Print this page

ህጹጽ ጻውዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ - ካብ ስልጣን 10/10/2018

2018-10-19 18:01:16 Written by  Snitna.com Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2192 times
Rate this item
(0 votes)

ምንጪ ሓበሬታ፡ snitna.com

http://www.snitna.com/articles/Urgent-call-by-Ex-EPLF-Members-to-depose-President-Isaias.php

JavaScript Kit

11/10/2018 02:42 AM

ህጹጽ ጻውዒት
ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡
ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ - ካብ ስልጣን
10/10/2018


EPLF Fighters

ህጹጽ ጻውዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ - ካብ ስልጣን - 10/10/2018

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተን ካልእ መንገዲ ስለ ዘይነበሮን ኢዩ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰገረ። እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ቃልሲ ናይ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን፡ ድምር ዓወታት ኩሎም ተጋደልትን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ነቲ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ መንግስታዊ ስርዓት ዝተኸለ ግን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኢዩ። ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሕ ዝበቕዐ፡ መራሒ ናይቲ ሽዑ ብዓወት ዝኣተወ ህዝባዊ ግምባር፡ ስለ ዝነበረ ጥራይ ኢዩ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባርን ኩሉቲ ዓንዲሕቖ ኮይኑ ነቲ ኲናት ዘዐወተ ህዝብን ከኣ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮነ፡ ምስኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ፍረ ጻማ ናይቲ ን30 ዓመታት ዝጠፍአ ህይወትን ዝሃለኸ ጉልበትን ንብረትን ከዕትሩና ትጽቢት ነይሩና ኢዩ። ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ግን ተስፋን ትጽቢትን ናይ ህዝብን ተጋደልትን እናተባሕጎጐ ክኸይድ ጸኒሑ። ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት፡ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቂቑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገር’ውን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። እነሆ ከኣ ሎሚ ብዘይ ኣፈላላይ ‘ይኣክል’ እንብለሉ እዋን ኣኺሉ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ገበናት ብዙሓት ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ፡-

1. ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ናጽነት፡ ኤርትራዊ ክብሩን ኩርዓቱን ተሓዲጉ ኣብ ሕስረትን ሕፍረትን ጸኒሑ። ፍትሒ ጠፊኡ፡ ህዝብና - ኣብ ፍጹም ምሕረት ውልቀ-ሰባት ኣትዩ። ህግደፍ ሕጊ እንዳ’ባ ኣጥፊኡ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተኣታተወ ሕግታት ኣልዩ፡ መተካእትኡ ዝኸውን ሕግታት ኣየምጽአን። ከም ሳዕቤኑ እነሆ ኤርትራና፡ ዜጋታታ ንኽብሮምን መሰሎምን ዝከላኸልሉ መባእታዊ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ።

2. ህዝቢ ብዛዕባ መሰልን ፍትሕን ንኸይሓስብ፡ ብመደብ ጥሜትን ድኽነትን ኣተኣታትዩ። እዚ ከኣ ቅድም ኣብ ገዛእ ተጋደልቱ ፈቲኑዎ። ቀስ ኢሉ ከኣ ኣብ ምሉእ’ቲ ህዝቢ፡ ዕዮን ዓያዪ ጉልበትን ከም ዝጠፍእ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ብዝተጸንዐ መንገዲ ነዚ ናይ ጥሜትን ድኽነትን መደቡ ኣተግቢሩዎ።

3. ናይ ህዝቢ - ብፍላይ ከኣ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ንምዕጋትን “ኣብ ኲናት ኣለና” ንምባልን፡ ምስ የመንን ሱዳንን ባይቶ ዘይፈልጦ፡ ዘይእዉጅን ዘይወግዓውን ግጭት ፈጢሩ። ነቲ ዝጸንሐ ወታደራዊ ኣሰራርዓ ንምብታንን፡ እሙናት ኣገልገልቱ ናብ እዝታት ንምምጻእን ከኣ ተጠቒሙሉ።

4. ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ግጭት ብምስዋር፡ መባእታዊ መሰል ናይ እምነት ኣጊዱ፡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ‘ክትጽልዩ ተረኺብኩም’ ንዝበሎም ኣሽሓት ምእመናንን ኣሲሩ።

5. ህዝቢ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ተኻቲዑ ዘዳለዎ ቅዋም (constitution) ከይትግበር ሓንጊዱ። ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ግቡእ ኣሰራርሓ መንግስቲ ጠፊኡ፡ ውልቀ-ሰብ ፊን ብዝበሎ መንገዲ፡ ንጉሆ ንጉሆ ብዝቀያየር መምርሒታት ኣትመሓደር ሃገር ኮይና ኣላ። ኢሳያስ ባዕሉ ቅዋም ክሰርሓልና ምዃኑ’ውን ብንዕቀት ነጊሩና።

6. እቲ ዝነበረ ስማዊ ባይቶ ኮነ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ዘይፈልጡዎን ዘይዘተይሉን፡ ንኹሉ ዓቕምታት ኤርትራ ዝጸንቀቐ መጠነ ሰፊሕ ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ከፊቱ። ኲናት ምስ ጀመረ’ውን ንምኽርን ማዕዳን ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻልን፡ ላዕለዎት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ነጺጉ። ከም ሳዕቤኑ ኣስታት 20 ሽሕ ህይወት መንእሰያትና ኣብ ኲናት ጠፊኡ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ናይ ህዝብና ተዘናቢሉ፡ እዚ ዘይበሃል ሃብቲ ሃገር ከኣ በሪሱ።

7. ኣብ 1994 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር፡ ዕድመ ስልጣን ናይቶም ሽዑ ዝተመርጹ ሓለፍቲ ንሰለስተ ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ 1997 ዓ.ም ካልእ ጉባኤ ተኻይዱ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ኢዩ ወሲኑ። ኢሳያስ ስለ ዘይደለዮ ግን ኣይተተግበረን። እዚ ኢሰያስ ዝመርሖ ስርዓት እምበኣር፡ ካብቲ ናይ ግዜ ገደብ ወጻኢ ዝተቐመጠ፡ ሕጋውነት (legitimacy) ዘይብሉ ኢዩ።

8. ኣብቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝጠፍአ ህይወት ብዙሕ’ኳ ኣንተኾነ፡ ሽዑ ግን ውልቀ ሰባት ኢዮም ይሞቱ ነይሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ግን እታ መሰረታዊት ባእታ ናይ ሕ/ሰብ ዝኾነት ስድራ ቤት ኢያ ሞይታ። ብሰንኩ ምሉእ ሕ/ሰብ እንተላይ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ ኮነ ፖለቲካዊ ውርሻኡ ኣብ ብርሰት በጺሑ ኣሎ።

9. ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ “ፕረዚደንት” ገደብ ክግበረሉ ድምጾም ንዘስምዑ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ፍሩያት ዝበሃሉ ኣባላት ሃገርዊ ባይቶን፡ ኣብ እግሪ ተኽለን ንዝነበራ ልዑል ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዝነበረን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣባላተንን ቀይዱ፡ ኤርትራ ናብ ፍጹም ስርዓተ-ራዕዲ ቀይሩዋ።

10. ምሉእ ሃብቲ ሃገር ናቱ፡ ንኹሉ’ቲ ህዝብን ሰራዊትን ከኣ፡ ኣብ ውሽጡ ሰፊሕን ዝተራቐቐን ሰላያዊ መርበብ ብምትእትታው፡ ልኡም ኣገልጋሊኡ ከም ዝኸውን ገይሩዎ። ካብቲ ብዘይ እዉጅ መንገዲ ካብ ዝተጻዕኖ ባርነት ክሃድም ዝፈተነ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ (ኣንስትን ቆልዑን ከይተረፉ) ብናይ “ተኲስካ ቅተል” ትእዛዝ ከም ዝሃልቁ ገይሩ።

11. ነቲ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸል ሓይልታት ምክልኻል (ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣየርን ምድርን) ከም ትካል ኣምኪኑ፡ መንእሰያት ናብ ዝሳቐይሉ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩዎ። ብሰንኩ፡ ሃገር ዝከላኸለላ ዘይብላ፡ ብዘይ ዋሕስ ተሪፉ።

12. ኣብ ቀንዲ ብሎኮታት ናይ ተፍትሽ ንቑጣታት ብምቛም፡ ምንቅስቓስ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ዓጊቱ። ልሙዕ መሬት ካብ ዋናታቱ ኣሕዲጉ ፍርያምነቱ ከም ዘጥፍእ ብምግባር፡ ሰብ ሰርሖ ጥሜት ኣተኣታትዩ። ንኤርትራዊ ሰብ፡ ካብ ድኻ ናብ በተኽ ቀይሩዎ። ትጽቢት ህዝብና፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ቤተ ሰቡን መቕርቡን ኮይኑ። ብኣንጻሩ ሃብትን ማዕድናትን ሃገርና ተተጻዒሩ ንወጻኢ ይኸይድ ኣሎ።

13. ክልቲኡ ቀንዲ ወደባትናን ሃብቲ ባሕርና፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ቦዂሩ፡ መኺኑ ተሪፉ።

14. ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምእካል ስኢኑ፡ ብስምናን ብስም ሃገርናን - ኤርትራውያን ዘይንፈልጦም ሕጊ ዘይተኸተሉ በይናዊ ውዕላት ይፈራረም ኣሎ።

15. ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ሃንደበትን ቅድመ- ምድላዋት ስለ ዘይተገብረሉን፡ ህዝቢ መረበቱ ገዲፉ ብእኩብ ይጠፍእ ኣሎ። ደቅና ካብ ገዛኦምን ካብ ገዛእ ሃገሮምን ይጠፍኡ ኣለዉ።

16. ብኣጠቓላሊ ኢሰያስ ካብ ዝኸሓነ ጽልኢ ህዝብና ዝነቅል፡ ንኹሎም ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝውግን፡ ዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብናን ዘረጋግጽ፡ ብኣንጻሩ ንስሱዕ ባህርያቱ ዘርዊ ኣካይዳ ሒዙ ኣሎ።

. . . እቲ ዝርዝራት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ

ካብዚ ተበጊስስና ከኣ ኢና፡ እዞም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንነብር 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ከምቲ ምኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝበሎ፡ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ክነብር፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ከእለ ንጽውዕ ዘሎና።

ኣብ መእተዊ ከም ዝተገልጸ፡ ኢሰያስ ኮነ መሳርሕቱ፡ ኣብ እንግድዓ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ተወጢሖም ዝኣተዉ ኢዮም። ተጋደልትን ኣባላትን ህዝባዊ ግምባር ከኣ ንጥፍኣትን ብርሰትን ሃገር ኣይተቓለስናን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃልሲ ብሓደ ቃል ብሓባር ንሃገርን ህዝብን ዝሞትና፡ ሕጂ’ውን እዞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንነብር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ኢሰያስን ኣመራርሕኡን ንሃገር ስለ ዘየርብሐ፡ ብዘይ ወዓል-ሕደር ብህጹጽ ስልጣኑ ከረክብ፡ ኣብ ቦትኡ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ፡ ህዝብን ሃገርን ዘረጋግእ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ደጊምና ንጽውዕ።

ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብሪሱ እምበር ኣይጠቐመን። ሎሚ ኢሰያስ ከቢድ ጾር (liability) ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ጸጋ (asset) ኣይኮነን። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምስምስ ክእለ ጥራይ ከኣ ኢዩ ዘለዎ።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ድማ፡

• ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኹም ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ዝተቓለስናሉ ዕላማ ንኸንቱ ከይጠፍአ፡ እቶም ዝረሓቕና ብድምጺ - ብሞራልን ንዋትን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለኹም ከኣ ዝከኣል ክትገብሩ ንጽውዕ።

• ኣባላት ሰራዊትን ንዓና ዝተካእኩም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንስለ ህዝብኹም፡ ኣብ ምእላይ ኢሰያስን ስርዓቱን ሓላፍነትኩም ክትስከሙ ንጽውዕ።

• መላእ ህዝቢ ኤርትራ - ብሓባር “ይኣክል” ክብልን ኣብ ምእላይ ኢሰያስ ክዓስልን ንሓትት።

• ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብሞራልን ንዋትን ክተሓጋገዛ ንምሕጸን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!


Signatories ዝርዝር ኣስማት ፈረምቲ

ቁ.NameስምAddress
1. Abraham Gebrekidan ኣብርሃም ገብረኪዳን Manchester
2. Ali Hayoti ዓሊ ሓዮቲ London
3. Amanuel Eyasu ኣማኑኤል ኢያሱ London
4. Amanuel Teame ኣማኑኤል ጠዓመ London
5. Amuna Mohammed ኣምና መሓመድ Edinburgh
6. Bereket Kibreab በረኸት ክብርኣብ Birmingham
7. Berhe Fisehaye በርሀ ፍስሃየ London
8. Berhane Tsegay Futur ብርሃነ ጸጋይ ፍጡር London
9. Biniam Asmelash ቢንያም ኣስመላሽ Nottingham
10. Biniam Debesay ቢንያም ደበሳይ Nottingham
11. Mehamed Ali Salih መሓመድ ዓሊ ሳልሕ London
12. Daniel G/selasie Garza ዳንኤል ገ/ስላሴ ጋርዛ London
13. Dawit Fisehaye ዳዊት ፍስሃየ London
14. Dawit Tewolde ዳዊት ተወልደ London
15. Efrem Embaye ኢፍረም እምባየ London
16. Ellen Andemariam Haile ኢለን ዓ/ማርያም ሃይለ London
17. Gebre Kahsay ገብረ ካሕሳይ Nottingham
18. Genet Tsehaye ገነት ጸሃየ London
19. Habtom Tekle ሃብቶም ተኽለ London
20. Helen Woldeslasie ሀለን ወልደስላሴ London
21. Isaias Asfaha ኢሰያስ ኣስፍሃ London
22. Jumeea Ahmed Hassan ጅምዓ ኣሕመድ ሓሰን Manchester
23. Jemal Siraj ጀማል ስራጅ Leeds
24. Kedija Abdelqadir Nayb ከዲጃ ዓብደልቃድር ናይብ London
25. Kenedi Measho ኬነዲ መዓሾ Birmingham
26. Kiflu Tewolde ክፍሉ ተወልደ Manchester
27. Kirubel Abraha ኩርቤል ኣብርሃ London
28. Mebrat Gebrengus መብራት ገብረንጉስ London
29. Michael Gebremichael ሚኪኤል ገብረሚካኤል Manchester
30. Mihret Haile ምሕረት ሃይለ London
31. Mogos Berhane መጎስ ብርሃነ London
32. Mohamed Birhan Abdelqadir መሓመድ ብርሃን ዓብደልቃድር London
33. Saba Yisaq ሳባ ይስሓቅ London
34. Senait Abraha Kidane ሰናይት ኣብርሃ ኪዳነ Birmingham
35. Sirak Asfaha ሲራክ ኣስፍሃ Birmingham
36. Solomon Yohannes ሰሎሞን ዮውሃንስ Leeds
37. Suleiman Hindi ሱለይማን ህንዲ London
38. Surafiel Yaqob ሱራፍኤል ያዕቆብ London
39. Taamrat Ghidey ተኣምራት ግደይ Cambridge
40. Tadesse Kidane ታደሰ ኪዳነ Birmingham
41. Tadesse Tesfamariam ታደሰ ተስፋማርያም London
42. Tecleab G/Michael Hidru ተኽለኣብ ገ/ሚካኤል ሕድሩ Birmingham
43. Tedros Tekle ተድሮስ ተኽለ London
44. Tesfalem Abreha ተስፋኣለም ኣብርሃ Nottingham
45. Tsegay Ghebrehiwet ጸጋይ ገብሪሂወት London
46. Tsega Weldeselsie ጸጋ ወልደስላሴ London
47. Tsige GebreSelasie ጽገ ገብረስላሴ Nottingham
48. Tsigehana Yohannes ጽገሃና ዮውሃንስ Cambridge
49. Yohannes Tsegay ዮውሃንስ ጸጋይ London
50. Zewdi Deres ዘወዲ ደረስ London

ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ። Read in PDF.

Source=http://www.snitna.com/articles/Urgent-call-by-Ex-EPLF-Members-to-depose-President-Isaias.php

Last modified on Friday, 19 October 2018 20:07