኩነታት ተቓውሞ

3)   ኣህጉራዊ ኩነታትን ምትእስሳሩ ምስ ኤርትራን

4)   ጉባኤታት ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ን ህ,ወ,ሓ.ት ን ውጽኢቱን ትርጉሙን

5)   ስትራተጂናን ፖሊሲታትናን ናይ ትግባረ መደባትናን

6)   እንታይ ንገብር ኣሎና እንታይ ክንገብር ይጽበየና ኣሎ

ኣባላት ብወገኖም ብርክት ዝበሉ ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። እዚ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ሓፈሻዊ ኣኼባ፡ ተስፋ ዝህብን ፍናን ኣባላት ሓፍ ዘበለን ኮይኑ ተዛዚሙ።

 

ብደም ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልዑላውነት ሃገርና፡ ብዋጋ ዕዳጋ ኣይድፈርን’ዩ!          

ክንዕወት ኢና!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.

25 ጥቅምቲ 2018

Last modified on Saturday, 27 October 2018 05:04