ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ወከልቲ ጨናፍር ሰዲህኤ ካብ ምሉእኤውሮጳ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሰፊሕ ጉባኤ ከም ዘሰላሰሉን፡ ተሞክሮ ሰልፊ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ድማ ብፍላይ መዚኖም። ኣብቲ ጉባኤ ብኣሰናዳት ሽማግለ ዝቀረበ ናይቲ መስርሕ ጸብጻብቀሪቡ፡ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ነበር ዘቅረብዎ ናይ ስራሕ ወረቃቅቲ ካብዝጠቀሶ፡ ሓድነቶም ኣረጋጊጾም ንዘጋጥሞም ዝነበረ ፈታና ብድሆታት ገጢሞም ከምዝሓለፍውዎ ዝዘከረ ነይሩ። ኣብዚ ስጥመቶም ሽማግለን መላእ ኣባላትን ኣረጋጊጾም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጉባኤ ንክልተ ዓመት ንዞባ ኤውሮጳ እተማእክልሓዳስ ሽማግለ ምምራጹተሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ድማ እቲ ሽማግለ ነብሱ ሰሪዑን ዕማማቱ ተመቓሪሑ ኣብ ዕቱብ ስራሕ ኣትዩ ምህላዉ፡ ሓላፊ ዜና ዞባ ኤውሮጳ ሓቢሩ።
ቀጺሉ፡ ብዕለት 07 መስከረም 2018 ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ኣብዝገበሮ ኣኸባ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዑን ሓይሊ ዕማማት (task forces) ከም ዝመዘዘን ኣባላትዘሰከምዎ ሓላፍነት ኣብ ተግባር ንምዎኣሎም ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ እውን ተገሊጹ ኣሎ።
ገለ ካብቶም ናይ ትግባረ ዕማማት ንምጥቃስከኣ፡
1 - ንህሉዊ ሃገራውን ሰልፋውን ዕማማትኣብ ምምራሕ ግዲኡ ከበርክት ዝኽእልን፡ ንዲክታቶርያዊ ጉዕዞ ክምክት ዝኽእል ዓቕሚ ኣባል ምሕያልን ምንቕቓሕን፡ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ካብ ምሕዳስ ነፍሲ-ወከፍኣባል ዝጅምር ምዃኑ ምእማንብስራሕ ንምርኣይን።
2 - ህሉዊ ኩነታት ህዝብናን ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ድሕነት ጠለብን ሰልፍና “ሓቢርናንስራሕ ከነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብልጭርሖ ከነዐውት ምጻዓር (ምስ ኩሎም ፓለቲካውያን ውድባት ደላይ ፍትሒ ሓይልታትን ብመሰረት እማመ ሰልፍና ምስራሕ)፡
3 - ምስ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ቃልሲ በዂሮም ዘለዉ ዜጋታት ብጽዑቕ ምርኻብን ምብርባርን፡
ዝተጠቕሰ ዕማማት፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብመሪሕነት ሰልፍን፡ ናይ ዞባ ሽማግለ ዝቐርቡ ናይ ሳሕ ዕማማት፡ ላዕሎዎት ካድራትሰልፍን ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ጨናፍር ኣብ ኤውሮጳን ከማልኦም ዘሎዎ ማዓልታዊ ናይ ስርርዕ ዕማማት ምዃኖም እውን ይዝከር።
ሓቢርናንስራሕ ከነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና