Print this page

ደጊም ህግዲፍ መሕብኢ የብሉን

2018-10-11 05:10:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1846 times
Rate this item
(0 votes)

ጉጅለ ህግዲፍ በብእዋኑ ካብ ሓቅን ክውንነትን ዝረሓቐ ምስምሳት ብምቕራብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክሽሕጦ ከም ዝጸንሐ ሕጂ ተቓሊዑ እዩ። ህግዲፍ ህዝቢ ዘዳህልለሉ ምኽንያት ክስእን እንከሎ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕሪ ሃገር ስለ ዝርዳእ ነዚ መዝሚዙ ድራማታት ይፈጥር። ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ ዝፈጥሮም ዝነበረ፣ ኣብ ክንዲ ህድኣትን ሕግን ትዕቢትን ታህዋኽን ዘቐድሙ ውግኣት ዕላመኦም ምድህላልን ኣቕጣጫ ምቕያርን እዩ ነይሩ። እዚ መምሃሪ ተመኩሮ ኣብ ዘይኮነሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ውግእ ኣዝዩ ብዙሕን ብዝተፈላለዩ መዳያት ዝግለጽን ማህሰይቲ ኣስዒቡ ሓሊፉ።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግኣት ከምቲ ምስ ካለኦት ሃገራት ዝተኻየደ ጐንጺ ውሑድ ዋጋ ዝሓትትን ብቐሊሉ ዝድቅስን ኣይነበረን። ብሰንክዚ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ከከም ዓቕሞም ንብረት ዘጥረዩ ኤርትራውያን ዛሕዛሕ ኢሎም። ናይዚ ዛሕዛሕ ስንብራት ክሳብ ሎሚ ከምዘይሃሰሰ ኣብዚ እዋንዚ ዝጠፈአ ንብረቶም ንምምላስ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ፈቐዶ ቀበለታት፣ ወረዳታትን ክፍለ ከተማታትን ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስክር እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮን ብሰንክቲ ተግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣትን ዝርዳእ እንተዝነብር፣ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ውግእ ከፊቱ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ ቅልውላው ኣይመፈጠረን። እንተኾነ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ኮነ ኢሉ መሪጽዎስ፣ እቲ ክወርድ ዘይነበሮ ጉድኣትን ክሳራን ወሪዱ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ህግደፍ ሓልዮት ህዝቢ ከምዘየብሉ ተረዲኦም እዮም። ገለ ውሑዳት ግና ሓንሳብ በቲ ናይ ህግደፍ ኣምሱልነት ምስተሰልቡ ናብ ልቦም ዘይተመልሱ ኩነታት ረጊጽዎም ዝሓለፈ ይህልዉ ይኾኑ።

መራሒ ህግደፍ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ ከም ማለት እዩ ብዝብል ተመጢጡ ክምካሕ ምስ ጸንሐ ኩሉ ትምክሕቱ በኒኑ፣ ባደመ ጥራይ ዘይኮነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ’ውን ናይ ምብጻሕ ዕድል ረኺቡ። ነቲ ናይ ሽዑ ናይ ስዕረት ኩነታት፣ ካብተን ናይ ዓለምና ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሓደ፣ ቢቢሲ ኣብቲ እዋንቲ “ሰራዊት ኤርትራ ተሳዒሩ” ( Eritrean army is deffited) ዝበሎ ክሳብ ሕጂ ኣይርሰዖን። እንተኾነ ዓለም ተጓይያ ነቲ ውግእ ኣህዲኣቶ። ከም ውጺት ናይቲ ህድኣት ከኣ ስምምዕ ኣልጀርስ ተፈሪሙ። ጉዳይ ዶብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ተወሲዱ። ንዶብ ዝምልከት ፍርዲ ከኣ ተዋሂቡ። በቲ ፍርዲ መሰረት እታ ናይቲ ውግእ መጸዊዒት ዝኾነት ባድመ ናብ ኤርትራ ተፈሪዳ። እዚ ማለት ግና ሰፊሕ ናይ ኤርትራ ዝበሃል ዝነበረ መሬት ናብ ኢትዮጵያ ኣይከደን ማለት ኣይኮነን። ብዓይኒ ቁጠባዊ ልምዓትን ህዝባዊ ምምዝባልን እንተተወሲዱ ኣብቲ ፍርዲ ኢትዮጵያ እምበር ኤርትራ ኣይኮነትን ረቲዓ ዝብሉ፣ ነቲ ኩነታት ብስምዒት ዘይኮነ ብህድኣት ዝመዝኑ ብዙሓት እዮም።

ዋላ’ኳ እቲ ፍርዲ ቀያድን ናይ መወዳእታን እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምትግባር ቅሩብነት ኣይተራእየን። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ናይቲ ንኻለኦት ዘቤታዊ ጉዳያት ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውዳእ ብውሽጡ ዘይድግፎ’ኳ እንተነበረ፣ ከም ደጋፊ ግብራውነት ናይቲ ብይን መሲሉ ቀሪቡ ክፍክርን ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ መሲሉ ክቐርብን ጸኒሑ። ዋላ’ኳ ገለ ንባህርያት እቲ ጉጅለ ዝፈልጡ፣ ናይ ህግደፍ ናይ “ቅድሚ ኩሉ ዶብ ይመልከት” ፈኸራ፣ ካብ ልቢ ከምዘይነበረ የተብሁ እንተነበሩ፣ ብዙሓት ውገናት ግና ምጉብዕባዕ ህግደፍ ሓቂ መሲልዎም “መን ከማኻ” ክብልዎ ጸኒሖም። ኣብ መወዳእታ ዞናዊ ረብሓኦም ንምውሓስ፣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደለዩ ናይ ርሑቕ ጎብለላት ንመራሒ ህግደፍ ምስ ሸረጥዎ፣ ኣይኮነንዶ ዶብ ከጥርር ነታ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” እትብል ሓረግ ናይ ምጥቃስ ልሳኑ ከም ዝተዓጽፈ ንዕዘቦ ኣለና። ብኣንጻሩ ነቲ ኩነታት ንምድውዋስ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ኣብ ዝተተኽሉ ጓይላታት ኣህተፍቲፉ። ኣይኮነንዶ ደገፍቱስ ንሕና ተቓወምቱ እውን እቲ ኤርትራውነት ግዲ ቀንጥዩና ከክንዱ እምብዛ ሓፊርና።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ወደኽደኹ ግዜ ከይወሰደ፣ ወዮ ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓብዒቡ ዝጸንሐ፣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፣ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፣ ኩሉ መሰላት ምኽባር፣ ልዕልና ሕጊ ምስፋን ወዘተ ዝብል ሕቶታት ኣጉሊሑ፣ “እሞኸደኣ ሕጂ” ክብሎ ጀሚሩ። ህግደፍ ስለ ዝደለዮ ዘይኮነስ፣ ብዘይተጸበዮ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተኸፍተ፣ ተዓጊቱሉ ዝነበረ መንደቕ ከም ዝተሰብረ ማይ፣ ኤርትራዊ ናብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ብምውሓዝ ንህግደፍ “ምሳኻ የለኹን” ኢልዎ። ኣብዚ ህሞትዚ ወዮ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፍራሕ ዝነበረ ህግደፍ ውቃበኡ ተገፊፉ ካብ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ “ከምዚ ይኹን፣ ከምዚ’ባ ይገበር” ዝብል ዓቕሙ ጠሊምዎ ኣንጐልሒጡ ይዕዘብ ኣሎ። ኮታ ዓይኑ እንዳረአየ እዝኑ እንዳሰምዐ ተሳዒሩ። ወዮ ብጉዳይ ህዝቢ ዘሽካዕልልን ዝምካሕን ዝነበረ ሓጫጪ ልሳን ኣቶ ኢሳይያስ ተዓጺፉ። ክሳብ ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዉ ዝመስሎም ዝነሩ፣ ኣብ ስእሊ ተሰሪዕም እንርእዮም ግና ድምጾም ዘይንሰምዖም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት’ኳ ሎምስ “ሓሚመ ጸሚመ” ክብሉ ምጅማሮም ይውረ ኣሎ። ንምንታይ ከምኡ ክብሉ ጀሚሮም ዘዛርብ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣግሂዱ “ኣይናትናን ኢኹም” ኢሉ ክሳብ ዝነድሖም ምጽንሖም ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።

Last modified on Thursday, 11 October 2018 07:12