Print this page

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዳግማይ ኣቦ-መንበር ኢህወደግ ኮይኖም

2018-10-06 10:02:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2498 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ኢትዮጵያዊ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ኣብ መበል 11 ጉባአኡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣቦ-መንበር ኦሮሞ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ: እንደገና ኣቦ-መንበ ናይቲ ግንባር ገይሩ መሪጹ። ኣብዚ ካብ 3 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝተኻየደ ጉባአ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦመንበር ኣምሓራ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ከኣ ምክትል ኣቦ-መንበር ናይቲ ግንባር ኮይኖም ተመሪጾም። ብመሰረት ቅዋም ኢህወደግ ኣቦመንበርን ምክትሉን ዝመርጽ እቲ ካብ ኣርባዕቲአን ውድባት ብማዕረ ቁጽሪ ዝቐውም 180 ዝኣባላቱ ማእከላይ ቤት ምኽሪ እዩ። እዚ ማእከላይ ቤት ምኽሪ ኣቦመንበርን ምክትሉን ሓዊስካ ካብ ኣርባዕቲኣን ውድባት ብማዕረ ዝቐውም 36 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ስርሕ እውን ይመዝዝ እዩ፡

እዚ ጉባአ ኢህወደግ ስረሓቱ ክዛዝም እንከሎ፣ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። ብመሰረቲ መግለጺኡ፣ ዋላኳ ብዙሓት ወገናት እዚ ጉባአ ኣብ ሓያሎ ነጥብታት፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ግንባር ክምርሓሉ ዝጸንሐ ርእዮተ-ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ተዘርጊሑ ዘሎ ስርዓት ፈደራሊዝምን ለውጢ ክገብርዩ ዝብል ግምት እንተነበሮም፣ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ኣይገበረን። ጉባአ ኢህወደግ ዝተኻየደሉ ኩነታት ኣብተን ኣባል ውድባት ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ፍልልያት ኣብ ዝተንጸባረቐሉ፣ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት እታ ሃገር ዓሌት ዝመሰረቱ ጐንጽታት ኣብ ዝሓየለሉን ኣብ መንጎ እተን ክልላዊ ምምሕዳራት ሓሓሊፉ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ኣብ ዝረኣየሉ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣ ብሓድነት ኣይክወጽእን እዩ ዝብል ስግኣታት ሓዲርዎም ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጉባአ ጉዳያቱ ኣከኣኢሉን ሓድነቱ ሓልዩን ብምዝዛሙ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተስፋን ሓጐስን ኣሕዲሩ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 06 October 2018 12:05