Print this page

ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካቢንኡ ኣፍሪሱ

2018-09-10 11:55:40 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2116 times
Rate this item
(0 votes)

 

ፕረሲደንት ዑመር አልበሽርImage copyright
ASHRAF SHAZLY

ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሽር እታ ሃገር ገጢምዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ንምግጣም ንካቢነ እታ ሃገር ከም ዘፍረሰ ተገሊጹ።

በዚ መሰረት 31 ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪታት ናብ 21 ከም ዝጎድል ክግበር ኢዩ።

ፕረሲደንት ኣልበሽር ሱዳን ካብ ትርከበሉ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ንምግልጋል እዚ ስጉምቲ ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ።

ትማሊ 9 መስከረም፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እቲ መራሒ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ኢዩ ነቲ እማመ ኣጽዲቕዎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት መንግስቲ ክገብሮ ዝጸንሐ ድጎማ ብምቁራጹ፡ ዋጋ ሕብስቲ ብዕጽፊ ምዉሳኹ ስዒቡ ናይ ተቓዉሞ ሰልፍታት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ባጤራ ሱዳን ዋግኡ ከም ዝጎድል ብምግባሩ ካብ ሃገራት ወጻኢ ስርናይን ካልኦት ምህርትታትን ምዕዳግ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።

ክኢላታት ቁጠባ ከም ዝብልዎ ተኾይኑ፡ ካብ ቅድሚ 7 ዓመታት ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ካብ ትፍለይ ንደሓር፡ ቁጠባ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ክትፍለይ ከላ 75 ካብ ሚእቲ ዝኸዉን ናይ ነዳዲ ሃብቲ ብምሓዝ ኢያ ናጽነታ ዝኣወጀት።

74 ዕድመ ዘለዎ ኣልበሽር ናብ'ዚ ስልጣን ካብ ዝመጽእ 25 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
 
Last modified on Monday, 10 September 2018 14:05